ኣባላት እዛ ማሕበር ንፍትሕን ደሞክራስን ውፉያት ኮይኖም፤ ሞያውያን። ምሁራትን ተቓለስትን ንደሞክራስያዊን ሰብኣውን መሰላት እዮም፣ ብዙሓት ካባና ንነዊሕ እዋን ብሰላማዊ መገዲ ፍትሕን። ደሞክራስያዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ ክሰፍን፤ ሰላማዊ ርክብን ምዕባለን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብን ክሰፍን ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለውን እዮም፣ ገለ ካባና ድማ። ጌና ኣባላት ህሉዋት ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራት እዮም፣
ጻማ ፍረቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ናብ ጉጅለኣዊ ረብሓታቱ ንዘውዓለ ጉጅለ ህግደፍ ዝኹንን:ፍትሒ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ዝጠልብ ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ28 ለካቲት ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ተካዪዱ::
ካብ 'ቶም ስርዓት ህግደፍ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣሲሩዎም ዘሎ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ሓደ፡ ማለት ሃይለሚካኣኤል ዑቕቡ ጥራይ ከምዝተፈትሐ ምንጭታት ሓቢሮም።
ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብቲ ብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ናይ ሚድያ ማዕከናትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብምትሕብባር ዝወደቡዎ ኣብ ከተማ ለንደን ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፍ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያንን ድሕነት ሃገርና ኤርትራን ድምጾም ኣስሚዖም ።
ተቐማጦ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ እትርከብ ዓዲ ቆልዓ ሰበይትን ሰብኡትን ንብረቶም ጠርኒፎም ብስቱር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። 









