ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ።
ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ።
ኣቶ ምስግና ገብረትንሳኤ ዝተባህለ ኣቦ 5 ቆልዑ፡ ኤርትራዊ ኣማኒ ጅሆባ፡ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቱ፡ ንሰለስተ ዓመታት መመላእታ ኣብቲ ዊዓ ዝብሃል ግኑን
ሃገራዊ
ሓላፊ ክፍሊ ሕክምናን ወኪል ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዶክተር ዮሴፍ ግርማይ ዝርከቦም 15 ሓካይም ፡ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብጥርኑፍ ኣብዚ ሳልስቲ ሱዳን ብምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ኣሰና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።
ዋና ኣሰናዳእን ዌብማስተርን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ Shabait.com ዝነበረ ብዓልፋን ተስፋይ
‘ዘ ጋርድያን፡ ቢቢሲ፡ ሮይተርስ፡ ዝርከቡዎም ዓበይቲ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና፡ እቶም ኣብ ውድድር
ኣብቲ ኣብ ኣብ ታንዛንዝያ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ Cecafa ክትሳተፍ ዝጸንሐት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብዘይካ ሽዱሽተ ኣባላታ ብምሉኣ ማለት 13 ተጻወታ ኣብ ታንዛንያ ዑቕባ ከምዝሓቱ ምምንጭታት ካብቲ ቦታ ንኣሰና ሓቢሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዓሚ ዝጀመሮ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ተበግሶ ብዝለዓለ ንምቕጻል፡ ንዝመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ ‘ውን 751 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክወስዱ ዕድል ከፊቱሎምስ ድሮ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኢጋድ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕዝነት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ንጽላት ዕደና ናይታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ክዓልዉ ንዝንቀሳቐሱ ሶማላውያን ተቓወምቲ እትድግፍ ኤርትራ እገዳ ክገበረላ ሎሚ ሰኑይ 4 ሓምለ ከምዝጸውዑ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።
መበል 39 ኣኼባኡ፡ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጋብኣሉ ኤኳተርያል ጊኒ ዘካየደ ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ጥሩፋት ባእታታት ብምድጋፍ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምህዋኽ ብንጥፈት ይዋሳእ ኣሎ ዝበሎ ስርዓት ህግደፍ ተወሳኺ ቁጠባዊ እገዳታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስራሓት ዕደናን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝገብሩዎ ገንዘባዊ ደገፍን ክብይን ጸዊዑ።
መንግስቲ ኣመሪካ ሰብኣዊ ምስግጋር ( human trafficking ) ኣብ ምቁጽጻር ፍሽለት ኣርእየን ብምባል ናይ ዝፈጠሮ ጸሊም መዝገብ (ብላክ ሊስት) ዝርዝር ኣስማት ሃገራት ከምዘስፍሖ ተፈሊጡ።
ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ኩባናያታት ጸቕጢ ብምግባር ኣገልግሎት መንገዲ ኣየር ካብ ምምስራት ከም ዝዓንቀጸቶ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣማሪሩ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ሳዋ ‘ኮብሊልኩም’ ብዝብል ምኽንያት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ኣስመራ ዝለቐሞም ካብ 21 ክሳብ 25 ዝዕድሚኦም 25 ዕሸላት መንእሰያት ከም ገላዩ በብጽምዲ ብሰንሰለት ኣሲሩ ብመኪና ናብ ማሕዩር ናብ ከረን ገጹ ከግዕዞም ከሎ፡ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ናይ ጽዕነት መኪና
ልኡኻት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃኮደለ) ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤI) ሰሉስ ሰነ 14, 2011 ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምርኻቦም ሕጂ ነናብ ቦትኦም ብሰላም ተመሊሶም ኣለዉ።
ኣብ ዞባ ዓንሰባ ፡ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ቶሮንኳ ካብ ዝተባህለት ዓዲ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ እትርከቦም 10 ሓረስቶት ብውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣባላት ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን (EGS)፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን (EYGM)፡ ኣሰና ፋውንደሽንን፡ ምስ ኣባላት ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካን: ምስ ዝተፋላለዩ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካን (ኮንግረስ) ተራኺቦም ተዘራሪቦም።
