ልዓት ጓል ዕንጨይቲ
ጽርብቲ ውልውልቲ
ምትሓዛ ጥዕምቲ።
ሓቛፊት ኩሉ ተባጻሒ ፍቕራ
ዓንጋሊት ድኻታት ጡብ ኣደ ኤርትራ
ደሃይኪ ሃብና ከመለኺ ኣስመራ
ንኺድ ትብለኒ ዑፍ ድየ ከንሳፈፍ
ሸሎው ዝበለ ጎቦታት ኣጻድፍ
ንሰብስ ይትረፍ ጤል ዘይሕልፍ
መገሻ ዕግርግር መኻልፍ
ቅሳነት ዘይብሉ ዘይዓርፍ፡
ይኣኽለካ ሸንኮለል፡ ይኣኽለካ ጉያ
ይኣኽለካ እምቢታ፡ ይኣኽለካ ኣብያ
ይኣኽለካ ምሕባእ፡ ይኣኽለካ ድብያ።
መስከረም 1961ን
ወርሒ ኵርዓት ሓበን
ክብሪ ወሲድኪ ካብ ኩለን
ነባሪ ሽግኪ ገና ኣይጠፍአን፡
ዕዙዝ ሰላምታይ ይብጻሕኩም፡ ደቒ ኤርትራ
መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ኣለይቲ ስድራ
መንእሰያትን ደቐንስትዮን ኣውጻእቲ ሓራ
ለባማትን ምሁራትን፡ ኩላትኩም ብሓበራ።
ሽፋ ይግበረሎም
ይኺዱ ጥራይ.. ድንጕዮም ኳ
ጥፍኣት ትኹነሎም ድቋ
መርገም ይብጽሓዮም መስጣ ድኻ!
ልቢ ግበሪ ወይ ሽምኪ ቀይሪ
ወረ እንታይ ወሪዱኪ
ንዘፍቅሩኺ እትጻረሪ
ምስ ዘጻልኡኺ እትፋቐሪ
ካብቲ ምሩጽ ልብታት ዝበላዕክዮ ሕድሪ
ሓንቲ ዶ ስኢንኪ ልቦና ትፈሪ?
ሕማቕ ዕድል ድዩ፣ ወላስ ሕማቕ ዛንታ፧
መርዓት ንኽንቅበል፣ ዘመን ምስ መመላእታ!
ኩሉ ምስተኸፍለት፣ ወርቀ-ሽልማታ፣
እኽለ-ማይ ተዳልዩ፣ ስዋ ምስ ጥይታ!
ሰኑይ መርዓ ዀይኑስ፣ ሰሉስ ምልሶታ!
ልደት ከየብዓልናስ፣ ኣሻቡ ፍልሰታ፧
ሃግራዊ ዋዕላ መን ኣሎ ዘይደልዮ? ብዘይካ ሓደክልተ ህግደፋዊ ዋህዮ ትጽቢት ጭኩናትዩ ሰላማዊ ዕዮ ዝደለየ የርክብ ንመዓስ ክንጽበዮ? ብድሆ ከይበልካ የለን ዝስዕበካ ሕምዬት ሰሙን ዕጅብ ኣይበልካ ድሕሪት ኣይትርኣ ከይዓናቕፉኻ ጌጋ እንተሎ መጺኦም ይኣርምኻ ሕልሚ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላዩ ኣርእስቲ ምቕያር ኣይግዜኡንዩ ሓንሳብ ዝዳቐቑ ሓንሳብ ዝፋረዩ ሓድነት ከም ሰለስተ ኣይቁጸርንዩ ፈላጥየ ዝብል ንዓይ ጥራይ ስምዑ ዘይተባህለ ዘንብብ ንህዝቢ ጸዊዑ ንዓኹም ኣናኢሱ ከምዘይትበቕዑ ጸላዕላዕ
ዋሓጥዎ ተልናዮም ተመሊሶም ዝጎስዑ
ሰይጣን ዝሰረሮም ተማዒዶም ዘይሰምዑ
ስኒት ሰላም ገዲፎም ህውከት ክጽውዑ
ንሃገራዊ ጉዳይ ገይረሞ ስራሕ ቆሉዑ
ሕማም ከይኸውን ሙሁራትና አጽንዑ
ንህዝቢ ዘሳቒ ባሓባር አልማማ
ተለሚኑ ንሰላም ዝተሓስማ
ህዝቢ እንተገለጸት ሽግራ ሕሰማ
