Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዋዜማ፣ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ ( መበል 14 ክፋል ) ኣለና ኣለና

ርሑስ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣልሙባረክ! ህዝቢ ኤርትራ ናብ መጋርያ ጥፍኣት ኣብ  ዝተሰንደወሉ ግዜ፣ ንሕልና ኣዴታት ዝድብስ ሰብ ኣብ ዝተሳእነሉ ዘመን ኣካሒዳ፤  “እዚ ውን ይሓልፍ!”ዝብል ማህሌት፣ ኣብ ጽላት ምድረ-በዳ ሲናይ ኣንቢብና። እዚ ማህሌት’ዚ ኣብ መወዳእታ ምፍናው ሂወት፤

ርሑስ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣልሙባረክ!
ህዝቢ ኤርትራ ናብ መጋርያ ጥፍኣት ኣብ  ዝተሰንደወሉ ግዜ፣ ንሕልና ኣዴታት ዝድብስ ሰብ ኣብ ዝተሳእነሉ ዘመን ኣካሒዳ፤  “እዚ ውን ይሓልፍ!”ዝብል ማህሌት፣ ኣብ ጽላት ምድረ-በዳ ሲናይ ኣንቢብና። እዚ ማህሌት’ዚ ኣብ መወዳእታ ምፍናው ሂወት፤ ብደም ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተጻሕፈ ናትና ቃላት ኢዩ። ትሩፍ ድሕሪ ደጊም! ኣለኻ’ዶ ኣንታ ኤርትራዊ ወደባት!! እወ! ንሃገርና ኤርትራ ሎሚ ካብ ገምገም ጸድፊ ንምምላሳ ኣለና ንበል። ሞት ክናና፣ ሞት ኢሳይያስ ክሳብ እንሰምዕን ኣጉዶ ደቂ ህግደፍ ክሳብ እትዓኑን ድቃስ ኣይሃሉኻ ኤርትራዊ። ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ! ኢኻ? ይኣኽለካ ተበራበር ኤርትራዊ። መቓብር ኣቦታትካን ኣቦ-ሓጎታትካን ከየንቀጥቅጥ፣ እቲ ኣብ ጎላጉል ባርካ፣ ኣብ ጋብላታት ሳሊናን ኣኽራናት ሳሕልን ዝፈሰሰ ደም ኤርትራውያን ሰማእታት፤ ማዕበል ሱናሚ ኮይኑ ለኻኺሙካ ከይከይድሲ ተንስእ ደኣ!

እወ ይኣኽለካ ተበራበር! ‘እንጀራ ዳጉሳ ብትኩሱ፣ ፍቕሪ ወዲ ጓና ብሓዲሱ’ ከም ዝበሃል፤ ደጊም ፍቕሪ ጓኖት ኢሳይያስን ደቂ ዕቁቡን ይኣክል። ገበነኛ ኢሳይያስ ንዓንቀጻትን ንኡስ ዓንቀጻትን ብይን ሞት ኤርትራውያን ንዝተኸተመሉ ሓደገኛ ሰነድ፣ ሎሚ ዘይኮነስ፤ ቅድሚ ትማሊ  ሸምዲዱዎ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝወፈረ ሰብ ኢዩ። ካብ ከርሲ መቓብር ኤርትራውያን፦  “ኣይበልናን’ዶ፣ ኢሳይያስ ልኡኽ ባዕዳውያን ኢዩ” ዝብል ድምጺ ይስማዕ ኣሎ። እዚኒ ዘለዎ ይስማዕ፣ ዓይኒ ዘለዎ ድማ ይጠምት። እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ንሰምዖ ዝነበርና ትሒም-ትሒም እምበኣር እነሆ ሎሚ ኣብ ቅድሜና ከም ጸሓይ ጾመ-ኣርብዓ በጣዕጣዕ ኢሉ ርኢናዮ።

   ኣብ ልዕሊ መሬት ዘለኻ ኤርትራዊ! ኣውያት ሲናይ ኣብ ገገዛኻ ኣትዩ’ዶ ንማዕጾኻ ይኹሕኩሕ ኣሎ? እሞ ክሳብ መዓስ ደኣ ኢኻ ኣብ ከውታ ለይቲ፣ ኣብ ግዜ ድቕድቕ ጸልማት ክትነብር? እዞም ንሞት ዝፈረዱና ሰባት እንታዎት ኢዮም? ከመይ ብዝበለ መንገዲ’ኸ ተኣኻኸቡ? ብዘይካ እዚኣቶም’ከ ኤርትራ ካልኦት ሰባት የብላን ድያ? ኣበይ ኣለዉ ካቢነ ሚኒስተራት? ኣበይ ኣለዉ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ጀነራላትን ደቂ ኤርትራ? ስለምንታይ’ከ ንግሆን ምሸትን ንደቀባት ኤርትራ ከጽንቱ እጅገኦም ይስብስቡ ነበሩ? ስለምንታይ ኢዮም ከይሸወተት ዝሓረረት ጓህማም ኤርትራ ንክርእዩ ዝህንጠዩ ዝነበሩ?

