Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቦ ወንበር ኮምሽን  ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ነበር፡ ካኢላን መምህርን ሕጊ ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ፡ ብሰፊሕ ተሳታፍነት መንእሰያት ኣብ ሃገርና ኤርትራ እቲ ህዝቢ ሃንቀው ዝብሎ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክመጽእ ከምዝኽእል እምነት ከምዘለዎም ብምምልካት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ስለ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘርእዩዎ ዘለዉ

READ MORE

ውጽኢት ምርጫ ናይ ሕጹያት ንውክልና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ- 08ን 09ን/10 2011 ድሕሪ ቀጻሊ ጻዕሪ ንልዕሊ ዓመት መመላእታ ካብ ምቅናዕ ሃገራዊ ዋዕላ ጀሚርና ከይተሓለልና ምስ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኣብ ሎንደንን በርሚንግሃምን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ዝድለ ዘሎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሸቶ ክዉን ንምግባር ጽዒርና። ስራሕና ኣብ ግብሪ ንምርግጋጽ

READ MORE

ዳዊት ሽለን ዝብሃል ካብ ኤርትራ ብነጋዶ ተዓዲሙ ናብ እስራኤል ዝመጸ ውሩይ ደራፋይ ኣብ ቴልኣቪቭ ምርኢት ከካይድ ኣብ ዝተረቐረበሉ ኣጋጣሚ፡ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብታ ሃገር ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) መኽፈቲ ክህብ ናብ መድረኽ ምስ ደየበ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ “ንዓና ንኤርትራውያን ኣይትውክለናን ኢኻ፡ መደረኻ ክንስመዕ ኣይንደልን ኢና፡

READ MORE

ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ጥቅምቲ 2011 ናብ ሕዳር 2011 ብሓደ ወርሒ ስለምንታይ ከምዝተሰጋገረ ህዝቢ መረዳእታ መታን ክረክብ ፡ ንኣቦ ወንበር ኮምሽን ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ከነዘራርቦም ኣቐዲምና ፈቲንና ስለዘይሰለጠና፡ ኣብ ናይ ሰኑይ 10 ጥቅምቲ መደብና፡ ብቐረባ ክንረኽቦ ንዝኸኣልና ኣባል ኮምሽን

READ MORE

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ መንእሰያትን ተቓወምቲ ባእታታትን፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን ከካይዶ ወጢኑዎ ዘሎ ፈስቲቫል ንምቅዋምን ንምልካዊ ስርዓቱ ንምዅናንን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምድላዋት ይገብሩ ኣለዉ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ እቲ ንቀዳም 22 ጥቅምቲ ኣብ ለንደን wood Green ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ሰዓት 11

READ MORE

እቲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዕለት 22 ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብሰንኪ ጸቕጥን ምጕብዕባዕን 6 ኣባላት ኪዳን ዝኾና ውድባት ንሓደ ወርሒ ከምዝተሰጋገረ ኣባል ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ሎሚ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ

READ MORE

ደሓን ኩኒ ኪዳን ሰላም ቅድሚ ምፍራስኪ፡ ኣደ ኩሉ ውድብ መጓ’ዪ ስልጣን ኔርኪ። ኣይሓሰብናን ንሕና ትወርዲ ብሕፍረት፡ በዓል ተጸበና ምስጋና ብኽብረት። ጣቕዒት ክኸውን ደዊልኪ ኣብ መድረኽ፡ ሹክረን ክትብልዮም ጉባኤ ክባረኽ። መንእሰይ ክርከብ ታሪኽኪ ተንቲኑ፡ ጽቡቕኪ ክወስድ ሕመቕኪ ጠንጢኑ። ኮደብደብ ጀመርኪ ከንፈርኪ ሓቢጡ፡ ቀባሕባሕ ጀመርኪ ዓይንኺ ፈጢጡ። ዓዲምኪ ዓዲምኪ ተኣኪቡ ህዝቢ፡ ምድላው ተኾይኑ ኣለዎንዶ ፈውሲ። ፈጠንጠን!!!!!!!! ኣጋይሽ ዓዲምኪ ገዛ

