Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣኼባ ተቓለስቲ ንፍትሒ ኒው ዮርክን ከባቢኣን (NY, NJ &CT) ንዕለት 23 ጥቅምቲ, 2016 ልክዕ ሰዓት 2:00 ድ.ቀ. ክልተ ኣጀንዳታ ንምዝታይ፡

  ኩላትና ከምእንፈልጦ ንዝመጽእ ዘሎ ጥቅምቲ 27, 2016 ኣብ ኒው-ዮርክ ከተማ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት (UN Headquarters)፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምድጋፍ ዓቢይ ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። ሰበ ስልጣን

 

  1. ኩላትና ከምእንፈልጦ ንዝመጽእ ዘሎ ጥቅምቲ 27, 2016 ኣብ ኒው-ዮርክ ከተማ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት (UN Headquarters)፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምድጋፍ ዓቢይ ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። ሰበ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙን ይፍጽሙ ከርምዘለዉን፡ መርማሪት ኮሚሽን ዘረጋገጸቶ ሓቂ እዩ። ማሕበርና ንምእንጋድ እዚ ታሪኻዊ ውዕሎ ክንመያየጥን ክንወዳደብን።
  2. ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ በብውልቅናን ብናኣሽቱ ጉጅለታትን ክንገብሮ ዝጸናሕና ቃልሲ ንትጽቢት ህዝብና ክዕግብ ኣይከኣለን። ስለዚ’ከኣ  ብዛዕባ “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ” ግዚኡ ዝኣኸለ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዘኽትመሉ ዝሰለጠ፡ ተግባራውን ንኩሉ ዘሳትፍን መስርሕ ዲሞክራሲ  መብርሂ ክህበና ዓዲምናዮ ኣሎና።

ኣብዚ ክልተ ዓበይቲን ኣገደስትን ዛዕባታት ተሳተፍቲ ንኽትኮኑ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር ሓድነት ኤሪትራውያን ንፍሒ ኒውዮርክን ከባቢኣን፡  ብኣኽብሮት ትዕድም።
ኣኼባ ዝግበረሉ ዕለት፡ ጥቅምቲ 23, 2016

ቦታ፡ Orange Elks

        475 Main St.

        Orange, NJ 07050

ሰዓት፡ 2:00 ድ.ቀ – 5:00 ድ.ቀ

 

ብደሓን ምጹ፡

ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር ሓድነት ኤሪትራውያን ንፍሒ፡ ኒው-ዮርክን ከባቢኣን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT