Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ መጸዋዕታ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን

  ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን፦ ብጥርኑፍ ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና ፡ ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን  መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ።  ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣወንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ

 

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን፦

ብጥርኑፍ ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና ፡ ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን  መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ።  ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣወንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ ንደልዮ  ዓወት ግን ክንጭብጦ ኣይከኣልናን። ብስሙር ቃልሲ ተጠርኒፍና ብዝሓጸረ መንገዲ፣  ብናይ ነብሲ ወከፍና ተሳትፎን ኣበርክቶን ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ንኽእል ኢና ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎና።  ካብዚ እምነት እዚ ብምብጋስ ህዝብና ሃገርናን ብስሙር ቃልሲ ንምድሓንን  ንኩሉ ኤርትራዊ መንገዲ ዝኸፍት ተበግሶን ናይ ቃልሲ ኣገባብን  ክጻፍፍ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ናህሪ እናወሰኸ ይምርሽ ከም ዘሎ  ከነበስር ንፈቱ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝኸተሙ ኤርትራውያን ናብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን  ኣብ ግንቦት ህጹጽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።  ብዘካየዶ ነዊሕን ጽዑቕን ልዝብ  ፣ ኣብ’ዛ ትስዕብ ራእይ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዑ    –  ኤርትራ ንሓዋሩ ከም’ቲ ህዝብና ዝተጸበዮን ስውኣትና ዝተመነይዎን ንክትክውን ስልጣን ናይ ህዝባ ስለዝኾነ፡  ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝቐንዐ መስርሕ  –  ማለት ህዝቢ ዝመረጾ፣ ህዝቢ ዘጽደቖ ሕጊ ተሞርኩሱ ንህዝቢ ዝመርሕን ሃገር ዘመሓድርን   –  ኣካል ምቛም ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ዓዳምን ተዓዳምን ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ። በዚ መሰረት ንግፍዓዊ ምልካዊ  ስርዓትን  ስነሓሳቡን ኣብ ጎዱፍ ብምቕባር ፣  ናብ ሰላማዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር  ዘኽእል –  ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ  ዝካየድ  ስሙር  ቃልሲ ዝሰለጠ ናይ ዓወት መንገዲ ምዃኑ ብሩህ’ዩ።

ነዚ ንምዕዋት፣ ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ  –  ሰለስተ ጽፍሒታት ዘለዎ  ሕጋ ባይቶታት ብምቛም ድምጽናን ዓቕምታትናን ብምስማር ዝውክለና ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንምምራጽ መጸዋዕታ ነቕርብ ኣለና።

ካብ  ህዝቢ ብህዝቢ ዝቖሙ ባይቶታት፦

1ይ – ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራውያን ዝርከቡለን ከተማታት ዓለምና ዕድምኡ/ኣ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝኾነ/ት ኢርትራዊ/ት ደላይ/ት ፍትሒ ዝሳተፍሉ ባይቶዓዲ/ከተማ ደለይቲ ፍትሒ  ምቛም።

2ይ. ካብ ከተማታት ብህዝቢ ብዝተመርጹ ልኡኻት ናይ ሓደ ዞባ/ክፍለዓለም፣  ዞባዊ ባይቶ ምቛም።

3ይ. ካብ ኩለን ዞባታት/ክፍለዓለማት  ንኣብ ምሉእ ዓለም ንርከብ ኤርትራውያን ዝውክል ኣህጉራዊ ባይቶ  ምቛም።

ከተማ ዋሽንተንን ከባቢኡን፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝነብሩሉ ፣  ናይ ዓለምና ዝሓየለን ዝዓበየን ሃገር ዋና ከተማን፣  ዝዓበዩ ሃገራውን ኣህጉራውን  ትካላት ዝርከብዎን፣  ስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱን፣ ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣድማዒ ግደ ክጻወት ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።  ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኡን፣ ምስቲ ኩሉ ዝሓለፍዎ ተመኩሮታት ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮም ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ርጉጽ እዩ።  ኣብዚ ፈታኒ ዝኾነ፣ ሃገርና ኤርትራን ሰፊሕ ህዝባን፣ ብግፍዐኛ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምልካዊ መግዛእቲ ኣብ ዘለውሉን፣ መንእሰይ ኤርትራ ጅሆ ተታሒዙ፣ ካብ ዘይውዳእ ባርነት ከምልጥ እግሩ ናብ ዝመረሖ ኣብ ዝስደደሉን፣ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ግዳይ ሸየጥቲ ሰብን ኣኽረርቲን ኮይኑ ይህልቕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣  ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኡን፣ ኣብ ምድሓን ህዝቦምን ሃገሮምን ስሙር ንጡፍ ተራ ንኽጻውቱ ዘኽእል – ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝኾነ – ናይ ዋሽግተንን ከባቢኡን ህዝባዊ ባይቶ ድለይቲ ፍትሒ ምቛም ህጹጽ ጉዳይ እዩ።

ባይቶ ደለይቲ ፍትሒ ዋሽንግተንን ከባቢኡን ፣ ንኹሉ ኣብ ዋሽንግተንን ከባቢኡን ዝርከብ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒን ሓርነትን ብምስማር  ኣብ ምድሓን ህዝቡን ሃገሩን ምስ ኣብ ዞባናን ከምኡ እውን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ  ደልይቲ ፍትሕን ሓርነትን ኤርትራውያን ብምትሕባባር ምልካዊ ስርዓት ንምልጋስ ክቃለስን፣  ኣብ ንነብረሉ ከተማ ማሕበራውን ባህላውን ሂወት ኤርትራውያን ዝሕብሕብ ነጻ ማሕበረ-ሰብ ክንምስርትን  ብኽብሪ ንጽውዕ።

ከም ዜጋታት ናይ ንነብረሉ ሃገር፣  ከም ከፈልቲ-ግብሪን መጠን፣ ንኹሉ ጸጋታት ናይ ንንብረሉ ሃገር ናይ ምጥቃም  መሰልና፣ ኣብ ምምዕባል ማሕበረ-ሰብና ብሓፈሻ፣ ኣብ ምሕብሓብን ምኹስኳስን መንእሰያት ደቅናን ፣ ኣብ ምጥያስ  ሓደስቲ ኤርትራውያን፣ ኣብ ምክንኻን ሽማግለታትን ረድኤት ዝደልዩ ኣካላትናን፣ ኩሉ ዝከኣል ማሕበራዊን ባህላውን ትምህርታውን ናይ ሓበሬታ ኣገልግሎታት ዝህብ ምሉእ ተሓታትነት ናይ ህዝቢ ዘለዎን ግሉጽን ዝኾነ ነጻ ህዝባዊ ትካል – ህዝባዊ ባይቶ  – ንምቛም ብትሕትና ንጽውዕ።

እዚ ቅዱስ ዕማማ እዚ ብዝተፈላለዩ ሽርሕታት ምልካዊ ስርዓት ክተዓናቐፍ ጸኒሑ እዩ።  ሎሚ ከም ትማሊ ዘይኮነ፣ ብሓድሽ መንፈስ ማዕረ ህጹጽነቱ ግብራዊ ስጉምቲ ክንወስድ ህዝብናን ሃገርናን ማሕበረሰብናን ይጽወዓና ኣሎ።  ኣብ እዚ ሂወታዊ ዕማም እዚ ግዴና ክንገብር  ኢደይ ኢድካ ንበል፣  ስምናን ኣድራሻናን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኢመይል ወይ ቁጽር ብምጥቃም ንልኣኽ።

ሰነዳት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣብ ኣሰና፣ ኣስማሪኖ፣ ስኒትና፣ ቶጎሩባ፣ ፈረጀት፣ ገረግር ከምኡ እውን ካልኦት ናይ ደለይቲ ፍትሒ መርበብ ሓበሬታታት ክተረኽቡ ትኽእሉ።

ንዝያዳ  ሓበረታን  ብ gieegm@googlegroups.com ተወከሱና።

ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ’ሞ፣፡ ድልዱል ባይቶታት ደለይቲ ፍትሒ ብምቛም፣  መዝነትን ሕጋዊ ቅቡልነትን  ዘለዎ  ብህዝቢ ተላኢኹ ንህዝቢ ዘገልግል ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንምምራጽ ብተግባር ንበግስ።

 

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን

3 ጥቅምቲ 2016

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Zewoldi October 13, 2016

    Dear Washington DC,
    Here is golden opportunity created; which everyone has to grab this opportunity; we have mourned enough we are scattered to make effective change; I believe this is the way forward; let me leave with poem
    The fight was so wonderful
    The promise was so beautiful
    The journey was so painful
    Let make the day today fruitful
    All of us dictatorial victim
    Who lost future dream
    Let walk to future movement
    With harmony, tolerance & respect
    As we already broken heart
    Have determination for good sprit.
    Let make together difference
    Raise united our voice
    Preach and song of peace
    Never come freedom by chance

    I am hoping to see next call would exactly meeting venue and specific date soon

    • PH October 13, 2016

      Wow!!! What a great poem. Heart braking, wonderful, digestive. On happy hour.

POST A COMMENT