‘ዞም ሰባት ግን እንታዎት ኢዮም! ኣበይ ኢዩ’ኸ ዓዳቶም? ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቓ ክሳብ ምዕራባ፤ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡባ’ኸ ዓደቦና ኢሎም ዝነግዱዎ ደብሪን፣ እንዳቦና ኢሎም ዘዕርፍሉ ምድሪ ቤትን’ከ ኣለዎም ዶ? ሓወቦታት፣ ኣሞታት፣ ሓውትኖታት’ከ ኣለዉዎም’ዶ? ደጊም ዝተረፈ ነገር የለን! ብወለዶ ንክንዛረብ ደፋፊኦምና’ምበር ኣይበሃግናዮን። ግን ንሳቶም ሓደ ዝዓይነቶም ወለዶ፣ ድሕረ-ባይታን ታሪኽን ንዘለዎም ሰባት ክእክቡን ንጥፍኣት ኤርትራዊ ወደባት ብሓደ ክምሕሉን ርኢናዮም። ስለዚ ንሳቶም ንጥፍኣትና ካብ መሓሉ፣ ንሕና ድማ መንነቶም ንህዝቢ ንነግር። ኤርትራዊ መንነትን ታሪኽን ኣሎኒ፣ እትብል ኣንታ ሰብ ሎሚ ተለዓል። ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ግሎብን ኣብ ዕድመናን ምስ ብዝሓት ነገራትን ተርእዮታትን  ተጋጢምና ኢና’ሞ ኣይ ከም ሞት ሲናይን!!

ክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ኣለና! ኣብ ከብደይ ብዝፈልሕ ዝነበረ ጓሂ ሃውቲተ ንሰላምታ ረሲዐዮ እየ’ሞ፣ ሰላም! መሰክሕ ዜና ሰሚዕና። ኤርትራ ዘዝወለደቶም ደቃ ዕስለ ኣራዊት ከም ዝኣተወን ኣባጊዕ፣ ብጅምላ ካብ ዝሞቱ ውሑድ ዓመታት ኣይገበርናን’ሞ ኣይከም ሎሚን። ህዝቢ ኤርትራ ሽም ከም ዘይብሉ ንህቢ ኮይኑ ኢዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ እነሆ ጓሳን መሪሕን ስለዝጠፍኦ ግዳይ ህግደፍ፣ ራሻይዳን በደዊንን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ሞት ብዙሕ ኢዩ ዓይነቱ’ሞ ከምዚ ዓይነት ሞት ኣብ ዘመነ-ኦሪት፣ ኣብቲ ወዲ ሰብ ቁሩብ ካብ እንስሳታት ማዕቢልሉ ዝነበረ ግዜ እውን ኣይተሰምዐን።

ሞት ምድረ በዳ ሲናይ በየናይ ቃላት ኢዩ ክግለጽ? እቲ ማይ ተወዲኡዎስ ካብ ኣዒንቱ ደም ዝነብዐ ኤርትራዊ ካብዚ ንደሓር’ከ እንታይ ዓይነት ንብዓት ንክነብዕ ኢና እንጽበዮ ዘለና? ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ብዙሕ ዓይነት ኣማውታ ሰሚዕና ኢና፣ ግን ሰባት ብሂወቶም እናሰምዑን እናረኣዩን ብጎዲም ካራ ከም ጥሪት ተተጠቢሖም ኮላሊቶም ክውሰድ ኣይተሰምዐን። እዚ ተግባር እዚ ሓደ ካብቲ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣንጊሁ ዝወፈረሉ ስራሕ ኢዩ። ‘ንሕማቕ ግዜ በዓል ጋዕሳ ኣለዋ’ ከም ዝበሃል፣ ብሰንኪ’ዞም ጭፍራ እነሆ እዚ ብናጽነትን ሓርነትን ክሕበን ዝግበኦ ህዝቢ ኤርትራ፣ ቅያር ዘይብላ መንጠሊና ሓዘን ኮይኑ ክዳኑ።

ኤርትራ ንምሻጥ ንኤርትራውያን ምቕጥቃጥ፣ ምእሳር፣ ምርሻንን ምብራርን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ፖሊሲ ህግደፍ ምንባሩ ካብዚ ንላዕሊ መብርሂ የለን። ሰብ ብኣርኣያ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ስለዝኾነ ካብ ኩላቶም ኣብ መሬት ዝነብሩ እንስሳታት ክቡር ኢዩ። ኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን ግን ንኤርትራዊ ሰብ ንምጽናት ዝሓንጸጽዎ ካሪክለም ገና ከቋርጽዎ ኣይኮኑን። ንሕና ኢና ዋልታን ድባብን፣ ንሕና ኢና ንህዝቢ ኤርትራ ኣለናልካ ኢልና ክንብገስ ዝግበኣና’ሞ ሎሚ ንበገስ።

ገበነኛ ኢሳይያስ ኣብዚ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸቱ፣ ክወጾ ካብ ዘይክእል ታኼላ ተሸሚሙ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ዝለከመ ከይለከመ እንከሎ፤ ከም ጽሕፍቶ ቃዛፊ ዛውራይ ማሕጎማ ክደሊ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ዓቕሊ ጽበት ግዚኡ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረስ የለን። ካብ ሞት ንምድሓን ብመንገዲ ኡጋንዳ ዝተጀመረ ዲፕሎማስያዊ መናዋራት፣ ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ ኒው-ዮርክን ሱዳንን ወዛሕዛሕ ርኢናዮ ኢና። ኢሳይያስ ሰብኣዊ ሕልናን ስነ-ምግባርን ዘይተዓደለ ፍጡር ኢዩ። ኣብ ስርዓቱ ከኣ ነውሪ፣ ሕንከት ወይ ዒብ ዝበሃል ነገር የለን። ካብ ዋዜማ ዘመነ ቅብጸቱ ንምምላስ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ንዝነበሮ ምትእትታው፣ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ከጻውዶ ንዝሓሰቦ ናይ ጥፍኣት ነታጒ እውን ብወግዒ ይቕሬታ ንክሓተሉ ምንም ዘሰክፎ ጉዳይ የብሉን። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ትማሊ ዕጭ ሓንፈፍኩ ዝበሎ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብበጠበጥ ኣተዎ። ገና ማዕጾ ኢጋድ ደጋጊሙ እናኳሕኩሐ እንከሎ ድማ ሓድሽ ናይ ኣፈርኩቡ ዘብዘብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክዘራረብ ብታሕቲ-ታሕቲ ናይ ሽኩሽኳ ቅድድም ከም ዘሎ ሰሚዕና።

ኢሳይያስ ካብ ኣፍ ደገ መቓብር ንምምላስ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝግበር ዝምድና፣ ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕር፣ ጉዳይ ባድመ ብዝምልከት ኩሉ ዓይነት ሕድገታት ንክገብር ዘሕፍሮ ጉዳይ የብሉን። ዕሉም ኢሳይያስ! ሎሚ ናብ ቅድሚ መራሕቲ ኢትዮጵያውያን መጥሓን ተሰኪሙ፤ ይቕረ በሉለይ ክብልን  ክቑዝምን ቅሩብ ኢዩ። ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ኣልጀርስ ንዝነበረ ስምምዕ ተመሊስና ኣብ እንርእየሉ ግዜ፣ ካብታ ዝነበራ መዋጥር ንምምላቑ፣ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ Temporary Security Zone /TSZ/ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ 25 ኪሎ ሜተር ንውሽጢ ንክኸውን ተንበርኪኹ ተቐበሎ።

ኣብ መዝገበ ቃላት ኢሳይያስ ሰብኣዊ ሕልና፣ ኣስሓኮን ዒብን ዝበሃላ ቃላት የለዋን። ኢሳይያስ ናይ ዝርርብን መሰረታዊ ዕርቂን ደብዳቤ ጽሒፉ ብኢድ ኣምባሳደሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግርማ ኣስመሮም፣ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ከም ዘቕረበን ብተለፎንን ስካይፕን ብምስጢር ክዘራረብ ከም ዝቐነየን ሰሚዕና። ‘ተሓቢአን ይጠንሳ ኣንስቲ ኣኪበን ይሓርሳ’ ከም ዝበሃል፣ እዚ ሎሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ዝጓየየሉ ዘሎ ዕዮ፤ ካብ ግዜ ሰብዓታት ቋጺርዎ ዝወፈረ ሕቡእ ጥንሲ ኢዩ። ‘ኣቦይን ኣቦኻን ቀታሊኦም ሓደ፣ ቀታል ኣቦና ንቕተል’ ከም ዝበሃል፤ ንሕና ኤርትራውያንን ተጋሩን ነቲ ካብ ትማሊ ዘይኮነስ ካብ ቅድሚ ትማሊ ንኩላትና ዘድመየን ዝቐተለን ገበነኛ ኢሳይያስ ሓቢርና እንተቐቲልናዮ ጥራይ ኢና ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዘለኣለማዊ ድሕነት እነረጋግጽ።

