ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ካሌስ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ቆልዑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ዑቕባ ከይረኽቡ ዝቕይድ ቅጥዒ ብምውጽኡ ብኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ብትሪ ከምዝነቐፉዎ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። እቲ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ከተማ ካሌስ ናይ ፈረንሳ ድሕሪ ምዕጻዉ ዝወጽአ ሓድሽ ቅጥዒ፣
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ካሌስ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ቆልዑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ዑቕባ ከይረኽቡ ዝቕይድ ቅጥዒ ብምውጽኡ ብኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ብትሪ ከምዝነቐፉዎ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። እቲ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ከተማ ካሌስ ናይ ፈረንሳ ድሕሪ ምዕጻዉ ዝወጽአ ሓድሽ ቅጥዒ፣
ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ኣብታ ዝነበሩዎ ጃልባ ሞይቶም ዝተረኽቡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግዳያት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 15 ሕዳር ኣብ ሲሲልያ ስነስርዓት ቀብሪ ከም ዝተኻየደሎም ኣብ ካታንያ ዝነበር መንነቶም ኣብ ምጽራይ ዝተሓባበረ ሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ኣቶ ኣብርሃ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኣረጋጊጹ። እቶም
እቲ ክብ ዝበለ ዓለም ለኻዊ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት 2017 ትግርኛ ብዝርከቦም 11 ቋንቋታት ኣገልግሎት ፈነወ ብምጅማር ሚልዮናት ኣህዛብ ክበጽሕ መዲቡ ከምዘሎ ትማሊ ረቡዕ 16 ሕዳር ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም ክውሰኹ መደብ ተታሒዙሎም ዘለዉ ቋንቋታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝይዳ ዝዝረቡ ኣፋን ኦሮሞን ኣምሓርኛን፣
ወርሒ 10/ 1973 ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ ብከምዚ ኣገባብ ይጅምር* በራኺ ፈንቅል ጸጋይ ቀሺ ኣድሓኖም ኢሰያስ ተወልደብርሃን ኮይኖም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ይብልዎ፡- እዚ ኵሉ ኩነታት ኣምጺእዎ ዘሎ ሰለሙን ወልደማርያም ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጅሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣውራጃ ምንቅስቓስ ሕጂ’ውን ጀሚርዎ ኣሎ። ስለዚ ንህ ዘሎና ኩሉ ክንፍድሖ ኢና።
ዝኸበርካ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ እዚ ዘካፍለካ ዘለኹ ሕውነታዊ ምኽርን ምሕጽንታን፡ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ኣውያት፡ ማእሰርትን ስደትን ህዝብና ለይትን መዓልትን ክስምዖ ይመረኒ፡ የሕስበኒ፡ ህላወ ኤርትራ የጠራጥረኒ ስለዘሎ፡ ህዝብኻን ሃገርካን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ንመጻኢ ወለዶ ዘኹርዕ ስጉምቲ ክትወስድ ንምዝኽኻር’ዩ። ከምእትዝክሮ፡ ኣብ ግንቦት 1991፡ እታ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ
ዓባይ ብሪጣንያ ጸጥታ ናይቲ መራኽብ ንግድን ነዳድን ዓለም ብጻዕቂ ዝመሓላልፋሉ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዝርከብ መጻብቦ ባብ ኤለምንደብ ንምቍጽጻር ነታ ዝማዕበለት ናይ ውግእ መርከባ ብሰላሕታ ኣዋፊራታ ምህላዋ oilprice.com ዝተባለ መርበብ ዜና ንጋዜጣ The Times ናይ ዓዲ እንግሊዝ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ምዋፍር ናይታ HMS
ቅድሚ ትማሊ 8 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ፣ እቲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣንጻር ሰደተኛታትን ውሑዳን ጉጅለታትን ደቀንስትዮን ዝቐንዐ ዘይውርዙይ ጎስጓሳት ብምክያድ ኣብ ሚልዮናት ኣመሪካውያን ስግኣትን ቂምታን ዘሕደረ ቢልዮነር ኣውፋሪ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሂላሪ ክሊንተን ተዓዊቱ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ኣመሪካውያን ወጻኢ መበል 45
