Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይፋልክን ኣቲ ስርዓት

ኣቲ ስርዓት እንታይ ግብሩ ትገብሪ__ ፈገግር ትሾሚ ጸለይትን ትኣስሪ እቲ ዝኣቶኽዮ ቃል ዘይትዝክሪ__ኣብ ልዕሊ መሳኪን ትንድሪ ሓቛቑኦም ኣስፊንክሉ በትሪ__ክሳውዶም ምስ ኣጉናድ ትጠምሪ ንኹሉ ግና ይርእዮ’ሎ ፈጣሪ።        

ኣቲ ስርዓት እንታይ ግብሩ ትገብሪ__ ፈገግር ትሾሚ ጸለይትን ትኣስሪ

እቲ ዝኣቶኽዮ ቃል ዘይትዝክሪ__ኣብ ልዕሊ መሳኪን ትንድሪ

ሓቛቑኦም ኣስፊንክሉ በትሪ__ክሳውዶም ምስ ኣጉናድ ትጠምሪ

ንኹሉ ግና ይርእዮ ፈጣሪ።

        ክህውኹ ኣይተረኽቡ ክሰኽሩ__ክሰርቁ ኣይተታሕዙ ክኸትሩ

        ክዕምጹ ኣይተረኽቡ ወይ ክፉእ ክመኽሩ_    ብዘይካ ክጽልዩ ክዝምሩ

ኣምላዀም ዝበሎም ክገብሩ።

 

ሃዲንክዮም ከም ኣራዊት__ገለን ተሰዲዶም ገለን ኰይኖም ግዳይ ሞት

መእተዊ ስኢኖም ይብሉለዉ ከርተት__ታኼላ ሒዝዎም ውሒጥዎም ድበት

ጓሂ ብሒትዎም ስኢኖም ቅሳነት።

 

        እንተ ሓዘንኪ ሓዘንቲ__ኣብ እዋን ሽግርኪ ጸለይቲ

        እንተ ተዋጋእኪ ተዋጋእቲ__ንምዕበሌኺ ጸዓርቲ

ምስ ዝቖስሉ ቖሰልቲ__ ምስ ዝስውኡ ተሰዋእቲ

ዘይብልሽዋት ጥቑዋቲ__ካብ ልቦም ሃገርና በሃልቲ

ኩሉሳዕ ጽቡቕኪ ሓለምቲ__ስሞም ኣጸሊምኪ ከም ጠለምቲ

ኣሕሊፍኪ ሂብክዮም ንበላዕቲ።

 

ጉልቻዶ ትሰብር ኣእጋራ__ነብሪዶ ትኸልእ ኣጽፋራ

ገረብዶ ትምሑ ሰራውራ__ደምበዶ ትቕንጥጥ ሓጹራ

ኣንታ እዛ ስርዓት ከምኡ ጌራ፡ እዛ ስርዓት ጉድ ጌራ።

    ላሕሚዶ ትሰብር ኣቕርንታ__ግራትዶ ተፍርስ ደረታ

    ኣደዶ ትቖርጽ ኣጥባታ__ሃገርዶ ተጽንት ሓለውታ

ኣንታ እዛ ስርዓት ስሒታ__ሃገር ኣልቦ ዄንና ወዲኡና ኣስሓይታ።

 

እዞም መንእሰያት እንታይ ገበሩ__ህንጻኺ ዝብህጉ ኣንጊሆም ዝወፍሩ

ተኣዘዝቲ ስርዓት ንሕጊ ዘኽብሩ__ሕደጉ ተልክዮም ዝሓድጉ ግበሩ እንተልክዮም ዝገብሩ

እንታይ በዲሎምዮም ዝተኣስሩ__ገለውን ተገዲዶም ኣብ ምድሪ ጓና ክሰፍሩ

ከም ንታቦት ብተሓምበለ__ ከም መርዓዊ በሽናይበለ

ኣእቲናኪ ኩሉ እንዳ ዓለለ_ኩሉ ተኣኪቡ የሎን ዘይወዓለ

መሰታ ፈጣሪ ጌሮምኺኢድ ነሲኦም ኣውጆም ክብረትኪ

ከም እዝጊሀር ኣምልዀ ለሚድኪ__ኣምላኽ ዘሉ ናብ ማሕዩር ደጒንኪ

ካን ዓገብ ዝብል ዝዳኒ ስኢንኪ_ ሰብ ምዃን ውሒዱስ ኣምላኽነት ጠሊብኪ።

 

    ከምቲ ናቱዶ ተኣምራት ትገብሪ__ንሰማያትዶ በጻብዕኪ ትስድሪ

    ብትንፋስኪዶ ማያት ትኹምሪ__ብቓላትኪዶ ዓለማት ትፈጥሪ

    ትፈልዪዶ ንመሬት ካብ ባሕሪ__ እንታይ ደኣ ዓጀውጀው ተብዝሒ ትዓፍሪ

    ናብ ዝፋን እቲ ልዑል ኣይትመጣጠሪ__ከይትሓፍሪ ከይትሰባበሪ።

    ከይረኽበኪ ንሰይጣን ዝረኸበ__ናብ ከረን እቲ ልዑል ክሓኩር ምስ ሓሰበ

    ኣምላኽ ክኸውንውን ምስ መደበ__ተፈሪዱ ንውርደት ክድርበ   

    ካብ ክብረት ናብ ውርደት ተሸርበ።

 

መሳኪን ትዳጉኒ ብዘይፍርዲ__ኣንተ ሓተቱኺ ክሳዶም ተኸንድዲ

ንብረቶም ትህግሪ መጻሕፍቶም ተንድዲ_ድንኳኖም ትዓጽዊ ንብረቶም ትወስዲ

ገፊፍኪ ኣጥፊእክዮም ውሉድ ምስ ወላዲ__ሰብ ክነብዕ ትስዕስዒ ተኹድዲ

ንሕጊ ኣይትግዝኢ ንሰላም ኣይትጸዓዲ__ድላይኪ ትገብሪ ብዊን ዘለኪ ትኸዲ

ካምዚ ናትክስ ኣይተራእየን ስዲ__ሽግር ነስኒስክልና ኣጽኒትክዮ ዓዲ

ንፈጣሪ ንጽበ ክህበና ፍርዲ።

 

ሳምሶን ኣብርሃ ካብ ሊድስ ኢንግላንድ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT