Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዋዜማ፣ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ – መበል 15 ክፋል – መደምደምታ – ኣለና

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለኹም ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። እነሆ እምበኣር እቲ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ከምኡ’ውን ‘ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ’ ብዝብል ኣርእስትታት ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ፤ 35 ክፋላት ጽሑፋት ‘ኣለና’ ናብ መደምደምታ በጺሑ

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለኹም ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። እነሆ እምበኣር እቲ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ከምኡ’ውን ‘ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ’ ብዝብል ኣርእስትታት ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ፤ 35 ክፋላት ጽሑፋት ‘ኣለና’ ናብ መደምደምታ በጺሑ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩላቶም ኣብ መርበባብት ኢንተርነት ብተገዳስነት ዝሰቐልዎ፤ ብረድዮታት ዘቃልሕዎ ረድዮ ኣሰናን ረድዮ ወጋሕታን ዝለዓለ ምስጋናይ አቕርብ። መብጽዓ ከቢድ ስለዝኾነ፣ እቲ ብተኸታታሊ ንከቕርቦ ዝኣተኹዎ ቃል ከቢሩ ንክኸውን ድማ ተስፋ እገብር።

ክሳብ ሞት ክናና፣ ሞት ኢሳይያስ፣ ታሪኻዊን እዋናዊን ጽሑፋት ኣለና ክቕጽል ኢዩ። ብድሕሪ ጽሑፍ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ከኣ  “ኣፍ-ኣርክቡ! ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ” ብዝብል ኣርእስቲ  ተኸታታሊ ጽሑፍ ክስዕብ ኢዩ። ከምኡ’ውን ኣብ እዋናውያን ጉዳያት ዘተኮሩ ፍሉያት ጽሑፋት ክጸሓፉ ኢዮም። ስርዓት ህግደፍ ወላ’ኳ ከም ኣረጊት ገረብ ሳግላ ረማዕማዕ እንተዘይበለ፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣብ ዋዜማ ዘመነ ቅብጸት ጥንታዊ ሕልሙ ከም ዝበጽሐ ግን ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ስመርርርርር ብዝብል ኒሕ፣ ነቲ ኣብ ገዛና ዝዓረደ ብኣራዊታዊ ሕጊ ዝኣምን ስርዓት ህግደፍ ንምዕናው ሓደ ንኹን።

     ‘ኢድ ሸናሒት ጸናሒት’ ከም ዝበሃል፣ እቲ ከም ንጉስ ናቡከደናጾር ንልዕለ-ተፈጥሮ ከይተረፈ ዝኸሓደ፤ ኣብ ውሻጠ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ደጎል ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃ ብምልእታን፤ ብዘይካይ ዓንተር፣ ክኢላን ለባምን  የለን ዝብል ዝነበረ፤ ብድባብ እሾኽ ዳንዴር ዝነገሰ ውጹእ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፣ ከም ኢዱ ዝረኽበላ መዓልቲ ትቀራረብ ኣላ። ሎሚ ብድሕሪ ውሳኔ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዋዜማ ዘመነ ቅብጸት ኢሳይያስ ናይ ኮን’ዶኾን ሃረርታ ዘይኮነስ፣ ሞት ክናና ብጋህዲ ዝረኣየሉ መዓልቲ ከተፍ ኢሉ ኣሎ።

ነዚ ዘይርእያ ኣዒንቲ ድማ ኣብ ዓረም ህግደፍ ንምንባር ዝመረጻ፣ ኤርትራዊ መበቆል ዘይብለን ኢየን። ኣብዚ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ ኣቲናሉ ዘለና ወሳኒ መድረኽ እምበኣር ሞት ኣብ ቅድሚ ጭፍራ ህግደፍ ብስሑል ጭማራ ትድብል ኣላ። ኢሳይያስ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ተኾልኲሉዎ ዝወፈረ ሕድሪ ስለዘለዎ፣ ካብቲ ናብ ኣንጉዑ ዝሰረጸ ናይ ባዕዳውያን ማሕላ ፍንትት ክብል ዝከኣል ኣይኮነን። ኣንጻር ኢሳይያስ ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና ናይ ተሓናነቕ ግዜ፣ ከምቲ ናይ ኲናት ሊቃውንቲ፦

