https://www.youtube.com/watch?v=YUXX7PNLlP8
https://www.youtube.com/watch?v=YUXX7PNLlP8
ካልኣይ ግዜ ክንስረቅ፡ ቤትና ንሰራቂ ክንከፍተሉ የብልናን ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ልዕሊ’ቶም ጸላእትና እንብሎምን ንህዝብና ንዓመታት ዘድመዩ፡ ንብረቱ ዝዘመቱ፡ ክብረትና ዝቀንጠጡን መንነትና ክሓኩ ዝጸዓሩን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዘሎ ዝያዳ ብተግባር ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ብልጽግናን
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እወ ልክዕ ከምኡ ኪኸዉን እዩ፡ ምሩኻት እቲ ጅግና ኺምለሱ እዮም፡ ምርኮ እቲ ጨኳኒ ኸኣ ኺምለስ እዩ። ኣነ ኸኣ ንመጻርርትኺ ኽጻረሮም፡ ንደቅኺ`ዉን ከድሕኖም እየ ትንቢት ኢሳይያስ 49: 25። መልእኽቲ ናብ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገር
እቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተሸጉጡ ዝርከብ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፡ መብዛሕትኦም እሙናት ደገፍቱን ኮራኹሩንን ኢሉ ንዝሓሰቦም፡ ብትእዛዙ ካብቲ ንስንኲላን ሓርበኛታት ተባሂሉ ዝተሰርሐ ገዛውቲ ዝሃቦም ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ጸዊዑ ዕጹው ምስጢራዊ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ተፈሊጡ። ንሱ፡ ካብ ህዝቢ ተነጺሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብሰንኪ ቄናን መምርሒኡ ኣብ ዝሓለፈ 27
ቀደም ዘመን ኢዩ። ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ ጎቦ ተደኲና ነበረት’ሞ ብመጓሰን ማሕረስን ዝናበሩ ህዝቢ ይቕመጥዋ ነበሩ። ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ፡ ጓሶት ደቂ እታ ዓዲ ሓደ ብሓደ ጥሪቶም ኣብ በረኻ ይጠፍኣ ከም ዘለዋ ክዛረቡ ጀመሩ። ጥፍኣት ናይ’ተን ጥሪት ግን ደው ኣይበለን። እኳ ደኣ
ታሪኽ ከም ዝሕብረና ብ 490 ቅ.ል.ክርስቶስ (490 B.C.) ንወረራ ፈሪሳውያን ኣብ ምክልኻል ኣብ ዝተገብረ ኲናት ኣተናውያን (Athenians) ንዘመዝገብዎ ዓወት ንኸበስር ፊዲፒደስ (Pheidippides) ካብ ከባቢ ማራቶን ናብ ኣተንያ ን 25 ማይልስ (25 miles) ድሕሪ መጒያይ ብድኻም ላህሊሁ ዝዓረፈሉ ናይ ጅግነት ተዘክሮ ኢዩ። ስለዚ ዓወታት’ውን ይትረፍ ኣብ ውግእ
ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፡ ነቲ ናይ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ናይ ምውራዱ ዜና ብ ቀጥታ ብቴለቭዥን ኣረጋጊጹዎ። ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ሱዳን ህጹጽ ኣዋጅ ተኣዊጁ ኣሎ። ህዝቢ ሱዳን፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ወሪዱ ዝብል ወረ ድሕሪ ምስምዑ ኣቐዲሙ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ሓጎሱ ክገልጽ ከሎ ዘርኢ ናይዚ ሰዓት `ዚ
ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና - ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 09/04/2019 2ይ ክፋል ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ - ኤርትራ ናትና ናይቶም ብዙሓት ንጹሃን ደቃ እምበር፡ ናይቶም ቀጻልነት ስልጣኖም ክብ ዝተበተነ ህዝብን ድንስቲ ሃገርን ዝጽበዩ ጉጅለ ገበነኛታት ከም ዘይኮነት ኢየ ከብርህ
ሰላም ኣሕዋት። ስላም ብተኽሊትን ነዊሕ ጉዕዞን ትከላበት ዘለኻ ሰራዊት። እስከ ንተሓታተት። ህዝብና እንታይ ክሳብ ዝኸውን ኢና ንጽበ ዘለና? ኢሳያስ ንህዝብና የጥፍኦ ከም ዘሎ ዘይርዳእ ኤርትራዊ ኣሎ ድዩ ሎሚ? ሎሚኮ ኢሳያስ ህዝብና፡ ንስሙ ናጽነት ጨቢጠ እናበለ ህይወትካ’ውን ኣብ ኢደይ ኢያ ዘላ!’ ኢዩ ዝብሎ ዘሎ! እዛ ሃገርና!
