Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንኽትህሉ ምስ ሓያል ሃገር ምጽጋዕ የድልያ ድዩ?

ኣብ 40ታትን 50ታትን፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብይን ምስ ኣሕለፈ፡ ማለት ኣብ ክንዲ ክብሩን መሰሉን ዝሕልወሉ ናጽነቱ ዝወሃብ፡ ኣብ ትሕቲ ሞጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብናይ ሓሶት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምቁራን፡

ኣብ 40ታትን 50ታትን፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብይን ምስ ኣሕለፈ፡ ማለት ኣብ ክንዲ ክብሩን መሰሉን ዝሕልወሉ ናጽነቱ ዝወሃብ፡ ኣብ ትሕቲ ሞጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብናይ ሓሶት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምቁራን፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ኢትዮጵያ ምስኣተወ፡ ምእንቲ መሰሉ ዘራይ ዘይብሉ ን30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ከካይድን ረዚን መስዋእቲ ክኸፍልን ተቀሲቡ። ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ኣንጻር ኤርትራ ዝተራእየ ስቅታ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተዓዘቡን ሃገራዊ ሓልዮት ዝደረኾምን ገለ ኤርትራውያን፡ “ከይንድፈርን ኣያ ኮይና ትዘርየልናን ምስ ሓያል ሃገር ክንጽጋዕ ኣለና” ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። ብርግጽ፡ ኣብዛ ብዘመናዊ ስነ-ኪነት ናብ ንእሽቶ ቁሸት እናተለወጠት ትመጽእ ዘላን ብረብሓን ኣብ ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ዝተጠናነገት ዓለም፡ በይንኻ ተነጺልካ ክትነብር ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ። ብኣንጻሩ፡ “ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሰፍኢ ይበሊ” ካብ ዝብል ስክፍታን ኣብ እዋን ሰውራ ነብስኻ ምኽኣል ኣውንታዊ ተራ ስለዝነበሮን፡ ብጽፍርና ክንምዕብል ኣሎና ዝብሉ ዜጋትት’ውን ኣለዉ። እዚ ክልተ ተቃራኒ ዝመስል ግን ከኣ ንሓድሕዱ ዝመላላእ ኣጠማምታ፡ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ፍረን ጽልዋን ዝህልዎ፡ ኣብ ምሕንጻጽ ንጹር ፖሊስታትን ብቁዕ ኣተገባብርኡን ዝምርኮስ’ዩ። ብቀንዱ ድማ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን ነታ ሃገር ኣየናይ መንግዲ’ዩ ውሕስነትን መንነታን ዘረጋግጸላ ኢሉ ብክውንነት ክመሚ ዝኽእል መንግስቲ ምስ ዝህሉ’ዩ። ኤርትራ ንኽትህሉ ምስ ሓያል ሃገር ምጽጋዕ የድልያ ድዩ ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምምላስ ግን ሓደ ሓደ ኣምራትን ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮታትን ምርኣይ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ዝተሞርኮሰ ምድግጋፍ፡

