ረኣናዮ ብግብሪ ምዕሩግ ሰላማዊ ሰልፊ
ንህግደፍ ንምጉሓፉ ናብ ገደል ንጸድፊ
ውረድ ይኣኽለካ በልናዮ ንኢሱ. ቀጣፊ
ብደም ህዝቢ ዝሰኸረ ናይ ቅዝፈት ሓላፊ
ረኣናዮ ብግብሪ ምዕሩግ ሰላማዊ ሰልፊ
ንህግደፍ ንምጉሓፉ ናብ ገደል ንጸድፊ
ውረድ ይኣኽለካ በልናዮ ንኢሱ. ቀጣፊ
ብደም ህዝቢ ዝሰኸረ ናይ ቅዝፈት ሓላፊ
ካብ ንፋስ በረኻ ሽውሽውታ
ካብ ናቋ ኣራዊት ጫውጫውታ
ካብ ነጎዳ መድፍዕ ሂምሂምታ
ገሊህና ክንፈልዮ ድምጽኺ
ፈሪሕና ከይጎድል ቃል-ሕድርኺ
ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ
ተሳትፎ መንእሰይ ብሕልፊ
እምነኩርናዕ ወጽዓ ዝሰበሩ
ዓወትና ቀሪቡ ተበሰሩ፡
እቲ ተመን —-
ተመን’ወ አራዊት መሮር
መርዛም ክንሱ ርጉም ተንኮለኛ
ወየ! ወየ! ወየ! ኣኾይ ማዓረየ፡
ኣንታ ወደ’ስፍሃ መባቑሎ ስረ፡
ወየ ኣነ ወየ ኣነ ኢለ ከልቅሰሎም
ኣሕዋተይን ደቀይን ንኹሎም
ኣንታ አንታይ ወሰደኩም ንማኣከላይ ባሕሪ
አንታይ ገጠመኩም ለይቲዲዩ ነይሩ ቐትሪ
ኣንታ ምዉዳእ እንበር ኣብዩ ዚሽግርና?
ዝናር ፍትሒ ምዕጣቓ ሲኣና፡
ብስቓይ ብሓዘን ተረሚስና፡
ካብዚ ዝኸፍእከ እንታይ ኮን ክንሪኢ ኢና።?
ጽንዓት ይሃብኩም ጽንዓት ይሃበና
ድርብ ሓዘን ኮይኑ እንደገና
ናይ ሓደ ዘይኮነስ ናይ ኩልና
ኣይኮነን ወላዲት እታ ጨካን ሓዚና
መጀመርያ ኣይኮነን ሃሊቁ ህዝብና
ዘየደቅስ ዘሎዎ ሕልና።
ክረምቲ ይሓልፍ ይትካእ ብቐውዒ
ሕብሮም ይቕይሩ ኣቑጽልቲ ምስ ለምዒ
ዕምባባ ክፈሪ ይረግፍ ጠጥዒ
መስርሕ ናይ ምዕባለ ንቡር ቅጥዒ
ንውርሻ ንርስቲ ዋሕስ-ጸግዒ።
ኣሞይ ቅጭን እምበር ሰንከልከል ኢላ
ዊስኪ ኣይኮነን “black label” ከም ኣመላ
እንታይ እዩ እዋኑ እንታይ’ዩ ዘበኑ
ንገለ ንግደት ንገለ ንድየት ኮይኑ፡
ኣያኺ ኣይስማዕ – ኣንቲ ሕንጢት ጓለይ
ኣብሻይካ ኣይትስማዕ – ኣንታ ዕሸል ወደይ
ኣዴኻ ኣይትርአ – ኣንታ ወዲ ዓደይ
ኣቦኺ ኣይርአ – ኣንቲ ጓል ሩባይ
ኣንቱም መሳሰይቲ ከንቱ ኣይትድከሙ
ወዲኡ’ዩ ህግደፍ ከቢዱ ሕማሙ
ፋሲካ ክኸውን ክሰዓር’ዩ ጾሙ….
ኣብ 21 ክፍለ ዘመን እንተሎ ዝዕሹ
እሞ ኮምፒተር ተተርኢሶም ዝድቅሱ
ኣብ ጫካ ዝነብሩ ብ10.ኢድ ይሕሹ
ብዘይካ ምምእራር ካልእ ዘይፈላፈሱ
ከም ብዓል ማንኪ ዘይብሎም ዝሕሱ
ክተት መንእሰይ ታሰዓት ኣኺላ
ካብ ስሩ ክመሖ ዚናይ ታሪኽ ሓተላ
ታወርቃዊት ዕድልና እሱ ክጻወተላ
ኣይትልቀቆ ሎሚ መሰረቱ ፈንቅላ
ኣንቲ ትርቡሊ እንታ’እኺ ትብሊ
ሕጂ’ውን ወተሃደር ክትምልምሊ፣
ወይለከ ዕብዳን!
ወይለከ ሽሕጣን!