ሓንቂቕኩም ምስ በለ ኣስደመማ ኣርመማ
ንጌጋ ብጌጋ ዝእርማ
ህዝብና.ዶ ሓሶት ሕምየት ጽልኢ
ምናዳ ኣብ ስደት ዘሎ ኣብ ወጻኢ
እናፈለጠ ዝጽይቕ ብደም ተዋሳኢ
ኣብ ኣጽናቲኡ ዝሰግድ ንተጻባኢ
ሕድሮ ወራድ መርዓ ለጋ ሽቦ ለይቲ
ሙሁራት ነይሮማ ሊቃውንቲ
ዶካትራት ነይሮማ ተዓጠቕቲ
ካህናት ተማሊኦም መዛምርቲ
ድኻም ተገዚሞም ወሰዱ ሳልስቲ
ንህዝቢ ዘይኮውን እዚ ኹሉ ትምህርቲ።
ህዝባዊ ሕቶ ፡ መን ይስሕቶ
ኣታላሊ እምንቶ፡ ግን ኩሉ ይግምቶ
ይፍንፈን ኣብ ባይቶ፡
ዲክተተር ነዚ ኣሚቱ’ዩ
ባይቶ ከይምክቶ፡ ተቀዳዲሙ ዘጽነቶ።
አንታ ብዓል አበር ናይ ህግደፍ ከዳሚ አንቲ ብዓልቲ አበር ናይ ህግደፍ ጠስሚ ደስ ኢሉዎም ዝሓድር ሕዝብና ክደሚ ውርደትን ሕፍረትን ኢዩ ጽባሕ ናታትኩም ገዝሚ። ህግደፍ ተአጊዶም ኢልካ ላዕሊ ታሕቲ ውዲት ድዩስ ሕማቕ ሕማም ዛርቲ ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን እትሃሉ ቀትሪ ለይቲ አይትዘንግዕዎ ምዃንኹም ብገበን ተሓተቲ። ህግደፍ’ዶ አይኾኑን ደመኛታት ሕዝብና ንመንእሰይ ወለዶ አብልዮም ብጉዱድ ዕስክርና ሓዲሽ ትውልዲ ጸሊኡዋ
ኣቦይ ዓንዱ…….
እንታይ ደኣ ዝን ኢልኩም ?
ከመይ ደኣ……
ዝን ዘይብል ዝወደይ…
ኣቱም ሰባት
ኮይኑና ድዩ ትም መሪጽና
ጀጋኑ ኣፋኒና
ዕሸላት ኣንሳፊፎም ኣብ ባሕሪ እናሰማዕና።
ኣቱም ሰባትኮይኑና ድዩ ትም መሪጽናጀጋኑ ኣፋኒናዕሸላት ኣንሳፊፎም ኣብ ባሕሪ እናሰማዕና።ከመይ ‘ድዩ ኮይኑ’ዚ ግዜዘዝጎበዘ እናገዓዘ።ወይለይ ኤርትራዊሓውኻ ዝረድኦ ሲኢኑ የእዊሓንጊድካ መሪጽካ ስቅታከይቃላሕ ብዓውታ።በል ስማዕነብሲ ሓውካፈቲኻ ጸሊእካይብላዕ ኣሎ ብዓሳንቡር ኣብ ዘይርከቦ ሬሳ።ኣንታ ንስኻ ኾንካ ሓዉከይትሰምዖ ድሃዩስቅ መሪጽካ ኪሒድካዮምስ ባሕሪ ጓኒኻዮምስ ህግደፍውያን ዘሪኻዮኣብ ፈስቲቫል ትዘልል ረሲዕካዮ። ኣንቲ ሓብተይንስኺ’ኸ ንምንታይ
ንብዙሕ ዓመታት ተደፊኑ ኣእሙረይ ዝምዕዱ ከይሰምዕ ንቕጽ ስኣን ሕራይ ደረቐኛ ኮይነ ከምቲ ሓሳዊ መራሕየይ ንህግደፍ ኣሚነ ንኾንቱ ዓሪቡ ሕልናይ ምኽሪሕዋት ዘይምስማዕ ሳዕቤኑ ጉድኣት እንሆ ብቀረባ ንዕዘቦ ናይ ህግደፍ ጥፍኣት እናረአዩ ዝሰጥሙ ዘለዉ ናብ ሲኦለ መዓት ብባዕሎም ዝኣጎዱዎ ናይ መሬት ግሃነ እሳት ብሓቂ ተማሒርካ ካብ ህግደፍ ዝለቐቕካ
እቲ ትማሊ ትማሊ….
