Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃግራዊ ዋዕላ መን ኣሎ ዘይደልዮ? ብዘይካ ሓደክልተ ህግደፋዊ ዋህዮ ትጽቢት ጭኩናትዩ ሰላማዊ ዕዮ ዝደለየ የርክብ ንመዓስ ክንጽበዮ?   ብድሆ ከይበልካ የለን ዝስዕበካ ሕምዬት ሰሙን ዕጅብ ኣይበልካ ድሕሪት ኣይትርኣ ከይዓናቕፉኻ ጌጋ እንተሎ መጺኦም ይኣርምኻ   ሕልሚ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላዩ ኣርእስቲ ምቕያር ኣይግዜኡንዩ ሓንሳብ ዝዳቐቑ ሓንሳብ ዝፋረዩ ሓድነት ከም ሰለስተ ኣይቁጸርንዩ   ፈላጥየ ዝብል ንዓይ ጥራይ ስምዑ ዘይተባህለ ዘንብብ ንህዝቢ ጸዊዑ ንዓኹም ኣናኢሱ ከምዘይትበቕዑ ጸላዕላዕ

READ MORE

ዋሓጥዎ ተልናዮም ተመሊሶም ዝጎስዑ

ሰይጣን ዝሰረሮም ተማዒዶም ዘይሰምዑ

ስኒት ሰላም ገዲፎም ህውከት ክጽውዑ

ንሃገራዊ ጉዳይ ገይረሞ ስራሕ ቆሉዑ

ሕማም ከይኸውን ሙሁራትና አጽንዑ

አንታ ብዓል አበር ናይ ህግደፍ ከዳሚ አንቲ ብዓልቲ አበር ናይ ህግደፍ ጠስሚ ደስ ኢሉዎም ዝሓድር ሕዝብና ክደሚ ውርደትን ሕፍረትን ኢዩ ጽባሕ ናታትኩም ገዝሚ። ህግደፍ ተአጊዶም ኢልካ ላዕሊ ታሕቲ ውዲት ድዩስ ሕማቕ ሕማም ዛርቲ ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን እትሃሉ ቀትሪ ለይቲ አይትዘንግዕዎ ምዃንኹም ብገበን ተሓተቲ።   ህግደፍ’ዶ አይኾኑን ደመኛታት ሕዝብና ንመንእሰይ ወለዶ አብልዮም ብጉዱድ ዕስክርና ሓዲሽ ትውልዲ ጸሊኡዋ

READ MORE

ኣቱም ሰባትኮይኑና ድዩ ትም መሪጽናጀጋኑ ኣፋኒናዕሸላት ኣንሳፊፎም  ኣብ ባሕሪ እናሰማዕና።ከመይ ‘ድዩ ኮይኑ’ዚ ግዜዘዝጎበዘ    እናገዓዘ።ወይለይ ኤርትራዊሓውኻ ዝረድኦ ሲኢኑ የእዊሓንጊድካ መሪጽካ ስቅታከይቃላሕ ብዓውታ።በል ስማዕነብሲ ሓውካፈቲኻ ጸሊእካይብላዕ ኣሎ ብዓሳንቡር ኣብ ዘይርከቦ ሬሳ።ኣንታ ንስኻ ኾንካ ሓዉከይትሰምዖ ድሃዩስቅ መሪጽካ ኪሒድካዮምስ ባሕሪ ጓኒኻዮምስ ህግደፍውያን  ዘሪኻዮኣብ ፈስቲቫል ትዘልል ረሲዕካዮ። ኣንቲ ሓብተይንስኺ’ኸ ንምንታይ

READ MORE

ንብዙሕ ዓመታት ተደፊኑ ኣእሙረይ ዝምዕዱ ከይሰምዕ ንቕጽ ስኣን ሕራይ ደረቐኛ ኮይነ ከምቲ ሓሳዊ መራሕየይ ንህግደፍ ኣሚነ ንኾንቱ ዓሪቡ ሕልናይ ምኽሪሕዋት ዘይምስማዕ ሳዕቤኑ ጉድኣት እንሆ ብቀረባ ንዕዘቦ ናይ ህግደፍ ጥፍኣት እናረአዩ ዝሰጥሙ ዘለዉ ናብ ሲኦለ መዓት ብባዕሎም ዝኣጎዱዎ ናይ መሬት ግሃነ እሳት ብሓቂ ተማሒርካ ካብ ህግደፍ ዝለቐቕካ

READ MORE

 

             ተባዕ ክትባሃል ብዙሕ ጨዲርካ ፈኪርካ
             በታ ሓሳዊት ቲቪ.ኤረ ንህዝቢ ኣታሊለካ
             ዝገብርኦ የብለንን እስከ ክንሪና እናበልካ
              ብነብስና ብጽፍረና ብሕቖና ክትብልቀኒኻ
              ዝኹሉ ጃህራኻስ እምባኣር ኣምበርኪኹካ

ኣቲ ስርዓት እንታይ ግብሩ ትገብሪ__ ፈገግር ትሾሚ ጸለይትን ትኣስሪ እቲ ዝኣቶኽዮ ቃል ዘይትዝክሪ__ኣብ ልዕሊ መሳኪን ትንድሪ ሓቛቑኦም ኣስፊንክሉ በትሪ__ክሳውዶም ምስ ኣጉናድ ትጠምሪ ንኹሉ ግና ይርእዮ’ሎ ፈጣሪ።         ክህውኹ ኣይተረኽቡ ክሰኽሩ__ክሰርቁ ኣይተታሕዙ ክኸትሩ         ክዕምጹ ኣይተረኽቡ ወይ

READ MORE

                 እገዳ ህዝቢና ሎሚ ኣይኮነን ተጀሚሩ
                 ህገደፍዩ ጀሚርዎ እትው ከይበለ እግሩ
                 ንኸይንቅሳቐስ ዘልመሶ ብርኩ መሓውሩ
                 ንከይትንስእ ከይምዕብል ስልቱ ቀያይሩ

 

ኣንቱም ሰባት ካን ኣኺሉኩም!

ትሩፍ!

እዚኣ እያ ርእስኹም!

ካን እዚኣ ሞያኹም!

እዚኣ ልምድኹም ተመኵሮኹም?

እዚኣ ግብርኹም እዚኣያ ፍዳኹም?

እዚኣ ተመስገንኩም እዚኣያ ካሕሳኹም?

እዚኣ ናብራኹም፡ እዚኣያ ሃለዋትኩም?

                     ህግደፍ መርገም ስንቁ ካብ ደርጊ ዝገደደ

                    ንስኹም ምስ ኣተኹም ብዓል ዓንደመንደ

                    ብሰንክኹም ወረጃ ህዝቢ ተናዒቑ ተዋረደ

                    ጸሙ ኣሕዲርኩሞ ሕጻነ ትማል ዝተወልደ

                    ከይተጥቡዎ ጡባ ነጺፉ መስኪነይቲ አደ

ዙራ እሞ ንሃገርካ ንሓሶት ዕጥቅኻ ገርካ

ዓሚ ኣብ ዞባ ደቡብ ሎሚ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣

”ኣብዚ ዓመት እዚ ጸገም ዝበሃል ኣይክረአን እዩ” ዲኻ ዝበልካ፧

ደንጽይና እኮ፣ ካብ ናይ ዓሚ ፍሽለትካ ዘይምምሃርካ፣

 

ኣንቲ መለይ! በጃኺባ ስምዕዮ ኣውያተይ        

 ! ኣብልለይ እዚ ዓጽሚ ዓይነይ!         

ብርሃን ክርኢ ከም ዓለመይ                                                                        

ካን ዓዊረ መይተ ብደወይ!

                         ካብ ምህሮስ የእምሮ ቢሂል ኣለና

                         ምሳሌኡ ሓቂ ኣይንኽሕዶን ኢና

                         ዋላ ሓሶት ተወሓጀ የለን ዝፈላልየና

                         ብዘይካኹም ሓደዩ ትጽቢት ዕላማና

ሃገረይ፣ ሰላም አብ ውሽጠይ አሕድርለይ ክንሳሕ ንዝፍጽሞ ባዕለይ ሸለውለው ከይብል ርግኣት ወስኽለይ፣ ሃገረይ፡ ናይ መወዳእታ ፈትኒ ጸሎት ግበርለይ ኣደ እየ’ሞ ከይሕለል ልበይ ወይ ደቀይ እንዳተገፍዑ ከይስዕስዕ አብ መቓብር ሰኣን ልበይ ጽቡቕ አለዉ ኢለ ከይብል ድምብርብር

READ MORE