Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሰናዳኢ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ እቲ ንውሳኔ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብምድጋፍ ን27 ጥቅምቲ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ክኸውን መታን ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነት ክህሉ ህዝባዊ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ነቲ  ን27 ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ ክካይድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ትማሊ  ረቡዕ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለምጠይቕ ዝገበሩ ወከልቲ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምፈጸመ ብውድብ ሕቡራት

ነቲ  ን27 ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ ክካይድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ትማሊ  ረቡዕ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለምጠይቕ ዝገበሩ ወከልቲ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምፈጸመ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ክኸውን ምእንቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነት ክህሉ ህዝባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ኣሳናዳኢ ሽማገለ፣ እቲ ብደረጃ ሰሜን ኣመሪካ ማለት (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን) ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ጽቡቕ ገስጋስ ኣርእዩ ኣብ ምጥንቓቑ ከምዝርከብ ብምምልካት፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝስምዖ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ብዝተኻእለ መጠን ብኣካል ኣብቲ ኣብፊ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕብራት ሃገራት ዝካይድ ሰላማዊ ሰልፊ ክርከብ፣ እንተዘይትኻኢሉ ድማ ክኸዱ ንዝደልዩ ‘ሞ ናይ መጓዓዝያ ጸገም ዘለዎም ግዱሳት ክተሓጋገዝ ኣዘኻኺሩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ናይ ሎሚ መደብ ድምጺ ኣሰና ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ ንምዕዋት ዝካየድ ዘሎ ምቅርራብ ዘተኮረ ብምዃኑ ክትከታተሉዎ ነዘኻኽረኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT