Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕዋት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት ‘ታ ሃገር ቁጡዕ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣለዓዒሉ።

ቅድሚ ትማሊ 8 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ፣ እቲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣንጻር ሰደተኛታትን ውሑዳን ጉጅለታትን ደቀንስትዮን ዝቐንዐ ዘይውርዙይ ጎስጓሳት ብምክያድ ኣብ ሚልዮናት ኣመሪካውያን ስግኣትን ቂምታን ዘሕደረ ቢልዮነር ኣውፋሪ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ

ቅድሚ ትማሊ 8 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ፣ እቲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣንጻር ሰደተኛታትን ውሑዳን ጉጅለታትን ደቀንስትዮን ዝቐንዐ ዘይውርዙይ ጎስጓሳት ብምክያድ ኣብ ሚልዮናት ኣመሪካውያን ስግኣትን ቂምታን ዘሕደረ ቢልዮነር ኣውፋሪ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሂላሪ ክሊንተን ተዓዊቱ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ኣመሪካውያን ወጻኢ መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፣ ኣብ ሓያለ ዓበይቲ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣለዓዒሉ።

እቶም ሰልፈኛታት፣ ‘ፕረዚደንተይ ኣይኮነን’ ዝብል ጭርሖ እናቃልሑ ከምኡ ‘ውን ስእልታት ዶናልድ ትራምፕ እናቃጸሉ እዮም ተቓውሞኦም ዝገልጹ ዘለዉ።

እቲ ንትራምፕ ሃገር ክመርሕ ብቕዓት የብሉን ኢሉዎ ዝነበረ ፕረዚደንት ኦባማ፣ ልዙብ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ መታን ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ክገብር ቅሩብ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ኩሎም ኣመሪካውያን ነቲ ውጽኢት ክቕበሉዎ ኳ እንተጸውዐ፣ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ግን ኣይሃድአን።

እታ ዝተሳዕረት ሕጽይቲ ፕረዚደንት ነበር ሂላሪ ክሊንተን ውን፣ ንዓወቱ ዮሃና ድሕሪ ምባል፣ ዶላንድ ትራምፕ ክመርሕ ዕድል ክወሃቦ ንደገፍታ ተላብያ።

 

ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ ነቲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ተፈጢሩ ዘሎ ቁስሊ ምፍልላይ ከሕዊ ክዕጽዕር ምዃኑ ተመባጺዑ።

እንተኾነ፣ እቲ ብምዕዋት ዶላንድ ትራምፕ ገንፊሉ ዘሎ ምረትን ስምባደን ዛጊት ብቐሊሉ ዝዘሓለ ኣይመስልን።

ኣብቲ ደጀን ሰልፊ ዲሞክራሲ ዝኾነ ክፍሊ ሃገር ካሊፎንያ ከም መደበር ቴክኖሎጂ ዝፍለጥ ሲሊከን ቫሊ ዝርከቡ ፍሉጣት ክኢላታት ቴክኖሎጂ ኳ በቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ከምዘይተሓጎሱ ብምግላጽ፣ እታ ኪኖ ኣመሪካ ምስ ሃገራት ዓለም ብምውድዳር ብቑጠባዊ  እቶታ ሻዱሸይቲ እንትስራዕ ካሊፎርንያ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክትፍለ ከምዝጸውዑ ‘ውን ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ዝበዝሑ መራሕቲ ዓለም ከም ህዝቦም በቲ ትጽቢት ዘይተነበረሉ ውጽኢት ፕረዚደታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኳ እንተተገረሙ፣ ገሊኦም ዕቃበታቶም እናገለጹ ናይ ዮሃና መልእኽታቶም ንትራምፕ ይሰዱሉ ኣለዉ።

መራሒት ዓባይ ብሪጣንያ ትሪዛ መይ፣ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ንዘሎ ፍሉይ ዝምድና ብምጥቃስ ንትራምፕ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ክትሰደሉ ኸላ፣ መራሒ ፈረንሳ ሆላንደ፣ ምዕዋት ትራምፕ፣ መኻፍቶ ዘይርጉጽ ዘበን ምዃኑ ስክፍትኡ ብምግላጽ፣ ብርትዕን ንጹርነትን ክግጠም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ብኣግኡ ዓወት ትራምፕ ከምዝብህግ ዝዝረበሉ ዝነበረ መራሒ ሩስያ ቭላዲምር ፑቲን ሓደ ካብቶም ቅድሚ ኹሉ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደዱ መራሕቲ ኮይኑ፣ ዝምድና ራሻን ኣመሪካን ምሉእ ብምሉእ ንምሕዳስ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ።

መራሒ ቻይና ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከምዝሰደደ  ‘ውን ቴለቭዥን ታ ሃገር ገሊጻ።

መራሒ ኢራን ሓሳን ሮሃኒ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ዝምድና ኢራንን ኣመሪካን ጽልዋ ከምዘይህልዎ ብምጥቃስ፣ ንኒኵሌራዊ ኣጽዋር ብዝምልከት ኢራን ምስ ኣመሪካ ዝኣተወቶ ውዕል ፣ ምስ ኣመሪካ ብቐጥታ ዘይኮነስ ብመንገዲ ባይቶቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምንባሩ ልቦና መንግስቲ ኢራን ከምዘንጸባርቕ ኣገንዚቡ።

መራሒት ኣፍሪቃዊት ሃገር ላይበርያ ኢለን ጀንሰን ብጊዲኣ፣ ትራምፕ ንኣፍሪቃ ዘርብሕ ኣጀንዳ ምህላውን ዘይምህላዉን ርግጸኛታት ኣይኮናን፣ ብምባል ብዓወት ዶናልድ ትራምፕ ኣዝያ ከምዝጎሃየት ኣይሓብአትን።

መራሒ መክሲኮ ድማ ብቐጥታ ንዶናልድ ትራምፕ ዮሃና ካብ ምባል ተቖጢቡ፣ ንመስርሕ ምርጫ ኣመሪካ ብደረጃ ሃገር ዮሃንኡ ገሊጹ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዶባት ኣመሪካን መክሲኮን ስደተኛታት ንምዕጋት ዝዓለመ መንደቕ ክተክል ምዃኑ፣ 10 ቢልዮን ወጻኢ ናይቲ ዝህነጽ መንደቕ ከኣ ብመንግስቲ መክሲኮ ከምዝምወል ክገብር መደብ ከምዘዎ ምግላጹ ንህዝቢ መክሲኮ ከምዘቖጥዐ ይፍለጥ።

ሃገራት ስካንዲነቭያ ብሓፈሻ በዚ ተመሪጹ ዘሎ ሓድሽ ፕረዚደንት ሻቕሎት ኳ እንተለወን፣ ምስ ኣመሪካ ዘለወን ኣውንታዊ ዝምድና ክቕጽል ተስፋአን ገሊጸን።

እቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ካብ ዝተራእዩ ፕረዚደንታዊ ምርጫታት ታ ሃገር ብርቂ ዝኾነ ታሪኻዊ ውጽኢት ምዃኑ ይንገረሉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hadas November 11, 2016

    ምስ መብዛሕትኡ ቦለቲካዊ ኣረኣእያ ኣቶ ትራምብ ዘይሰማምዓሉ ጉዳይ ክህሉ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ግና ኣቶ ትራምብ በቲ ናይ ኣመሪካ ሕጋዊ ቦለቲካ ጸወታ፣ ብግሉጽ ክፉትን ቅሉዕን ዝኾነ ደሞክራስያዊ መገዲ ተዓዊቱ እዩ። ኣግኣዝያን ኣበው ከምዝመሰልዎ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ዝዓይነቱ፣ ሰላማዊ ሰልፊ እንተተገብረ ብዙሕ ፋይዳ የብሉን። እቲ ሓደ እንኮ ፍታሕ ናይ ተቓወምቲ ኣቶ ትራምብ፣ ካብ ሕጂ ውዳቤኦም ኣጽኒዖም ኣብቲ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝካየድ ናይ ባይቶ ምርጫን ኣብቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ናይ መራሒ መንግስቲ ምርጫን ብንጡፍ ክሳተፉ ይግባእ።
    ንዓና ንኤርትርዋያን ጨኒቕና ዘሎ ደሞክራሲ ጥራይ ዘይኮነስ መሰራታዊ መግቢ፣ ማይ፣ ኤለትሪክ መብራህቲ፣ መጎዓዝያ፣ መንቀሳቀሲ ኣብ ውሽጢ፣ ፍትሒ፣ ቅሳነት፣ ርግኣት፣ ተስፋ እዩ።
    ንሕና ዘይመረጽናዮም ሰባት መንነትና ቋንቋና ታሪኽና ውርሻና ብሓዊ ኣቃጺሎም: ብናይ ክራይ ባዕዳዊ መንነት ቋንቋ ስርዓት የጽኑቱና ኣለዉ። ከም ባሮት ዓቢድ ፈቐድኡ ይሸጡና ይልዉጡና ኣለዉ።
    እምበር ኣሜሪካ ደኣ ዝመረጽዎ ሰብ በቲ ስርዓትን ቍዋምን ኣሜሪካ እንተኣመሓደሮም ናቶም ጉዳይ እዩ።
    ንሕና ዝብላዕ ዝስተ ዘይብልና ካብዞም ኣኽላባት ናይ ዓረብ በደዊን ራሻይዳ ኣዋልድናን መቐመጫናን ዘይሓለና፣ ገለ ሃሙሽተ ወይ ሽድሽተ ሳሕሳሕ ዓረብ ከም ጤል ኮብኪቦም ዝሸጡና ዝልዉጡና፣ ብዛዕባ ቦለቲካ ኣመሪካ ክንተገዓርና እንታይ ቁምነገር ኣለዎ ።

POST A COMMENT