ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ ሰልፊ ብምግባር ንግዳያት ዘኪሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ልዕሊ 17000 በቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ልዕሊ 400 ኤርትራዊ ትንፋስ ዘህለቐ ትራጀዲ ዝተሰምዖም
ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ መገዲ ስደት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ንዝጠፍኡ 400 ኤርትራዉያን ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሽወደን ናይ ሽምዓ ምዉላዕ ስነ-ስርዓት ብምድላዉ ንግዳያት ዝኽሪ ጌሮምሎም ኣምስዮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓይሊ-ህዝቢ ኣብ ቱኒዝያ ዝሰርሖ ተኣምር፡ ንግኒ-ፍርሒ ግብጻውያን ኣብሪሩ ተስፋ ለውጢ ዘሪኡ፡ ኣብ ግብጺ ‘ውን ዝዓበየ ታሪኽ ሰሪሑ።





ሰራዊት ኢራን ብ ‘ሳብማሪን’ (ናይ ትሕቲ ባሕሪ መራኽብ) ንወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ሰራዊት ብጀካ እቲ ዝዓጠቖ ባለስቲክ ሚሳይል ናይ ሩሑቕ ተንዘግዛጊ ሚሳይል ዓጢቑ ከም ዘሎን ብዝሑ ብርክት ዚበለ ከምዝኾነን ‘ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ኤርትራ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ብምኽፋት 23 ገፈፍቲ ዓሳ ምስሪ ከምዝሓዙ ሮይተርስ ሎሚ 08 ሰነ ካብ መትረብ ስዌጽ (ምስሪ) ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብዘየተኣማምና ጀላቡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩሉ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብቐጻሊ ሓደገኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።