ሕጂ ብሕጂኺ ከይተጠቀምናልኪ
ኣሻብ ደኣ ኪድኪ ተዓዚርኪ
ዓንተወይ አንዳበልና ትማሊ ኮንኪ
ሎሚ ከይጸገብናክስ ናብ ዓሚ ተቐይርኪ::
ቀሊለን ድየን እተን ፊደላትኪ
ኩናት ኩናት ኢሉ ኩሉ ዝደጋግመኪ
ዝሰንከሉ ድዮም ውሒዶም ተናፌቅኪ
ሕጂ ኸ መን’ዩ ክኽፈል ተባሂግኪ::
‘ዛ ዘረባስ: ናይ መን ኮይና
ደልያ ሰማዒ: ውራይ እዝና
ክንውለድ ብብኽያት
ንምጅማር ሂወት
ክንመውት ስቅያት
ንኽውዳእ መዓት
ንገርም ፍጡራት::
ከመይ ኢሉ ባ
ኣእጋር ኪዶ ዝበሃል?
ቐዲሙ ኣዕንቲ ንዘይጠመቶ
መን ኢዩ ደሓር ክሕመ
ሽታሕታሕ ኢሉ እንተወደቐ
ረጊጹ እምኒ መንደልህጾ……
ይስጉም !
ብዘዓባ ሱጉሚ: እንክሓስብ ግን፡
መሓውር ጠጠው ይብል፡
ወላዲ ዶ ይቀርብ ፍርዲቤት ተኸሲሱ
ከዳዓት ዶ ምስተባህሉ ንነጻነት ዝተቃለሱ
አነ ዘፍርሓኒ
ግጥሚ ከይከብደኒ
ናይ ኢድ ዘይኮነስ፡ ብእዝኒ
ኩሉ ተባሂሉ ስልጣን ንምግባት
ጊዜ ንምብላዕ ተጣሊዑ ብልኡላውነት
ሕጂዶ ጽባሕዶ ኣሎ ኢሉና ኩናት
ከምስል ኣምሲሉ ብመጻኢና ክጻወት::
ሓው ኻልድ ዓብዱ ብዕለት 02/09/2008 ኣብ ኣሰና.ኮም (http://asena-online.com/index.php?option=com_content&task=view&id=1069&Itemid=36) ንምንባብ ዘብቕዓ “ ከበሮ” ዘርእስታ ግጥሚ ኣገዳሲት ኮይና ረኺበያ::
ኣበይ ኣለው……?
ኢሎም እባ እንተዝሕተቱ..
እንታይ ኢሎም ባ ምመለሱ
ኣይትነቃንቕዎም ንዝደቐሱ
ብር ኢሎም ከይምለሱ?
ሚኒስተረ ደኣ እንታይ ረኸበኩም
እስኹም ትኽእሉ ቪዛ ተኸልኪልኩም
ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ’ዶ ክብሉ ሰሚዕኩም
በጃ ጌርክሞ ዘርእሰናይ ወድኹም::
እዛ ሕያወይቲ ራሄልሲ: ክንደይከ ትሓስም
ተስፋ’ሎ ‘ናበልና: ካን ጥልም
እዚ ተስፉ’ኸ: ክንደይከ ይረግም
ሃለው ተበልናዮ: ካን ህልም
እንታይዩ ሚስጢርኪ ከበሮ ዓድና
ክንድዚ ሰብ ቀልቡ ተጥፋኣልና
ሓዳሩ ኣረሲዕኪ ጋይላ ተፍትውልና
ካብ ገዝኡ ኣውጺኺ ተዕብድልና::
ትማሊ ሰብ ውሒጡ
ሎሚ ድማ ከምስል እንዝዕ ነቢዑ…
ንምንታይ ኢዩ እባ ዝሕመ
ኣብቲ ቀብሪ እንተዘይወዓለ
ጽንዓት ይሃብኵም ዶ ይብል ኢዩ ?
እቲ ንቀብሪ ባዕሉ ዝፈጠረ….
ደሃይ`ዶ አሎ ደሃይ ማሕሙድ ሸሪፎ ኣቦ ሓፋሽ ?
ንብጻይካ እምበር ንርእሰይ ከይበልካ
ንግዜ እኮ
ንሕና ኢና ንመልኮ
ከምይ ነምልኾ
ኣብ ክንዲ ዘጕላዕልዕ
ብቐጠልያ ለምዒ
ክራማት ዝጸግብ
ዝጎስዓልኪ ነትዒ
ሸዊትኪ ክትበልዒ።
አብ ገዛ ድዩ ዘሎ መንቅብ
አብ ውሻጠ ድዩ ዘሎ
’ቲ ዝስሕብ
ኣሎምኹም ዶ? ደቂ ሃገረይ ኣሎክን?
ግድነትና እዩ! ዝሓለፈን ዘሎን ክንትንትን
ነዚ ድየን? ተሰዊኤን፡ ዛህራን ማመትን
ንምልኪ ዲዮም ወዲቆም፡ ጥዓመን ኢድሪስን
እንታይ ክ ይብሉ? ስንኹላትን ወለድን
ሃገር ምስ ተባሕተት፡ ብዉሑዳት ሞግባዕባዕትን
ማዕጎ እስትንፋሱ
ኣብ ሳንቡኡ ጸይሩ…
ህላዊኡ ዝደብን…
ኢዱ ኣጣሚሩ…
ኣእጋር ተተመልዒሱ
እንተኾነ ጸዋሪ ዓንዲ
ስጋ ተተመጅሪጡ…
እንተኾነ ርዖ መራጎዲ…
በሽር ክሽበር፡ ኢሳይያስ ጭሕሙ ይሰንትር ‘ምበር!
ኣንስቲ ’ራኸባ
ንስለ ወግዒ ኣኼባ
ቡን ትቑሎ
ትፈልሕ ብተሎ
ፍንጃል ሒዘን ይኸባ
ይነጽጋ ዕንባባ
መን ዕላላ ’ጸግባ
ረውያ ስሒቓ
ዓለም ኣናዒቓ
ኣጣቂዓትሉ ንሸቃ
ይዋኣያ ’ፍሪቃ