“ውግእ ቅድሚ ምጅማርካ ቅድም ንነብስኻ ፍልጣ፣ ደሓር ከኣ ንጸላኢኻ ኣዳቒቕካ ፍለጦ’ሞ ሚእቲ ግዜ’ኳ እንተተዋጋእካ፣ ሚእቲ ግዜ ክትዕወት ኢኻ” ዝብልዎ፤ ንሕና እውን ስለ ሓርነት ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና ግዜ፣ ካብ ምጥሚጣ መልሓስ ሰብ ግብሪ ክንከውን፣ ካብ ኣንነትን ከንቱ ጃህራን ርሒቕና ድማ ቅድም ንነብስና ክንፈልጣን ክንመዝናን፣ ቀጺልና ከኣ ውሽጢን ውሻጠን ጸላኢና ምፍላጥ የድሊ ኣሎ።

ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ንኢሳይያስ ካብታ ብመንገዲ ከሰላ ገይሩ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝተሰለፈላ ሰራም ዕለት፤ ካብ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ክሳብ ግዜ ናጽነት፣ ከምኡ’ውን ካብ ምብራዕ ኲናት ባድመን ምእሳር ሃገራውያንን ክሳብ ሎሚ ንዝተጓዕዞ መንገዲ ዝኾነ ባዕላዊ ስምዒታት ከይሓወስና ብንጹር ምምርማር የድልየና ኣሎ። እቲ ናይ ኢሳይያስ ሓቀኛ ፊልም ኣብ ጽሩይ ላቦራቶሪ ሓጺብና ምስ ኣውጻእናዮ ከኣ፣ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንምጽናት ዝዓጠቖ ድርብ ድግድጊት ብንጹር ስእሊ ክረኣየና ኢዩ። ናብቲ ዝወጠኖ ግናይ ትልሚ ንምብጻሕ ካብ ነዊሕ ዓመታት ሓንጊርዎም ዝኣተወ፣ ኣብ ልብታቶም ዕያግ ደም’ምበር ኤርትራዊ ደም ዘይብሎም ሰብ ሽርካን፣ ናብ ወጻኢ ዘዋፈሮም ብዙሓት ሹምባሻትን ከም ዘለዉዎ ንክንግንዘብ ከኣ ሰዓት ይድውል ኣሎ።

ድምጽና ከም ኣሳትያ ጭፍራ ኣኽላባት ጨርባሕባሕ በዚሑሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ንክመጽእ እንጽበዮ ዘለና ደርማስ ህቦቡላ ይሃምም ኣሎ። ወላ’ኳ ከም ደቂ ቅንፍዝ ነንበይኑ መስተራት እንሎና፣ ብዘይካ’ቶም ብተርኦም ንናብራ ስደት ዝተሓሓዝዎ ብኢድ ኢሳይያስ ደም ኤርትራውያን ዝተለኽዩ ገበነኛታት፣ ንሕና እዞም ብመኾስተር ህግደፍ ዝተጸረግና ኤርትራውያን ፈቲና ጸሊእና ናብ ሓንቲ ሰረገላ ተሳፊርና ናብታ እናበኸና ዝገደፍናያ ክብርቲ ሃገርና ክንምለስ ኢና’ሞ ካብ ዘለፋን ምንዕዓቕን ንነብስና ኣወጊድና ናብ ብሩህ ተስፋ ንምምራሽ ካብ ሎሚ ኣሃዱ ኢልና ንዳሎ።

ኣብ ደገ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ፣ ሓጋዚ ደኣ’ምበር ወሳኒ ኣይኮነን። ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ መሰረታዊ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ። ዝተደጎለ ሓዊ ዝጠፍአ ይመስል! ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን፣ ብዘይካ ውሑዳት ተረፍ ኢሳይያስ ዘላምጹ መኮንናት፤ እቶም ዝበዝሑ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለዉ ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዓቕሎም ክሳብ ዝጸቦም ንነዊሕ ዓመታት ትንፋሶም ሓቢኦም ኢዮም ዝነብሩ ዝነበሩ። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ፣ ከም ጓህሪ ሰራው ብቕጽበት ዓርሞ ከም ዝኣጉዱን ኣብቲ ኤርትራዊ ዳስ ከቢቦም “ጋሻ ተቐበል” እናበሉ ውፉር ከም ዝቕበሉን ክንርኢ ኢና።

ኣብዚ ናይ ተሓናነቕ ግዜ ልኡኽ ጥፍኣት ኢሳይያስ፣ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውድኦ ክለሀ ኢዩ። ካብ ጽሕፍቶ  ሙዓመር ቃዛፊን ታሪኽ ውልቀ ምልካውያንን ኣምሊጡ ዘይናቱ ዕጫ ክበጽሖ ስለዘይክእል ግን ሞቱ፣ ሞት ክናና ከም እንርኢ ምንም ኣይንጠራጠርን ኢና። እታ ስስዐ ገዛእ ርእሱ ንከተግብር ኣብ ክሳዱ ዝጠምጠማ ሔሮ እነሃ ብስሕበት እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣጸቢቓ ሓልቂማ ርኢናያ። ‘ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ’ ከም ዝበሃል ከኣ፣ ኣብ ሓለፍቲ ጭፍራ ህግደፍ ድሕሪ ደጊም ጥዑይ ኣእምሮ ኣይክህሉን ኢዩ። መመሊሶም ክጽለሉ፣ ትማሊ ንዝበሉዎ ረሲዖም ጉድ ክዛረቡ፤ ኣብ መወዳእታ’ውን ኤርትራውያን ንምጽናት ዝበጽበጽዎ ስሚ ከይተፈለጦም ሰትዮም ክኽንበሉ ምዃኖም ካብዚ ሎሚ ቅነ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን መኣዝኑ ዘይፍለጥ ዕብድብድ ክንዕዘብ ክኢልና ኢና።

እመንና ኤርትራ! እወ እመንና ኣንቲ ቅድስቲ መሬት ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊን ወልደኣብ ወልደማርያምን! እመንና በጃኺ ኣደ ጀጋኑ ወልደንኪኤል ሃይለን ሳልሕ ጠጠውን! ኣብ ጽላት ምድሪ-ቤትኪ ሰጊድና እቲ ስዉኣት ደቅኺ ዘመሓላለፍዎ ሕድሪ ንምትግባር፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ሕዮ!! እናበልና ስሌኺ ስለ ኣንቲ ቅድስቲ መሬት ሱባኤ ንኣቱ ኣሎና’ሞ በጃኺ እመንና። እቲ ንክንጓዓዘሉ ዝመረጽናዮ ህዝባዊ ጽርግያ መመሊሱ ይጸሪ ኣሎ። እቲ ክሳብ ፍጹም ዓወት ዝቛጸርናዮ ስንቂ ስርናይ ድማ መመሊሱ ይብርክት ኣሎ’ሞ እመንና ንመጽኣኪ ኣለና ኤርትራ።

ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ረድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ፣ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ቃለ-ምልልስ ገይሩ ምስ ሰማዕኩዎ ነቲ “ኣብዑር ዘረባ ለመዱ፣ ሳዕሮም በሊዖም ከይጽመዱ” ዝብል ምስላ ኣበው ኣዘኻኺሩኒ። ቅድም ቀዳድም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ነውሪ፣ ሕፍረት፣ ኣሳሓኮ፣ ዒብ ዝበሃል የለን። ትማሊ ጡፍ ኢሎም ንዝፈንፈንዎ ዝበልዑ፣ ናብ ጎድፍ ንዝደርበይዎ ዝእክቡ፤ ካብ ስነ-ምግባር ኤርትራን ሕብረተ-ሰብ ዓለምን ኣዝዮም ዝሃውተቱ፣ ብሕጊ መሮር ቃሕ ከም ዝበሎም እምበር ሕጊ ከም ዘፍቅደሎም ዘይከዱ፣ ትማሊ ንዝኣመኑሉ ብዘይ ኣዋጅ ዘፍርሱ፣ ብጋህዲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣስመራ፣ ብሕልሚ ግን ኣብ ስንጭሮታት ዓንበርቦብን ሕሽክብን ዝሓድሩ ወ.ዘ.ተ…ሰባት ኢዮም። ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፦ “መንግስቲ ኬንያ ሃገራዊ ክብራ ንምሕላው ኣንጻር ኣል-ሸባብ ትወስዶ ዘላ መጥቃዕቲ ንድግፎ ኢና” ኢሉ ነይሩ ኢዩ። ናይ በየነን ዓሊን፣ ከምኡ’ውን ብድሕሪ ሎሚ እንሰምዖም መስተንክራትን ኣብ እዋን ኣፈርኩቡ ዚዝረብ ቃለ-ኑዛዜ ኢሳይያስ ኢዮም ተዛሪቦም።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2003 ካብ ኣውስትራልያ ተበጊሰን ናብ ገማግም ማያት ሱዕድያ ምስ በጽሓ ዝሓመማ ኣባጊዕ፣  ሓደ ሚልዮን ዶላር ሞቕሽሽ ንክረኽቡ ኢሎም ናብ ጋሕቴላይ ዝተቐበሉወን ኣይረሳዕናዮን። ኣብ ኤርትራ ናይ ኣምሓርኛ ካሴት ወይ ሲዲ ንከይዝርጋሕ፣ ኣብ ባራት ይኹን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከይተረፈ ንከይድረፍ ካብ ዝኽልከል ነዊሕ ዓመታት ገይሩ ኢዩ። ሽዑ እዋን ኣብ ከተማ ኣስመራ ቤት ሙዚቃ ዝነበሮ በዓል ትካል፣ ከይረኣያ ዝተረፈት ሓንቲ ናይ ጥላሁን ገሰሰ ሲዲ ምስ ተረኽበቶ 15 ሽሕ ናቕፋ ተቐጺዑ ነበረ።

