ዝኸበርኩም ኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ፣-
ፈለማ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ዓወት እምነየልኩም፣፣ ቀጺለ ነዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ክጽሕፈልኩም ዘገደደኒ ምኽንያት ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ብመሰረት እቲ ኣብ ምትሕንፋጻዊ ኮንፈረንስ ሰልፍና ዝተኣትወ ውዕል፣ እዚ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ብኣቦ-መምበር ሰልፊ ብፓልቶክ ኣኼባ ክግበረሉ ዝብል ኢዩ ዝነበረ፣
መንግስቲ ሆንግ ኮንግ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘጽንዖ፡ ቀረብን ምስግጋርን ኣጽዋር፡ ምድስካል ኣብ ባንካትታት ዝርከብ ገንዘብ ናይቲ ስርዓትን፡ ምቕያድ ምንቅሳት ሰበስልጣንን ዘጠቓለለ እገዳ ባይቶ ጸጥጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስራሕ ዘውዕል ኣዋጅ ከምዘውጽአ news.gov.hk ዝተባህለ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣቶ ኣርሀ ሓመድ ናካ ወዲ 57 ዓመት ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎ ሽወደናዊ እዩ ፡ ኣርሀ ሓመድናካ ኣብ 80 ታት ናብ ሃገረ ሽወደን ከም ፖለቲካዊ ስደተኛ ኮይኑ እዩ መጺኡ ፡፡
ግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ምስ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሊበራል ሚስተር ጀራርድ ከነዲ ብ29 መጋቢት ብምርኻብ ንኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
ብመሰረት ናይቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ ንእትገብሮ ምትእትታውን ምግሃስ ን፡ እንዳተጋህደ ኣብዝመጸሉ እዋን፡ ኤርትራ፡ ኮነ ኢላ ንእትገብሮ ምጥሓስ ሕጊ ንኽትሽፍን ንማሕበረሰብ ዓለም ብተደጋጋሚ ከተደናግርን ጉጉይ ሓበሬታ ኣብምሃብን፡ ተደጋጋሚ ፈተነታት ከምዝገበረት ይጠቅስ።
ቤትምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ውሳኔ 1907 ተመርኵሱ፡ ብቑጽሪ (5534/10) ዝፍለጥ ንትግባረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምትግባር ንኽሕግዞ ዝኣመሞ
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገለ ክፋል ሰራዊት ካብ ዝእዝዙ ካብ ኮለኔል ንላዕሊ ንዝመዓርጎም ኣዘዝቲ ፡ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብገለ ካብኣቶም ተሪር ተቓውሞታት ከምዘጋጠሞ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንተቓውሞታቶም ብነድርን ሕርቃንን ከምዝመለሸሉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ናይቲ ብ ሞኒተሪን’ ግሩፕ ዝፍለጥ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ንምግሃስ ነቲ ብ 751 /1992 ዝፍለጥ ወታሃደራዊ እገዳ (Arms Embargo) ኣብ ሶማሊያ፡ ዝከታተል ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኮለኔል ዩሱፍ ነጋሽ ወርቀ፡ ብፍልይቲ ነፋሪ ኣብ መቓድሾ ከምዝወረደን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣኽረርቲ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ኣኼባታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ብተዮታ ፒክ ኣፕ በርባዕተ ቦዲጋርድታት (Technicals) ተዓጂቡ ናብ ማሪር ጉር ዝተባህለ ቦታ፡ ምስ ሸኽ ሓስሰን መሓመድ ዳህር ኣወይስ ኣኼባ ክገብር ከምዝተበገሰ ርኢና ኔርና።
እዚ ጽሑፍ’ዚ ካብቲ ብ “Monitoring group and the Panel of Experts” ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ; ንምግሃስ ውሳኔ ባይቶ ጽጥታ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ፡ ነቲ ብቁጽሪ 751/1992 ዝፍለጥ ውሳኔ ዝከታተል ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ፡ ወግዓዊ ዝገበሮ ጭብጥታት ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ መሰረት ዝገበር’ዩ ። ኣቕዲመ ግን ንዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ነቲ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ነዚ ሕጋዊ መርቶዖታት ናይ ባይቶ ጸጥታ ናብ ኣንበብቲ ስለ ዘብቀዖ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ካብዚ ቀጺለ እንበኣር ናብ ጽሑፈይ ክኣቱ።
ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝበየኖ እገዳ ብምቅዋም ብ22 ለካቲት ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተሰሊፎም ውዒሎም።
ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቃወም ደብዳበ፡ ብሽሞምን ኣድራሽኦምን ተጻሒፉ፡ ብዘይኣፍልጦኦም፡ ናብ ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከ ኤርትራውያን ቁጥዐኦም ንምግላጽ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብቑጽሪ መዝገብ (ውሳነ) 1907/2009 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ክጸንዕ ወሲንዎ ዘለዎ እገዳ፡ ብደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ግብረ-መልስታት ክወሃቦ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ስርዓትን ደገፍቱን ከምቲ ወትሩ ግዜ ዝገብርዎ፡ ካብ ሓቂ ሓኪሎም፡ ዝጥዕሞምን ክኸውን ዝደልይዎን ትንተናታት ይህቡሉ ከም ዘለዉ ንሰምዕ ኣለና።
ኣብ ቅነ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ናብ ኤርትራ ክገሹ መዲቦም ዝነበሩ ኣብ ኣመሪካን ጀርመንን ዝምቕማጦም 2 ሽሕ ኤርትራውያን ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ መደብ መገሻኦም ከምዝሰረዙዎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ሒደት መዳርግቲ ዘለዎ ጅግንነት ፈጺሙ ነቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ነጻነት ሃገሩ ብኸቢድ መስዋእቲ ምስ ኣረጋገጾ፡ ንሒደት ዓመታት ጥራይ እዩ ኣስተንፊሱ። ናጽነት፡ መወዳእታ ብረታዊ ቓልሲ ብምንባራ፡ ሩፍታ ’ኳ እንተሰመዖ፡ መበገሲ ናይ ሓደ ደረት ዘይብሉ ናይ ምዕባለን ስልጣኔን ሓድሽ ጉዕዞ ምዃና ‘ውን ስለዝተገንዘበ፡ ብኡ ንብኡ ናብ መጻኢኡ ምቁማት ኣየቋረጸን።
ኣብ ሊብያ ተጋቢኦም ዝቐነዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ነቶም ንግዝያዊ መግስቲ ሶማል ንምዕላው ጽዑቕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሉ
ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ (14 ጥሪ 2009) ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘከራኽር ቦታታት ክትወጽእ ተሪር መጠንቀቕታ ብምሃቡ ዝተሻቐለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዘይወግዓዊ መንበሪ ይቐያይር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ሎሚ 31 ሓምለ መጋብኣያኡ፡ 26 ሽሕ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝሓቍፍ ሓባራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ዳርፉር ክለኣኽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።
መንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ንተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ ብባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።