እቲ ቐደም ዘመን ሙሶሊኒ
ድምጺ ሓፋሽ ነይሩ ስማ
ሓፋሽ ከተገልግል ከም ቀደማ
ብዓጽመ ደም ሓፋሽ እያ ቆይማ
ካብ ዘመነ ኢኒ ኢኒ ናይ ኣቦታት ርስቲ
ቅርሲ ናይ ሃገርና ናይ ቀደም ሓወልቲ
ዘውዳዊ ኣኽሊላ ጽኑዕ ቃል ኪዳና
ማናዊ ብሓቂ ወርቃዊት ህድሞና
ኣባይ ወዲ መረብ
ዝብላዕ’ስኪ ተዛረብ
ኣይውዳእን’ዩ’ቲ መረቕ።
ንምክልኻል ሕይልታት ተጸግዕዎ
ናይ ለውጢ ሓይሊ ክከውን ሕተትዎ
ንለውጢ እጃሙ ከበርክት ኣባራትዕዎ
ታሓባቢርኩም ንህዝቢ ክተድሕንዎ
ሽሕ ኪሎመተር ብሓደ ክትዓምዎ
ለውጢ ክራጋገጽ ህዝብና ክርህዎ።
ወይ ዕንዱ ኣብ ማእከል ዓዱ
ኣብ ቅርዓቱ ኣብ ዓውዱ፣
ብዕሸሉ!
ካብ ንህቢ ዘይብሉ ቆፎ ማዓር ክበልዑ ዝብርብሩ
ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ
ኣለዉና ዑቑራት ሙሁራን ሊቃወንቲ
ይቀላቐሉ ኣለዉ ቀስብቐስ በብሓንቲ
ድሕሪ ሃገራዊ ዋዕላ ብርኽቲ መዓልቲ
ታሪኻዊት ዓመት ሓናፊጽኪ ተቓለስቲ
ኣኪብክና ብኣላዝቦ ክንመክር ክንዝቲ።
ሓራም ኮይና ሰላም ህግደፍ ከይተጸጸ
ሃብታም ባህሊ ኣሎና ፡ክልተ ኣርእስቲ ዛሓዘት ግጥሚ,
ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ።
ርሑስ ዓመት እንዳባ ብዂሉ
በዚ ቦኽሪ ዓመት እንትልመሉ
ራህዋ ንህዝብና አብ ዘሎ ይሃሉ
ዘበነ ለውጢ ንኽኾነልና አብየት በሉ
ውርደትን ሕፍረትን ንህዝቢ ዝበደሉ።
ሓላይ መሲልካ ንነገር ምጽሕታር
ኣበቲ ሓደ ጸኒሕካ ኣብቲ ሓደ ምንጣር
ጸለመታት በዚሑ ኣበ ፓልቶካት ምግዓር
ኣብ መበል 21 ቲ’ ምዕቡል ዘመን
ኩቡዖ ዓለምና ብወዲ ሰብ ክውነን
ኣህዛብ ዓለም ንህዋ ክውንጨፉ
ኣይገርምን’ዶ ኤርትራውያን ብሕዋቶም ክጭፍጨፉ።
መን’ዩ እቲ ኤርትራዊ
ጼጥሮስ። ማማድ ሓሚድ። ሸሪፎ’ዶ
ወይስ ኢሰያስ መርዓዊ፣
ጀጋኑ ከፊለ ሃገር ንኽስልም
ማልሰይ ዶ ኮይኑ እዚ ሓደ ሳንቲም
ኣሽሓት ከፊለ ሃገር ንኽትህብትም
ጸርፊ ተሸሪፉ በብሓደ ሳንቲም
ብስምባደ’ምበር ማይ ኮንና
ምሳና ከሎ ልብና! ህዝቢ ሓደ-ልቢ ዝብሉ ዝተሰለበ መሲሉና
ብጻይ ደርጊ ክህቦ ናቱ
ብማዕጾ ወጺኡ ብመስኮት ዝኣቱ
ኣጉል ትምክሕተኛ ግፍዒ ተግባራቱ
ኣሞራ ይብልዓኒ፣ ከይትኸድኑኒ ሓመድ
ውቅያኖስ ደርብዩኒ፣ ሕነቑኒ ብገመድ
ኣይደልዮን ቀሺ በላይ ይትረፍ ሸኽ መሓመድ
ከመይ’ላ ከሪማ ሓትነይ ብሪ
ዘረብኣ መቀያየሚ መቃሓሓሪ
ቃላታ ናይ ሰብ ጓሶት ናይ ሰብ በትሪ
ኣካለ ስንኩላን ኣይትብል ሰብ እግሪ
ንዝተቓወማ ብጥይት ትኣሪ
ከም ዘየኽበርናያ ከም ልዑል ፈጣሪ
ሎሚካ ፈኾሰት ከም ታኒካ ባሕሪ።
ዓለባ-ልቢ!
ዝተወልደ ክዓቢ
ክኽደን ጋቢ
ክማሙቕ’ሞ ክገብር ቀልቢ
እዋኑ ክፈልጥ ዕድሉ ክናቢ፣
ዝቐሓረ ከብዲ
እንተረኽበ ዓለባልቢ፣
ጥዕምቲዶ ክብለኪ ምቅርቲ
ለጋስዶ ክብለኪ ሕያወይቲ
ምልክዕቲዶ ክብለኪ ጽብቕቲ
ትሕዝቶኺ ልዕሊ ገንዘብ ርእሺ ሃብቲ።
ሓቃ እንድያ’ዛ ኤርትራና: ከመይ ኢላ ክትቀስን
ገለ ዲክታቶር ገለን ወዳሲ ዲክታቶር ይኸውን
ልባ ኣርጊኣ እፎይ እፎይ’ላ ከይትቀስን
ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ደሚቓ ከይትስስን
ብዓል ዘሪጋ ብሒቶማ ኮይና ምናምን።
አለኻ ወ ኣለኻ ኣለና ከም ሽሙ
ድሃይካ ሰሚዑ ዓለም ብዓለሙ
ታሪኹ ሰሚዑ ታሪኽ ዝተጠልሙ
ታሪኽ አርትራና ስጉሚ’ዩ ሃብቲሙ
ፍረ ናይ ጻዕርኻ ወርቂ’ዩ ቀለሙ