Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓርከይ ተዓዊትካ ካብ ህግደፍ ተላቒቕካ

ንብዙሕ ዓመታት ተደፊኑ ኣእሙረይ ዝምዕዱ ከይሰምዕ ንቕጽ ስኣን ሕራይ ደረቐኛ ኮይነ ከምቲ ሓሳዊ መራሕየይ ንህግደፍ ኣሚነ ንኾንቱ ዓሪቡ ሕልናይ ምኽሪሕዋት ዘይምስማዕ ሳዕቤኑ ጉድኣት እንሆ ብቀረባ ንዕዘቦ ናይ ህግደፍ ጥፍኣት እናረአዩ ዝሰጥሙ ዘለዉ ናብ ሲኦለ መዓት

ንብዙሕ ዓመታት ተደፊኑ ኣእሙረይ
ዝምዕዱ ከይሰምዕ ንቕጽ ስኣን ሕራይ
ደረቐኛ ኮይነ ከምቲ ሓሳዊ መራሕየይ
ንህግደፍ ኣሚነ ንኾንቱ ዓሪቡ ሕልናይ

ምኽሪሕዋት ዘይምስማዕ ሳዕቤኑ ጉድኣት
እንሆ ብቀረባ ንዕዘቦ ናይ ህግደፍ ጥፍኣት
እናረአዩ ዝሰጥሙ ዘለዉ ናብ ሲኦለ መዓት
ብባዕሎም ዝኣጎዱዎ ናይ መሬት ግሃነ እሳት

ብሓቂ ተማሒርካ ካብ ህግደፍ ዝለቐቕካ
ኣድጊ ዘይጸሮ ሰኸም ሕማምካ ኣራጊፍካ
ምስጋና ይኹኖ ብተረድኦ ናብዚ ዘብቃዓካ
ካብ ጸረ ህዝቢ ምጥቓዕ ናብ ሰብ ተቐይርካ

ድርቅና ሸፋቱ ኣብዘይ ከተማኦም ጉያጉያ
ክንርኢና ፋይዳ ተለዎ ምግታር ኣብ ጽርግያ
ዘድሕን የለን ጠፍናቓ ጫሓማ ኩላ ጎሪሓያ
ምስ ሓያላት ዓለም ምውጣጥ ኣይተዋጽእንያ
ተማሳሲልካኳ ዘይተኻእለስ ብእምኒ ደርበያ

ከም ከልቢ ውሕ በሉ ተሉና ውሕ ንብል
ሳዕስዑ ተበሉና ንስዕስዕ ብዘይ ውልውል
ንቐሉ ተበሉና ብድድ ኣበይኳ ኣይንብል
ተጻረፉ ተበሉና ሕራይ እናተሓጎስና እልል
ሰሪዮሙና ኩሉ ዝበሉዎ ኣሜን ከም ንብል

እንሆ ኸኣ ሕጂ ሰላማዊ ሰልፊ ኣዚዞም
ብኩበን ዝተዓደሉ ዶክተርነት ተዓጂቦም
ተስፋ ንዘይርከቦ ሓንቲ ንዘይጠቕሞም
ትርጉም ንዘይብሉ ብሕማቕ ከላልዮም
ሰነፋት ምዃኖም ኣብ ዓለም ከጋልጾም
ኣነስ ኣምሊጠ ኻልኦት ከማይ የምስሎም
ነቶም ናይ ሓንጎል ጭንቀት ዘስዓበሎም
ብፍርሒ ካብ ህግደፍ ምልቓቕ ዝኣበዮም
ድኹማት ሰባት ሕልናኦም ዝጸንቀቐሎም

ምስ ህዝበይ ከይስለፍ ዓይነይ ዘዕወርክኒ
ተመስግን ነጻ ኮይነ ጽቡቕ ተሰሚዑኒ
ስኽፍታይ ኣራጊፈ ካብ ሰብ ታይ.ይብለኒ
ካብ ተንኮልኪ ተላቒቐ ህግደፍ ደሓንኩኒ
ዝተረፍኩም ቆራጻት ኩኑ ዽሕረይ ስዓቡኒ
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
30/01/2010 Norway

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT