Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

sebhatephremሓለፍቲ ዞባታት፡ ሓለፍቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ሓለፍቲ ጨናፍር፡ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህግደፍ፡ ከምኡ ‘ውን ‘ዓበይቲ ጸሓፍቲ’ ተባሂሎም ዝእመነሎም ኣባላት ዝርከቡዎም ካድረታት ህግደፍ ውሽጣዊ ተቓውሞ ንምዅላፍ ክግበር ዝኽእል ጽገናታት ንምዝታይ ካብ 28 መጋቢት ኣትሒዞም ኣብ ደንጎሎ ተኣኪቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

capsizedካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ቅድሚ ሰሙን ዝተበገሱ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ገለ ቤተሰቦም ምስኣቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስናይ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ሓቢሮም።