Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 ኣብ መርበብ ሓቤረታ ኢንተርነት ኣሰና፡ “”ብጥዑም ምለስ ኣቶ መስፍን ሓጎስ”” ዝብል ኣርእስት ብሰለስተ ኣቦታት ካብ “”ኣስመራ”” ዝተጻሕፈትን ዝተላእኸትን ነቢበ።   ኣብ ዝርዝር ከብዲ ቁምነገር እታ ጽሕፍቲ ኣብ መብዛሕትኡ እኳ ዝሳማማዕ እንተኾንኩ፡ ኣብታ ጽሕፍቲ ትስንዝሮ መንፈስ ናእዳታት፡ ምስትንታናት፡ ከፊላዊ ሓቤረታታት፡ ጥቆማታትን ምህለላን ስለዘይተሳማማዕኩ እየ። ካብዚ ብምንቃል ድማ ነቶም ጉዱሳትን ኩቡራትን ሰለስተ ኣቦታት ሓጻር መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ብትሕትና ይነቕል!