እቲ ኣብ እዋን ፖለቲካዊ ፍሕሕታ 2001 ዓ.ም. ንውላዲኡ ዘእሰረ ዓሊ ዓብዱ፣ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ቃለ-ምልልስ ቅድሚ ምግባሩ፣ ስሙ እንተዝቕይር መጸበቐሉ ነይሩ። እቲ ኣክተር ዕዋላ ሚኒስተር ዜና ብዛዕባ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ግዜ ሓምሳታት ኣትሒዛ ትገብሮ ዝነበረት ኢሉ ክጽብጽብ ኣምሰየ። ሃገር ኣሜሪካ ገበነኛ ሃገር እንተትኸውን ደኣ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንደቁ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ሂቢዎም ዝነበረ? እታ ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣየር-ፖርት ትሰርሕ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ጽገሬዳ፣ ንሕርሲ ክትቀራረብ እንከላ እቶም ዝውለዱ ቆልዑት መታን ኣሜሪካዊ ዜግነት ክረኽቡ፣ ካብ ኣስመራ ተበጊሳ ናብ ኣሜሪካ ከይዳ ኢያ ትሓርስ ዝነበረት። ኣለና! ኣይረሳዕናዮን’ኳ እቲ ትማሊ ዝነበረ ተግባራት ህግደፍ።

ዓሊ ዓብዱ ናይ ቅድሚ 50 ዓመታት ገበን ኣሜሪካ ኣብ ዝጽብጽበሉ ዘሎ ግዜ፣ ብዛዕባ እቶም ጥጥቖ ሓራሳት ዘይተዓደለሎም ደቁ ረሲዕዎ’ዶ ይኸውን? ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ ብሪሞት ኮንትሮል ዝእዘዝ ናይ ኢሳይያስ መልሓስ፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ መልሓስ ዚዛረብ በዓል ስልጣን የለን። ‘ዓይኒ ከዳዕ ነባዒ፣ ከብዲ ተግደርዳሪ በላዒ’ ከም ዝበሃል፤ እቲ ኣብ ስንጭሮ ዓንበርቦብ ዕንኳር ጸባ ኢሳይያስ ሰትዩ ዝዓበየ ዓሊ ዓብዱ ከኣ ብዛዕባ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ፤ ካብ ልሳን ኢሳይያስ ወጻኢ ብናይ ገዛእ ርእሱ ልሳን ክዛረብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ጽገሬዳ ሰበይቱን ሰለስተ ደቁን ኣብ ኣሜሪካ ምንባር ምኽንያቱ ብዘይፈለጥናዮ ኣይጠዓሞምን። ወይዘሮ ጽገሬዳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢላ  ካብ ኣሜሪካ ናብ ካናዳ ኣትያ ትነብር ኣላ።

