Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Uniሳይንስ ዘይኣምን ትምክሕቲ ቀለቡ
ምሁር ምስ ዝርኢ ዝቖስል ልቡ
ብሱሱዕ ቅንኢ መንፈሱ ተሰሊቡ
ኣቐዲሙ ኣጥፊኡዎም በላሕቲ ቆላሊቡ
ሓደሽቲ ከይፈርዩ ተንኮል ሓሲቡ
ንዕውር ኣንቍሩስ እንታይ’ዩ መኽሰቡ::

qoriraሎሚ 21 ሰነ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ብዛዕባ ስዉኣት ኣብ ዝቐረበ መደብ ሓንቲ ኣደይ ጉዕሽ ዝተባህለት 5 ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ 2 ድማ ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ኵናት፡ ብጠቕላላ 7 ደቃ ዝተስዉኡዋ ውጽዕቲ ኤርትራዊት ኣደ ስውኣት “እቖርር ኣለኹ!” ኢላ ድሕሪ ምዝራባ ዝተደርሰት ግጥሚ።

POST TAGS:

ኣንቱም ሰባት፡
ካብ ምንባር ኣብ‘ዚ ኸዳዕ ዘበን
ዘየጽንዕ ኪዳን ዘየኽድን ሓበን
እንተንሓልፍ ምስ ተመስገን
እምበር ዶ ኣይምሓሸን?

ኣቤት ‘ወ!
ምደሓንና ካብ ንብዓትን ቃንዛን
ምርቓ ምበር መርገም ኣይነበረን
ኣብ’ዚ ጠላም ዘበን
መስዋእቲ’ዩ በለጽ ‘ቲ ህይወት ኣይኮነን!