ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
እቲ ሞቱን ህይወቱን ምስ ፕረዚደንት ሊብያ ሙዓመር ቃዛፊ ዘተኣሳሰረ ገበነኛ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝነበረ፣ ሎሚ ግን ብህዝባዊ ማዕበል ህዝቢ ሊብያ ዝግረፍ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ንምድሓን 200 ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዃን ኣብ ሳሕል ዝተዓለሙ ፍሉያት ኮማንዶ ናብ ሊብያ ሰዲዱ ‘ሎ።
እቲ ህዝባዊ እምነት ኣጥፊኡ፡ ንስለያዊ መሓውር ከም ኣማራጺ መጻንሒ ስርዓቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ከካይዱሉ ካብ ዘዋፈሮም ሰለይቲ ተቓሊዖም።
ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ
ኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ሓደ እዋን ሓደ ብጻየይ ዘጻወተኒ ትዝ ይብለኒ። ወኻርያ ብዛዕባ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ቍጠባዊ ራኢኡ ኣመልኪታ ንዝብኢ ከምዚ ዚስዕብ ሓቲታቶ፣
ህዝቢ ኤርትራ ብደው ካብ ዝመውት ድሮ 19 ዓመቱ ኮይንዎ ኣሎ። ህግደፍ እዛ ጭርሖ ዝጥቀሙላ ኩሉጊዜ መሬት ጽብብ ክትብሎም ከላ‘ያ ።ኣብ ጊዜ ሰውራ ብወዲ ዛግር ዝተደርፈት ,ኣብ ጊዜ ወያነ ዝተደግመት,ሕጂ ድማ ኣብ ጊዜ ማዕቀባ ሕ.መ.ዓ. (ሕቡራት መንግስታት ዓለም)። ጉዳይ ጽሑፈይ ኣብ ስዊዘርላንድ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ጉዳይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ብይን እገዳ ሕ.መ.ዓ. ኢዩ ።
መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ብ13 ጥቅምቲ ንኮለኔል ስምኦን ገብረድንል ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝኣሰረ ምእማኑ ሮይተርስ ካብ ኣሰመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal) ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal ) ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