Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

             

                ተጣቕዑ ዘለኹም ንዓማጺ ንቀታሊ

               ገለኹም ብግርህነት ገለኹም ብዕሊ

                ነባሪ ዝመስለኩም ህግደፋዊ ሓይሊ

                ረጊፉዩ ዘሎምስ ሓሪሩ ከም ቆጽሊ

                ናብ ሓቂ ተመለሱ ናየቦኹም ባህሊ

               ዕኑዳት አይትኾኑ ከም አድገበቕሊ


            ክቡር ህዝበይ ደቂ ዓበይቲ ደቂ ዎራዙት

            ኣይተረአን ድዩ ናብ ህዝቢ ዝወረደ መዓት

            ሃይባ ንጠርንፍ ንዕለዎ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት

            ብቑጠባ ንሕነቆ ንኾንኖ ንሓሶት ኣኽባታት

 እንተዝኾነለይ  !ሕልመይ  እንተዝኾነለይ፡ ዳኒኤል እንተዝነብረለይ ሕልሚ ንእስነተይሕልሚ መሳቶይ፡ሕልሚ ኣቦታተይሕልሚ ኣዴታተይሕልሚ ስዉኣተይ፡እንተዝኾነለይ ‘ወ እቲ ጥዑም ሕልሚ‘ታይ ነይሩኒ ዘተሓማሚ፡ ቀለመይ ዘድሚ!? ሕልመይ ኮይኑ እንተይኮኖ ንሕልመይ ናብ ደፋኒ ሕልሚ ኣይመወጣወጥኩን ኢደይምነኸስኩዎ፡ ምኸሰስኩ ነብሰይ፣እቲ ሰፊሕ ሕልሚ ዝወለዶ ጸላምብቐትሩ ‘ተጸፍየ ከይደቀሰ ኣዳምምስ ተሳእነ ልዋም ምስ ተቐብጸ ሰላምከይተጋህደ ህያው ነይሩ ከይረኸበ ጠላም፣ሰፊሕ

READ MORE

ኣቱም ሰባት! ኣብ ዘዘለናዮ መዓልቲ ንግበር ካልኣይ ቀብሪ

ምእንቲ’ዞም ንቡር ከይረኸቡ ዝሰፈሩ ትሕቲ ምድሪ

ወየ! ወየ! ንበል ከምቲ ባህሊ ኣቦታትና

ምእንቲ”ዞም ከም ዕንቊ ዝተሽርቡ ደቅና ኣሕዋትና

እንተኽኢልና ኣብ ቅርዓት ዓዲ ዓራት ኣንጺፍና

ወይ ብጽሞና ናይ ካልኦት ኣምሲልና  

ጌጋ መዓልቲ እንዲና ውዒልናታ! ደም ምንባዕኳ ክውሕደና!

ኣብ ዘሎካ አሊካ መክት ኤርትራዊ ብዕምቈት መርምሮ ናይ ወገንካ ግፍዒ ርኢካ ሰሚዕካ አይትበል እንድዒ ናብ ህግደፍ አይትስገድ  ናብ በላዒ።   ፈርካሽ ጃንዳ ህግደፍ ጻሕታሪ መከራ  ይበታትነን አሎ እንዳታት ኤርትራ  ብግቡእ ንረደአዮ ናይ ተንኰሎም ሽጣራ  ካብ ቦታ ናብ ቦታ

READ MORE

ኣይኮነን ኣንጉዕዩ፣
     ኣንጉዕ ሊቃውንቲ ተመራመርቲ
     ኣንጉዕ ተዋሳእቲ ተለሃይቲ
     ኣንጉዕ ኣባጽሕ ዘለልቲ
     ኣንጉዕ ተኮስቲ ሓምበስቲ
     ኣንጉዕ ቀያሕቲ ጸለምቲ
     ንታቦት 24 ግንቦት፡ ኣንሳፈፍቲ ተሰከምቲ።

ናጽነት፦ ድምጺ ሓፋሽ ስምዒ፤ ድምጺ ብጁዋትኪ፡

        ናብ ዕረ ተቀዪሩ፤ ጣዕሚ መቀረትኪ፡

        ፍሰሃ ጎዲልዎ፤ ኣብቲ በዓላትኪ፡

        ጋሻ ውሒድዎ፤ ኣብ ኩሉ ዳሳትኪ፡

        ስለምንታይ ኢልኪ፤ ሕተቲ ብቃላትኪ፡ ነቶም ናትኪ፧

ኣብ ክንዲ ሓልዮት ህዝቢ፡ ኣገልገልቲ ምልኪ
ኣብ ስደት ኾይንኹም፡ ደሓን ኣሎ ዓዲ
ብክልተ ካብ ሚእቲ፡ ቀዘፍቲ ሕጻዉንቲ
ኣበይ ድኣ ኣበለ፡ ወዮ እኹብ ቦንዲ
ሎሚስ በሪሁልኩም ዶ? ህግደፋዊ ስልቲ

ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ እንተኮይኑ ዕላማ
ስሙር ግንባር ፈጢርካ፡ ንህግደፍ ምህራማ
ክሳብ ምኣስ እዩ ድኣ፡ ብማዕዶ ቁዝማ
ኤርትራ ምስ ህዝባ፡ ከም ሎሚ እዃ ዘይሓሰማ
እንታይ ድኣ ጉደን፡ ንለዉጢ ዘይቐዳደማ
ሃገር እናተሓመሰት፡ ኣእዛነን ዘጽምማ