Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ St. Paul ዝነበር ህርኩት ኤርትራዊ ብዓል ቢስነስ ማይክ ተኸስተ ንሓንቲ ነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝፈተነት ኣደ ብምድሓኑ ብኣኽበርቲ ሕጊ፣ ‘Ramsey County Sheriff’s Award for Excellence’ ዝብሃል ናይ ኣብነታዊ ኣበርክቶ ማዳልያ ክሽለም እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ St. Paul ሬድ ሲ ማርኬት ዝብሃል ቢዝነስ ዝውንን ህርኩት ኤርትራዊ ማይክ ተኸስተ ንሓንቲ ብሓደ ድልድል ዘሊላነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝፈተነት ኣደ ብምድሓኑ ሎሚ ሰኑይ ብኣኽበርቲ ሕጊ ናይቲ ዝነበረሉ ከባቢ፣  ‘Ramsey County Sheriff’s Award

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ St. Paul ሬድ ሲ ማርኬት ዝብሃል ቢዝነስ ዝውንን ህርኩት ኤርትራዊ ማይክ ተኸስተ ንሓንቲ ብሓደ ድልድል ዘሊላነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝፈተነት ኣደ ብምድሓኑ ሎሚ ሰኑይ ብኣኽበርቲ ሕጊ ናይቲ ዝነበረሉ ከባቢ፣  ‘Ramsey County Sheriff’s Award for Excellence’ ዝብሃል ናይ ንኡድ ስርሓት ማዳልያ ክሽለም ምዃኑ twincities.com ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነታ ክፍንዋ ትልምኖ ዝነበረት ኣደ ካብ ምስዳፍ ንምድሓን ንገዛእ ነብሱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ኣጽኒዑ ብምሓዝን ብምጽንናዕን እዩ ካልኦት ሓገዝትን ፖሊስን ክሳብ ዝረድኡዎ ን10 ደቒቕ ተቓሊሱ።

በዚ ህይወት ብምድሓኑ ዘርኣዮ ተባዕ ስጉምቲ ብኣኽበርቲ ሕጊ ንሽልማት ክርቋሕ ከሎ፣ ምቕሉልነቱን ቅንዕናኡን ዝፈልጡዎ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዓማዊሉ ብወገኖም፣ እዚ ከምዚ ኣመሰለ ጽቡቕ ግብሪ ወትሩ ዘዘውትሮ ልማድ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ በቲ ማይክ ተኸስተ ዘርኣዮ ሰናይ ተግባር ከምዘይተገረሙ ምግላጾም እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እዚ ማይክ ተኸስተ ዘርኣዮ ኣብነታዊ ሰናይ ተግባር፣ ንሓቀኛ ጠባይ ኤርትራውያን ዘንጸባርቕ ክዕቀብን ክስዓብን ዘለዎ ኤርትራዊ ያታ እዩ።

ነቲ ዛንታ ብእንግሊዝኛ ብምሉእ  ንምንባብል ኣብዚ ጠውቑ ፣ twincities.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT