Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ ንመዓላ ወተሃደራዊ መደበር ዝውዕል ናይ 30 ዓመት ክራይ ረኺባ ከምዘላ ብምጥቃስ ሓደ “Maydania” ዝተባህለ ኣብ በይሩት ዝመደበሩ ናይ ዓረብ መደበር ቴለቭዥን ንዘቕረቦ ዜና ኣሉታ ንምሃብ ግዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ትሃንጽ ከምዘላ ብፍሉጣት ኣህጉራውያን ማዕከናት

READ MORE

 ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ ፖለቲካዊ ሃደና ከም ዓንቃፊ ቁጠባቂ ዕብየት፡ ዓንኬላዊ ምትእስሳር መዝመዝቲ ትካላት ፖለቲካን ቁጠባን - ዘይምዕብላናን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኤርትራ ንኹሉ ኣካላት ህዝቢ ብዛዕባ ህንጸት ሃገርን ቅዋም ሃገርን ከዘራርቡን ከካትዑን እዩ ዝግበኦም ነይሩ። ብውሑዱ፣ ሰባት ቁጠባዊ

READ MORE

ሕብረት ኤውሮጳ ዘይምርግጋእን ዘይስርሩዕ ዋሕዚ ስደትኛታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ናይ 170 ሚልዮን ይሮ ወፍሪ ከካይድ ንዘውጽኦ ውጥን ከምዘጽደቖ ብቕድሚ ትማሊ ካብ ብራስለስ ኣብ ዘወጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ፣ ከምኡ ‘ውን ጠንቂ ስደትን ግዱድ ምዝንባልን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝኾኑ ሰበባት ንምግጣም

READ MORE

ራብዓይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዕለት 09.12.2016 ክሳዕ ዕለት 10.12.2016 ኣብ ስታቫንገር ተኻዪዱ። ኣብቲ ጉባኤ ኣባላት ጽላል ዝኾኑ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ተረኺቦም። በቲ ወጺኡ ዝነበረ ፕሮግራም መሰረት ድማ ዓርቢ ዕለት 09.12.2016 ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብጽላል ዝተኻየደ ስራሓት ንምግምጋም መጀመርታ ብመሪሕነት ጽላል ዝቐረበ

READ MORE

‘ግብረ  ዘወሃብከነ  ፈጸምኩ’   ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ሓላፍነታውን ብትብዓት መዓድን ኣቦ   9 ታሕሣሥ 2016 ዓ/ም/ፈ ክቡራትን ክቡራንን፡ ንሰብ ከም ሰብ ጥራሕ’ውን እንተረኣናዮ፡ ንባዕሉ እቲ ባህሪ ተፈጥሮኡ፡ ኣብዚ ምድሪ’ዚ ሓደ ሓላፍነታዊ ፍጡር ምዃኑ ንግንዘብ፤ ዕላዊ መንፈሳውን ማሕበራውን ሓላፍነት ምስዝዕደል ከኣ፡ እቲ ሓላፍነት ብዝያዳ ሕጋውን ሕልናውን ክብደት ይውስኽ። ቀናእን ተባዕን ኣቦና

READ MORE

ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ 50ታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ በደል ምቁራን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይቅረ ክትብልን ክትክሕስን’ዩ ዝግባኣ። ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ስለዝኾነ ግን፡ ተጻባኢ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ኣየኸተመን። ይኹን እምበር፡ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕ

READ MORE

ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከ-ቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡር-ኣልቦነትን ኣብ ድሕረ-ናጽናት ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ መእተዊ ኣብ ጽሑፋት ፖለቲካዊ ቁጠባ ብሰፊሑ ተመዝጊቡ ከም ዘሎ፣ ታሪኽ ዘመናዊት ኤርትራ ታሪኽ ንሃገርነት፣ ሃገራዊ መንነት፣ ማሕበረ-ባህላዊን ቁጠባውን ሓርነታት ዝተኻየደ ነዊሕን ከቢድን

READ MORE

ግብጺ ኣብ መሸጣ ህዋሳት ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ንዝጸንሑ፣ ዶካትር፣ ነርሳትን ፕሮፌሰራትን ዝርከቡዎም ገበነኛታት ከምዝኣሰረት ምግላጻ ካብ ቢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ግብጺ ዘዋደዶ ሓደ ጸረ ብልሽውና ኣካል  ብዝገበሮ ምንቅስቓስ ብውሑዱ 25 ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ከለዉ ሚልዮናት ዶላራትን ኣዋርቕን ተታሒዙ ‘ሎ። እቲ ጸረ ብልሽውና