ኣብ ዘመናዊ ቁጠባዊ ትንታነ ከይኣተና፡ ሽርክነትን ምድግጋፍን ኣብ ሕብረተሰብና ልሙድ’ዩ። ከምቲ መልክዕ ድኣ ይሃበኒ’ምበር ውሕልነትስ ካብ ጎረቤተይ ይመሃር ዝተባህለ፡ ጎረባብቲ ስድራቤታት፡ ተመኩሮ ይለዋወጣ፡ ተኻፈልቲ ሓዘንን ሓጎስን ይኾና፡ ሓዊ ይለማመና፡ ብዘይ ወለድ ጨወ-በርበረን ጥረ ገንዘብን ይለጋገሳ፡ ጽምዲ ብዕራይ ዘይብሉ ሓረስታይ ምስ ጎረቤቱ ወይ መቅርቡ ይላፈን። ብደረጃ ሃገራትን ዞባታትን’ውን፡ ተሞኩሮ ምልውዋጥ፡ ሓድሕድ ምድግጋፍን ሓባራዊ ውጥናት ምክያድን ልሙድ’ዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ዘለዎ ቅርጺ ኣወዳድድባን፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትእስሳር ብኣብነት ክጥመት ዝኽእል’ዩ። ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት፡ ዘይተመጣጠነ ጸጋታት፡ ቁጠባዊ ሞዕባለ፡ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ፡ ሕቶ ዲሞክራስን ዝኣመሰሉ ጸገማት ከምዘለወን ግን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ መንግስታት ኣውስትራልያን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናን ኩለንተናዊ ሽርክነትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዘሎ ሰላም ዝዓሰሎ ምሕዝነት ካልእ ምሳሌ ክልተኣዊ ዕርክነት’ዩ። ብኣንጻር’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት፡ “ዝሃለቀ ህይወትን ዝፈሰሰ ደምን ይኣክል ንቅድሚት ንጠምት” ኢሉ ዝጀመሮ ኩለንተናዊ ምትሕግጋዝ ውልዕ ኢሉ ምስጠፍአ፡ ብሰንኪ ዕሽነትን ህልኽን መራሕተን: ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ብእፎይታ ክነብር ዘይምኽኣሉን ቢልዮናት ዶላር ኣብ ክንዲ ንልምዓታዊ መደባት ንወተሃደራዊ መዓላ ይባኽን ምህላዉ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብልቦናን ሓድሕድ ምክብባርን ጥዕና ዘለዎ ምትእስሳር ነይሩ እንተዝኸውን፡ ካብ ሞትን ምምዝባልን ዝድሕን ህይወት፡ ዝህነጽ ቁጠባዊ ሰረትን ቅሳነትን ካልእ መኽሰባትን መዘና የብሉን።