ከምቲ ‘ደርሆ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት’ ዝበሃል፣ ንኢሳይያስ ዝኣመነ፣ ምስኡ ዝመሓለን ዝፈረመን፣ ዕድል በዓል ኣብርሃም ተወልደ፣ ተወልደ ኢዮብ፣ ወልደንኪኤል ሃይለ፣ ሰለሞን ወልደማርያም፣ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ወ.ዘ.ተ… ክድገም ኢዩ። ትማሊ እንታይ ኢዩ ዝበለ ኢሳይያስ? ኣብቲ ናይ 2005 ምርጫ ኢትዮጵያ ዝነበረሉ ግዜ፦

“…ጉዳይ ወያኔ ንክውዳእ፣ ሕጂ ኣብ ሰዓት 11:59 በጺሕና ኣሎና” ኢሉ። ሽዑ ኩሉ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ናይ ተዳሎን ተተንቀቕን ትእዛዝ ተመሓላሊፍሉ ነበረ። “ደጊም ድሕሪ ሎሚ ምስ ወያነ ኣብ ቅድመ ግንባራት ኣይክንዋጋእን ኢና። ግጥምና ኣብ ጎልጎል ሶማል ኢዩ ክኸውን” ክበሃል እንከሎ እውን ሰሚዕና ኢና። ሎሚ ደኣ ኢሳይያስ ኣበየናይ ታቦት ከይዱ ቆሪቡ ኢዩ ከም ርግቢት ዘመነ-ኖህ ብስራት ሰላም ንከስምዕ እንጽበዮ!

ናይ ሰላም ቃና፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ጥጅእ ኣብኲዑ ዝወፈረ ሰራም ልኡኽ፣ መሬት ክንዲ ኣፍ ዑንቊ ኣብ እትኾነሉ ግዜ ዝጥቀመሉ መዝሙር ኢዩ። ኢሳይያስ ካብታ ኣንጊሁ ዘርኢ ክርዳድ ዝተለመላ ዕላማ ብዝኾነ ምኽንያት ዝምለስ ኣይኮነን።

እነሆ ድማ ሎሚ ግዜ ሕርሱ ስለዝኣኸለ፤ ኣብ ዋዜማ ዘመነ-ቅልውላው ኣትዩ ንርእዮ ኣሎና። ከምኡ እንተዘይሓልምን እንተዘይጠንስን’ዶ ካብ 1973 ኣትሒዙ ክሳብ 2001 ከምኡ’ውን ክሳብ ሎሚ ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ  ንደቀባት ኤርትራውያን መጽነተ? ኢሳይያስ ኤርትራዊ ስነ-ምግባር ዝተነፍጎ፣ መንነት ኣልቦን ባልዋይን ኢዩ። ኣብዛ ህዝቢ ንሓድሕዱ ተኸባቢሩ ዝነብረላ ኣዱንያ፣ ብዘይካ ከምታ ክኸዳ ዝጸንሐ ኩርኳሕ ኣከያይዳ ካልእ መንገዲ ክቕይር ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝለኣኾ ደብዳበን ግብረ መልሲ ጽርግያታት ኣስመራን ድማ ናይ ‘የላኻ’  ኳኹ-የ-ኳኹ ክጽወት ቀንዩ ያኢ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዝርርብ ሰላም ክጅመር ኢዩ፣ ዶብና ክሕንጸጽ ኢዩ፣ ሰራዊትና ክጣየስ ኢዩ፣ ኤርትራ ወርቂ ክትተፍእ ኢያ! ወይልኦም ተቓወምቲ መእተዊ የብሎምን ዝብል ቤላ-ቤለው ኣብ ባራት ኣስመራ ክዕለል ቀንዩ ኣሎ። ኢሳይያስ ዝርርብ ብምስጢር እምበር ብጋህዲ ክኸውን ካብ ዘይደሊ ካብ ግዜ ዝርርብ በርሊን ኣብነት ኣሎና። ሎሚ እውን ዝርርብ ብዋጋ መን ኢዩ ክገብር? ከምቲ ዝስማዕ ዘሎ ኣብቲ ዝርርብ፤ ከምቲ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት ደጋጊሙ ዝብሎ ዝነበረ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ክቕበል ከም ዝደሊ ኣተንቢሁ ከም ዘሎ ይስማዕ። እዚ ድማ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ፣ ምኽንያቱ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብገለ ተቓወምቲ ዝመስሉ ጉጅለታትን ምሁራትን በጨቕ ክብል ዝጸንሐ ለቢቶ ርኢናዮ ኢና።

ጉዳይ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ወይ እውን ካልእ ኣገባብ ክግበር እንተኾይኑ፣ ከም ፍልሖ ርእሽኻ ሓቢእካ  ምብላዕን ምቁርቓርን ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ብጋህዲ ክቐርብን ሙሉእ ዘይጉዱል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ክስማዕን ኣለዎ። ኮር ተገልበጥ! ኢሳይያስ ካልእ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝሰደዶ ደብዳበ ከኣ ሓበጀራዋይ ትሕዝቶ ከም ዝሓዘ ሰሚዕና። ንሱ ጻድቕ ዓጣን ደብሪን ተሓጻብ ማጨሎትን ክመስል ኣብ ደብዳቢኡ፦

“ኣነ ን37 ዓመታት ንረብሓ ኣሜሪካ ዝሰራሕኩ ሰብ እየ። ሕጂ ድማ ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ክረጋገጽ እንተኾይኑ፣ ነዚ ሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ወያነ ሓቢርና ክንኣልዮ ኣሎና። ንሕና ብወገንና ምስ ኩላቶም ብሄራት ኢትዮጵያ ኣምሓራን ኦሮሞን ንሓድነት ዓባይ ኢትዮጵያ ተቐቢልና ንሰርሓሉ ኣሎና” ይብል። ስዋ “ትግራይ ትግርኚ” ምስ መጸጾ፣ ኣብ ጉዳይ “ዓባይ ኢትዮጵያ” ሓድሽ ሕንኩሮ ካብ ዝጀማምር ኣይወሓደን። ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ድማ፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢዩ።

እቶም ካብ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣትሒዞም ናብ ሜዳ ዝመላለሱ ዝነበሩ፣ ምስ ኢሳይያስ ብውልቂ ናብ ብዙሓት ስምምዓት ዝበጽሑን ናይ መንግስቱ ሃይለማርያም ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ዝነበሩ ኣቶ ጎሹ ወልዴን ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስን ብሂወቶም ዘለዉ መሰኻኽር ኢዮም።

ሎሚ ኣብ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ፣ ኩላቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ህግደፍን ደቂ ዕቁብ ጀነራላቱን፣ ‘ኣብ እዋን ውራ-ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ’ ከም ዝበሃል፤ ናብ ስራሓት ኮንትራባንድን ገንዘብ ናብ ምእካብን  ተዋፊሮም ኣለዉ። ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦምን /መቐለ/ ምስ ኣዝዮም እሙናት ናይ ኢሳይያስ ምሩጻት መኮንናት፣ ዕረፍቲ ዘይብሉ፤ ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ዘይፈልጥዎ ስዉር መገሻታት የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ናይ ደም ሰብ ዕዳ ነብሶም ዝጥርጥሩ ገበነኛታት እውን መብዛሕትኦም ኣንስቶምን ደቆምን ካብ ኤርትራ ኣውጺኦም ኢዮም። በዚ ናይ ዶላራት ቅድድም ዝተበገሰ ምስሕሓብ፣ ኣብ መንጎ’ቶም ተሻረኽቲ ምስጢር ኤርትራ፤ ኢሳይያስ፣ ሓጎስ ክሻን የማነ ማልኪን ዝነበረ ምቅርራብ ድማ ቀጨውጨው ከም ዝበለ ይዝረብ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ድማ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ሓጎስ ክሻ፣ ንኣከያይዳ ሓለቕኡ ተገንዚቡስ ድሮ ምስ ገለ ወሰንቲ ዝበሎም ጀነራላት ብገንዘብ ፍሉይ ምሕዝነት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ኢዩ። እቲ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ቀደም ሜጀር ጀነራላትን ብትሕቲኦም ፍሑኽ ዝብሉ ብኢሳይያስ ኣጆኹም ዝበሃሉ ብሪጋደር ጀነራላትን ከም በዓል ወልዱ ባርያ ሕንቁቓት ደቂ ውሻጠን ከም ዝጀመረን፤ ንታሕቲ ናብ ኮሎኔላትን ታሕተዎት መኮንናትን ፈኸም እናበለ ክሳብ ናብ ተራ ኣባላት ሰራዊት ከም ዝወረደ ርጡብ ሓበሬታ ኣሎ።

ስለዚ እዞም ሰባት ንዓና ንደቀባት ኤርትራ ከም ክዳን መርዓውቲ ናብ ሓድሽ ባልጃ ሰኲዖም፣ ሽቦ-ላጋው-ሽቦ እናበሉ ናበየናይ ዳስ ከውርዱና ከም ዝደለዩ ኣይሰሓትናዮን’ሞ፤ ነቲ ልዕሊ 40 ዓመታት ዝወሰደ ብዓለባ ሳሬት ዝተሸፈነ ብላይ ምስጢራቶም ከም ዝፈለጥናዮ ብተግባር ንንገሮም።

