Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንገዲ ገበነኛታት ህበይን ጸድፍን ምዃኑ ቁሩብ ከውክእ ምፈተኹ፣ ነዚ መንገድ’ዚ ተጠንቂቕና ንሓልፎ ኣለና እናበሉ፡ ሓደ መዓልቲ ተደፋፊኦም ንገደሎም ሸለው ይበሉ፣ ምስ ገበነኛታት ክጸድፍ’የ ግደፉ ኣይትሓዙኒ፡ ዝብሉ ከም ኣቶ ቀለታ ኪዳነ ዝኣመሰሉ ምርኡያት “ወራዙት ማዕዶ” ካብ ዘይተሳእኑ ግን፡ “ሓጹር ኣድሪ ኣይኸልክሎም” እብሎም።

ፈጺሙ ዘይርሳዕ ጸገም እዩ ዘለዎ። እቲ ብሕልሚ ዝረኣዮ መጠን ነብሱ ኣዝዩ ደርማስ፡ ብግብሪ ኣዝዩ ንኡስ ኮይኑ፡ ብዓድን ብግዳምን ፈጺሙ ዘየስምዕ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ ምህላዉ እዩ ሕሰም ሕርቃኑ። እንተኾነ ሕርቃኑ ምስ ነብሱ ክኸውን ኣለዎ። መብጽዕኡን ህዝቡን እንተዘኽብር ሕልሙ ምግሃድ ኣይምኣበዮን። ህዝብኻ ምንዓቕን መብጽዓኻ ምጥላምን ግን የግዲ ሕልሚ ይገብረካ እዩ። ሕልሚ ስለዝኾነ ኸኣ እዩ ኣመና ንኢሱ ብሕርቃን ዝፍሓስ ዘሎ። መስጣ ሃገርን ህዝብን።

ብ23 ሰነ ኣብ ገምገም ባሕሪ ህንዲ ደንደን ተባህለት ናይ ኤርትራ መርከብ ጠሊቓ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ምስ ኣንበብና ብዙሕ ጕሂና። መጀምርታ ሃለዋት ናይቶም ባሕረኛታትና ደሓር ድማ እታ ንብረት ናይ ኤርትራ ከንቱ ምጥፍኣ ተሰሚዑና።

እቲ ዝገርም፡ በቲ ሓደ ባይቶ ጸጥታ ዝብሃል የልቦን፡ “ኣመሪካ ባዕላ ውሳኔ ኣሕሊፋ፡ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ኣፍሪሳ፡ ንልኡኽ ዓቃብ ሰላም ትርጉም ኣልቦ ገይራቶ” እናተባህለ፡ “ተሓታቲት ኣመሪካ እያ” ኢልካ ምፍካር እዩ። ነታ ባይቶ ጸጥታ መሊኻ ድላያ ዝገበረት ኣመሪካ ደኣ ኸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣበየናይ ወንበር ተሰቒሉ እዩ ብሕቶ ከረኻኽበላ?