READ MORE

ዶር ጨፈና ሃይለማርያም  መእተዊ እዚ እዋን`ዚ፡ ምዕራባውያን መንግስታት ብሕልፊ ድማ ኤውሮጳውያን፡ ብሰንክ`ቲ ካብ ሕሉፋት የማናውያንን ዓሌታውያንን ዝመጾም ዘሎ ጸቕጥን ዘየቛርጽ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣሰኪፉዎም፡ ንዘበናት ንደሞክራሲያዊ ስርዓታቶም ዘቑሙ ቐንዲ ኣዕኑድ ዝኾኑ መትከላት ሰብእዊ መስላት ዕሽሽ ይብልዎም ኣለዉ። ንስለ ፖሎቲካዊ ዕላማታቶም ክብሉ ነዞም መትከላት እዚኦም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ

READ MORE

ምስሊ ስርዓት ህግደፍ ከመሓይሽ ናይ ሎቢ ስርሓት የካይድ ምህላዉ ዝንገረሉ ማእከል ኣፍሪቃ ናይ ኣትላንቲክ ካውንስል፣ ብ 8 ታሕሳስ “Rethinking Eritrea.” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብቲ ሰሚናር፣ ኣብ ሰንኮፍ ናይ ዝርከባ ሃገራት ክኢላ Seth Kaplan፣ ቁጠባ ኤርትራ ስነሓሳብን ዕድላትን ብዝብል ኣርእስቲ ከምኡ ድማ ምኽትል

READ MORE

  ሓብናን ኣዴናን ዝኾነትወይዘሮ ሰማይነሽ ኣብርሃም ዓንደማሪያም ታሓሳስ 3, 2016 ብዝተጓነፋ ናይ ማኪና ሓደጋ ብድንገት ስለዝዓረፈት ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ብኸምዚ ዝስዕብ ክፍጸም እዩ። ናይ ፍትሓት ስነ-ስርዓት ታሕሳስ 10, 2016 ካብ ስዓት 11 ናይ ንጉሆ ክሳብ 12(ፍርቂ መዓልቲ) ኣብ 200 West Beardsley Road Phoenix AZ 85204 Memorial Park

READ MORE

መድረክ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት   ነቲ እዋናዊ ምዕባሌታት ሃገርና ኤርትራ ምርኩስ ብምግባር ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒn ዲሞክራሲን ኤርትራውያን ምስ ፈተውቲን ናብ ናይ ዘተ መኣዲ ብኽብሪ ንዕድም።   ግዜን ቦታን ቀዳም ዕለት 10.12.2016 ካብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ - 22:00 ናይ ምሸት   Saalbau Grießheim Schwarzerlenweg 57 65933 Frankfurt am Main   دعوة فرصة لطلاب العدالة الإرتريين في مدينة فرانكفورت. يشرفنا

READ MORE

ኤርትራ ልኡላዉነታ ካብ ተረጋግጽ ንመጀመርያ እዋን መሬታ ንወታሃደራዊ መደበር ክትጥቀመሉ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኽራይ ከምዝሃበት ብሳትላይት ዝተሰነየ ኣሳእል ቀሪቡ። ዕሱባት ስዑዲ ዓረብን፡ መሻርኽታን ዝስልጥንሉ ወታሃደራዊ መዓስከር ደኲነን የሰልጥና ከምዘለዋ ሰሚዕና። ብዘይካ`ዚ ኣብቲ ንየመናዊ ጉጅለ ሑቲ ንምድምሳስ ዝካየድ ዘሎ ወታሃደረዉን ፖለቲካዉን ቃልሲ ብቀጥታን ተዛዋዋርን ትሳተፍ ከምዘላ