በጋሚንዶ ዓሊ ዓብዱ ኣብቲ ናይ ኣምሓርኛ ቃለ ምልልሱ፣ ቃለ-ኑዛዜ ኢሳይያስ’ውን ኣቕሪቡ ኢዩ። ኣለና’ኮ!…ነቲ ኣብ ፍሉይ ሕታም መጽሔት ሕውየት ሓምለ 1998 ቁጽሪ 14፣ ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ንኢሳይያስ ‘ብወገን መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን እዚ ተርእዮታት ይስትብሃለሉ’ዶ ነይሩ? ህወሓት ክሳብ መወዳእታ ከም ስትራተጂካዊ መሓዛ ኢዩ ክግለጽ ጸኒሑ’ ክብል ዝሓተቶ ናብ ጠቃር ከብሒ ኣቐሚጡ ሎሚ፦

“ህዝቢ ኢትዮጵያ ወደብ ዓሰብ ንክትጥቀመሉ ዘይሕከኽ መሰል ኣለዎ…ንሕና ምስ ህዝባዊ ወያነ ንስርዓታት ሃይለ ስላሰን ደርግን ኣብ ምውዳቕ ሓቢርና ተቓሊስና ኢና” ክብል መስደምም ንኣዳም ገረሞ ክዛረብ እውን ሰሚዕና ኢና። ‘መን መርዓት ምስ በለክን ትኳሓላ’ ከም ዝበሃል፣ ስግንጢር ፍልስፍና ህግደፍ ካብ ንግሆ ናብ ምሸት እንተተገማጠለ ኣይገርመናን ኢዩ።  እዚ ምልክት ሳሕጊ ሞት’ምበር ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

ጸማም ሓደ ደርፉ! ህግደፍ ብዘይካ ሓንቲ ናይ ሓሶት ማህሌት፣ ካልእ ዜማ የብሉን። ክሳም መኸተምታ ዕድመኦም ዝመጽእ፣ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተደርሰ ዜማ ክደጋግሙ ዝውዕሉ ዲያቆናት ድማ ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣለዉዎም። ንድሕሪት ኣብ ታሪኽ ሂትለር ተመሊስና ኣብ እነንብበሉ ግዜ፣ እቲ ኣብ ኣጋ  ዕርበተ-ጸሓይ ሰልፊ ናዚ ዝነበረ ተርእዮታት፣ ናይ ሓሶት ድርሰታትን ትያትርን  ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ይድገም ኣሎ። ኣብ ቻይናን ዱባይን ከይዶም ካብ ዝሰኣልዎ ስእሊታት ማሺነሪ ከም ህያው ገይሮም ዘቕርቡ ጉዳመኛታት ኢዮም’ኮ ሓለፍቲ ህግደፍ። ብረድዮ፣ ተለቪዥንን ጋዜጣን ኩምራ ሓሶት ካብ ዝጭርሑ ሓያለይ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ።

እቲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢጋድ ዝተበገሰ ጉዳይ እገዳ፣ ብወያነ ከም ዝተማህዘ፤ እቲ ብ13 ሙሉእ ድምጺን ክልተ ተዓቅቦን ባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ውሳኔ እገዳ ድማ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ዝተጠጅአን ዝተበየነን ኣምሲሎም ክዛረቡ ምውርሖም ኢዩ። ነቲ ብቀዋምነት ኣሜሪካ፣ ሩስያ፣ ቻይና፣ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዘለወኦ ባይቶ ጸጥታ ጎሲኻ፤ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣሜሪካ ጥራይ ከም ዝተዓብለለ፣ እተን ሃገራት እውን ብኣሜሪካ ተጠምዚዘን እሺ ኢለን ከም ዝኸዳ’ምበር ነናይ ገዛእ ርእሰን ናጻ ውሳኔ ከም ዘይብለን ጌርካ ምቕራብ፣ ጸርፊ ነተን ሓያላት ሃገራት ስለዝኾነ ጽልኢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እናዓበየ ክኸይድ ኢዩ።

ብድሕሪ ውሳኔ እገዳ፣ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣምባሳደራት ኣብ ባይቶ ጸጥታ፣ እቲ ጉዳይ ኣስደሚሚዎም በብውልቆም ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ሓያለይ ሕቶታት ሓቲቶሞ ኢዮም። ከምቲ ኣብ 2001 ኣምባሳደር በራኺ ገብረስላሴ ጀርመን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዛዕባ ግስርጥና ህግደፍ ዝበሃል ዝነበረን ብቐጥታ ንኢሳይያስ ዝሕብሮ ዝነበረን፤ ሎሚ’ኸ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ እዞም ኣምባሳደራት ባይቶ ጸጥታ ዘቕረቡሉ ርእይቶ ንሓለቕኡ ይነግር’ዶ ይኸውን?

ነተን ነናተን ናጽነት ዘለወን ሃገራት ኢጋድ ንዒቕካ እቲ ጉዳይ ብወያነ ኢዩ ዝውነን ምባል፣ ተወሳኺ ቅርሕንቲ ምስተን ሃገራት ምፍጣር ኢዩ ከኸትል። እተን ገዳይም ሃገራትሲ እስከ ይጽንሓ! እታ ቅድሚ ውሑድ ኣዋርሕ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን’ከ ካብ መዓስ ኢያ ጭራ ኩርኩር ኣሲራ። ‘ንዓመታ ዝጽለል ሎሚ ዘመን እምኒ ይድርቢ’ ከም ዝበሃል፣ እቲ ዓሚ ዝተጸለለ ስርዓት፣ ሎሚ ምላቑ ጸጸራት ኮይኑ እንተዓበደ ኣይገርመናን ኢዩ። ህግደፍ ብዝተጸለለ ሓንጎል ኢሳይያስ ዝምራሕ ሰልፊ ኢዩ። ብኣረኣእያ መንግስቲ ህግደፍ፦ ብዘይካ ኢሳይያስ ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ፕላኔት ወረጃ መራሒ የለን። ኣብ ዓለም ብዘይካ ስርዓት ህግደፍ ቅኑዕ ስርዓት የለን። ብዘይካ ኢሳይያስ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ሃገራት ኣፍሪቃን ሃገራት ዓለምን ብላሻት ኢዮም። ኣብ ዓለም ብዘይካ ኣሜሪካን ኤርትራን ናጽነት ዘለወን ሃገራት የለዋን ወ.ዘ.ተ…

እዚ ኣብ መጻወድያ ካብ ዝኣተወ ሰብ፣ ካብ ዝተጨነቐን ዝተዋጠረን ሓንጎል ዝወጽእ ቃላት ኢዩ። ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ ኣራዊት ካብ ሞት ንምምላጥ ዘይገብሮ ፈንጠርጠር የለን’ሞ ኢሳይያስ’ውን ከም ጭላቛ ማሕረሻ፣ ካብ ተቐርቂሩሉ ዘሎ ኡንክዲኖን ሞዶሻን ክወጽእ ከም ዘይክእል ስለዝፈልጥ፣ ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ግናይ ጸወታ ንምጽዋት ዘይሓስብ ኣይኮነን። እቲ ትማሊ ቅልጽሙ ሓቢጥሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ’ኳ ዘይመለኾ ቋንቋ ኲናት፣ ሎሚ ክመልኮ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ገበነኛ ኢሳይያስ ህዝቢ ኤርትራ ንምልካም ናይ መወዳእታ ፉንቲ ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። በዚ ይኹን በቲ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ  ጽውጽዋይ መልኣከ-ሞት ካልእ ዝንበብ ሃሌ-ሉያ የለን።

 

‘ኣፍ ኣርክቡ! ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ’ ብዝብል ሓድሽ ኣርእስቲ

ክሳብ እንራኸብ ሰላም ቀንዩ።

alenakoena@gmail.com

ኣለና ብደገ፣

ኣለና ብውሽጢ!

ስመር ኤርትራዊ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Taddesse T Gebremussie December 10, 2011

    There is nothing left we watch Kinana die. You are the real son of Eritrea. Thankyou.

  • ahmed saleh December 10, 2011

    An interesting article to read. The charecteristics of those individuals mentioned who think that
    they are above the law do not represent the Eritrean people. Not to defend your father from harm way shows how cowards they are. Like Arabs say ” the one who dug a burial to his brother, he fell himself in to it ” . Putting our elders and women in danger is against our culture
    and not accepted to a spirit of Eritreans in general . The curse of them will hunt wherever they are because God do not like ugly people and believe me he will do them what they deserve.

    • ahmed saleh December 10, 2011

      Pls, read who dug a hole instead burial, sorry.