ምስ ካልእ ሃገር ወይ ወድብ ጽግዕተኛ ምዃን

እቲ ዝኸፍአ ምትእስሳር፡ ዘይሚዛናውን ንሓደ ወገን ኣጎቢዙ ነቲ ካልእ ዝደቁስ ዘይቁዱስ ሽርክነትን’ዩ። እዚ ሕዱር ሕማም’ዚ፡ መብዛሕትኡ ካብ መግዛእታዊ ሓድጊ ዝተወርሰ ኮይኑ: እቲ ቀደም ቀጥታዊ ዝነበረ መግዛእቲ ብሓድሽን ስውርን ዝቅጽል ዘሎ ሜላ’ዩ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ዘይማዕበላ ሃገራትን፡ እቲ ዝምጠወለን ልቃሕ ኣብ እዋኑ ክኸፍልኦ ስለዘይክእላን ዝኸተምኦ ወተሃደራውን ቁጠባውን ውዕላትን ንምብታኹ ዘይውጻእ ዓቀብ ስለዝኾነንን’ዩ። ብፍላይ እታ ረዲአት ወይ ልቃሕ ትቅበልን ዝተፈላለየ ውዕላት ትፍርምን ሃገር፡ ውርጹጽ ምምሕዳር ዝጎድላን ብብልሽውና ዝተሓመሰትን እንተኾይና፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር መንዳዓት ሕቆ’ዩ ዘጋጥማ። ርኹባት ሃገራት ሓገዛት ንምሃብ ኣእዳወን ክዝርግሓ እንከለዋ፡ ጽልዋታተን ንምስፋሕን ዕጽፊ ናይቲ ዝለገሰኦ ሸምጢጠን ከምዝምለሳ ብምርግጋጽ’የን። ንሳተን ዝደልዮኦ መደባት እንተዘይፈጺምካ ድማ ሕቆአን ይህባኻ። ብመሰረት ጸብጻባት ባንኪ ዓለም፡ ኡጋንዳ፡ ዓመታዊ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ (1.5) ቢልዮን ዶላር፡ ናይ ደገ ሓገዝ ትቅበል ሃገር’ያ። ይኹን እምበር እታ ሃገር፡ ናጽነት ምንቅስቃስን ዝምድናታትን ሓደ ዓይነት ጾታ(gay/lesbian) ዝጻረር ተሪር ከልካሊ ሕጊ ስለዘሕለፈት ክፋል ናይቲ ካብ ወጻኢ ትረክቦ ዝነበረት ሓገዝ ስኢናቶ። ካልእ እታ ኣስታት 900 ሽሕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፡ ኣብ መሬትን ማያትን ግዝኣታ፡ ንመንግስታት ፈረንሳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቻይናን ወተሃደራዊ መዓስከራት ብምፍቃድ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየት ወተሃደራዊ መናሃርያ ኮይና’ላ። ልዑል ተገዳስነትን ምፍሳስ ቢልዮናት ገንዘብን ንዋትን ናይዘን ዝተጠቅሳ ሃገራትን ካልኦትን፡ ብቀንዱ ሃገራዊ ረብሓታተን ንምዕባይን ጽልዋታተን ንምስፋሕን እምበር፡ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተረስዐት ጅቡቲ ሓልየን ከምዘይኮና ከይተሓልመ ዝተፈትሐ’ዩ። ደርማስ ኣካላዊ ህላወ ናይ ወጻኢ፡ ንህዝቢ ጅቡቲ የርብሖ’ዶ ይጎድኦ ዝብል ሕቶ መላሲኡ ህዝቢ ጅቡቲ’ዩ። ፈረንሳ፡ ኣመሪካን ቻይናን፡ ኣምሳያ ናይቲ ዝጥቀማሉ ማያት ይኹን መሬት ጅቡቲ፡ ሚልዮናት ግብሪ ከምዝኸፍላ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ርእሲኡ፡ እተን ሃገራት ዝግልገላሉ ዘመናዊ ትሕተ ቅርጽን መሳለጥያታትን ክሃንጻ ስለዘለውን፡ ህዝቢ ጅቡቲ ዕድላት ስራሕ ክረክብን ተጠቃሚ ዘመናዊ ትሕተ ቅርጺ ክኸውንን ይኽእል። ብኣንጻር’ዚ ረብሓታት’ዚ ግን፡ መንግስቲ ጅቡቲ ምስተን ናይ ወጻኢ ሃገራት ዝኽትሞ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሕ ወተሃደራውን ቁጠባውን ውዕላት’ዩ። ኣካላዊ ህላወ ናይ ወጻኢ ሃገራትን ምስኣተን ትኣትዎ ውዕላትን፡ ንልኡላውንነትካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ፡ ንሃገራዊ መንነትካ፡ ክብርኻን ሃብትኻን ዝሰርቅ፡ ንባህርያዊ ጸጋታትካ ዘዕኑ፡ ሓድነትካ ዘላሕልሕ እንተኾይኑ ከምኡ’ውን እቲ ዝርከብ መኽሰብ ኣብ ጁባ ውሑዳት ዝኣቱ እንተኾይኑን፡ ክልተ ሞት’ዩ።  ኣብ ኣፍሪቃ 10 ዝለዓለ ግዳማዊ ሓገዝ ካብ ዝቅበላ ሃገራት፡ ምስ መጠውቲ ወይ ኣለቃሕቲ ሃገራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ብዝኣትውኦ ዘይሚዛናዊ ውዕላትን ተቀበልቲ ሓገዝ ወይ ልቃሕ ብዝኽተለኦ ብብልሽውና ዝተበከለ ጋሕማጥ ምምሕዳርን፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ናይተን ሃገራት ኣብ ድኽነትን ምልካዊ ምምሕዳርን’ዩ ዝነብር።

