According to information coming out of the detention centers in Libya, taking advantage of the festive mood in the west, the Eritrean embassy there has been visiting several prisons in the country, with the aim of picking up “selected individuals” in its “wanted list”.
SMILING and signing autographs in the hospitality tent in Holyrood Park after the World Cross Country Championships in Edinburgh last year, the team of athletes representing Eritrea gave no indication of the dangerous action they were about to take.
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ደቅኻ ህይወቶም ከይበቐቑ ስሌኻ ስለዝሓለፉ፡ ልብኻ ኣይተጠራጠረን። ሳላ ደቕኻ ንዝተረፉ ወፋሮ ኸኣ ‘ኩሎም ሓደ’ ኢልካ ኣማኒ ልብኻ መኒንካሎም። ተገሪህካ ‘ምበር ኣይተጋገኻን። ፍንጫሕ ሞት፡ መብጽዓ በጅኡ ሓይልዩ ህይወት ክዘርእ ‘ምበር ህይወት ክምሑ ዘይምጽባይካ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሓጥእ ሲ እቲ ገርሂ ልብኻ መታቲሩ ዝበልዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 12 ዓመታት ደመ-ሕልናኡ ዝተጸንቀቖ፡ ሕጂ ድማ ግዜ ዝጽንቀቖ ዘሎ፡ ስስዐ ስልጣን ዘዕበድበዶ ስርዓት እዩ።
ንኹሉኹም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ስደት ዘለኹም ወይ ‘ውን ንኽትስደዱ ኣብ ባሕርታት ሜዲተራንያን፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን፡ ኣብ ጫካታት ደቡብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ጉዕዞኹም ትቕጽሉ ዘለኹም ወይውን ኣብ እስርቤትን ጸልማትን ህግደፍ ተዳጉንኩም ፍትሒ ንኽትረኽቡ ሃንቀው ትብሉ ዘለኩም ኩቡራት ደቂዛ ብኹቡር ዋጋ ዝመጸት ሃገር ንሕና ኣባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (Eritrean Youth for Change, EYC) ርሑስ ሐድሽ ዓመት እንዳበልና መጻኢ ዓመት፡ ዓመት ሰላምን ራህዋን ንክኾነልና ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።
እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !
መሪሕ ኣብራሃም ዝተባህለት ኣብ ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት ዝምቕማጣ ኣደ ክልተ ቆልዑ ኤርትራዊት መንእሰይ፡ ኣብ ድሮ ብዓል ልደት 24 ታሕሳስ ኣብ ምድቃሳ ላሕኵ ጋዝ ብዘስዓቦ ምምራዝ ኣየር ሳልሳይ ርእሳ ብሓደጋ ጋዝ ከምዝዓረፈት፡ ምንጭታት ካብ ፍራንክፈርት ሓቢሮም። 
ህዝቢ ኤርትራ፡ ሒደት መዳርግቲ ዘለዎ ጅግንነት ፈጺሙ ነቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ነጻነት ሃገሩ ብኸቢድ መስዋእቲ ምስ ኣረጋገጾ፡ ንሒደት ዓመታት ጥራይ እዩ ኣስተንፊሱ። ናጽነት፡ መወዳእታ ብረታዊ ቓልሲ ብምንባራ፡ ሩፍታ ’ኳ እንተሰመዖ፡ መበገሲ ናይ ሓደ ደረት ዘይብሉ ናይ ምዕባለን ስልጣኔን ሓድሽ ጉዕዞ ምዃና ‘ውን ስለዝተገንዘበ፡ ብኡ ንብኡ ናብ መጻኢኡ ምቁማት ኣየቋረጸን።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ አብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኸነ ማዕቀብ ኢዩ ዝርከብ። ቅድሚ ናጽነት ከም ሃብታማት ዝቑጸሩ ዝነበሩ ሰባት ናብ ፍጽም ድኽነት ከምኡ ድማ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ አብ ድኽነት ዝነበረ ናብ ፍጹም በተኽ ክምዝተቐየር ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብስርዓት ህግደፍ ዝኸተሎ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ አብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ናይ ውድቀት ደረጃ በጺሕና አለና።
TORONTO, Dec 24 (Reuters) – Nevsun Resources (NSU.TO) insisted on Thursday its Bisha gold project in Eritrea would proceed as planned despite United Nations sanctions against the African country.