Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሪሕነት ኤርትራ ከም ንቡር፡ ንውሳኔታቱ ይተዓወቱ ይፍሸሉ ሓላፍነት ክስከመሎም ኣይተብዐን። እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ጌጋ ናብ ቅኑዕ ዝምለስ፡ ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ ይሃጽጽ፡ መዓልቲ መዓልቲ ነቲ ዓፍራ “ከውሒ” እናበለ ይረግጾ። እቲ ጸገም እቲ ጌጋ ኣይኮነን፡ እቲ ጸገም፡ ካብ ጌጋኻ ክትሃድም ክትብል ኣደራዕ ህዝብን ሃገርን ምዃን እዩ። ሃገርና ኣብዚ ኩነታት ‘ዚ ኸላ ከኣ ‘ዩ ድምጺ ኵናት ዘቃልሕ ዘሎ።