ርሑቅ ከይከድና፡ ስርዓት ህግደፍ “ኣብ ኤርትራ ዳህሳስን ኩዕታን ማዕድናት ዘካይዳ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ይዕምብባ ኣለዋ፡ ቢልዮናት ኣታዊ ተረኺብዎ” እናበለ ይግዕር ኣሎ። እቲ ቁምነገር ግን መኽሰብ ምርካቡ ዘይኮነ እቲ መኽሰብ ኣበይ ኣትዩን እንታይ ቁምነገር ተሰሪሕሉን ኢልካ ክሕተት ኣለዎ። እቲ ቃሕ ብዝበሎ ንብረትን ሃብትን ህዝቢ ኤርትራ ከም ውልቃዊ ዋንነቱ ዝሸጦን ዝልውጦን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ካብ ኩዕታ ማዕድናት ተረኺቡ ዝብሃል ዘሎ መኽሰብ ንህዝብና ኣይንታዩን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ መህነጺ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ መሐየሊ ህላወኡ ዘገልግል ትካላት ጸጥታ ምምልማል፡ ብምስጢር ቢልዮናት ዶላር ኣብ ባንክታት ምቅማጥን ብስም ካልኦት ሰባት ወይ ውድባት ትካላት ምኽፋትን’ዩ። እተን ከርሲ መሬትና እናጓሕጓሓ ዕቁር ባህርያዊ ጸጋታትና ዝጓርታ ዘለዎ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ወጻኢ ድማ፡ ዘይዓግብ ሽውሃተን ምርዋይ እምበር፡ እንታይነት መሻርኽተን ዘገድሰን ኣይኮነን። ገለ ለባማት ሃገራት ግን፡ ነቲ ዝወሃበን ግዳማዊ ልቃሕን ሓገዝን ንጹር ፖሊሲ ብምሕንጻጽ ብዝግባእ ስለዝጥቀማሉ፡ ኣብ ምጉዳል ድኽነት፡ ጸጥታዊ ምርግጋእን ምምሕያሽ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ርኡይ ለውጢ ኣርእየን’የን። ናይ 2013 ጸብጻባት ባንኪ ዓለም ከምዝሕብሮ፡ ሩዋንዳ፡ ጋና፡ ሞዛምቢክ፡ ኢንዶኖዥያ፡ ቬትናም፡ ታንዛንያ፡ ደቡብ ኮርያን ታይላንድን፡ ብጽፈት ምምሕዳርን ኣጠቃቅማ ግዳማዊ ሓገዝ ወይ ልቃሕ ከም ኣብነት ዝጥቀሳ ሃገራት’የን። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ 2013፡ ውድብ ኣህጉራዊ ጸጥታ፡ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ብብልሽውና፡ ዘይሕጋዊ ንግዲን ዘይግሉጽነትን ካብ 177 ሃገራት ኣብ መበል 160 ሰሪዕዋ። ህግደፍ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ፡ ዞባታት ከሰላ፡ ገዳርፍን ምብራቃዊ ቀይሕ ባሕርን፡ ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ንብረትን ሰባትን ንጡፍ ምንቅስቃስ ከምዘለዎን ዘይተኣደነ ዶላራት ከምዝሓፍስን እቲ ትካል ኣሚቱ። ካብዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ክውነትን ሓቅን ድማ፡ መልሲ ናይቲ ኤርትራ ንኽትህሉ ምስ ሓያል ሃገር ምጽጋዕ የድልያ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣይፋል’ዩ። ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ ቅዋማዊ መንግስቲ ወይ ባይቶ ምስዝህሉ ጥራሕ’ዩ ድማ ህዝብና ምስ መን ይመሓዞን እንታይ የድልዮን ክውሰን ዝኽእል። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ብእዉጅን ንህዝቢ ኤርትራ ኣፍሊጡን ስጉምቲ ዝወስድ፡ ብሕጓ ኣትዩ ክመሓዞን ቁጠባውን ወተሃደራውን ምስጢራዊ ውዕላት ክፍርምን፡ ንግዚኡ ሓይሊ ይሃልዎ’ምበር፡ ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት የብሉን።

                   ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (13 ጥቅምቲ 2016)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • k.tewolde October 14, 2016

    People will keep screwing with you as long as you let them. HGDEF will continue screwing with us as long as we let it. HGDEF alone couldn’t have survived to morph itself to what it is today for 50+ years unless we have something to do with it.Lets examine the reflection of our faces closely today,there is a little bit of HGDEF in all of us.’I AM LOOKING AT THE MAN IN THE MIRROR AND I AM ASKING HIM TO CHANGE HIS WAYS’, M.J.

  • PH October 14, 2016

    Hgdef has created more enemies than lovers, no country with out diplomacy ,constitution, rule of law, at least no in practice our cultural heritage now days due to our stupidity.

    • tesfalidetabraha October 14, 2016

      You are too ignorant and idiot to know anything about diplomacy, constitution,rule of law at all.
      And what is your cultural heritage I bet you don’t know anything about your history or heritage.

      • PH October 14, 2016

        I referred to you and me because we have no commence or sense to resolve.

        • tesfalidetabraha October 14, 2016

          I repeat it you are too ignorant and idiot to know anything about diplomacy, constitution, rule of law at all. You don’t make any sense on your dumb comments. Stick to your muslim subjects like Arabic language and identity for Eritrea, are you not on assenna for only this reasons? In order for me to take you seriously just start by telling me your history and language, make sure you don’t tell me about your Arabic language or history. If you are a genuine Eritrean then you should know about your Eritrean history and language. Now don’t wait for other idiots to answer these simple questions and just answer them yourself.

          • AHMED SALEH!!! October 14, 2016

            The true commentator tesfa abraha we know was arrogant hgdf supporter with broken English writing and uncivilized
            manners but he didn’t write such language of familiar person with similar offensive remarks who use different pen names .
            We have been in this forum for long time , keep trying Mr.. NEFAHITO. .

          • PH October 14, 2016

            You like or not I do speak Arabic and amharic fluently. Ashmur tegaru keman ..

  • Tz October 14, 2016

    Educational and a great articulate piece as usual. Thanks

  • ተወልደመድኅን October 14, 2016

    ሓውና ጸገምና ጽግዕ እንብሎ ሃያል ምስ ኣን ኣይኮነን።እቲ ጸገም ኣደብ ገይርና ጽቡቕ ክንሰርሕ ዘይምኽ ኣልና ኢዩ።ተረዳእ፡ንስካ ንርእስኻ ጽቡቅ እንተሰሪሕካ የማነ ጸጋምካ ይተሃባበረካ’ዩ።እዚ ፍልስፍና ኣይኮነን፡ሃቂ’ዩ።ጽቡቕ ክስርሕ ዝረኣኻዮ ሰብ ቅዱስ ቅንኢ የሕድረልካዩ።ዓለም ከም ሃደ ናጻ ህዝቢ ምስተቀበለና፡ክንለኽፎም ኢና ጀሚርና።ከም ኣብነት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቓ ወጺኦም ክንዲ ልቢ ዝልቦም ጥዑም ተዛሪቦም ዝወጹ፡ጓህማም ኣስናን ዘይብሉ ማሕበረ እናበሉ’ዮም ተዛሪቦም።እወ ሽዑ ኣየትብዓት ሪኡኹም ዝበሎም እናበለ ኣንስቲ ፖለቲካ ዘይፈልጦኦ’ኳ ክዋጥያ ጀመሪን።ስለዚ ጸግዒ ኣይኮነን ዘድልየና፡ነንሕድሕድና ተጠማሚትና ነንሕድሕድና ተከባቢርና ከስረሃና ዝኽእል ህግን ኣገባብን ምምስራት ጥራይ’ዩ ዘድሊ።ሽዑ ህዝቢ ቀሲኑ ብሕታዊ ቁጠባ ኣማዕቢሉ ቡኡ ኣቢሉ ቁጠባ ሃገር ክስጉም ምስጀመረ እተን ኢንዳስትሪ ዘለወን ባዕላተን ከመጻ’የን።እዚ’ዩ ከኣ ጽቡቕ እንተሰሪሕካ ኩሉ’ዩ ዝቐርበካ ዘበለኒ።

  • Massawa October 14, 2016

    Yes indeed Eritrea will need to join a big strong economically neighbor nation to survive the harsh world.
    But who wants Eritrea, Somali and South Sudan the cancers of Africa to even be neighbors let alone to join them?
    The British and the Italians knew Eritrea, Somali and South Sudan would not be a stable and independent nations.
    It seems sadly that the white men knew much more about our weak characters and our unsuitability to govern.
    Just think of it, if people who taste and enjoy the fruits of democracy and the best education in the western world keep supporting a dictator who kills their brothers and sisters, why would a neighbor feels the pain or wants to join them and live as one with these cruel and brutal people? Trouble maker countries or people like Eritrea and Somali should be left on their own so as not to damage or contaminate other healthy and productive society and nations.

  • DESALEGN October 15, 2016

    ልሙስ ተቓዉሞ ህግደፍ!