ኩምራ መከራን ጸበባን….መግዛእቲ ክንኣሊ
ሓራ ሃገር ክንምስርት…..ክንወፍር ገድሊ
ሕልሚ ኔሩና’ዩ…
ሕልሚ ኔሩ’ና እወ….ኣማን ቅዱስ ሕልሚ
ክንዮ’ቲ ጸዋግ እዋን… ናይ መከራ ሰልሚ
ኣቲ ስርዓት እንታይ ግብሩ ትገብሪ__ ፈገግር ትሾሚ ጸለይትን ትኣስሪ እቲ ዝኣቶኽዮ ቃል ዘይትዝክሪ__ኣብ ልዕሊ መሳኪን ትንድሪ ሓቛቑኦም ኣስፊንክሉ በትሪ__ክሳውዶም ምስ ኣጉናድ ትጠምሪ ንኹሉ ግና ይርእዮ’ሎ ፈጣሪ። ክህውኹ ኣይተረኽቡ ክሰኽሩ__ክሰርቁ ኣይተታሕዙ ክኸትሩ ክዕምጹ ኣይተረኽቡ ወይ
ኣይፋልኪን መስከረም
ግደፊ ኣይንጣለም
ኣይነቐጸን’ቲ ቀለም
ብዓለም ተለሚኖም ዝሓንገዱ
ዘናኣእሱ ዘቛሽሹ ንዝምዕዱ
ብትምክሕቲ ዝሰኸሩ ዝዓበዱ
ጸረ-ሰላም ዉግእ ዘንበድብዱ
ኣቱም ዓዲ ገዲዱ ገዲዱ እንታይ’ዩ ጉዱ
ተገነን ኣቢሉዎ ጎብየ ሎምስ ፈጺሙ ዓቢዱ።
ኣንቱም ሰባት ካን ኣኺሉኩም!
ትሩፍ!
እዚኣ እያ ርእስኹም!
ካን እዚኣ ሞያኹም!
እዚኣ ልምድኹም ተመኵሮኹም?
እዚኣ ግብርኹም እዚኣያ ፍዳኹም?
እዚኣ ተመስገንኩም እዚኣያ ካሕሳኹም?
እዚኣ ናብራኹም፡ እዚኣያ ሃለዋትኩም?
ህግደፍ መርገም ስንቁ ካብ ደርጊ ዝገደደ
ንስኹም ምስ ኣተኹም ብዓል ዓንደመንደ
ብሰንክኹም ወረጃ ህዝቢ ተናዒቑ ተዋረደ
ጸሙ ኣሕዲርኩሞ ሕጻነ ትማል ዝተወልደ
ከይተጥቡዎ ጡባ ነጺፉ መስኪነይቲ አደ
ዙራ እሞ ንሃገርካ ንሓሶት ዕጥቅኻ ገርካ
ዓሚ ኣብ ዞባ ደቡብ ሎሚ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣
”ኣብዚ ዓመት እዚ ጸገም ዝበሃል ኣይክረአን እዩ” ዲኻ ዝበልካ፧
ደንጽይና እኮ፣ ካብ ናይ ዓሚ ፍሽለትካ ዘይምምሃርካ፣
ኣንቲ መለይ! በጃኺባ ስምዕዮ’ዚ ኣውያተይ
ቅ–ን–ጥ–ጥ! ኣብልለይ እዚ ዓጽሚ ዓይነይ!
ብርሃን ክርኢ ከም ዓለመይ
ካን ዓዊረ’ኳ’የ መይተ ብደወይ!
ኣዴታተይ ዕልል በላ
ይመጽከን ኣሎ ብሽኪን
ሓወልቱ ትኸላ….
ካብ ምህሮስ የእምሮ ቢሂል ኣለና
ምሳሌኡ ሓቂ ኣይንኽሕዶን ኢና
ዋላ ሓሶት ተወሓጀ የለን ዝፈላልየና
ብዘይካኹም ሓደዩ ትጽቢት ዕላማና
ንዓመታ ከምዚ እዋን
ጥመየት ዝበሃል የሎን ኢሉ….
ነቢ ሕንቓቐ….
ሃገረይ፣ ሰላም አብ ውሽጠይ አሕድርለይ ክንሳሕ ንዝፍጽሞ ባዕለይ ሸለውለው ከይብል ርግኣት ወስኽለይ፣ ሃገረይ፡ ናይ መወዳእታ ፈትኒ ጸሎት ግበርለይ ኣደ እየ’ሞ ከይሕለል ልበይ ወይ ደቀይ እንዳተገፍዑ ከይስዕስዕ አብ መቓብር ሰኣን ልበይ ጽቡቕ አለዉ ኢለ ከይብል ድምብርብር