Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰሙናዊ ዜናታት፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ ተኸታታሊ ጉጅለ እገዳ፣ ብ ሓገዝ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበርን ወደብን ምስርሑ ይኹን ህላወ ናይ ወጻኢ ኣጽዋርን መሳለጥያታትን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ ተኸታታሊ ጉጅለ እገዳ፣ ብ ሓገዝ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበርን ወደብን ምስርሑ ይኹን፣ ህላወ  ናይ ወጻኢ ኣጽዋርን መሳለጥያታትን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ ትማሊ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ ተኸታታሊ ጉጅለ እገዳ፣ ብ ሓገዝ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበርን ወደብን ምስርሑ ይኹን፣ ህላወ  ናይ ወጻኢ ኣጽዋርን መሳለጥያታትን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብውሑዱ 240 ስደተኛታት ከምዝተሓሉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

98 ሚእታዊት ናይቶም ካብ ሱዳን ኣብ ካናዳ ዝጣየሱ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኖም Relief web ን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ምስ ኤርትራ ዝነበሮ ረዲኤታዊ ምትሕግጋዝ ን 10 ዓመት ደው ኣቢሉ ዝጸንሐ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ዳግም ክጅምሮ ይደናደን ከምዘሎ ስዊዝ ኢንፎ ሓቢሩ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምምርማር ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝፈጸሙዎ ዝጥርጠር ገበናት ዝርኢ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ክምስረት ዘመሓላለፎ ለበዋ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ዓለም ዛዕባ ኮይኑ ክዝረበሉ ቀንዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዳግመ ምደባ ካቢነ ሚኒስተራት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ጸዲቑ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ የመን ስልጣን ዝጨበጡ ተቓወምቲ ሑቱ፣ ከም ኣካል ናይቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ካብተን ሒዞመን ዘለዉ ከተማታት ምውጻእ ከምዝኣበዩ ሰበስልጣን ስዑዲ ምግላጾም ቢቢሲ ሓቢሩ።

 

ዜና ብዝርዝር

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ፣ ብኽኢላታት ዝቖመ ተኸታታሊ ጉጅለ እገዳ ኤርትራን ሶማልያን፣ ብ ሓገዝ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበርን ወደብን ምስርሑ ይኹን፣ ህላወ  ናይ ወጻኢ ኣጽዋርን መሳለጥያታትን ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ወተሃደራዊ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ፣ ትማሊ ዓርቢ 4 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከም ኣካል ናይቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ሑቱ ኣብ የመን ዘካይዱዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ወፍሪ፣ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብምስምማዕ፣ ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን ወተሃደራዊ መዓስከር መስሪቶም ከምዘለዉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ።

ንሱ፣ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ወተሃደራዊ ስርሒታት ንምክያድ ብኻልኦት ሃገራት ዝግበር ተጠቃምነት መሬትን ባሕርን ሰማያትን ኤርትራ፣ ነቲ እገዳ ብቐጥታ ዝጻረር ኳ እንተዘይኮነ፣ ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፣ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ዝጸሉ ጉንዖ ንመንግስቲ ኤርትራ ይኹን ሰራዊት ኤርትራ ዝወሃብ እንተደኣኮይኑ፣ ምጥሓስ ናይቲ እገዳ ከምዘመልአት ኣብሪሁ።

እቲ ተኸታታሊ ጉጅለ፣ ኣብ መንጎ ‘ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ምሕዝነትን ሰበስልጣን ኤርትራን ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ነቲ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ ዘመልክቱ ጭብጥታት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ ባይቶ ጸጥታ፣ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንዓንቀጻት ናይቲ እገዳ ከኽብራኦ ከዘኻኽረን ኣተሓሳሲቡ።

ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን፣ ኣብቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ተኸታታሊ እገዳ ዛጊት ርእይቶ ከምዘይሃቡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ክጠቅስ ከሎ፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፣ ስዑድን ኢማራትን መሳለጥያታት ኤርትራ ይጥቀማ ከምዘለዋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተኣሚኑ እዩ።

ኣርባዕተ  ሽሕ የመናውያን ኣብ ዓሰብ ከምዝተዓለሙ ‘ውን ሮይተርስ ይጠቅስ።

ክሳብ ዝሓለፈ ሓሙስ  3 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዝያት፣ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት፣ ብዘይውሑሳት ጀልቡ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ኣማኢት ስደተኛታት ብውሑዱ 240 ኣብ ገምግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝተሓሉ፣ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ካብ መንጎ እተን ዝጠሓላ ጀላቡ ዝደሓኑ 20 ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኩሎም ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ሓሙሽተ ናይ ድሕነት መራክብ ምስተን ኣብ ሓደጋ ዝነበራ ጀላቡ ኣብ ዘረኣኢ ርሕቀት ኳ እንተነበራ፣ መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሓደ ብዓል ስልጣን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣገንዚቡ። እዚ ሓደጋ ‘ዚ ዘይተደልየ ሳዕቤን ናይቲ ኤውሮጳ ነቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ንምዕጋት እትወስዶ ዘላ ስጉምታት ክኸውን ከምዝኽእል ድማ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኣሚቱ።

ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ብወገኑ፣ በቲ ትራጀዲ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ክቕበላ ድሌት እንተዘይርእያ ነይረን፣ እቶም ስደተኛታት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ጉዕዞ ኣይምገበሩን ነይሮም ክብል ወቒሱ።

ሎሚ ዘበን ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ናብ ዓዲ ጥልያን ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣስታት 27,400 ክኾኑ ከለዉ፣ እዚ ቁጽሪ ‘ዚ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ 2014 ን 2015 ካብ ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝበዝሐ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ዚ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ዓዲ ጥልያን ናይ ዝኣተዉ ጠቕላላ ብዝሒ ስደተኛታት 158 ሽሕ ምዃኑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ብዝሒ ሎሚ ዘበን ማለት 2016 ኣብ ባሕሪ ናይ ዝጠሓሉ ስደተኛታት 4,220 ክኸውን ከሎ፣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት (2015) ክወዳደር ከሎ፣ ብልዕሊ 450 ግዳያት ይበዝሕ።

እቶም ነዚ ሓደገኛ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ጉዕዞ ብብዝሒ ዘዘውትሩዎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከስተብህሉሉ ዘለዎም ሓደ ጉዳይ እንተልዩ፣ እተን ቅድሚ ሕጂ ናይ ድሕነት መራኽብ ኣዋፊረን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ዘድሕና ዝነበራ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነቲ ዕማም፣ ነቶም ንርእሶም ዝተረጋግአት ሃገርን መንግስትን ዘይብሎም ሊብያውያን ከረክባኦም ይጽዕራ ስለዘለዋ፣ ሓደገኛነት ናይቲ ጉዕዞ መሊሱ ዓብዩ ምህላዉ እዩ።

98 ሚእታዊት ናይቶም ካብ ሱዳን ኣብ ካናዳ ዝጣየሱ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኖም Relief web ን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ካናዳ ኣብዚ ዓመት’ዚ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት 2017 ብምትሕግጋዝ ምስ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ከተጣይሶም ካብ ዝመደበቶም 3500 ስደተኛታት 50 ሚእታዊት ድሮ ካናዳ ኣትዮም ከምዘለዉ፣ Relief web እቲ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ተመርኵሱ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ካብቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ድሮ ካብ ሱዳን ኣብ ካናዳ ተጣይሶም ዘለዉ 1750 ስደተኛታት 98 ሚእታዊት ኤርትራውያን ክኾኑ ከለዉ፣ 2 ካብ ሚእቲ ኢትዮጵያውያን እዮም።

ኣማኢት ካብቶም ስደተኛታት ሎሚ ቕነ ካናዳ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

—————————————————————————————————————

ምስ ኤርትራ ዝነበሮ ረዲኤታዊ ምትሕግጋዝ ን 10 ዓመት ደው ኣቢሉ ዝጸንሐ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ምትሕግጋዙ ዳግም ክጅምሮ ይደናደን ከምዘሎ ስዊዝ ኢንፎ ሓቢሩ።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ምስቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዝምስከረሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምትሕግጋዝ ክጅምር ምሕላኑ ዘተሓሳስብ ኳ እንተኾነ፣ እቲ ናይ ስዊዘርላንድ ብ 2 ሚልዮን ዶላር ክጅምር ምዃኑ ዝንገረሉ ሓገዝ፣ እቲ ስርዓት ናይ ዘተ መስመር ክኸፍት ቅሩብነት ምህላዉን ዘይምምህላዉን ንምድህሳስ ዝዓለመ ፈተነ ምዃኑ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ስዊዘርላድ ምግላጹ ስዊዝ ኢንፎ የረድእ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝበዝሑ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኤርትራውያን ክኾኑ ከለዉ፣ ዛጊት 20 ሽሕ በጺሖም ከምዘለዉ ጸብጻባት ናይታ ሃገር የመልክቱ። ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ኣውንታዊ ምላሽ ዘይረኸበ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ድሌት ኳ እንተለዋ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ርኡይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ደልሃመት ከቲቱዋ ከምዘሎ ይፍለጥ። ስዊዘርላንድ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትሕግጋዝ ምስ ስርዓት ህግደፍ ክትጅምር ትደናደነሉ ዘላ ምኽንያት፣ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምግታእ፣ እንተተኻኢሉ ድማ፣ ዘይቅቡላት ስደተኛታት ናይ ምምላስ ባይታ ንምጥጣሕ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይእምቱ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምምርማር ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምዝፈጸሙ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት ኣብ ጀኔቫ ብወግዒ ንዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደጊሙ ኣብ ዘልዓለሉ ኣጋጣሚ ሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝፈጸሙዎ ዝጥርጠር ገበናት ዝሰምዕ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ክምስረት ዘመሓላለፎ ለበዋ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ዓለም ገና ዛዕባ ኮይኑ ክዝረበሉ ቀንዩ ‘ሎ።

