ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።

ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ እምቢ ንምልኪ ዝብሉ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይዕንብቡ ኣለዉ ።
ካብ ዕለት 31.07.2010 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 09.09.2010 ዓ.ም ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ኣብ ኤርትራ ወለንታዊ ናይ መጥባሕቲ ኣግልትሎት ከካይዱ ዝቐነዩ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣመሪካ (ቨርጂንያ) ዝመደበሩ Physicians For Peace ዝኾኑ ዓበይቲ ሓካይም: ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ብስርዓት ህግደፍ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢሳይያስ ንዓሊ ዓብዱ ብጥርሙዝ ቢራ ገጹ ስለዝጨደዶ፡ ንኽልተ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ቀንዩ። ክሳብ ‘ዚ እንዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን። ኢሳይያስ ስለምንታይ ንዓሊ ከምዝሃረሞ ዛጊት እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ እዩ።