READ MORE

ኣሽምባይዶ ንዓቅሚ ኣዳምን ሂዋንን ዝበጽሐ ሰብ ዘጽብቀሉን ዘኽፍኣሉን ዝግንዘብ ሰብ፡ ወለዲ ሓደ ዓመት ዝገበረ ውላዶም’ውን “እንታይ ይሕሸካ” ኢሎም ዝበልዖ መግቢ ፡ ዝሰትዮን ዝለብሶ ክዳንን የምርጽዎ። ወለዲ ሓደ- ሓደ እዋን ጠለብን ቃሕታን ውላዶም ይሰምዑ፡ ካልእ እዋን ድማ ብሕጽረት ዓቅሚ ወይ ብጽቡቅ ሓልዮት፡ ወለዲ ንጠለባት ውላዶም፡ “ኣይፋል”

READ MORE

                           (ምድሃል + ምልማስ + ምስጓግ) x (ዘይምትእምማን + ብኲራት ምሁራን) =                                                       ምብትታን ህዝብን ሃገርን   ኣብ መንበሪ ገዛ እንዳ ሓደ ብ/ጀነራል ክልተ ኮሎኔላት፡ ሓደ ማእከላይ ጽፍሒ ዝሓላፍነቱ ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ መንግስቲ ዝተመዘዘን ሓደ ዝተጣየሰ

READ MORE

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም  ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝተንከፈ ዘሐዝን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክልተ ኮዋኽብቲ ስነ_ጥበበኛታት መርሃዊ ቀሺ ስብሃት-ለኣብን ዮናስ ዮውሃንስ ወዲ ኪኮን ብሓሙስ 01 ታሕሳስ 2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብክብ ዝበለ ኣገባብ ተፈጺሙ። እዞም ድሕሪ ዕለተ መስዋእቶም ክሳብ ናይ

READ MORE

እዚዅሉ ጭርጭር ዓበደ ንምንታይ ኣድለየ? ህግደፍ ኣብ ሸፈጥን ምድንጋርን ዝዓረደ ምትእኽኻብ’ዩ። እዚ ባህርያት ህግደፍ’ዚ ኣብ ኵሉ ዓውደ ስራሓቱ ንርእዮ ኣለና። ኩላትና ከም ንፈልጦ: “ብድሆ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ህግደፋዊ ናይ ጸለል መለል ዳንኬራ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ከተማ ስታቫንገር ተኣማሚኑ ምርኢት ኣቕሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብቲ ብኽንደይ ምስጢራዊ ኣገባብ

READ MORE

ንቡር ዝፈልጥ ውላድ ረኺባ ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ   ‘ላም ሓዊ ወሊዳ ከይትልሕሶ ኣንደዳ’ ከይትጉሕፎ ውላዳ ‘እንተ ተመሰለለይ!’ ኢላ ሃዲማ ተሰዲዳ ንሓዊ ዝኾነ ውላዳ ገዲፋ ዓዳ ግን ተሳጠሐት ንዝገደደ ሓደጋ ኮነት ግዳይ ባሕሪ ምድረ-በዳ ዘርከበ ዘሳድዳ ዘሸክማ ዘይነበራ ዕዳ ክፈሊ! ሓውሊ! ዝብል ሓኒቑ ብኽሳዳ የብለይን! ዘይፈልጥ ቡዳ ካብ ኣካላ ቅንጣብ ጓሕጊሑ ዝሰዳ ናብ ካልእ ኣካላ ዝጉሕጉሕ ይሰዳ ስለዚ ትምህለል’ያ ዘላ ‘ወላድ ትፍረድ!’ እናበለት ማይ

READ MORE

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒት ታይዋን ብቴለፎን ብምዝርራብ፣ ነቲ ኣመሪካን ታይዋንን ወግዓዊ ዝምድና ኣብ ዘቋረጻሉ 1979 ዓመተ ምህረት ዝጸደቐ ፖሊሲ ኣመሪካ ከምዝጠሓሰ ማከናት ዜና ኣመሪካ ገሊጸን።   ቻይና፣ ታይዋን ኣካላ ምዃና ንምርግጋጽ ኣብ 1979 ‘ሓንቲ ቻይና’ ዝብል ኣምር ድሕሪ ምትእትታዋ እያ፣ ኣመሪካ ነቲ ናይ