ንጉያ ብጉያ ትቕድሞ ንቖሎ ስገም - ዓሚካ ትግስሞ ንጽቡቕ ከይደቀስካ ትሓልሞ ንመደብ ስራሕ - ኣቐዲምካ ትኣልሞ ውጽኢቱ ክትሓፍሶ ክተለምልሞ ባኺኑ ከይተርፍ - ውጽኢት ጻዕርኻ ተጋየይ ኣስተውዕል - የማን ጸጋምካ ንዓል ገበል ጎብየ - ከቲሮም ከይበልዑኻ ተጠንቀቕ መርምሮ - ጉዕዞ መገድኻ። ብእግርኻ ይረግጹ - ብጫማኻ ይኸዱ ንልሳንካ ጨውዮም - ብዛዕባኻ የኻዕድዱ መንነትካ ዘንጊዖም - ብምልሓሶም ይዓብዱ ንስኻ ክትርህጽ
ኣመሪካ ገና ጎብለል ዓለምና ከም ምህላዋ መጠን፣ እቲ ጽባሕ 8 ሕዳር 2016 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫኣ ዓለም-ለኻዊ ኣቓልቦ ክስሕብ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝዓጀበኒ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፣ ህዝቢ ኣመሪካ ጽባሕ ንሂላሪ ክሊንተን ወይ ዶናልድ ትራምፕ ከም ፕረዚደንት ንምምራጽ ድምጹ ክህብ ተዋዲዱሉ ኣብ ዘለወሉ ናይ ዜሮ ሰዓት፣
ኣልኣዛር ብርሃነ ዝተባህለ፣ ኣብ ሊብያ መስቀል ዘለዎ ማዕተብ ገይሩ ክኸይድ ከሎ ብ ኣይሰስ ተታሒዙ ን ሰለስተ ዓመታት ዝተሳቐየ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ስደተኛ፣ በቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ሰጊሩ ኣብ ካግሊ-ያሪ (Cagliari) ዝበሃል ከተማ ብኣጠራጣሪ ኩነታት ድሕሪ ምማቱ፣ 5 ህዋሳቱ ብኡንብኡ
እንፈትዎ ኣቦናን ሓውናን ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ፡ ገብረሚካኤል ኪዳነ (ጻዕዱ): ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊ ሰንበት 11/06/2016 ኣብ ኢንድያናፖሊስ ዓሪፉ። ናይ ሐዛንን ቀብርን ስነ ስርዓት ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ሓዘን ። ሰሉስ ረቡዕ ሓሙስ 11/8-11/2016 5-9 ድቀ: ዓርቢ 2-10 ድቀ ደብረገነት ኪዳነ-ምህረት ኦርቶዶክስያዊት ቤተ-ክርስትያን 230 W. Morris St. Indianapolis, IN46225 ፍትሓት፡ ቀዳም 11/12/2016 ካብ ሰዓት 1-3 ድቀ ደብረገነት
በሃር ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ፣ ሎሚ ሰንበት 6 ሕዳር ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ዓወት ጨቢጡ። ወዲ 20 ዓመት ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ክልተ ሰዓትን ሸውዓተ ደቒቕን ሓምሳን ሓደን ካልኢትን (02:07:51) ውድድሩ ብምዝዛም እዩ፣ ብድሕሪኡ ዝነበረ ኬንያዊ ተወዳዳሪ ሉቃስ ሮቲች ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ቀዲሙ እዩ ተዓዊቱ።
ሽሕ`ኳ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብኸቢድ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኸበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ዝሓሸ ህይወት ሕልሙ ክግህደሉ ኣይከኣለን። ሎሚ በዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአን እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ሃገርና ዘይሓዝንን ዘይጒህን ኤርትራዊ ምስ ዝህሉ ሕልና ዘይብሉ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ። ካብዚ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ ተኸታታሊ ጉጅለ እገዳ፣ ብ ሓገዝ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበርን ወደብን ምስርሑ ይኹን፣ ህላወ ናይ ወጻኢ ኣጽዋርን መሳለጥያታትን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣገንዚቡ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብውሑዱ 240
ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ብህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ክረጋገጸሉ ዘልዕሎ ግሁድን ዘይግሁዱን ተቃውሞን መረረን፡ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን” ኢሉ ስለዝንዕቆን ብጭካነ ይምልሰሉ ስለዘሎን፡ ይዕበ ይንኣስ ፍጻሜ ህግደፍ ወትሩ እዉጅ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሳብ ክንደይ ተነጺሉ ከምዘሎ ዝግንዘቦ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ
“ Those who cannot learn from history are doomed to repeat it “ Gearge Santayana ትርጉሙ “ እዞም ካብ ታሪኽ ዘይመሃሩ ፥ ጌጋታት እናዯገሙ ይነብሩ “ ሽግራት ብቐሊሉ ክፍትሑ ኣብ ዘለውሉ እዋን ፥ ቀልጢፍካ ብዘይምውሳንን ሓቢርካ ብዘይምስራሕን ፥ ኣብ ዘይተዯልየን ብቐሊሉ ክትወጽኦ ኣብ ዘይትኽእልን ዓዘቕቲ ይእቶ። ክሳራታቱ
ናብ ዝኸበርኩም መደብ መቕረብቲ፤ ኣነ ኢትዮጵያዊ ኮይነ መደብኩም ካብ ብዕሙቀት ዝከተታተሉ ሓደ እየ። እስቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተዓዘብክዎ ንእሽተይ ወስ ከብለልኩም እሞ ብዝጥዕም ክተቕርብዋ ይምነ። ህበይ ፅሕፍለኹ ኢላ ኣብ ክንዲ ብክንቲት ብካራ ክሳዳ በጢሳ ይበሃል። እዛ ሓሳብ ገና ብቖልትና እናሃለና ፅውፅዋይ ዝዝረበና ዝነበረ ዘኪረ እየ። እዚ እውን
እወ ኤርትራዊ ብሐፈሻ ብፍላይ ድማ ንደለይቲ ፍትሒ ኢና እናበሉ ዝዛረቡ፦ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዘይክፍሊት ናይ ሰብ ሕልና አብ ብድሌት ዝተሞርኾሰ'ዩ። እንተኾነ ጃህራን ሐሶትን ከም ዝቀትል ዘይፈልጡ፡ ንሐቀኛ ጅግንነታዊ ታርክና ዝፈታተኑ ብርግጽ አተዓባብያ ዝበደሎም፡ ከም ሃመማ አብ ዝጨኑ ቀልቀል ዝዓይነቱ ጥራሕ ዝዓስሉ፡ ተንኾለኛታት ሕጂ ተጸምቢሮሙና
ህዝቢ ኤርትራ መሓልፎ ሎሚ - ማለት ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ሰውራ አካይዱ ልኡላውነት ምጕንጻፉ - ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸጥታዊ ጸገም አለዎ። መነባብሮ ህዝብና ብጥሜትን ውግእን ሰላሙ ካብ ዚጠፍኦ ዳርጋ ሓደ ዘመን ሓሊፉ’ዩ፣ ይኹን ድአ’ምበር ማሕበራውን ጸጥትኡን መኣዝን ቃልሱን ከምዚ ናይ ሕጂ ዘለዎ መኣዝኑ ስሒቱ ኣይፈልጥን። ዚዀነ
ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝመጹ 1500 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምዝፈጸመን ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ብሓለፍነት ክሕተትን ንዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍ፣ ሎሚ 27 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ፊት ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ
ነቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይይስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዝሃቦ መደምደምታ ብምድጋፍ ጽባሕ 27 ጥቅምቲ ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ ናይ ደግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን ዝመጽኡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብድሮ ኒውዮርክ ይኣትዉ
ክልተ ፓይሎታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሎሚ ንጉሆ 26 ጥቅምቲ ሓንቲ ናይ ስልጠና ንፋሪት ሒዞም መቐለ ብምዕላብ ናብ ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዝሃቡ ዜናዊ ምንጭታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ኢዶም ዝሃቡ ክልተ መኮንናት ሓይሊ ኣየር፣ መብራህቱ ተስፋማርያም መንገሻ፣ ከምኡ ‘ውን ኣፈወርቂ ፍስሃየ ገሬሱስ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ‘ውን ፓይሎታት ዝርከቡዎም
22.10.2016 መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝነብሩ ብኣካል ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ክፋለጡን ኢሂን ምሂን ተበሃሂሎም ከኣ ክመያየጡን ንዘኽእሎም ኲነታትን ሃዋህውን ንምፍጣር ድሕሪ ናይ ሓያሎ እዋን ውረድ ደይብ ሓሳባት እነሆ ከልብን መዓልትን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ተባሂሉ ብኣበው ኣቦታትና ከምዝተመሰለ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 22.10.2016 ብዘደንቕ ኣገባብ ብቡዙሓት ደቂ
ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!” 2ይ ክፋል 22,10,16፡ መብርሂ፦ ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርኩዎ ጽሑፋተይ ብ”ዎርድን ፒዲኤፍን (Word and PDF) ስለዝሰዶ ኣብ Assenna . com ምንባቡ እንተጸጊምኩም ኣብ Togoruba.org ብፒዲኤፍ ምንባቡ ከምዝቐለልኩም ክሕብር እፈቱ። ንኣብነቱ ቀዳማይቲ ክፋል ናይዛ ኣርእስቲ ተመሊስኩም ኣንብቡዋ። ስለ’ቲ ሓበበሬታኹም ድማ ኣዝየ አመስግን። ንቐጽል በሉ። ክቡር ጀነራል፡ መቸም
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ጻዕርታትና ኣወሃሂድና ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና፡ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ እዩ።እቲ ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣዎንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ ንደልዮ ፍጹም ዓወት ክንጭብጦ ብዘይምኽኣልና ብዙሕ ህይወት ከሲርና ዝተረፈ ከኣ ኣብ ውሽጢ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ሀገራዊ ጽላል መጠን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ንምስጋርን ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ብመሰረት ቀዳማይ ሰሚናር ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተወጠነ መደብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካላኣይ ሰሚናር ብምጽዋዕ ካብ 14-17/10/2016 ኣብ ዘሎ ግዝያት ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ- ኣበባ ተሰላሲሉ። ካልኣይ ሰሚናር
ነቲ ን27 ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ ክካይድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ትማሊ ረቡዕ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለምጠይቕ ዝገበሩ ወከልቲ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምፈጸመ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳኔ
ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ እዮም ኢሉ ነቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፣ (Home Office)፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣትሪሩዎ ዝጸንሐ መምርሒ ዑቕባ ኤርትራውያን ዝጻረር ብይን ድሕሪ ምሕላፉ፣ Home Office ነቲ ቀጻሊ ነቕፌታ ክበጽሖ ዝጸንሐ ፖሊሲኡ ክቕይሮ ከምዝተገደደ
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ St. Paul ሬድ ሲ ማርኬት ዝብሃል ቢዝነስ ዝውንን ህርኩት ኤርትራዊ ማይክ ተኸስተ ንሓንቲ ብሓደ ድልድል ዘሊላነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝፈተነት ኣደ ብምድሓኑ ሎሚ ሰኑይ ብኣኽበርቲ ሕጊ ናይቲ ዝነበረሉ ከባቢ፣ ‘Ramsey County Sheriff’s Award for Excellence’ ዝብሃል ናይ ንኡድ ስርሓት ማዳልያ ክሽለም ምዃኑ twincities.com
ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ኣቱም ኣሕዋት! ብጉድለት ንቕሓት ንጠፍእ ከም ዘለና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ኣብ ሓደጋ ንወድቕ ከም ዘለና! ይስቆረናዶ’ሎ ይስቆረና! ቅድሙን ድሕሩን ሰሪዖምና ከም ዘለዉ ከጥፍኡና ንዝቐደሙ ክነድሕን እንተ ዘይተጓየና ደድሕሪኦም ስዒብና ጠፋእቲ ምዃና ደቂ ጀጋኑ ሰብ ታሪኽ ምዃና ስለ ዘዘንግዑና ይሕልኑ ከም ዘለዉ ዋና ዘይብላ መሬት ከረክቡ ንጸላኣትና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ሓንቲ ጥራይ ምዃና ምርጫና እስከ ንሕተት ንተሓታተት! ከይጸቐጠና ድበት እስከ ንመርምር ሕልናና ንዘክር ደቂ ክቡር
ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!” 1ይ ክፋል፡ 14,10,16፡ “እታ ናህና ኩሉሳዕ ናህና ኢያ”። እታ ዝሓየለትን ነባሪትን ጥቕሲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም! መንቀሊ ሓሳበይ እቲ ብጋዜጠኛ ሩት ሃብተማርያም ተተርጒሙ ኣብ መርበብ ኣሰና “እቲ ካልእ ድምጺ” ብዝብል ኣርእስ ቲ ዝተፈነወ ቃለ-መሕትት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኢዩ። ንእግረ-መገደይ’ውን ኣብ ፌስቡክ ብ’ወዲ ሰውራ’ ዝተፈነወ ጀነራልና
'Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution ('ንጹር ጠመተ ኣብ ጉዳይ ግርጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ተኽእሎ ሰላማዊ ፍታሕን) ዘርእስታ መጽሓፍ ብ ኣብ ስቶክሆልም፣ ስዊድን ዚቕመጥ ገዲም ተጋዳላይ ሑሩይ ተድላ ባይሩ ብቋንቋ እንግሊዝ እተጻሕፈት ኢያ። ብኣገላልጻ
ሽሕ`ኳ ብቃና ድምጻዊት ሄለን መለስ፡ `ኣንታ ሑሩይ ንበር፡ መታን ታሪኽ ኤርትራ ክምርመር` እንተዘይበልና፥ እዛ ሓዳስ መጽሓፉ ዳርጋ ክንድኡ ዝኸውን ተኽእሎታት ኣለዋ። መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ምስ ተኸታተልቲ ኣሰና ፋውንዳሽን ኣፋሊጡዋ ከምዘሎ፡ ምሁርን ገዲም ተቓላሳይን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ገድልን መንግስትን ኤርትራ ጎሊሑ
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ናይቲ ብምዝመዛ ነጻ ጉልበት ኤርትራውያን ዝተኸሰ ኩባንያ ዕደና ነቭሱን ሪሶርስ ኣብ ፍርዲ ክርአ ብቓድ ብምህብ ብርቂ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ ብዙሓት ግዳያት ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ክሲ ንምምስራት ተቐሪቦም ከምዘለው ኣብ ዘ ጋርድያን ዝወጸ ዓንቀጽ ኣገንዚቡ። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ሓደ
ኩላትና ከምእንፈልጦ ንዝመጽእ ዘሎ ጥቅምቲ 27, 2016 ኣብ ኒው-ዮርክ ከተማ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት (UN Headquarters)፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምድጋፍ ዓቢይ ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። ሰበ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት
ኣብ 40ታትን 50ታትን፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብይን ምስ ኣሕለፈ፡ ማለት ኣብ ክንዲ ክብሩን መሰሉን ዝሕልወሉ ናጽነቱ ዝወሃብ፡ ኣብ ትሕቲ ሞጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብናይ ሓሶት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምቁራን፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ኢትዮጵያ ምስኣተወ፡ ምእንቲ መሰሉ
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ብይኑ እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘምለጡ ወይ ‘ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ዝወጹ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ምስ ዝምለሱ፣ ማእሰርትን ግፍዕን ዝርከቦ ርኡይ ሓደጋታት ከምዝወርዶም ብዘየማትእ ኣገንዚቡ። እቲ ብይን ነቲ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ናብ ‘ታ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኤርትራ፣ ናብ
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን፦ ብጥርኑፍ ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና ፡ ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ። ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣወንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ ንደልዮ ዓወት ግን ክንጭብጦ ኣይከኣልናን። ብስሙር ቃልሲ ተጠርኒፍና ብዝሓጸረ መንገዲ፣
መራኸቢ ብዙሃን ስርዓት ህግደፍ፣ ብዛዕባ ኩነታት ኢሳይያስ ካብ ምዝራብ ኣጽቂጡ ድሕሪ ምቕናይ፣ ብ 9 ጥቅምቲ ናብ ኢማራት ከምዝገሸ ሎሚ ረቡዕ 12 ጥቅምቲ ኣብ ራብዓይ መዓልቱ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ልኡል ኣቡዛቢ ከምዝትራኸበ ምግላጹ፣ መቐጸልታ ናይቲ ምስ ዕረፍትን ስነስርዓት ቀብርን ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ተኣሳሲሩ
ቤት ጽሕፈት ንምጥያስ ስደተኛታት ወይ ከኣ ኦፊስ ኦፍ ረፊጁ ሪሰትልመንት ተባሂሉ ዝፈልጥ ፈደራላዊ ትካል ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንማሕበርኮም ኤርትራውያን ኣብ ሳንታ ክላራ በቲ ዘቐረቦ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ስራሕ ፕላን ምርኩስ ብምግባር ናይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ($495,030) ዶላር ኣሜሪካ ፋይናንስዊ ሓገዝ ኣበርኪቱሉ። ነቲ ዝተረኽበ ፋይናንሳዊ ዓወት