Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብወግዓዊ መግለጺ ብምዅናን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ካናዳን ኤውሮጳን ሃገራዊ ምትእኽኻብ ዝጽውዕ ናይ ሓድነት ኣኼባታት ከሰላስል ዝጸንሐ ገዲም ተቓላሳይን ውፉይ ሃገራውን ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሎሚ ምሸት 12 ጥሪ ኣብ ለንደን ሰፊሕን ዕዉትን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ንሱ ኣብቲ ሰፊሕ

READ MORE

ብውዲት ጸጥታ ሱዳን ምስ ብዓልቲ ቤቱ ብራሻይዳ ተጨውዩ ኣብ ሲናይ ንሓያለ ኣዋርሕ ዝተሳቐየ ግርማይ (ካስኮ) ካብ ጭውያ ሓራ ድሕሪ ምውጽኡ ናብ ውሑስ ቦታ በጺሑ። ብውዲት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ብዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሚልዮን ካብ ሸገራብ ብራሻይዳ ተጨውዩ ናብ በደዊን ሲናይ ድሕሪ ምሻጡ

READ MORE

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ሓድነት ዑደት፣ ንሃገራዊ ምትእኽካብ ዝጽውዕ ሰሚናር ንምክያድ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ለንደን ዝርከብ ገዲም ተቓላሳይ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ቀዳም 11 ጥሪ ምስ ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ተራኺቡ፣ መራሕቲ ሃይማኖትና ህዝብና ኣብ ምጥርናፍን ሓድነቱ

READ MORE

ዕለት 06/01/2014 ሰሚናር ሚላኖ ዶክተር ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ዝሓለፈት 05 ጥሪ 2014 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ብዙሃት ካብ ዝተፈላልዩ ከተማታት ጣልያንን ፣ ስዊዝን ዝመጽኡ ኣስታት 200 ዝኮኑ ኤርትራውያን ዝተሳተፉሉ ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ። እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳ ስቶክሆልም፡

READ MORE

ንሕና ኣባላት "ኤ.ም.ል.ም.ግ."  (ኤርትራዊያን፤ ንምህናጽ ልፍንቲን፤ ምፍታሕ ግርጭትን) ብዝብል ሽም እንጽዋዕ ኣቐዲምና ንመሰጋገሪት ሽማግለ ነቲ ብርቱዕ ስራሕ ብምቕባሎም ልዑል ልባዊ ምስጋናና ይብጻሓዮም ንብል። ከምኡ እውን ነዚ ወሲዶሞ ዘሎዉ ዕማም ምስላጥ ዓቢ ሓላፍነት ምዃኑ፤ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ናይ ታሪኽና ቐጻሊ ግርጭትን ሕልኽልኽን ዝመልኦ መንገዲ ኣዝዩ ትዕግስትን

READ MORE

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዮውሃንስ ትካቦ “ወዲ ትካቦ” ንህ.ግ.ደ.ፍ. ራሕሪሑ ምስ ተቓዋማይ ህዝቢ ወጊኑ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ። ንዝተረኽበ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዕድል ብምጥቃም፣ ወዲ ትካቦ ጋሻና ኰይኑ ምሳና ክሓድር ተዓዲሙ፣ ንዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝተቐበሎን ክመጽእ ምዃኑን ምስተረጋገጸ፣ ብኣሳናዳእቲ መደብ በዓል፣ ሰፊሕ ናይ ዕድመ መልእኽቲ ንህዝቢ ተዘርጊሑ ቀንዩ። ኤርትራውያን

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝቃለሱ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ኣብ  ዓዲ ኢንግሊዝ ዝቖመ ማሕበር ተጋደልቲ፡ ትማሊ ቀዳም 04 ጥሪ 2013 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ ዝነብሩ  ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ብሙኻን ንዓመተ 2014 ጸምቢሉዋ። እቲ ብማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዝዓተዓደመ ናይ ድራርን ምዝንጋዕን

READ MORE

ልዕሊ 30 ሽሕ፣ ሓያለ ኤርትራውያን ርከቡዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፣ ሎሚ ንጉሆ፣ ኣብ ተልኣቪቭ፣ እቲ ሓዱሽ ናይ ማእሰርቲ ሕግታት ክውገዝ፣ ብዓቢኡ መሰል ዑቕባኦም ክሕሎ ዝጽውዕ ዕዉት ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ፣ ኣብቲ ዕዉት ውዕሎ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ንድምጺ ኣሰና ሓቢሮም። ጸጥታ ከኽብሩ ዝወዓሉ ፖሊስ እስራኤል፣ ኣብ ታሪኽ ናይዛ

READ MORE

ንኹሉኹም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ : እዋኑ እዋን ሓድነት እዩ : ነዚ መለኸት እዚ ክዉን ንምግባርን ኣብ ሓደ ንምምጽኡን ብኣቦናን ሓውናን ዶር. ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ ) ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ክገብሮ ዝጸነሐ ሰሚናር መቐጸልትኡ ኣብ ዙሪኽ ንዕለት 04/01/2014 ዝተሓስበ ሰሚናር ብምምሕዳር ካንቶን ዙሪኽን ፖሊስ ዙሪክን ኣብ ዉዱእ ሰዓት ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ጉዳይ ሎሚ

READ MORE

ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ‘ዚ (ጥሪ 21 2013) ኣብ ውሽጢ ኣስመራ፣ ኣብ ዝተኻየደ፣ ብ”ስርሒት ፎርቶ” ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንለውጢ መሪሑ ብጅግንነት ዝተሰውኤ፣ ኮሌኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) በኺታ እድሪስ ዑመር፣ ምስ ክልተ ደቃ፣ ሪሃም ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ከምኡ ‘ውን

READ MORE

  በይ ኤርያ ካሊፎርኒያ 20 ታሕሳስ 2013 ኣባላት ቦርድ ዳዕሮ በይ-ኤርያ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልኩም እንዳበልና፡ ከምኡውን ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ብዕለት 7 ታሕሳስ 2013፡ መሰጋገሪ-ሽማግለ በይ ኤርያ፡ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣሰላሲሉ።   1) ነቶም ብዕለት 24 ሕዳር 2013 ብህዝባዊ ኣኼባ ዝተበገሱ ሓሳባት ብዝያዳ ኣነጺሩ 2) መስርሕ

READ MORE

ድሃይ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ- ንፍትሕን ለውጥን                                                                                                                         12/23/203 ከም መቐጸልታ ናይ`ቲ ኣብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ተበጊሱ ዘሎ ጥርናፈታት፡ ኣብ ኮሎራዶ ንርከብ ኤርትራውያን`ውን ሓድነትን ጥርናፈን ናይ ደለይቲ ፍትሒ፡ እምኒ ኩርናዕ ናይ`ታ ኩላህና ንብህጋ፡ ንምነያን ንሓልማን ፍትሓዊት፡ ሰላማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ሙዃኑ ብምእማን፡ ካብ ተቀማጦ ኮሎራዶ ኣባላት ዝተፈላለያ

READ MORE

ኣብ ንኡስ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣብ መንጎ ሰራዊትን ህዝብን ክሳብ ምቅትታል ዝበጽሕ ፍሕፍሐ ይርአ ከምዘሎ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ንሓደ ወዲ ጀሪድ ዝብሃል መንእሰይ ተቐማጣይ ኣፍዓበት ኣብ’ቲ ወርቒ ዝፍሓረሉ ዝነበረ ካባቢ ብጥይት ድሕሪ ምህራሞም  ኣብ ሆስፒታል ኣፍዓበት ብኡ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምኽንያት ብዓል ልደት ንፖለቲካዊ ጎስጓስ ናብ ወጻኢ ዝለኣኾም፣ ኣሚነ ተ/ስላሰ፣ ኢሳያስ ደበሳይ፣ ፋጥማ ኢብራሂም፣ ሳሙኤል ተዓገስ፣ ሄኖክ ተኽላይ ዝተባህሉ ሓሙሽተ ደረፍቲ ንሓደ ሰሙን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፍራንክፈርት ተታሒዞም ከምዝቐነዩ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም። በዚ ምኽንያት፣ እቲ ኣብ ሆላንድ፣ ሮተርዳም፣ ን25 ታሕሳስ ከቕርቡዎ ሒዞሞ

READ MORE

"ስቕታ ይኣክል" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ: ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ስንስናቲ ኦሃዮ ሕ.መ.ኣ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከካይድዎ ዝጸነሑ ምዝርራብን ምርድዳእን ብ 21 ታሕሳስ 2013 ወግዓዊ ኣኼባ ብምክያድ ኣብ ሓደ ማሕበር ተጠንንፎም ብሓባር ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽቃለሱ ወሲኖም። ኣብቲ ዕለት ከኣ " ምንቅስቓስ ኤርትራዊያን ንፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን" ኣብ

READ MORE

ንሓደ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሐት ከተማ ቦር ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ዝቐነዩ ልዕሊ 450 ኤርትራውያን፣ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝወረዶም ጉድኣት ከምዘየልቦ፣ እንተኾነ፣ ንብረቶም ብምሉኡ ከምዝተዘምተ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንኣሰና ሓቢሮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ቦር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት

READ MORE

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኤፍሬም ገ/ክርስቶስ ብዕለት 10.12.13 ምስ ወከልቲ ምምሕዳርን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ከተማ ማይምነ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ አኼባ ብምሕዳር ንኡስ ዞባ ዝተወደበ ኮይኑ አብዚ ኣኼባ ዝተዓደማ ዓድታት ኣብ ኣከባቢ ማይምነ፤ ከባቢ ደብረስላሰ፡ ከባቢ ዓዲ ዃላ ዝርከባ ዓበይትን ንኣሽቱ ዓድታት ክኾና ከለዋ፣ ብሓፈሻ ካብ አስታት

READ MORE

ህጹጽ ዜና ኣሰና - ኣብ ቦር ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ከባቢ ናይቲ ልዕሊ 450 ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዘለዉ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጽዑቕ ቶኽሲ ክስማዕ ጀሚሩ ከምዘሎ ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ደዊልና ኣብ ዝገበርናዮ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ኣረጋጊጽና። እቲ ቶኽሲ ኣብ ዝስመዓሉ ዘሎ እዋን፣ ቆልዓ

READ MORE

ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ ኩሎም ነጻ ተለቒቖም፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይደሉ ሰነዳት ብጭብጢ ተታሒዙ። ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ትማሊ ቐዳም 21 ታሕሳስ ኣብ ገሊላ ዝተኻየደ ግጭት ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ

READ MORE

ሎሚ ቀዳም 21 ታሕሳስ ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስን ኣብ እስራኤል፣ ገሊላ ኣብ ዝተባህለ ከተማ በእማንን ድሕሪ ምግጫዎም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 12 ኤርትራውያን፣ 3 ካብኣቶም ብኸቢድ፣ ትጎዲኦም ናብ ሕክምና ክለኣኹ ከለዉ፣ ልኡኽ ስርዓት ኢሳይያስ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ካብ ቴልኣቪቭ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት

READ MORE

ኣብ’ታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወዲቓ ዘላ፣ ዋና ከተማ ኣውራጃ ጆንግለይ፣ ቦር፣ ዝርከቡ 550 ኣቢሎም ዝግመቱ ኤርትራውያን ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ተዋጢሮም ከምዘለዉ ብምምልካት ማሕበረሰብ ዓለም ካብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ መዓት ከድሕኖም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጻውዒት ክገብሩ ሓደ ካብቶም ኣብ

READ MORE

ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዶር ወልዳይ ፍጡር፣ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ርእሰማሎም ከውፍሩ ንምእማን ፈተነ ‘ኳ እንተካየደ፣ ብሓቂ ናይ ወፍሪ ሃዋህው ዘይምህላዉ ዘቃልዑ ሕቶታት ከምዝገጠሙዎ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም። ንሱ ኣብቲ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 104 ሰብ

READ MORE

ኣብ ሃገረ ንግስነት ሱዑዲ ዓረብ ንርከብ መንእሰያት ኤርትራውያን፣ ንዘይሕጋዊ ስርዓት ኤርትራ ንምውዳቕ ኣብ ዝካየድ ቓልሲ ከም ኩሉ ስደተኛን ከም ኩሉ ደላይ ፍትሒ እጃምና ከነበርክት ጸኒሕና። ስለዚ ቓልስና ንምሕያል ይኹን ኣድማዒ ተራ ክንጻወት ቕኑዕ ውዳቤ ኢልና ንኣምነሉ ንምምስራት ጻዕርታት ክንገብር ጸኒሕና። ናይ ቓልሲ ኣገባብና ዝያዳ ንምምዕባል፣ ሓድሕዳዊ እምነትና ንምዕባይ፣

READ MORE

ዝሓለፈት 14 ጥቅምቲ 2013 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ን ኣስታት 450 ሰብ ዝኾኑ ወዲ ቫካሮ ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ። እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዘካየዶ ሰሚናር ዝሕሰብ ኣኼባ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ህዝቢ ንድሕነቱን ድሕነት ሃገሩን

READ MORE

ዶክቶር ተወልደ ተሰፋማርያመ (ወዲ ቫካሮ) ብ1973 ኣብ ፓቪያ ሚላኖ ዝተገብረ ሃገራዊ ጉባኤ፡ብተሰፋ ቑርጸት “ንሕና ኤረትራውያነ ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና ክብሉ” ዝመደርዎ ነቭሰሄር ክቡር ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ብምዝካር፡ክቡር ኣቦና፡ኣያና ወይ ድማ ሓውና ዶክቶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፤ “ሎሚ ንሕና ኤረትራውያን ከምቲ ክቡረ ኣቦና ወልደኣብ ዝበሉዎ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ፡ “ኤረትራውያን

READ MORE

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ትማሊ ምሸት 13 ታሕሳስ፣ ዘይልሙድ ብርቱዕ ማይ ከየዐንቀፎም፣ ገሊኦም ድማ ኣማኢት ኪሎሜተራት ተጓዒዞም ኣብ ኣኼባ ንምስታፍ ልዑል ተገዳስነት ምስ ዘርኣዩ ብዝሒ ዘለዎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተራኺቡ፣ ኣብ ስምረት መንእሰያትን ደምበ ተቓውሞን፣ ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዘተኮረ ዕዉት

READ MORE

ብምኽንያት ኩነታት ኣየር፣ ብፍላይ ኣብቲ ብ ሓጺር ማዕበል ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝፍኖ መደብና፣ ካብ ሰኑይ 16 ታሕሳስ ጀሚርና ናይ Frequency ለውጢ ክንገብር ምዃና ነዘኻኽረኩም። በዚ መሰረት፣ እቲ ሓዱሽ ግዝያዊ መስመር 11720 kHz ኣብ 25 meter band ክኸውን እዩ።

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ፣ ንህዝቢ ብናይ ኩፖን ኣዝቤዛ ኣናፈራርሐ ናብ ገርገር ዝብሃል ቦታ ብዘይፍታው ከይዱ ከም ጊላ ብነጻ ጉልበት ኣብ ምእካብ ኣማን ክወፍር የስገድዶ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ዝሓልፈ ቀዳም ከም ሓላፊ ናይቲ ህዝባዊ ሰራዊት ዝብሃል ምሊሻ ስርዓት ህግደፍ ኣዛዚ ከባቢ ማይ ተማናይ (መራሒ

READ MORE

ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ (Cecafa) ክትሳተፍ ናይ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 9 ተጻወቲ እንተላይ ኣሰልጣኒኦም ዑመር ኣሕመድን ሓለቓ ጋንታ ሃይለ ጎይቶኦምን ኣብ ኬንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከምዝራሕርሑዎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ናይሮቢ ሓቢሮም። እቶም ክልተ ቐዲሞም ካብታ ጋንታ ተሸሪቦም ከምዝጸንሑ ክፍለጥ

READ MORE

ሓደ ኣቤል ዝተባህለ መንበሪኡ ኣብ ናይጀርያ ምዃኑ ዝንገረሉ ኤርትራዊ፣ “ናብ ኤውሮጳ ከስግረኩም ‘የ” ኢሉ ብምትላል ንሓደ ሰብ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ኣኽፊሉ ካብ ሱዳን፣ ኤርትራን ኡጋንዳን ካልኦት ቦታታትን ናብ ናይጀርያ ዝወሰዶም 4 ቆልዑ ዝርከቡዎም 15 ኤርትራውያን፣ ኣብ ዘይፈልጡዎ ሃገር ጠሊሙዎም ስለዝጠፍአ ኣብ ጸበባ ከምዝርከቡ ሎሚ

READ MORE

ብበደዊን ሲናይ ንኣዋርሕ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግዳያት ብምትሕብባር ናይቲ ኣብ ሲናይ ዝርከብ ገባር ሰናይ ሸኽ መሓመድ ነጻ ኮይኖም ኣብ ውሑስ ቦታ ከምዝርከቡ፣ እታ ምስቲ ገባር ሰናይ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ዝምድና ብምፍጣር ቅድሚ ሕጂ ናይ ኣማኢት ኤርትራውያን ድሕነት ዘሳለጠት ዶር ኣልጋይነሽ ፍስሃ ጋንዲ ንኣሰና

READ MORE

ዶክቶር  ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብረቡዕ  (12/04/2013) ኣብ ኒውዮርክ ምስ ላዕለዋት ሰብ መዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኒው ዮርክ ከይዱ ከምዝተዘራረብ ተፈሊጡ:: ዶክቶር  ተወልደ ኣብቲ ርከብ፣ ንኩነታት ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘለው  ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ብሰፊሑ አብሪሁ። ብፍላይ አብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያ፡ ጁቡቲ ግብጺን እስራኤልን ዚወርዶም ዘሎ ሽግር ሕብራት መንግስታት ቁልጡፍ ፍታሕ ክሂብሉ ጸዊዑ። ቀጺሉ ሁሉው ኩነታት

READ MORE

ብህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ኣቦ ሃገር፣ ብዓለም ድማ ኣርማ ሰላምን ዕርቅን ዝፍለጥ ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት ናይታ ብዓሌታዊ ስርዓት እትምራሕ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ህቡብ መራሒ ኒልሰን ማንዴላ፣ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ሎሚ ሓሙስ 5 ታሕሳስ ዓሪፉ። ሞት ናይቲ ኣንጻር ዕብለላ ጽዓዱ፣ ጸረ ኣፓርታይድ ዝተቓለሰ፣ ምእንቲ ዕላምኡ ን27

READ MORE

ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሎሚ ቕነ ኣብ ሽወደን ዘካየዶ ንኣባላት ሰልፍን ኣገደስቲ ዝበሎም ካብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ስካንዲነቭያን ዓዲ እንግሊዝ ከይተርፈ ዝተዓደሙ ውልቀሰባትን ዝተሳተፉዎ ስቱር ኣኼባ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ንዝህንድሶ ዘሎ ሓዱሽ ፈተታት ባይታ ንምንጻፍ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ውዲት ዝሓዘ ተልእኾ ምዃኑ ምንጭታት

READ MORE

ዝሓለፈ ቐዳም ኣጋ ወጋሕታ፣ ድምጻዊት ሄለን መለስ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ምርኢት ኣብ ዘቕረበትሉ ኣጋጣሚ፣ ናይ ጠያይቲ ቶኽሲ ከምዝተሰምዐ ማዕከናት ዜና ስዊዝ ሓቢረን። እቲ ቶኽሲ፣ ሓደ ሰብኣይ ናብቲ መሳዕስዒ ኣዳራሽ ክኣቱ ደልዩ ፖሊስ ምስ ከልከሉዎ ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ብዓል ጠበንጃ ናብቲ ሰብ መሊኡ

READ MORE