READ MORE

ብዙሕ ሰብ ኣብ ኣሰና ዶት ኮም (archive.assenna.com) ብዕለት ሕዳር 25, 2016 “ ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ (2%) ክልተ ሚእታዊት ፥ ካብ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ (15%) ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊት ገይሩ ከእትዎ ምዃኑ ብመጋበርያታቱ ኣቢሉ ትእዛዝ ሂቡ “ ብዝብለ ኣርእስቲ ብዝሑፈን ደምጸን ዝተሰነየ ብዛዕባ ብካድረታት ህግደፍ ዝተለኣኹ ዘምርሕዎ ናይ

READ MORE

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ከተማ ሓለብ ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ከተማ ደቂ ሰብ`ያ። ደቂ ሰብ እናረኣዩ እናሰምዑ ከኣ ትዓኑ`ላ። ንረብሓ መን`ዩ ?ንረብሓ መን`ዩ ዝብል ዛዕባ ይጽናሓልና`ሞ፤  ድሕሪ`ዚ ንርእዮ ዘሎና ህልቀት፤ ዝውሕዝ ዘሎ ደም፤ ጽባሕ ኣብ መሰረት ናይ`ዚ ዑና` ዚ ዝህነጽ ኣእምሮን ኣተሕሳስባን ከመይ ክኸውን`ዩ ኢልና ንግምት ?! እቲ 

READ MORE

ኣቦ መንበር ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስታቫንገር ኣቦ መንበር ተኽለ ፈዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 23.11.16  ኣብ ስታቫንገር ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ምሉእ ብምሉእ ተሳዒሩ። መበገሲ ናይቲ ጕዳይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ስታቫንገር፡ ብድሆ (Biddho) ብዝብል ስም ዝተጠመቐ ናይ ጓይላ ጕጅለ  ህግደፍ ኣብ ዝነበረ መደብ ሙዚቃን ዳንኬራን

READ MORE

ክልተ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ብሓደጋ ተሰዊኦም ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ስደት ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ወሲዶም ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዶብ ቆሪጾም ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ  ዝኣተው ድምጻዊ መርሃዊ ስብሃት-ለኣብን ደራስን ተዋሳእን ዮናስ ዮውሃንስን (ኪኮ) ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው እናተጓዓዙ ብዘጋጠሞም ዘስካሕክሕ ናይ መኪና ሓደጋ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።

READ MORE

ሓደ ካብቶም ንኤትራ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ቀንዲ መጓዓዝያ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣  ካብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ፣ ካብ ደውሓ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ ስሩዕ በረራ፣ “ስርሒታዊ ምኽንያታት” ዝብል ዘይንጹር ሓፈሻዊ ምኽንያት ብምሃብ ከቋርጾ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ 4 ታሕሳስ በረራኡ ደው ከምዘብል ዝገለጸ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ቅድሚ

READ MORE

ኣብቲ ብ23 ሕዳር ኣብ ማላቦ፣ ኤኳተርያል ጊኒ ዝተኻየደ 4ይ ኣኼባ ኣፍሪቃን ዓረብን ዝተሳተፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዑስማን ሳልሕ፣ ነቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ናይ ዝተዓስከሩ  ኣምኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ነጻ ጉልበት ዘባኸነ፣ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ብዘይልቦም ናብ ስደት ዘንፈጸ ‘ብዋርሳይ ይከኣሎ’ ዝፍለጥ ፍሹል

READ MORE

ሎሚ ዘበን ኣብ ኤርትራ ዝምስገን ክራማት ስለዝነበረ፣ ኣብቲ ካብ መጀመርያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ክሳብ  ፈለማ ወርሒ ናይቲ ዝመጽእ ዓመት 2017 ኣብ ዘሎ ቀውዒ ጽቡቕ ምህርቲ እኽሊ ክሕፈስ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዝዘርግሖ ኣማቲ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ኣብ

READ MORE

ትዝ ኢልካኒ ሕዳር 27/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ትዝ ኢለካኒ ኣላህ ዎ! ኣክበር ፍቓዱ ኰይኑ’ምበር ጅግና ’ዶታ ’ቕበር   ረስሚ ተኸዲንካ ብዓል ፎርማ ዕማ እንተገበርካ ብዓል ግርማ ንፈተውቲ ቍርኣን ተንብበሎም ንጸላእቲ ብብረት ትሃድኖም ደርሆ ነቆ ጥንቲ ዝኸተተ ምስ ጀጋኑ ምስ ማሕበር ሸውዓተ ካብቶም ጀጋኑና ሓደ-ሓደ ንኽቃለስ ኢሉ ዝተወልደ ትዝ ኢልካኒ……   መን’ዩ ሶይራ ’ሉካ ክቡር ኣቦ? ሓቂ ኮይኑ ሳጓ ዝሓሰቦ እምበር እምባ ኣርሒቑ ዝጥምት ኣልቦ