  • Haqi tezareb December 11, 2011

    Why was demo.archive.assenna.com so ashamed to talk about Daniel Tewelde? Was daniel tewelde found as Hgdef spy as he was accussed by Amha and Abdulkhadir?
    If he is not a spy as accussed by the highest member of the Kidan/Commission, why is assenna ashamed to defend, at least until he is proven guilty?
    Why was Daniel reported to the Ethiopian security as an “Eritrean spy”? Had this been in Jebha’s Kesela or a Barka village, they would have killed him as they did to so many in Sryet Addis or Fallul.
    But why did assenna or its commission members keep quite?

    • Freeprisoners December 11, 2011

      Haqi tezareb
      aenta mewakesi, assena.com ako website amber nay wdb wey welkeseb xeg’ei yeblan.
      wala daniel tewelde hgdef koynu yrekeb aeyrekeb ziena da’ae aya atemx’a amber xeg’ei koyna naydenakur kemzi kemaka aytgebrn aya.
      lieba wedi sebeyti nr’aska haqi tezareb.

      freeprisoners

  • Gaul Mendefa(Rahel) December 11, 2011

    Dictator must go… the tyrant regime must follow his master mind Gaddafi

  • Amanuel ; birmingham December 11, 2011

    Alena;
    You put things in order and it is upto the readers now to understand and react. I wonder where is the book that you were saying it will be on market. I want to read the book and if you really have a book you need to distribute it all over the world and we will buy it. If you could put it on http://www.amazone.com; that will be the best option for us to buy.

    Well done Alena, you and us are threat for Issais the worst dictator in africa. The UN hasn’t put the sanction because of the suffering of Eritreans, it is purly for their interest. If it was for us, they even mention somewhere about the human right abue in Eritrea. But we could benefit for the sanctions they put in place though the present sanction is toothless as it will have no that much effect on Issais because he has assets but it is not directly involved, he use individuls and list of travel ban will not affect as they are always illgel things. They change names and other things………………..lets see how it will work and what Issais will do.

    For sure Issais days are counting down very fast………

  • ahmed kahsa December 11, 2011

    ALENA.. I wonder what is your intention. You talk tooooooooooooooo much but you tell little. What is your intention. It seems your target is to destroy Mesfin HAgos only. YOu never told us of the past deeds. You simply collect information from different websites and revibrate them with beautiful words of Tigrinia. You never told the atrocities commited by Isayas. AT first people admired you but now your true Identity is being exposed. What about the so called book you try to sell??

  • saba December 11, 2011

    Nicely told ,bravo alena.you inspire people in and out of Eritrea.keep going we are with you.

  • HGDEF December 12, 2011

    The funny guy Alena!
    He started under nickname. Then when some people uncover him and started telling his identity.
    He wrote things based on speculations and rumours and writes them in fiction style to attrackt readers.
    He writes without clear political stand apart from defamation of individuals.
    He gives title to his articles and talks and talks but never explains the topic.
    He says this part is part……. and final, then he starts adding up to it
    Then came the issue of publishing his book,Well what would people call such a book? I would call it “Record Book of Rumours and speculations for Defamation”
    And what happen to his movement the “Alena National movement”
    How easy has it become these days to start a movement? Everyone who writes articles and have some hundreds of readers can start a movement. Everone that have hundreds of frienss on Facebook (some of them may even be pets) can start a movement.

    • gerimuna December 13, 2011

      HGDF, Goduff as they are, try to belittle the best minds Eritrea had ever had, as Alena. In fact, if it was not for the brain of Alena alike not the wacky FIA and its now remained cohorts, Eritrea would never be independent. Therefore, your diminishing hullabaloo is trash as most modern days HGDF are.
      Let me clearly tell you that I am totally convinced that Alena was in hell and high water when history was in the making and is part and parcel of our struggle.
      To prove it, I want you to listen to EPDP site where Mesfun Hagos gave an interview with radio ERENA about the death of Ibrahim Affa. It goes like this in Alena’s up to the minute report of the happenings in one of his stipulated articles.
      According to Mesfu Hagos, he stated clearly that he met Affa the day before his death. This is more than a year ago.
      And I don’t remember which one of his brilliant and effusive stories that he stated it is. But I vividly remember that he said , Mesfun Hagos met Affa a day before he was martyred. That is exactly Mesfun Hagos said about it at Radio Alena this week.
      What else can you demand more precision than that.
      I hope after you heard it, you will change not only supporting HGDF Goduff but also rise with oppressed Eritrean people to root out HGDF.

POST A COMMENT