Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Lost Boat(ነዚ እንደገና ብተወሳኺ ሓበሬታ ዝተመሓየሸ ዜና ንምርኣይ ብሰማያዊ ሕብሪ ተጻሒፉ ዘሎ ሕጡበ-ጽሑፋት ተመልከቱ) ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ብዝምልከት ዘዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከነስዕበልኩም ምዃና ከምዝሓበርናኩም፡ ብፍላይ ንቑጽሪ ናይቶም ግዳያት ብዝምልከት ዝረኽብናዮ ዝያዳ ዝተጻረየ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

capsizedካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ቅድሚ ሰሙን ዝተበገሱ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ገለ ቤተሰቦም ምስኣቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስናይ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ሓቢሮም።