የማነ ማንኪ ዝመርሖ ጉጅለ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ዓለም ዘርያትና እምበር፣ መሰል ዜጋታት ኤርትራ ንምኽባር ከማና ቆራጽ ውሳኔ ዘለዎ የልቦን ኢሉ፣ ‘ዋላ ትንፈር ጤል ‘ያ’ ዝዓይነቱ ምጉት ከሰላስል ኳ እንተፈተነ፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ብሰንኪ ስእነት ሰብኣዊ ሓርነትን መሰልን ብሕልፊ ድማ ግዱድ ዕስክርና ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ወርሓዊ 5 ሽሕ ካብ ሃገሮም ነፊጾም ይስደዱ ከምዘለዉ እትዕዘብ ዘላ ዓለም ግን፣ ኣሉታ ህግደፍ ክወሓጠላ ኣይከኣለን።

እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ክልተ ኤርትራውያን ፓይሎታት መዐለሚት ነፋሪት ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩሉ ኣጋጣሚ ድማ ነቲ ብመሬትን ባሕርን ዝካየድ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝጠንቁ ፍልሰት ኤርትራውያን መሊሱ ዘጕልሕ ተወሳኺ ጭብጢ ኮይኑ ንምስምስ ህግደፍ ዝያዳ የዕቢሩዎ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለምርያም ደሳለኝ ሎሚ ቕነ ዘካየዶ፣ ተሳታፍነት ምሁራትን ብዙሕነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘንጸባርቕ ዳግመ ምደባ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ከምዝጸደቐ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ 9 ኣባላት ናይቲ 30 ሚኒስተራት ዝሓዘ ካቢነ ካብ ብሄረ ኦሮሞ ክኾኑ ከለዉ፣ 8 ድማ ካብ ብሄረ ኣምሓራ እዮም። ሰለስተ ደቀንስትዮ ድማ ይርከባኦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንዝጸንሐ ዘይቅርዑነት ምሕደራ መንግስቲ ንምምሕያሽ ኣብ ብቕዓት ናይቶም ዝረቝሖም ሚኒስተራት ኣተኵሩ ነቲ ዳግመ ስርርዕ ከምዘካየዶ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ድሕሪ ምእዋጁ ዝተኻየደ ዳግመ ስርርዕ፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ንዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ክርአ ዝጸንሐ ናዕብታት ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ፣ ነቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ጽልዋ ክህልዎ ተስፋ ይንበረሉ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ የመን ስልጣን ዝጨበጡ ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቱ፣ ከም ኣካል ናይቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ካብተን ሒዞመን ዘለዉ ከተማታት ምውጻእ ከምዝኣበዩ ሰበስልጣን ስዑዲ ምግላጾም ቢቢሲ ሓቢሩ።

ይኹን ‘ምበር እቶም ጽልዋ ኢራን ንምክልኻል ነቲ ወግዓዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ምንግስቲ የመን ብምድጋፍ ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሰበስልጣን ስዑዲ፣ ነቲ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን ብዘውርዱዎ ዘለዉ ክቢድ ጉድኣት ዝመጽኦም ዘሎ  ዓለም ለኻዊ ወቐሳ ንምምጥምዛዝ ዘካይዱዎ ዘለዎ ናይ ፒ ኣር ፈተነ ምዃኑ ቢቢሲ ኣሚቱ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ሓደ ግዜ ልዕሊ 140 ሰባት ብደብዳብ ድሕሪ ምቕታላ ብፍላይ፣ ደብዳብ ደው ከተብል ኣመሪካ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ጻውዒት ኣቕሪባ። ይኹን እምበር፣ ኣመሪካ ከምዚ እናበለት ንስዑዲ ዓረብ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ መሳለጥያታትን ምቕራብ ምቕጻላ ምውርዛይ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይወቕሱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT