ህዝብና ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘጋጠመ ደረት ኣልቦ ቅዝፈት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መሪር ሓዘን ይርከብ። ሞት ናይዞም ኣስታት 400 ኤርትራውያን ዕሸላት ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራውን ንማሕበረሰብ ዓለምን ኣስካሕኪሕዎን ኣንቀጥቂትዎን እዩ። እህህ ኢልና ኣምሪርና ሓዚና እኳ እንተኾንና እቲ ጓሂ ግና ክወጽኣልና ኣይከኣለን።

ዓሚ ከምዚ ሎሚ ሕር ሕራይ ጌርና ጸፊዕናዮ ሸውዓተ ሸይጣን ስጋብ ዝረኣዮ። ንመን? ንመን ደኣ ነቲ ብጎረባብቲ ሃገራት፡ ብው.ሓ.ኣ.፡ ብው.ሕ.ሃ. ብምዕራባውያን ሃገራት፡ ብሃገራት ዓረብ ኮታ ነቲ ዓለም ብዓለማ ትጸልኦ ስርዓት ህግደፍ እምበር ንመን ደኣ።
ከቦሮ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ብሓዳስ ከቦሮ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተተኪኣ። ናብቲ ገፊሕ ዳስ ዘተን ምርድዳእን ዋዕላን፡ ገጻ እትመርሕ ከቦሮ መንእሰይ፡ “ንዑ ኩሉኹም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ በዚ’ዩ መንገዱ ሰዓቡኒ ተጸንበሩ ተዛተዩ!” ክትብል ኣምስያ።
ብዕለት 10/16/2010 ኣብ ኦክላንድ ብኣባላት ሃገራዊት ኮሚሽን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 25 ዝኣባላት ቦርድ ከም ከምእተመርጸ ይዝከር። እዚ ቦርድ እዚ፡ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ዝብል መጸዋዕታ ተዋሂብዎ፡ ብዕለት10/24/10 ተኣኪቡ ነብሱ ክሰርዕ ውዒሉ።
ክቡራትን ክቡራንን ነበርቲ በይ-ኤያን ከባቢኡን ብመጀመርያ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነመሓላልፍ።
ክቡራትን ክቡራንን ነበርቲ በይ-ኤያን ከባቢኡን ብመጀመርያ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነመሓላልፍ። ኣስዒብና ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ህዝባዊ ጸዋዒትና ኣኽቢርኩም ኣብ ኦክላንድ በይ-ኤርያ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ኣድራሻን ዕለትን ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ኣኼባ ንክትርከቡ ብኽብሪ ንጽውዕ።
ኣብ ኦኩላንድ ካሊፈርነያ ንምዕዋት መስርሕ ዋዕላ ንዲመኩራስያዊ ለውጢ ብዕለት 5/6/2010 ተኻይዱ ኣብዚ ኣኬባዚ ብግዳይ ህዝብን ሃገርን ዝሕለቁ ተሳተፍቲ ኣኼባ ሃናጺ ንዋዕላ ዘዕውት ሓሳብን ምኽርን ለበዋን ሒዞም ናብ ኣኼባ ተሳቲፎም ኣኼባ መስርሕ ናይ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መኽፈቲ ዝኽረ ሰማእታት ናይ ሕልና ጾሎት ተከፊቱ።
ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞራስያዊ ለውጢ ዓወት እምበር ካልእ ዘይሕፈሶ፡ ወሳኒ እምነ-መሰረት ደሞክርሳዊት ኤርትራ እዩ፡ ካብ ዝብል እምነትን ዕግበትን ተበጊስና እነሆና ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን እንነብር ጉዱሳት ኤርትራዉያን ነዚ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕድም።
ኹቡራት ኣንበብቲ ኣርእስቲ ናይዛ ስነ-ጽሑፍ ከም እተንብብዎ፡ ነዚ አብ’ዚ እንነብረሉ ከባቢ በይ ኤርያ (Bay Area) ብፍላይ ከአ ሳን-ሆዘ (San Jose) ካብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ንጥፈታት ሓበሬታ ንመሃብ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። እንተ ኾነ ግን እሞ ኣብ ሳን-ሆዘ እትፈጸመ ፍጻመ ነዓና ዘገድሰና አይኮነን ብምባል ሸለል ኢልኩም ጎሲኹሞ ከይትሓልፉ ሓደራ ንብለኩም፡ ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ፍጻመ ብዘይ ምግናን ሎሚ ኣብ ኩለን እተን ኤርትራዊ ዝቕመጠለን ከተማታት ኤውሮጳ ኮነ ኣሜሪካ ዝፍጸም ዘሎ ኩውንነት ስለ ዝኾነ ኢዩ።
እዚ ንድምጽና ድምጺ ውጽዓት ዝኾነት ድምጺ ኣሰና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ ብዓቕምና ኣበርክቶና ከነወፊ የዕሩኽቲ ኣሰና ተዳሊና ንርከብ። ነዚ ቁዱስ ሃገራዊ ዕላማ ሸትኡ ንኽወቅዕ ኩሉኹም ፈተውቲ ሀገርን ህዝብን ኤርትራ እጃምኩም ከተወፍዩን ንኣሰና ናብ ንቡር ሂወታ ኣብ ምምላስ ተራኹም ንኽትጻወቱ ንሕና የዕሩኽቲ ኣሰና ብኽብሪ ንዕድመኩም።
እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ሓጎስ ኮነ ሽግር ብሓድነትን ምትሕብባርን ክነብር ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ከም መርኣያ ናይዚ ሰናይ ትምኒት ‘ዚ ንሓድሽ ዓመት 2010 ኩሉና ኤርትራውያን ብሓባር ክንጽምብሎ ምእንቲ ሁቡባት ሙዚቀኛታትን ድምጻውያንን ብምዳም ዓቢ ለይታዊ ትልሂት ንድሮ ሓድሽ ዓመት ኣዳልዩ ‘ሎ።

መራኸቢ ብዙሃን የልምዕ መራከቢ ብዙሃን ድማ የጥፍእ። ክንዲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ሚዛናዊን ሓቀኛን ኪኸውን ይግባእ።እንተኾነ ብዙሓት ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ምዕባለ ተጠቒሞም ሕሱር ፕሮፖጋንዳ የካይዱ። ካብ ኩሉ ዘስደመም ድማ ብኣፎም ጸፍ ዝብሉ ወይ ብኻልኦት ዝወራዘዩ ምዃኖም ኢዩ።ገለ ዉሑድ ካብቲ ብዙሕ ከም ኣብነት ክጠቅስ።