ብ ዓርቢ፡ ዕለት 5 ሚያዝያ 2019፡ ኣገዳሲ ምልክታ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ናይ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ማሕተምን ፌርማን ዘለዎ፡ ብዙሕ ሰብ ርእዩዎ ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ግን ኩሉ ተቐሊጡ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከም እተሳሕበ፡ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሰነድ ኣረጋጊጹ። ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ ምስናይ ጭብጡ ነዚ ይመስል፡ እቲ ተኣፋፊ ሰነድ
ንሕና እንተሰሚርና ንመሰልናን መሬትናን መሃንዚት ዝብለና የለን ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ደረጃ መነባብሮ፡ ኣቃውማን ጥርናፈን ስድራቤታት ኤርትራ ስጡምን ነብሱ ዝመርሕን ስለዝነበረ ምስዚ ኣኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ዝተዘርገ ኩነታት ብምንጽጻር ፍልልዩ ስማይን መሬትን እንተተባህለ ምግናን ኣይመስለንን። ሎሚ፡ ወለዲ ደቆም ሓቁፎምን ብደቆምን ደቂ-ደቆምን ተኸበቢቦምን ኣብ ሓንቲ መኣዲ ዝምገቡ፡ ኣብ
ሰ0ሚዕኩምዶ ወረ - እታ ኣረጊት ጃልባ ሰዓብቲ ጺዒና - ናይ ሩሑቅ ቀረባ ኣብ’ቲ ምዉት ቃላይ - ኣድሕኑ ጠሊባ ዝመረሮ ህዝቢ - ብኣ ዝሓጎለ ደሓን ኩኒ ኢልዋ - ካብኡ እንክትፍለ ካፒተን ኢሰያስ - ዓቅሉ ምስ ጸበቦ ንኣቢይ ጸዊዑ - መፍትሕ ከረክቦ ዘገርም እኮ’ዩ - ክትሰምዖ ዘሕፍር ኢሰያስን ጉንዲ - ህዝቢ ግን ጨናፍር ናይ’ቲ ኣቢይ ከኣ
ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም መጺሐት ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኣቃሊዑ። ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም ዠን ኣፍሪክ ዝተባህለት መጺሐት፡ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኣቃሊዑ። ብጋዜጠኛ `ታ መጺሐት፡ `ፕረዚደንት ኤማንወል ማክሮን፡
ኣብ ከተማና ላስ ቬጋስ (Vegas) ኩላትና እቶም ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ስርዓት ክነግስ እንደሊ ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ እዋናዊ ናይ ይኣክል ንምልኪ ሕቡር መልእኽትና ከነስምዕ ስለዝኾና፡ ንሓሙስ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ፡ ሰዓት 6:30 ኣጋምሸት፡ ኣብ Eritrean American Community Center ተረኺብኩም ብተሳትፎኹም ነቲ ሃገራዊ ኣጋጣሚ ከተዕዝዙዎ ብኽብሪ
ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ ብ ገ.ወልደሚካኤል ብሓፈሻ፡ ንኩሉ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብደረጃ ምዕባለ ሃገሩ፡ ብዝሑን ዓይነቱን ይፈላለ ድኣእምበር፡ ብዙሓት ጸላእቲ ኣለውዎ። ካብቶም ብቐዳምነት ክስርዑ ዝኹእሉ ጸላእቲ፡ ብምዕባለ ለጠቕ ንዝበለት ሃገር፡ ከም ድንቁርናን ድኽነትን፡ ናይ ጥዕና ጉድለትን ጥሜትን ክጥቀሱ ይክኣል። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ናይ ተፍጥሮ ተጻባእቲ፡ ከም ዋሕዲ ዝናብ
ዕንደራ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን። እቲ ብዑሱብ ኣምባሳደር የውሃንስ ተክለሚካኤል ዝምራሕ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጁባ፡ ኤርትራውያን ካብ ምዝራፍን ምስላይን ሓሊፉ፡ ዉልቃዊ ሃብቲ ዘኻዕብተሉ መንገዲታት ሃሰው ናይ ምባል መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተራእየ ሓሸውየ ናይ ምዕዳግ ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ
ሓደራ ኤርትራውያን፡ ኣብ ልጓም ዘይብላ ሰረገላ ኣይትሰቀሉ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝምራሕ፡ ኣብ ተጋደልትን ኣብ ህዝብን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሰውራን መግዛእቲ ኢትዮጵያን፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ኣሎ ክብሃል እንከሎ፡ ንኽንሳተፍ ልዑል ሃንቀውታ ነሕድር ኔርና። ወዮ ድኣ ኣብቲ እዋን’ቲ ገንዘብን ሃብትን
ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና - ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 1ይ ክፋል 04/04/2019 “ኤርትራ ናይ መን ትኹን”? ዝብል ሕቶ ምሕታት ቀሊል ይመስል ይኸውን። ቀሊል መልሱ’ውን “ናይ ኤርትራውያን” ዝብል ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ናይ ኣየኖት ኤርትራውያን? ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ
መትከል ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ ዘይሳነ ኣብ ወረቐት ዘሎ ፖሊሲን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ዝምልከት ክልተ ርእሰ ኣንቀጻት ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ: `ሃናጽን ንጡፍን ጽምዶ ንዞባዊ ርግኣትን ዕብየትን` ዝብል ንሓፈሻዊ መርገጺ`ቲ መንግስቲ ከነጽር ዝፍትን ኮይኑ፡ ትሕዝቶኡ ዞባዊ ጸጥታን ሰላምን
መእረምታ ምቕያር ምእከቢ ኣዳራሽ ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 07 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 02:00 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ሃገናን ክንዛተን ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን ንሕና ከም
ሽማግለ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ፖርትላንድ ኦረገን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ደገፍትን ዘይደፍትን ከይተብሃሃልና ሃገርና ንምድሓን ብሓድነት ይኣክል ኢሎም ። እዚ ካብ ነብስናን ንጀምር በብከተምኡ ንወደብ ብንቅሓት ይብሉ ተሳተፊ ። ህላወ ሃገር እንተ ድኣ ተዓቂቡ ኩሎም ውልቃዊ መሰላትና ክኽበሩ እዮም ፣ ሃይማኖታትናን ይኹን ካልእ መሰለትና ክዕቀብ
መጸዋዕታ ኣኼባ ንኹሎም ኤርትራውያን ነበርቲ ኒው-ዮርክ፡ ኒው-ጀርሲን ከነቲከትን፡ ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኒውዮርክን ከባቢኡን ኣብ 2013 ተመስሪቱ ብዙሕ ዝናኣድ ስራሓት እኳ ኣቃኒዑ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንጥፈታቱ ካብ ትጽቢት ንታሕቲ’ዩ ዘሎ። ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዳግማይ ተንሲእና፡ ደገፍትን ዘይደፍትን ከይተብሃሃልና ሃገርና ንምድሓን ብሓድነት ክንሰርሕ
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት 5 ጀላቡ ኤርትራውያን ዓፈር ብደብዳብ ነፈርቲ ናይታ ኣብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ደኲናት ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድሕሪ ምዕናወን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምእተጎድኡ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ኣብዚ እዋን`ዚ ደቡባዊ ቀይሕባሕሪ ገማግም ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዘሎ ዝሓበሩ
ዶር. ገብረ ገብረማሪያም “ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕላና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ” ዝብል ኣምር ሰፊሕ፣ ዓሚቕን ኣገዳስን ዋላ’ኳ ይኹን’ምበር፡ ናይዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ዓላማ ብዛዕብኡ ትንታነ ንምቕራብ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ንኣንበብቲ ክሕብር ይደሊ። ኣብ ሞንጎ “ልዕልና-ሕጊን” “ልዕልና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብን” ዓሚቕ ፍልልያት ከምዘሎን፡ ነዚ ፍልልያት ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳን፡ ወይ’ውን ብፍላጥን ብዓሎቕን መሪሕነት
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዩክረይን ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ተሓሲቡ ዝነበረ 36 ስርሓት ራሻ ናይ ጸረ ኣየር ሚሳይላት ብሰበሰልጣን ዩክረይን ከም እተታሕዘ ላዕለዎት ሲቪላውን ወተሃደራውን ኣኽበርቲ ሕጊ `ታ ሃገር ትማሊ 27 መጋቢት ምግላጾም ኣብ ለንደን ዝመደበሩ janes.com ዝተባህለ ኣብ ጉዳያት ምክልኻል ዘተኩር መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ። እቲ 5V27D ተባሂሉ
ብራዕዲ ተዋሒጡ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ስርዓቱ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ከምኡ `ውን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ እምባትካላ ረኺቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኣንጻሩ ዝተበገሱ ክልተ ስዉራት ክልተ ስዉራት ምንቅስቓሳት ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ረኺቦም
"ኤርትራ ሃገር'ያ" ትብል ሐረግ ንልኡላውነትን ነጻነትን ሃገርና ኤርትራ እትገልጽ ጥዕምቲ ቃል እያ።እዛ ቃል እዚኣ ብስውእ መለስ ዜናዊ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ንሓለምትን ትምክሕተኛታትን ሕልሞምን ትጽቢቶም ዝሓምሸሸሉ ግዜ ምንባሩ ናይ ትማሊ ተዘክሮ'ዩ። [gview file="https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2019/03/eritrea-Hagerya-Kubrom_1553715767.pdf"]