READ MORE

ስም ተውላጠ ስም - ቅጽል ዘማእከለ ካብ ሕጊ ሰዋሱው - “ግስ” ዝፈንቀለ ብርኺ ካብን ናብን - ዓዲ ዘውዕለ ብርሃን ዝጎደሎ - ኣዒንቲ ዕንጕለ ብጽላሉ ዝምካሕ - ቃንጥሻ እጕለ   ግስ መስተጻመር - ኣንጊሆም ምስ ወጹ ብቓልኣጋኖ - ዝነብር ኣጊጹ ሓንቲ ከይሓዘ -  እግሪ ከም ኣረነ ሰኣን ሚእቲ ይብል - ከም ዓራጃጂነ   ንፋስ ስግር ባሕሪ -

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ (2%) ክልተ ሚእታዊት ፥ ካብ  ቤተክርስቲያን ተዋህዶ (15%) ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊት ገይሩ ከእትዎ ምዃኑ ብመጋበርያታቱ ኣቢሉ ትእዛዝ ሂቡ። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ቀንዲ መሳርሒ ገይሩ ኣቐሚጥዎም ዘሎ  ከም ግርማይ ዘርኣይ ዝኣመሰሉ ሃሱሳቱ ኣሰንዩ ንኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ዝተባህሉ

READ MORE

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ህግደፍ፡ ሕጊ፡ ቅዋምን ግሉጽነትን ስለዘየለ፡ ኤርትራውያን ፍትሕን መሰልን ክረኽቡ ትጽቢት ክገብሩ ኣይክእሉን’ዮም። ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱ ክመርሕን ዕድላቱ ክውስንን ኣእምሮን ልቦናን ከምዘይብሉ ገይሩ ስለዝወስዶ፡ “ኣነ ዝበልኩኻ ጥራሕ ግበር” ብምባል’ዩ ንመዓልታዊ ምንቅስቃሱ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ሓኒቁ ዝሕዝን ዝሕምትልን ብልሓታትን ተንኮላትን ብምምሃዝ ሰብኣዊ

READ MORE

ኩነታት ግብጽን ቱኒዜይን፥ ግብጽን ቱኒዜያን ካብተን ዜማዕበሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢየን። ቅዴሚ ህዜባዊ ናዕቢ ምጅማረን ብመንገዱ ሕቡራት ሃገራት ( UN ) ኣብ ዜተገብረ መጽናዕቲ ካብ 135 ሃገራት ቱኒዜያ ሳደሸይቲ ክትወጽእ እንከሊ ግብጺ ከኣ መበል 14 ወጸት ። እዙ ናይ ወዱ ሰብ ዕብየት መሇክዑ ( Human Development Index ) ተባሂለ

READ MORE

ኣብዚ ወርሒዚ ሕዳር 2016፡ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ ናይ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ክትዕ ካብ ልዙብ ናይ ሃገር እትምርሓሉ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን፡ ስነ-ሐሳባትን፡ ፖሊሲታትን ዝርሐቐ ዘይንቡርን ኣሰካፍን እዩ ኔሩ። ወ/ሮ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ ሓፈሻዊ ሃገርዊ ደረጃ ማለት፡ ኣብ ፖፕላር ምርጫ ብኽልተ ሚልዮን ቐዲመን ክንሰን፡ እቲ ቑጽሪ ግን ኣብ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ታሪፍ ነዳዲ ከምዝጎደለ ዘናፈሶ ወረ፣ ለውጢ ይገብር ከምዘሎ ኣምሲሉ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ዝመሃዞ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እዚ ከይኣክል ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ለውጢ ሓቂ ከምስሉ፣ ኣብዚ መሰረት ዘይብሉ ምጕዳል ታሪፍ ተመርኵሶም ኣውቶቡሳትን ታክሲታትን ዋጋ ከጕድሉ ዘመሓላለፉዎ ትእዛዝ