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት እንተላይ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ቦምብታት ከጻውዱ ውዲት ንዝኣለሙ 14 ልኡኻት ካብ 9 ዓመት ክሳብ ንሕልፈት ዝዝርጋሕ ፍርዲ ማእሰርቲ ክምዝበየነሎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ።
ስርዓት ህግደፍ ሓደ ኮለኔል ዝመዓርጉ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጸጥታ ናይ ሓደ ከባቢ ዝርከቦም 17 ሰባት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ውያን (Eritrean Global Solidarity) ብ28 ግንቦት 2011 ንሰብኣዊ መሰላትን ቅልውላው ስደተኛታትን ዝድህስስ ሓያለ ምሁራትን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፉ ወከልቲ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ዝተሳተፉዎ ካልኣይ ሰፊሕ ሲምፖስዩም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣካይዱ።
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ዋሽንግተን ዲሲን ሳንፍራንሲስኮን ከምኡ ውን ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ፡ ንመበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርዑት መግዛኣቲ ጽዒኑዎ ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብኢደ ወነኑ ተቖጻጺሩዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ስልጣን ለቂቑ ከወርድ ዝጠልብ ብኣወዳድባኡን ተሳተፍነቱን ዝተፈልየ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብሓይሊ ባሕሪ ናይቲ ስርዓት ዝተታሕዙ ኣርባዕተ ሸፋቱ ባሕሪ ናይ ምክልካል ዕማም ዝነበሮም ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታታ ደሃዮም ክትፈልጥ ብዘይፍቃዱ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታቱ ናይ ምንቅስቓስ ቀይድታት ከምዝገበረት ሮይተርስ ሓቢሩ።
መበል 20 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ “ሳቦያ ንዳግማይ ሞሕራር ህዝብና ካብ ባርነታዊ መግዛእቲ ህ.ግ.ደ.ፍ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብዓቢ ድምቀት ኣብ ዉሸጢ መዲና አዲስ አበባ ተኸቢሩ፡፡
እዚ ኣብ ኣዳራሽ ቤት መግቢ ኦሜጋ ስቶክሆልም ብጽላል ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዉልቀ ዜጋታትን ኣብ ሽወደን ተዳልዩ ዝተኻየደ ባዓል መዓልቲ ነጻነት፡ ንኽልተ ቀንዲ ህልዉ ኩነታት ኣተኩሩ እዩ ተባዒሉ፡-
ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ሃገራዊ ግቡኦም ብምፍጻም ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ነባራት ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ተጋዳላይን ህዝብን ኤርትራ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ዝነበሮም መብጽዓ ብምጥላም ብዓመጽን ክቱር ስስዐ ስልጣንን ዝልለ ወልቀምልካዊ ስርዓት ክምዝተኸለ ገሊጾም።
ኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ተበግሶ መንእሰያት ዓለም-ለካውዊ ምንቅስቃስ ምንእሰያት ኤርትራ ሞጊሱ።
ብዕለት 14 ግንቦት 2011 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ፡ ሓድሽን ነጻን ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ተመስሪቱ።
ኣብቲ ብመሪሕነት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኣብ ነርወይ ዝተኻየደ ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ ‘ውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራን ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ሓደ ካብ ገዳይም ሓርበኛታት ገድሊ ኤርትራ፡ ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ ብ29 ሚያዝያ ኣብ ለንደን ኣብ ሕክምና ዓሪፉ።
ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ መዓታቱ ኣብቂዑ፡ ከም ንቡር ጸዋሪ ስድራቤትን ሕብረተሰቡን ክኸውን መታን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተጸሪጉ ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ብዘየወላውን ገሊጾም።
ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።