    ኣብዝ ሕጂ እዋን ብዓሰርተታት ዝፍቐዳ ተቓወምቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ፍሹል ዝኾነ ተቓዉሞ ሒዘን ኣንፈት ዘይብሉ ጉዕዞ ሒዘን ይጓዓዛ ኣለዋ። ምኽንያት ቀንዲ ፍሽለተን ኣብ ህዝቢ [ኮም] ዝተሰረታ ዘይምኻነንን ንጹር ዝኾነ ዕላማ ዘይብለን ስለዝኾና እዩ። ገዛ ክትሃንጽ ምስ እትደሊ ክተማልኦም ዘለካ መጽናዕትታት እኳ እንተሃለው ናይ ህንጸት ስርሕ ንኽትጅምር ግና ጽፉፍ ዝኾነ ንብረትን ሃነጽትን ከምዘድልዩኻ ኹሉ ኣብ ደምበ ተቓዉሞ እዉን ካብዚ ብዘይንእስ ብጽፉፍ ሓይሊ ሰብ [ኮም] ልክዕ ከም ሰረት ናይ ሓደ ገዛ ት ስርቶ ዘዓይነቱ ድልዱል ሓይሊ ሰብ የድሊየካ ምኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን እዩ። ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ነዚ ቀንዲ ሰረት ናይ ገዛ ዘዓይነቱ [ጥርኑፍ ሃይሊ ሰብ፤ ኮም*] ኣብ ክንዲ ዝስርቱ ነዚ ብምዝላል ንህግደፍ [ኢሳያስ] ንምዉዳቕ ብዝብል ኣምር ትም ኢሎም ኣብ ዝላ ተጸሚዶም ኣለዉ። እዞም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ዘለዉ ካብ ናይ ህዝቢ ኣብራኽ ስጋብ ዘይመጹ ወይ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ስጋብ ዘይወከሎም ኣብ ርእሲ ምኻኖም ካበይ ከምዝቦቕሉ ክርደኣካ ዘይኽእል ብዝተፈላለየ ድሌታት ተኸቢቦም ንድሌታቶም ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ብምስራዕ ናይ ስራሕ ትግባረ ከየካይዱ ነጹር ዝኾነ ዕላማ ስለ ዘይብሎም ናይ ስራሕ ዉጥን ነዲፎም ክንቐሳቐሱ ዝኽእልሉ ምኽንያት ስለዘየለ ፍሹል ዝኾነ ኣንጻር ህግደፍ ተቓዉሞ የካይዱ ኣለው።
    ቀዳምነት ክፍለጥ ዘለዎ ኤርትራና ናይ ኣውራጃ ናይ ሃይማኖትን ናይ ዓሌትን ኣፈላላይ ወይ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ኣየድልይዋን እዮም ጥራሕ ዘይኮነ ኣብዚ ኣዘቕቲ እዚ ተዘፊቕኩም ዘለኹም መንገዲ ጉዕዞኹም ክተስተኻኽሉ እምዕደኩም ኣለኹ። ከምዚ ናይ ሕጂ ዘሎ ኣካይዳ ተቓዉሞ፥ተቓዉሞ ዘይኮነስ “ጭርጭር ዓበደ ዘዓይንቱ ጸወታ ቖልዑ” ኮይኑ ተሪፉ ከምዘሎ ደኢያስፖራዊያን ክትፈልጥዎ ይግባእ።

    ኣነ ዝጽሕፎ ጽሑፍ ንተቓወምቲ ክድግፍ ወይ ንደገፍቲ ክቃወም ከምእዉን በንጻሩ ኢለ ዘይኮነ ንግጉይ ከም ግጉይ ንቕኑዕ ከም ቅኑዕ ከቕምጦ ከምዝመርጽ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ምኽን ያቱ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከምዝገለጽክ ዎ መብዛሕትና ኤርትራዊያን ኣብ ክዉንነት ስለዘይነኣምን ንዝጽሕፎም ጽሑፋት እዉን ካብ ክልቲኡ ወገናት ጽሑፈይ ይሕርፍፈኩም* ከምዘሎ እፈልጥ ግና እቲ ሓቂ ንሱ እዩ።

    “ጽሑፈይ ንጉጉይ ኣካይዳ ዘለዎም ህግደፋዊያንን ኮራኹሮምን ከምኡዉን ንልሙሳት ተቓውምቶምን ዘነጻጸረ ምኻኑ ክትርዱኡለይ ይደሊ”

    ብተወሳኺ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ ካብ ፈለማ ጀሚረ ስጋብ ሕጂ ዝጽሕፎም ዘለኹ ጽሑፋት ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ከምኡዉን ሓርነት ኤርትራዊ ዜጋ [ሓርነት ወዲ ሰብ] ንምምጻእ ብረት ዓጢቖም ንዝቃወሙ ዘለዉ ዝኾነ ዓይነት ተቓዉሞ ከም ዘይብለይ ንዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ክንጸረሉ ኣለዎ።

POST A COMMENT