READ MORE

ምኪኤል ስባህቱ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክተማ ለንደን ዝነበር ኤርትራዊ ኢንጂነር፣ መስርሕ ምዝርጋሕ ኤለትሪክ ኣብ መናድቕ ህንጻታት ዘቃልል መሳርሒ ከምዝመሃዘ ኣብ ፋይናንሻል ታይምስ ዝወጸ ዓንቀጽ ሓቢሩ። እቲ ኣብ 1990 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምስዳዱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብተክኒካል ኢንጂኔሪን ዝተመረቐ ምኪኤል ልዕሊ 40 ሽሕ ኣታዊኡ ኣብቲ ፕሮጀክት

READ MORE

መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ'ዩ? ቕድሚ መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶ ዝርዝራዊ መልሲ ምሃብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ኣንታይ ከምዝኾነ አሕጽር አቢልካ ምርአይ አገዳሲ ይኸውን። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ካልእ ጫፍ ወይ አንጻር ናይ መላኽነት ወይ  Dictatorial system ኮይኑ፡ ህዝቢ ማእከል ጌሩ፡ አብ ሕገ

READ MORE

ሎሚ ዘበን ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ክራማት ብምንባሩ ድሓን ናይ እኽሊ ፍርያት ኳ እንተተርኽበ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብዘዘውትሮ ዘሎ ቀጻሊ ግፋን ምቍጽጻር ዓያዪ ጉልበትን ነቲ እኽሊ ኣብ ምዕጻዱን ምእታዉን እኹል ጉልበት ብዘይምህላዉ ህዝቢ ተሸጊሩ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ከምዝርከብ ምንጭታት ሓቢሮም:: እቲ ዝፈረየ እኽሊ ከይባኽን ካብ ኣሃዱታቶም ሞሊቖም ስድርኦም

READ MORE

ሓንቲ ከቢድ ሕማም ካንሰር ዝነበራ ስማ ዘትገለጸ ጓል 14 ዓመት እንግሊዛዊት ቆልዓ፣ መድሃኒት ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ ናብ ዳግማይ ህይወት ክትምለስ መታን ሬሳኣ ኣብ ክንዲ ዝቕበር ኣብ ፍሉይ ምዝሓሊ ደስኪሉ ክጸንሕ ኣብ ቤትፍርዲ ተኸራኺራ ድሕሪ ምዕዋታ፣ ከምዚ ዝበለቶ ድሌታ ተማሊኡላ ኣካላታ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ፍሉይ ቦታ

READ MORE

ነዛ ሓጻር መልእቲ ክጽሕፍ ዝቐሰበኒ ምክንያት ብዕለት 06/11/2016  ኣብ  ዕላል-የዕሩኽ (paltalk) ሕድሪ ጀጋኑናን ስመር-I  (Smerrr1 - and  Hidi Jeganuna )  ኣሳለጥቲ ዓለምለካዊ  ተበጉሶ  ሓይሊ ዕማም ዘቕረቡዎ ኣስተምህሮን ሓበሬታን ዝሃብዎ ብትሕዝትኡን ኣቀራርቡኡን ›ኣዝዩ ልብካ ዝመስጥ፣ ተስፍ ዝህብ እዩ እሞ ኔሩ ክንስዕቦን ክንድግፎም ሎሚ ጽባሕ ዘይባሃሎ ጉዳይ ኾይኑ

READ MORE

ዕጥቂ ስነ-ጥበበኛታት፡  16.11.16፡ “ድምጻዊ መንእሰይ ሮቤል ሚካኤል፡ ንስኻስ ቆንጆኻ ከተናዲ ጥራይ ብኣምሓርኛን ትግርኛን ብምድራፍካ ክንድኡ ካብተባህለ፡ ብዛዕባ ነቶም ዘይእንታይና ኣምሓሩ ሓቚፉ ዘሎ መራሒና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከድኣ እንታይኮን ክበሃል ምተኻእለ?” ኣቐዲመ ከምኣቦን ዜጋን መጠን ልዕሊ’ቲ ንህዝብኻን መሳቱኻን ዝሃብካና ልዑል ሰላምታ፡ ናተይ ደሪዐ ከምቖካ እፈቱ። ኣስዒበ ንብ ዛዕባ ኣብ

READ MORE