እቲ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ! ከምዚ በብኩርንዑ ተላዒልካዮ ዘለኻ፣ ኣወዳድባኻ ኣጽፊፍካን ኣሐይልካን ቀጽል። ጉዳይ ኤርትራ ብዘይካ ብኤርትራውያን ብካልእ ጫሌዳ ክመጽእ ኢዩ ኢልካ ምፍታን ድማ ከንቱ ውእቱ ኢዩ። ብዛይካ ንነብስኻ ሎሚ ንማንም ሰብ፣ ውድብ፣ ሰልፊ ወይ መንግስቲ ኣይትእመን። እቲ ዱላ ኣብ ኢድካ ኣሎ! እቲ መርዛም ተመን’ውን ኣብ ቅድሜኻ ስለዘሎ፤ ነቲ ዝተረገጠ ፍትሒ ንምምላስ ሕጂ ንኸስ ወዲ ኤርትራ። ብይን ሞት ኤርትራውያን ሽዑ ጥራይ ኢዩ መኸተምታ ዝግበረሉ’ሞ ከም ትማሊ ኣብ ዙርያ ሓድነት ነኺስካ ስመርርርርርርርርር።

 

ኣብ መበል 15 ክፋል ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰላም ቅንያት።

 

alenakoena@gmail.com

ኣለና ብደገ፣  ኣለና ብውሽጢ!

 

ዓወት ሃገራዊ ጉባኤ!

ጉባኤ ንምዕዋት ኩሉ ዘዝከኣሎ ይግበር!

 

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

 

ይቕጽል…

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Justice November 5, 2011

    I really appreciate your hard work. You know all the evil secret of PFDJ. Dont dout that your credit is great and you will be respected in tomorrow’s Eritrea.
    Please never stop to expose about evil PFDJ.
    We will win!!!

  • ITI GIGNA ERITRAWI November 5, 2011

    AYE AGAME YGERMENI IYU ITI BERITRAWI AMSILKU KITZAREBU KELEKUM ERITRAWI ABEY BETSIHU ALO NIKHATU NISIKATKUM ABEY ALEKU ZEYMIFLATKU YHAZEN CHAW CHAW ERITRAN KALE HAGER ZIMDNA MIS ETHIOPIAN BZIKONE AYNET AYNIDELEN INA HASADAT AYNIKUM DEM MELIKUM IRKI NIHINA ZEYKONAS NIDELIYO ETHIOPIA IYA TIDELIYO BHILFI TIGRAY KAB DJBUTI KISAB TIGRAY ZELO MEGAZIYAN KAB BATSE ZELON RIHIKET KINDIYENAY KISARA KEMZELO ZIFLET IYU SLEZI TIGRAY KISAB WEYANE ZELO INBER WEYANE INTEWERIDU TIGRAY AB SHIGER KITWEDIK IYA HANTI ATAWI YEBLAN ERITRA GEN CHEW TIRAY YAKILA IYU KALIE KEYHAWESKA SLEZI TSHUFKUM AMAHIYSHU ISEYAS KONE HIZBI ERITRA DILET ETHOPIA ASTBIKU YEFELET IYU HADISH AYKONEN

  • Barentu November 5, 2011

    New from CNN. Egypt has become the center of organ theft and trafficking in the Arab world. The majority of the Eritrean prisoners under the Egyptian Beduines are victims of this theft. Very few Eritreans are arriving to Israel alive. Most of the Eritreans who are still in Beduine prisons do not know that even after paying money they are killed for body parts later at $20000 each.
    ” According to rights groups, refugees — from places like Ethiopia, Eritrea or Sudan — are enslaved and tortured and the women raped if they cannot come up with the large sums of money the Bedouin try to extort from them and their families to smuggle them into Israel.
    But Hamdy Al-Azazy, head of New Generation Foundation, has photos showing corpses with distinctive scars in the abdominal area….
    Al-Azazy says the organs are taken from refugees while they are still alive. “The organs are not useful if they’re dead. They drug them first and remove their organs, then leave them to die and dump them in a deep dry well along with hundreds of bodies.”

