Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ናብ ስደት ዘምርሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ርኡይ ናይ ህይወት ሓደጋ ከምዝገጥሞም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ በይኑ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ብይኑ እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘምለጡ ወይ ‘ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ዝወጹ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ምስ ዝምለሱ፣ ማእሰርትን ግፍዕን ዝርከቦ ርኡይ ሓደጋታት ከምዝወርዶም ብዘየማትእ ኣገንዚቡ። እቲ ብይን ነቲ መንግስቲ ዓዲ

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ብይኑ እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘምለጡ ወይ ‘ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ዝወጹ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ምስ ዝምለሱ፣ ማእሰርትን ግፍዕን ዝርከቦ ርኡይ ሓደጋታት ከምዝወርዶም ብዘየማትእ ኣገንዚቡ።

እቲ ብይን ነቲ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ናብ ‘ታ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኤርትራ፣ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዘጋጥሞም ጸገም የልቦን፣ ኣህጉራዊ ዑቕባ ኣየድልዮምን እዩ ብምባል ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት መምርሒ ሰነድ ኣስፊሩዎ ንዝጸንሐ መደምደምታ ብቐጥታ ዝጻረርር እዩ።

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝሓለፈ ክራማት ጀሚሩ ብኤርትራውያን ክቐርቡሉ ንዝጸንሑ ናይ ዑቕባ ሕቶታት ዳርጋ ንመብዛሕትኦም ክነጽጎም ብምጽንሑ 9 ካብ 10 ካብቶም ዝቐርቡ ናይ ዑቕባ ጉዳያት ዕዉት ግብረመልሲ ክረኽቡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እዮም ክምርኮሱ ጸኒሖም።

ቤትምኽሪ ስደተኛታት ዓዲ እንግሊዝ በቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ብይን መንግስቲ ኤርትራ ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ሓደገኛን ዘይርትዓውን ከምዝኾነ እቲ ናይ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ብይን ደጊሙ ከምዘረጋገጾ ብምጥቃስ፣ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ (Home Office) ድሕሪ ሕጂ ነቶም ምእንቲ ድሕነቶም ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣብ ክንዲ ምእታው ዑቕባ ክህቦም ተማሕጺኑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • wedi santa October 13, 2016

    remmeber there are hgdef among those real aslylm seekers do have comments to this issue?

  • k.tewolde October 13, 2016

    It is a bitter sweet victory,I don’t know if I am going to jump with joy or and sob uncontrollably. This is where it came down to- measuring our success by how many asylum cases we win.The new version of Eritrean patriotism. .

  • tesfalidetabraha October 13, 2016

    British justice and law stinks, the tribunals service and the Home Office should send all the fake refugees back to Eritrea as soon as possible as these are not real genuine refugees but opportunists and materialists. We want our young people to serve and work for their country and not to be dish washers,street cleaners or porters.

    • tesfalidetabraha October 13, 2016

      add dish washers, street cleaners or porters in the western white man countries.

POST A COMMENT