READ MORE

ውርይቲ ደራፊት ኤልሳ ኪዳነ ኣብ ወርሒ ሰነ 2011 ምስ ወዲ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዕሸል ውላዳ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ቤት መኻእ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ከምተኣስረት ደንጕዩ ካብ ምንጭታት ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት፡ ኤልሳ ኪዳነ፡ ሓደ ዓቢ ወዳ ናብ ሱዳን ኣህዲምኪ

READ MORE

ካብቶም 365 ብመንግስቲ ሱዳን ኣብ ሽማሊያ ፍሉይ ስሙ ድንጓላ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ካብ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት 5 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተጨዉዮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቶም ኣስታት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ምስ ዘይሕጋዉያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ብሔረ ራሻይዳ እንዳተጓዕዙ እንከለዉ ምስ ፖሊስ ሱዳን ተኹሲ ድሕሪ

READ MORE

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ጀርመን ዝወሓዙ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ፡ ኣብ ከተማ ጊሰን ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝዅንን ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ እናተኻየደ ኸሎ ምስ ድምጺ ኣሰና ብቐጥታ ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ ሓቢሮም። እቶም ኣብ ውሽጢ ሳልስቲ ብዝተገብረሎም መጸዋዕታ ካብ ስዊዘርላንድ፡ ሽወደን፡ ሆላንድ

READ MORE

ብኣጋጣሚ ዕለት 18 መስከረም 2011 ዓ.ም ብዘይ ክስን ፍርድን መበል ዓሰርተ ዓመቶም ኣብ ትሕቲ ጨካን ማሕዩር ህግደፍ ዝበልዩ ዘለዉ ጀጋኑ ናይ ለውጢ ሃዋርያ ዝኾኑ ላዕለዎት መራሕቲ ሃገር ኣመልኪቱ ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል ኣገልግሎት ድምጺ ኣሜሪካ ምስ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብስልኪ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ-ምልልስ እንሆ ይቐርበልኩም ሰናይ

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 17 መሰከም.2011 ምንቅስቃስ መንእሰያት ንዲሞከራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ እቶም ምሕደራዊን መንግስታን ኣካዪዳ ንኽቅየር ዝሓተቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ከምኡውን ነዚ ጻዊዒት‘ዚ ናብ ህዝቢ ዘብጽሑን ተባዓት ሰብ ሞያ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ደለይቲ ለውጢን ዝተኣሰርሉ ክሳብ ሕጂ‘ውን ኣበይ ከምዘለዉ ዘይተፈለጠሉን ንምዝካር ኣብ ከተማ ዙሪክ ክብርቲ

READ MORE

ቁጽሪ ናይቶም ብ19 መስከረም ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ብነታጕ ዝሞቱ ሲቭል ኤርትራውያን ናብ ሸውዓተ ክብ ከም ዝበለ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣቐዲሙ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከም እተገልጸ፡ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ናብ ቀብሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ብነታጕ ድሕሪ ምህራማ ብኡንብኡ 5 ሰባት ክሞቱ ከለዉ እቶም ድሕሮም ዝሰዓቡ ክልተ

READ MORE

ንራብዓይ ምዓልቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐጸለ ኣኼባ ሞያውያንን ግዱሳትን ኤርትራውያን ኣብ ኩሎምቶም ንዘተ ሰሪዑዎም ዝነበረ ዛዕባታት ብሱልን ሓላፍነታውን ልዝብ ብምክያድ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ዝሕግዙዎ ናይ ቃልሲ ስትራተጂን ስልትን ኣለልዩ።

 

ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዝዛተዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ምሁራንን ግዱሳትን ነቲ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘካይዱዎ ዘለዉ ዘተ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሎሞ ውዒሎም።

 

ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተኣኻኸቡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓዉዲታት ሞያ ዘሎዎም ኤርትራዉያን ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደገኛነቱ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ኩሉመዳያዊ ቅልዉላው ኤርትራን ህዝባን፡ ተመኻኺርካን ተማያይጥካን ፍታሕ ንምንዳይ ዝዓለመ ኣኼባ ሎሚ 6 መስከረም 2011 ጀሚሩ፡፡

 

United for Eritrea (ሕቡራት ምእንቲ ኤርትራ) ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ጀርመን ዝወደቦ ንዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ በርሊን ፊት ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ተኻይዱ።

ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ሰሜን ኣመሪካ ሄሪኬይን ኣይሪን ህይወት 15 ሰባት ኳ እንተለከመ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየልቦ ኣሰና ኣመት ረኺባ።