    He says he was once taken to the area where the bodies are dumped after the organ removal process. He says he believes corrupt Egyptian doctors are working with the Bedouins, coming to Sinai with mobile hospital units to perform the operations to remove especially corneas, livers and kidneys….
    Who is responsible Egypt or Isarel?
    http://www.cnn.com/2011/11/03/world/meast/pleitgen-sinai-organ-smugglers/

    • Maazza November 5, 2011

      Barentu

      God Bless You for bringing this good news that this atrocity will now hit the global media and will be known by most. Unfortunately we have a system in our country where it can be hidden. Eritrea is now one of the very few countries in the globe where information can remain hidden except from a very limited few. Most of the blame will go to Hgdef since it has failed in the last 20 years to create a conducive situation for education and development to thrive so the young would take their own destiny in their own hands and make it a vibrant country. There is a self-appointed leader whose vision is geared by imaginary conflict and militarization. This guy sleeps 9 hours a day he said himself while the agony faced by sectors of the society is beyond belief. If this news reverberates throughout the world, it will definitely hasten the fall of this cruel man.

      • tesfe November 5, 2011

        antum sebat bejakum lieli 40 ametat tray bwedi afom koynu zerebana,hiji wn eta ftah ab tihti fetari nezi hade sebay tray zelo ab eretra nlemno. “wedi afom bejaka” nbel mknyatu ziaklo men mquanu,sebay mquanu aryuna equa yu.nay zereba tray koyna terifna. njebha abosto,ntegadelti abosto,nministerat zbehalu abosto,nwarsay abosto,,,,,,,etc beka hade seb ezi kulu kigebr kalie seb milionat zikutser yizareb,yihadm,yihsu ,,,,??????? blash deki ere. forma keman yeblnan dihri ezi sebay. beka mlman yu eti zihashe yibl.

        • Selamawi November 5, 2011

          Eritrea has turned not just to a big prison but HELL ON EARTH.

          Solution = ALL ERITREANS TO UNITE, ORGANIZE AND CHALLENGE THE REGIME IN ALL FRONTS – for example media, diplomacy, demo, seminars … to raise awareness amongst the silent majority.
          The tragedies of Sahara, Mediterranean Sea (remember ASATAT NAY BAHRI DESTAKUM AKBRU?), SINAY, SUDAN, EGYP, LIBYA…. ALL OF THIS HAS TO STOP!

          Supporters of the PFDJ regime, PLEASE WISE UP AND RISE UP FOR THE COMMON GOOD!

          It is shame that the Eritrean womb has given birth to such barbaric leadership, and worse still such leadership has plenty of supporters amongst us.

          Whether you agree with Alena or not, the motive, aim and means of the regime is extremely difficult to defend or understand.

          God save us all

          Thanks

          • Selamawi November 5, 2011

            I just read on Harnnet.org that there will be a demo on 11th Nov 2011…

            It would be good if you would lend the event your usual capable hands. It would be good if international media outlets were to be present…

            The inhumanity that we Eritreans are experiencing should be told to all human beings – the humane ones will listen and help.

            May ALL ERITREANS HAVE THE WISDOM and COURAGE TO SEE THEIR PLIGHT, AND MAY ALL BE UNITED, ORGANIZED AND STRENGTHENED ENOUGH TO REGAIN OUR DIGNITY AT HOME AND ABROAD.

            Compatriots the formulas is simple: UNITE OR PERISH (I choose the former!)

            Thanks

  • daniel November 5, 2011

    I think I can say only God help us

  • Weldit November 5, 2011

    Mr Alena,
    Long time ago, you promised us a book was coming soon….I wonder if you are working on that…

  • truly, Truly i say to you November 6, 2011

    ክፍሊ ሃደ (part 1)
    ኽቡር ኣለና ብዛእባ መበቆል ናይዞም ጨቃናት ገለ ገለ ሰብስልጣናት ቁርብ ትንክፍ ጥራይ ኣቢልካ ኣፀቢቕካ ንነበብቲ ከይገለጽካዮ፡ ናብ ክልእ ጉዳይ ሃሊፍካ ስለዘለኻ፣ ዋላንዃ ቅድም ሕጂ ካልኦት ሰባት በብዝፈለጥዎን በብኣቕሞምን ብዛእባ ናይዞም ሰባት መበቖልን ሕቡእ ትልዕኮኦምን ንህዝቢ ከረድኡ ቑሩብ ተነኻኪፎም ከምዝነበሩ ንፈልጥ እንተነበረ፣ በጃካ ነዚ ናትካ ፅሑፈት ብዙህ ሰብ ዝከታተሎ ስለዝኮነ፣ ምእንቲ ብዙህ ሕዝቢ አፀቢቑ ንክፈልጦምን ግቡእ መረዳእታ ንክህልዎን ስለዝህግዝ፣ ብዙህ ከይተሰከፍካ ናይ ኢሳያስ፣የናማኔን ክሻን ጥራይ ደይኮነ፥ እንኮላይ ናይካልኦት ሰበስልጣናት ሕግደፍን፣ እንትኸኣልካውን ናይዞም ብዘይፍርዲን ፍትህን አብ ቀይዲ አትዮም ብዛእባ ዘለዉ ሰበስልጣናት ነበር ማለት፡ – ናይ ኃይሌ(ድሩዕ)፣ ጴጥሮስ፣ በራኺ፣ ብርሃኔ፣ ሸሪፎ፣ ጀርማኖ፣ ከክያ ወዘተ ከይተረፈ ወሲካ ክትገልፀልና እንተፍትን ብዙህ ጽቡቕ ነሩ።