ዓመተ 2019፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ስደትን ዝነብር ህዝብና ብሰንኪ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ፡ ሃገርን ህዝብን ኣትዮሞ ዘላ ሓደጋ ብምስትብሃል ትዕግስቱ ጸንቂቑ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ሒዙ ንናይ መወዳእታ ምዕራፍ ቃልሲ ዝተዓጥቀ ይመስል። እቲ “ይኣክል” ምባል ደንጉዩ ይምጻእ እምበር፡ ነዚ ነድሪ ቁጠዐ ስምዒታት ናይ ህዝቢ ጠርኒፍካ፡ ምልኪ
ኣብ ሕብረተሰብና፡ ኣብ ዓድኻ ብስምካን ብስም ኣቦዃን ክትስመ እንከለኻ ዝስምዓካ መንፈሳዊ ቅሳነት፡ ኩርዓትን ዕግበትን ደረት የብሉን። ናብ ዓዲ ኣኮታትካ ኣብ ትገሽሉ’ውን፡ ወዲ ሓፍና ወይ ወዲ ጓልና ተባሂልካ ብኣኽብሮት፡ ክንክን ትረክብ። ብተመሳሳሊ፡ ካብ ዓድኻ ወይ ከባቢኻ ወጻኢ፡ ብመርዓ፡ ብሓዘን፡ ብንግደት ህዝባውን መንግስታውን በዓላትን ናብ ጎዶቦኻ ምስእትኸይድ’ውን፡
ደቂ፡ኤረይ ጻዕዳ፡ ኣንፈትና፡ነማዕሪ፡መንገዲ፡ንኸዳ፡ ብዘይ፡ምጉጅጃል፡ብዓሌት፡ብእንዳ፡ ንዳሕራዩ፡ከይ ከብደና፡ዕዳ፡ ኣጆኹም፡ኣጆና!! በቢ፡ዘለናዮ፡ ኩውን፡ኣብ፡ምዃኑ፡ባህግና፡ንደልዮ፡ ኢደይ፡ኢድካ፡ንበል፡ ኣብ፡ምስላጡ፡ዕዮ፡ ሃጓፋትና፡ንምላእ፡ጉድለትና፡ንእለዮ፡ ድሕሪ፡ሞት፡ጥዕና፡የለን፡እንታይ፡ንጽበዮ፡ ኣጆኹም፡ኣጆና!! ሓቦ፡ንበል፡ጥራይ፡ ድኽመትና፡ ብምሕያል፡ ኣብቲ፡ ናትና፡
ኤርትራውያን ብዛዕባ ምጥራር ዶብን ምምላስ ባድመ ናብ ዋናታታ ክንዛረብ ኢሰያስ ንኤርትራ ብምልእታ ሸይጡ ድሮ ዓሰብን ባጽዕን ንኢትዮጵያ ከረክበን ጀሚሩ ኣሎ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብትዕቢትን ዕሽነትን መራሒና ከይፈተና ዝኣተናዮ ናይ ዶብ ውግእ ልኡላውነትና ከንኽብር ደም ርሂጽና፣ ብኣሽሓት ሰንኪልናን ተሰዊእናን። እቲ ብዙሕ ውርደትን ሕስረትን ድማ ውዕል ኣልጀርስ ተፈሪሙ
እተን ጉዱሳት ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተቀመጥቲ ስያትል ዋሽንግተን፡ ብዝገበሮኦ ዘይተሓለለ ሃገራውን ህዝባዊን ጻዋዒት፡ ልዕሊ ሓምሳ ዝኮና ኤትራውያን፡ ቀዳም ብዕለት 16 መጋቢት 2019 ካብ ስዓት 4 - 8 ድሕሪ ቀትሪ፡ በዚ ዘሎ ዘየቅስን ኩነታት፡ ኣብ ጽልግልግ ዝበለ ጸላማት ኣትያ ዘላ ሃገርና፡ ካብ ‘ኣፈርክቡ ዕርበት ነድሕና’ ብዝብል ተማ፡
ህግደፍ ኣብ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ቅልዉላዉ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገልግሎት ቴለቪጅን ኣልጅዚራ፡ ሓደ ብጽጹይ ኣሃዛት ዝተሰነየ ጸብጻብ ቅድድም ሃብታማት ሃገራት ኣብ ወደባት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ሶማልን ዝግበር ዘሎ ዕሹግ ኲናት ኣመልኪታ ሓደ ጸብጻብ ኣዳልያ ናብ ፈነወ ከምዘብቀዐት ይዝከር። እቲ መደብ ብቀንዱ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብፍላይ ተካይዶ ዘላ
ቅልውላው ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ መጋበት 23/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ቅልውላው ብተራ ቋንቋ ትርጒሙ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ከርሳ ውሉድ ነዛ ዓለም ከተረክባ ኸላ ንዝህልዋ ሕማም ሕርሲ ዝወሃብ ቃል ኢዩ። እዚ ጻዕሪ ናይ ኣዴታት ብሓፈሻ ኩላትና ንፈልጦ እኳ እንተዀነ ብዝያዳ ወላድ ኣደ ኣጸቢቓ ትርድኦ ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶ መስርሕ ምርባሕ