 

ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዎ ለውጢ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ኤርትራውያን ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣኼባ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ እስራኤል ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ)፡ ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈቱ፡ ብሓደ ዝተቖጠዐ ኤርትራዊ መንእሰይ ከምዝተሃርመ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

ኣብቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ዝተሰዱ መንእሰያት፡ ንውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ብምእላይ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጦም።

 

ወናኒ ዕደና ወርቂ ቢሻ፡ ካናዳዊ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ነቭሱን ሪሶርስ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ካብ ዕደና ኤርትራ፡ ቀሪጹ ከፊሉ $60.6 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝረኸበ ምግላጹ፡ ‘ማይኒን ዊክሊ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ቶሮንቶ ገሊጹ።

ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብምኽንያት ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ንኣሸበርቲ ዝገብሮ ደገፍ ኣህጉራዊ እገዳ ክግበረሉ ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፎ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ።

ኣባላት ኢጋድ ዝኾና ሃገራት ቀርንን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ክትምለስ ዘቕረበቶ፡ ፈለማ፡ተቐቢለናኦተባሂሉ ተመሓላሊፉ ዝነበረ ዜና ብምእራም፡ገና ይሓስባሉከምዘለዋ ምጥቃሰን፡ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ቅንያት 20 ሰነ ካብ ኣስመራ ተለቒሞም ድሕሪ ምእሳሮም፡ ብስርዓት ህግደፍ ብምቑሕ ሰንሰለት ነንሕድሕዶም ተኣሲሮም ብናይ ጽዕነት መኪና ናብ ሳዋ እናተጓዕዙ ኣብ መንገዲ ከረን፡ ልቢ ትግራይ ጸዲፎም ዝሃለቑ፡ ብ25 ሰነ ኣብ ዜና ኣሰና ካብ 25-30 ተባሂሎም ዝተጠቕሱ መንእሰያት ኤርትራ፡ 60 ምዃኑ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ብምብጻሕ ካብ ኤርትራ ኣምሊጠን ዝመጽኣ ስድራቤታት ዘዘራረቡ ኣህጉራውያን ጋዜጠኛታት፡ ኣብዚ ዓለማብ ጥምየትን ደርቅን ሶማልያ ኣተኵራትሉ ዘላ እዋን፡ ኤርትራ ብሰንኪ ስቕታ መንግስታ ብሓለንጊኦ ጥመት ትግረፍ ከምዘላ የመልክቱ።

ምንጭታትና ካብ ኒውዮርክ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሃገርኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዲያት ሓላፊ ኣቶ ዐስማን ሳልሕን ብዕድመ ጥራይ ዝጸውዑዏ ፍሉይ ኣኼባ ናይ ኣባላትን ተሓባበርትን ህግደፍ ኣብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣካይዶም።

 

ኣብ ኣቡጃ ብኢሚግሬሽን ናይጀርያ ታሒዞም ናይ ምስጓጕ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታትን ግዱሳትን ካብ መስጎግቲ ከድሕኑዎም ደገፍ ይሓቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

 

ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ኣብቲ ‘ዋርሳይ ይከኣሎ’ ተባሂሉ ብህግደፍ ዝጽዋዕ መዓስከር ክመሃሩ ካብ ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ፡ እቶም ኣብ መርመራ ዝተረፉ ናብ ሰራዊት ክምደቡ ምዃኖም ምስ ተሓበሮም፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝርከቡዎም ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ዓሰርተታት መንእሰያት ጃምላዊ ነብሰ-ቅትለት ፈጺሞም ከምዝሞቱ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ሎሚ 26 ሓምለ ኣብ ዘውጻኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ሱዳን ንኣህጉራውን ናይ ሱዳንን ሕግታት ብምጥሓስ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ብምስጓጉ ብትሪ ኮኒኑ።

ኣብ 183 ሃገራት ዓለም ንስሉጥነትን ምችኡነትን ቢዝነስን ዋኒናትን ተኸታቲሉ ርትዓዊ ግምጋም ዝህብ Doing Business ዝብሃል ፕሮጀክት፡ ኤርትራ ካብ 183 ሃገራት መበል 180 ከምእትስራዕ ሓቢሩ።

 

ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ።