Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በሃር ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ውድድር ማራቶን ኒውዮርክ ተዓዊቱ።

በሃር ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ፣ ሎሚ ሰንበት 6 ሕዳር ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ  ውድድር ማራቶን ዓወት ጨቢጡ። ወዲ 20 ዓመት ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ክልተ ሰዓትን ሸውዓተ ደቒቕን ሓምሳን ሓደን ካልኢትን (02:07:51) ውድድሩ ብምዝዛም እዩ፣ ብድሕሪኡ ዝነበረ

በሃር ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ፣ ሎሚ ሰንበት 6 ሕዳር ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ  ውድድር ማራቶን ዓወት ጨቢጡ።

ወዲ 20 ዓመት ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ክልተ ሰዓትን ሸውዓተ ደቒቕን ሓምሳን ሓደን ካልኢትን (02:07:51) ውድድሩ ብምዝዛም እዩ፣ ብድሕሪኡ ዝነበረ ኬንያዊ ተወዳዳሪ ሉቃስ ሮቲች ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ቀዲሙ እዩ ተዓዊቱ። 

ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ነቲ ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ናይ ማራቶን ውድድራት ብኬንያውያን ኣትለታት ተባሒቱ ዝጸንሐ ዓወታት ብምስባር እዩ ጽዋእ ጨቢጡ።

ንሱ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ናይ ማራቶን ውድድር ካብ ሃገረይ ንፈለማ ዝተዓወትኩ ኣትሌት ምዃነይ ሓበን ይስምዓኒ” ብምባል ሓጎሱ ገሊጹ።

ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ ዓሚ; 2015 ኣብ በጂንግ (ቻይና) ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ሻምፕዮና ዝነኣሰ ተዓዋቲ ብምዃን ክብረ ወሰን ሰይሩ ወርቂ ማዳልያ ብምሽላም ታሪኽ ከምዝሰርሐ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Berhane November 6, 2016

    እንኳዕ ሓጎሰካ፤
    ኤርትራ ከምዚ ናትካ ጌሮም ዝሰርሑ መራሕቲ ኔሮማ እንተዝኾኑ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘልኣለማዊ ሃገራዊ ባርነት ኣይምነበረን፤ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መገዲ ዓረብ ሰሃራ ኣብ በዓል ሱዳን ግብጺ ሊብያ ኣብ ባርነት ዓቢድነት ዓረብ ኣይምወደቑን፤ ኤርትርውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሳዋን ኣብ ሃገራት በካዕ ምስሉያት ዓረብ ናይ ወሲብ ባሮት ኮይነን ኣይምተሸጣን፤ ኤርትርዋያን መሳቱኻ ኣብ ዓቢይ ባሕሪ መዲተራኒያ ብኣሸሓት ኣይምሃለቑን።
    ከምቲ ኩሩዕ ግእዛዊ፤ ትግረ ትግርኛ ሽምካ ግርማ ተዓደል፤ ከምቲ ውሩይ በሃር ኣቶ ሃይለ ገብረስላሴ፣ “ሽመ ይመርሕ፤ ጥዋፍ የብርህ”፤ በቶም ሕቡናት ኣግኣዝያውያን ኣባሓጎታትካ ተባሂሉ እዩ እሞ፤ ከም ሽግ ሆየና ብርሃን ተዓደል። እታ ዓድካ፤ ክሳድ ዒቃ ኣብ ተለቢጅን ናይ ኣመሪካ ስማ ክስመ ምስ ሰማዕኩ በኣኻን ብዓድካ ብ ክሳድ ዒቃን ኮሪዔ።

  • stefanos temolso November 7, 2016

    ነዚ ሰብዚ ከም ሓደ ቀዳማይ ኤርትራዊ ክሰርዖ እመርጽ። ምኽንያቱ ኣብዚ ዕድመዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ በዳሂ ውድድር ክትዕወት ምኽኣል ንጽንዓትን ቈራጽነትን ኣብ ዕላማኻ ክትበጽሕ ትገብሮ ብርቱዕ ጻዕርን ዘመልክት ስለ ዝኾነ። ግርማይ ንመንእሰያት ሃገርና ሓደ ታሪኻዊ ኣብነት ኮይኑ ኣሎ። እንተ ደኣ ጽዒርካን ቈሩጽካን ንዝኾነ ብድሆ ክትስዕሮ ከም ትኽእል ዓቢ ትምህርቲ ሂቡና ኣሎ ግርማይ። ብዘረባ ዘይኮነ ድማ ብግብሪ። ወላ እቲ እንግሊዙ እዩኮ ዝምስጠካ። ጽቡቕ ምልከት ናይቲ ቋንቋ ኣሎዎ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ይሓግዝካ ገና ሪከርድ ሴርካ ካልእ ክትገብር ኢኻ ድማ እብሎ። መንእሰያትና ድማ ኣብ ክንዲ ጎተናኹም ወንጨርጨር ምባል፡ ኣብ ክንዲ ክትስቈሩ ምውዓልን ስረኹም ኣብ ነቓዕ መዓኮርኩም ምኽዳን፡ ናይ ግርማይ ኣብነት ብምኽታል፡ ኣብ ስፖርት፡ ስነ ጽሑፍ፡ ቅብኣ፡ ትምህርቲ፡ ምህዞ ወዘተ ክትብርትዑ ጸዓሩ። ግዜኹም ኣብ ሃጠው ቀጠው ኣይተፍኡዎ ሓደራኹም እብል።

POST A COMMENT