Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፣ Home Office፣ ነቲ ቀጻሊ ነቕፌታ ክበጽሖ ዝጸንሐ ንሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ፖሊሲኡ ክቕይሮ ምዃኑ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ እዮም ኢሉ ነቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፣ (Home Office)፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣትሪሩዎ ዝጸንሐ መምርሒ ዑቕባ ኤርትራውያን ዝጻረር ብይን ድሕሪ ምሕላፉ፣

ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ እዮም ኢሉ ነቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፣ (Home Office)፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣትሪሩዎ ዝጸንሐ መምርሒ ዑቕባ ኤርትራውያን ዝጻረር ብይን ድሕሪ ምሕላፉ፣ Home Office ነቲ ቀጻሊ ነቕፌታ ክበጽሖ ዝጸንሐ ፖሊሲኡ ክቕይሮ ከምዝተገደደ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ከይተረፈ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይ ቅኑዕ መንገዲ ዑቕባ ካብ ምርካብ ይንጸጉ ምህላዎም ይቕረ ዘይብሃሎ ስጉምቲ ምዃኑ ኣትሪሮም ብምውቃስ፣ እቲ ፖሊሲ ከይተደናጎየ ክቕየር ከምዝጸውዑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ካብታ ብሓደ ዓማጺ ውልቀመላኺ ስርዓት እትግዛእ ዘላ ኤርትራ ዘምለጡ  ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ናይ ዝኾነት ሃገር ዝበዝሐ ቁጽሪ ከምዝነበሮም ዝጠቐሰ ጋርድያን፣ ብዝሖም 3696 ምዃኑ፣ ካብዚኣቶም ድማ ሓደ ሲሶ ጥራይ ዑቕባ ከምዝተዋህቡ የገንዝብ።

ብቐንዱ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምዝፈጸመ ምውሳኑ ንብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ፖሊሲ ዑቕባ ከተኣታትዉ ዝጸንሑ መንግስታት ፖሊሲኦም ክቕይሩ ከምዝጸልዎም ‘ውን ይእመት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT