ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም 3 ደቅንስትዮ ዝርከባኦም 12 ኤርትራውያን ካብ 2-17 ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ግብጺ ክሳቐዪ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ዮም ብ 3 መስከረም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡ እቶም 7 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝነበሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም 3 ደቅንስትዮ ዝርከባኦም 12 ኤርትራውያን ካብ 2-17 ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ግብጺ ክሳቐዪ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ዮም ብ 3 መስከረም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡ እቶም 7 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝነበሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓዲ ገፊፉ ብ13 መካይን ናብ ከባቢ ሽዕብ ብምግዓዝ ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ንኽልተ ሰሙን ዝኣሰሮም 270 ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ድሕሪ ሓያለ ምክልባት ከምዝተፈትሑ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክካታተሎ ዝቐነየ ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ተወላዲ ናይታ ዓዲ ምስ ኣሰና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣቦ ወንበሩ ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ንዘቕረቦ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ከምዝተከኦ ሎሚ 9 ሚያዝያ 2009 ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣ መግለጺ ሓቢሩ።
ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ማልታ ብምጕሳይ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም 250 ስደተኛታት ኣብ ላምፐድሳ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ታይምስ ዝተባህለ ናይ ማልታ ጋዜጣ ሓቢሩ።
ሎሚ ዘበን ጽቡቕ ክራማት እንተዘይተረኺቡ። “ እታ ምእንቲ ‘ርእስኻ ምኽኣል’ ክትብል ረዲኤት መግቢ ኣጕዲላቶ ዝጸንሐት ንድርቂ ዝተቓልዐት ኤርትራ ናይ ወጻኢ ረዲኤት ከድልያ እዩ” ክብል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘጠንቀቐ፡ ሎሚ 22 ሰነ ሮይተርስ ካብ ኣስመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ኤርትራ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ብምኽፋት 23 ገፈፍቲ ዓሳ ምስሪ ከምዝሓዙ ሮይተርስ ሎሚ 08 ሰነ ካብ መትረብ ስዌጽ (ምስሪ) ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዓዪ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኢዮብ ከሰተ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይ ሱርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ከቢድ ስግኣት ከምዝስምዖ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ 6 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።