ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝተኣካኸቡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኢውሮጳዊ ሕብረት ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመልኦ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝተኣካኸቡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኢውሮጳዊ ሕብረት ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመልኦ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም መበል 47 ዓመት ብረትዊ ቃልሲ ምጅማር ሰውራ- ኤርትራ ኣብ ከተማ ኑርንበርግ፡-
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንግስቲ ምስሪ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዱ ናብ ኤርትራ ምምልሱ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ዝርዝር ዜና ብቭድዮ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ።
ቓል-ሲ ኤርትራውያን ይበል ብሓቂ! - ቀዳማይ ገጽቓል-ሲ ኤርትራውያን ይበል ብሓቂ! - ካልኣይ ገጽ
– ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል
– ስዉር ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ የስፋሕፍሕ
ኣብ ሸፊልድ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ብምቅዋም ብ5 ሚያዝያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ይሰራሕ ወይ ይፈንጣሕ ዝቓናኡ ቅብጸታዊ ኣተሓሳስባ ክሳራ እዩ። ሃገር ካብ ምውናንና ንዝርከብ መኽሰብ ምሉእ ንምግባር ደኣ ክንዕጠቕ ኣለና ‘ምበር፡ ብሰሪ ሕመቕና ንዝጎደለ መቐረትን ላዛን መመኽኔታ ዕንወት ሃገር ክንገብሮ ኣይግባእን።
ሕልሚ ኤርትራውያን - ክገሃድ እዩ - ታሪኽና ክዛሪ - ክኸውን ነባሪ
ስርዓት ህግድፍ ካብ ወጻኢ ዓዲ ንምብጻሕ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ፍሉይ ኣተሓሕዛ ይገብረሎም ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣኼባ ተረኺቦም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ድሁል ዝብል ቃል ኣብ ትግርኛ ቀሊል ትርጉም ኣይኮነን ዘሎዎ። ልዒል ምስንባድ ሓሊፉስ ኩሉ ስብእናዊ መንነቱ ብምትንካፉ ኣብ መነባብርኡ ርእሰ ምትእምማን ከጥፍእ ከሎ እዩ። እዚ ብዝያዳ ኣብ ገለ ኣብ ደገ ዘሎዉ ኤርትራውያን ክንጸባረቕ እንርእዮ ዘሎና ተርእዮታት እዩ።
ሰልፊ ተቓውሞ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፈርት (ጀርመን) ብምኽንያት መስከረም 18 መስከረም ዕለተ ጃምላዊ ማእሰርቲ ፖለቲካውያን እሱራትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ህግደፍ – ብስእሊ….
እሱር፣ ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ክትሕረድ ዝቐረበት ደርሆ ንታሕቲ መሰል ዘለዎ፣ ባህላውን መንፈሳውን ሃገራውን ክብሪ ዝተቐንጠጠ፣ ሬሳ ዓይኒ ዘለዎ እዩ። ከይጠሚ፣ ከይህረም፣ ስድራኡ ክበጽሕዎ፣ ክሕከም፣ ክመሃር፣ ጉዳዩ ብነጻ ቤት ፍርዲ ክርኤ፣ ብጠበቓ ንነፍሱ ክከላኸል መሰሉ እዩ። እዚ ግን ኣብ ኤርትራ ዘይሕሰብ ከም ዝኾነ ኩልና ንፈልጦ ሓቒ እዩ።
ብመንግስቲ ሱዳን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ኣቶ ሓጅ ዓብደል ኑር ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ገሊጹ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ሓሙስ 12/07 ኣትሒዙ ኣብ ካርቱም መጠነ ሰፊሕ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት የካይድ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።
ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን: ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም 12 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ በስገዳድ ብምምላሳ ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስሪ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ጸዊዖም።
እቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብዘየተኣማምና ጀላቡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩሉ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብቐጻሊ ሓደገኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከይኮኑ ድሕነቶም ኣስጊኡ ዝቐነየ 57 ኤርትራውያን ብሊብያውያን ካብ ሓደጋ ምጥሓል ድሕሪ ምድሓኖም ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ሊብያ ተታሒዞም ከም ዝርከቡ፡ እንተኾነ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ካልእ ሓደጋ የጸላልዎም ከምዘሎ ካብ መርበብ ሓበሬታ መሰልና ደሊና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።