  • truly, Truly i say to you November 6, 2011

    ክፍሊ ክልተ
    ናይዞም አብቀይዲ ዘለዉ ሰብስልጣናት ከይተረፈ ምባለይ፣ ብወገነይ ብዛእባ መበቖሎም ስለዝተጠራተርኩ ደይኮነ፣ ሕግደፍ ብጠቀነ፡- ብተንበርካኪነትን ትሕተ ሃገራዊነትን ኢና ኣሲርናዮም ይብሉ ስለዘለው፣ ናይብሃቂ ብኣል ድሩዕ ትህቲ ኢሳያስ፣ መንኪን፡ ክሻን ዝተሃተ ናይመበቆል ቅልውላው ሃሊዎም ትሕቲ ሃገራውያንን ተንበርከክትን ንክኾኑ ንዘክኣሎም ምኽንያት ሕዝቢ ነቲ ሃቂ መርሚሩ ንክፈልጦ ዕድል ከምዝህብ ስለዝተኣመንኩሉ እምበር፣ ምኽንያት መእሰሪኦም፡- ስልጣን ንሕዝቢ ነረክብ፣ ቅዋም ይተግበር፣ ነዚ ናይወያኔ ጉዳይ ብፍላይ አብግዜ ሳልሳይ ወራር፤ ወያኔ ብሃያላን ሃገራት ተሃጊዙ ንውግእ ከምዝተዳለወ አጸቢቆም ስልዝፈለጡ፣ ካብግቡእ ስክፍታ ስትራቴጂካዊ ለውጥታት ገርና ሕዝብናን መሬትናን ካብጥፍኣት ነድህን ብምባሎም ከምድኮነ ጠፊእኒ አይኮነን።

  • truly, Truly i say to you November 6, 2011

    ክፍሊ ሰለሥተ (Part 3)
    ብኣንጻሩ´ኳ ድኣ ኢሳያስ ነቲ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ብሽም ጥምየት ብሜላ ኣብቲ ንኢትይጵያ አጽዋርን መግብን ኃያላን ሃገራት ንክህግዝዎም አብዝተዳለዉሉ አብቲ ሕማቕ ወሳኒ ወራር እዋን፣ ነቲ ሚስጠር ከምደይፈልጥ ኮይኑ፣ በጃኩም ብወደብ ኣሰብ ተጠቂምኩም ሃግዝዎም ይብል ከምዝነበረ ሕዝቢ ኤርትራ ብሞሉእ ኣዳእዲኡ ዝፈልጦን ዘእልለሉን ጉዳይ እዩ። ስልዝኮነ ክቡር ኣለና፣ ከምቲ ዝበልካዮ ብወገነይ´ውን ከይፈተኩ ብዛእባ መበቖል ክዛረብ ስለዝተገደድኩ፣ነቲ ናይ ምስኪን ተራ ሕዝቢ ደይኮነ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ከም ዓለሙ ናይመራህቱ መንነት የግድን ክፈልጥ ስልዘለዎ፣ እንተኪእልካውን ናይዝም ናይተቃወምቲ መራሕቲ ኢና ባሃልቲ´ውን መበቆል ምፍላጥ ኣገዳሲነት ስለዘለዎ ትፈልጦ ንክትገልጸልና ይምህጸነካ። ኣወትን አሳልጦን ከኣ ይምንየልካ!

  • Mike November 8, 2011

    Dear Alena :
    I have great respect on you, because you did a great work in exposing the crimes committed by Isayas and his followers during the Eritrean struggle.And I tell you, we learned a lot from you.
    But, in your today’s article in regards to the news that Isayas is in a contact with prime Meles’s, I have a different out look.
    First, we need to know how credible the news is. Second, I agree with you 100 % that Isayas will offer any thing to normalize his relationship with prime Meles, because what he cares is only his power. But,the facts on ground on the Ethiopian side, do not reflect this. In fact, the Ethiopian government is working hard in order to implement the UN sanction on the regime. So, based on this and other related facts, I do not believe the leaked news. In fact, there is a rumor that the news was leaked from Eritrea, before the national congress of ENCDC, in order to create a suspicion between Eritreans and the Ethiopian government.
    Let’s wait and see.

POST A COMMENT