Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ክብ ዝበለ ዓለም ለኻዊ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት 2017 ትግርኛ ብዝርከቦም 11 ቋንቋታት ኣገልግሎት ፈነወ ክጅምር ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ክብ ዝበለ ዓለም ለኻዊ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት 2017 ትግርኛ ብዝርከቦም 11 ቋንቋታት ኣገልግሎት ፈነወ ብምጅማር ሚልዮናት ኣህዛብ ክበጽሕ መዲቡ ከምዘሎ ትማሊ ረቡዕ 16 ሕዳር ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም ክውሰኹ መደብ

እቲ ክብ ዝበለ ዓለም ለኻዊ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት 2017 ትግርኛ ብዝርከቦም 11 ቋንቋታት ኣገልግሎት ፈነወ ብምጅማር ሚልዮናት ኣህዛብ ክበጽሕ መዲቡ ከምዘሎ ትማሊ ረቡዕ 16 ሕዳር ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ክውሰኹ መደብ ተታሒዙሎም ዘለዉ ቋንቋታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝይዳ ዝዝረቡ ኣፋን ኦሮሞን ኣምሓርኛን፣ ቀንዲ ቋንቋ ኤርትራ ትግርኛ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝዝረቡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት እዮም።

ናብ ፓኪስታን ህንድን ሰሜን ኮርያን ዝዓለሙ ሓደሽቲ ፈነወታት ‘ውን ክተኣታተዉ እዮም።

መንግስቲ እንግሊዝ ከም ኣካል ናይቲ ኣህጉራዊ ጽልዋ ዓባይ ብሪጣንያ ንምዕባይ ዝተለሞ ዓቢ ስትራተጂ፣ ፈነወ ቢቢሲ ንምስፋሕ ክሳብ 2020 ናይ 360 ሚልዮን ዶላር ባጀት ድሕሪ ምእዋጁ እዩ ነዚ ዕድል’ዚ ከፊቱ።

ዳሪክተር ጀነራል ቢቢሲ ቶኒ ሆል፣ ነቲ ድሕሪ 1940ታት ቢቢሲ ኣብ ፈነወታቱ ዘርኣዮ ዝዓበየ ዝላ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን፣ እቲ ፍጻሜ ታሪኻዊ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ብ 1932 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ንዝነበሩ ተዛረብቲ እንግሊዝ ተባሂሉ ድሕሪ ምኽፋቱ ህቡብነት ዘጥረየ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ብዓለም ደረጃ ዓቢተሰማዕነት ዘለዎ ኮይኑ፣ በቶም ዛጊት ክፍንዎም ዝጸንሐ 29 ቋንቋታት 246 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ንሰሙን ከምዝከታተሉዎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ክሳብ 2022 ብድምር 500 ሚልዮን ህዝቢ ንሰሙን ክከታተሎ ድማ ከም ዒላማ ተታሒዙ ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT