Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ካብ ደብረ ቢዘን

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እወ ልክዕ ከምኡ ኪኸዉን እዩ፡ ምሩኻት እቲ ጅግና ኺምለሱ እዮም፡ ምርኮ እቲ ጨኳኒ ኸኣ ኺምለስ እዩ። ኣነ ኸኣ ንመጻርርትኺ ኽጻረሮም፡ ንደቅኺ`ዉን ከድሕኖም እየ ትንቢት ኢሳይያስ 49:

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እወ ልክዕ ከምኡ ኪኸዉን እዩ፡ ምሩኻት እቲ ጅግና ኺምለሱ እዮም፡ ምርኮ እቲ ጨኳኒ ኸኣ ኺምለስ እዩ። ኣነ ኸኣ ንመጻርርትኺ ኽጻረሮም፡ ንደቅኺ`ዉን ከድሕኖም እየ ትንቢት ኢሳይያስ 49: 25።

መልእኽቲ ናብ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገር እትርከቡ ደቀይን ኣሕዋተይን። ኣነ ፈላሲ ኾይነ ኣብ ደብረ ቢዘን ካብ ዝመንኮስኩላ ዕለት፡ ንዓለምን ፍትወታን ከም ዝሞትኩ እፈልጥ እየ። ፈላሲ ማለት ኣብ ቅድሚ ዓለም ሙማት ማለት እዩ። እቲ መንፈሳዊ ትርጉሙ ድማ ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ዓለም ዝሞተ፡ ንሕና ፈለስቲ ድማ ኣብ ክንዲ ህዝብናን ሃይማኖትናን ክሳዕ ሞት እሙናት ክንከዉን ይግበኣና። እምበኣር ንሕና ገዳማዉያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን ኣብ ጉዳይ ኣቡነ እንጦንዮስ ይኹን ኣብ ጉዳይ ሃገር ብዓቅምና ከቢድ ቃልሲ ክነካይድ ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ ድማ ምስቶም ነዓይ ዝመስሉ ኮይና እቲ ዝዓበየ ግደ ክንጻወት ምኻና በዚ ኣጋጣሚ ኣቢለ ክገልጸልኩም እፈቱ።

ኣምላኽ ሳላ’ቲ ዝሃበና ዕድመ ናይ ብዙሓት ገዛእቲ ጭኮና ርኢናን ሰሚዕናን ኢና እሞ፡ ከምዚ ዝበለ ጭኳነን ክፍኣትን ግን ኣይሰማዕናን ኣይረእናን። እቶም ሰብ ጠበንጃ ደብረ ቢዘን ገዳምና እንተ ተላዒሉ ከም ዘይናሕስየሎም ስለ ዝፈለጡ ኣብ ዉሽጥና ኣትዮም መቓቒሎምና፡ ነፍሲ ወከፍ ፈላሲ ፈሪሑን ተሸቁሪሩን ከም ዝሓድር ገይሮሞ እዮም፡ ከምቲ ትፈልጥዎ ካብ ገዳምና ብዙሓት እዮም ተኣሲሮም። ንሓቅን ንህዝብን ሃይማኖትን ስለ ዝኾነ ከምቲ ሃዋርያ ጳዉሎስ ዝበሎ መቓዉሕና ዘክሩ ካብ ምባል ሓሊፍና ነማርረሉ ምኽንያት የብልናን።

ዝኸበርኩም ደቀይን ኣሕዋተይን ስቓይናን ጋሂናን እዞም መንእሰያት ደቅና ይጠፍኡና ኣለዉ፡ ዓዲ ትበርስ ኣላ ዝብል ኣዉያትን ንብዓትን ንሕልናና ኣዕሪብዎ እዩ። መግለጺ ክነዉጽእ ንቃራረብ እሞ፡ ነቶም ሰብ ጠበንጃ ድማ ኣቀዲሙ ይበጽሖም፡ እቲ ጉዳይና ይፈሽል ነቲ ዝደለይዎ ድማ ኣብ ሞቑሕ ይእትዉዎ። ደብረ ቢዘን ገዳምና በቶም ደቅና ዝበልናዮም ክድፈርን ክካላበትን ምርኣይና እምበርዶ ደቅና እዮም እናበልና ክንሓምዮም ጸኒሕና ኢና። ዘይደቅና ምኻኖም ብግብሪ ኣርእዮምና ኣለዉ። ሃገርን ደም ሰማእታትን ዝጠለሙ፡ ጀጋኑ መሲሎም ክራኣዩ ዝጸንሑ፡ እግዚኣብሄር ብጥበቡ መንነቶምን ክፍኣቶምን ኣጋሊጽዎም ኣሎ። እግዚኣብሄር ይመስገን ድሕሪ ደጊም በዚኣቶም ዝታለል ወሎዶ ኣይክህልወናን እዩ። ንሕና ኣቦታት ደብረ ቢዘን እታ ሓንቲ ዝተዓወትናላ ብሕብረት ኮይና ንጉዳይ ኣቡነ እንጦንዮስ እትምልከት እያ። ኣባ ደስቆርዮስ ምስ ዓረፉ ካልእ ፓትርያሪክ ከይሸሙ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቀይድና ሒዝናዮም ኣሎና። ኣምላኽ ድማ ንቅዱስ እንጦንዮስ ስለ ዝሓለዎም ኩሉ ከም ፍቃዱ ክካናወን ክኢሉ ኣሎ።

ኣምላኽ ንቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ኣይኮነን ሓልዪልና ዘሎ፡ ነታ ትፈትዉዋ ሃገርኩም ብሰንኪ ኩፉኣት መራሕቲ ገዲፍኩማ ዝተሰደድኩም ርስትኹም ክትከዉን ሓልይልኩም ኣሎ፡ ወረስታ ድማ ደቅና ደቂ ኤርትራ ባዕልኻትኩም ኢኹም። እዚ ህድግለነ ዘይብሉ ስርዓት ናይ ዉድቀት ግዚኡ ቀረባ እዩ ርሑቅ ኣይኮነን። ኣቦታትና ብመንፈስ ኮይኖም ብዙሕ ይርእዩን ይዕዘቡን እዮም እግዚኣብሄር ድማ የቅናዓሎም እዩ። እምበኣር ደስ ይበልኩም ግዚኡ ኣኺሉ ጥራይ ዘይኮነስ በሲሉ’ዉን እዩ።

እቶም ዓቅሚ ዘለኩም ደቅና ገሌኹም ተሰዲድኩም፡ ገሌኦም ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ጠፊኦም፡ ገሌኹም ድማ ኣብ ማእሰርቲ ተሓይርኩም ኣለኹም። እዞም ምሳና ተሪፎም ዘለዉ ደቅና ነቲ ለዉጢ ይደልይዎ ኣለዉ፡ እቶም ሰብ ጠበንጃ ደቅና ካብቲ ጎራባብትና ዝገብርዎ ዘለዉ ክማሃሩ ኣምላኽ ልቦና ይሃቦም ንብል ኣሎና፡ ኣምላኽ ትብዓት ክህቦም ድማ ከም ቀደምና ለይትን ማዓልትን ውዳሴ ማርያምን ኣቡነዘበሰማያትን ንደግመሎም ኣሎና። ከም ዝፍለጥ ኣብ ምስሪ ናይ ሰብ ጠበንጃ ዕጥቆም ተራእዩ ተዓዊቶም ድማ፡ ኣብ ሊብያ ዝተገበረ’ዉን ከምኡ እቲ ቀንዲ ፈታዊኡ ብኽፉእ ሞት ጠፊኡ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሱዳን ኣብ ኣፍደገ ቤትና በጺሑ ማዕጾ ክንከፍተሉ ይኩሕኩሓና ኣሎ።

እቶም ሰብ ጠበንጃ ደቅና ካብዚ ዘለናዮ ከቢድ ባርነት ከናግፉና እንተ ተንሥኡ ዓወት ክረኽቡ እዮም፡ እንተ ዘይገይሮሞ ድማ እቲ ዓወት ግዚኡ ኣኺሉ ባዕሉ ስለ ዝመጸ ዝዓግቶ ሓይሊ ኮቶ የብሉን። እቲ ጸላኢ ሃገርኩም ካብዚ ዝገብሮ ዘሎ ንላዕሊ ክገብር ዓቅሚ እንተ ዝህልዎ ሃገር ምሻጥ ኣይኮነን ካልእ ምገበረ፡ እግዚኣብሄር ግን ሞጎስ ኣይሃቦን ክትቅድምዎ ድማ ኢኹም። እዚ ዓመት እዚ ዓመተ ዓወትናን ሰላምናን እዩ፡ ክጨዉዮን ከዳናጉዮን ዝኽእል ሓይሊ ኮቶ የልቦን። ኣነን እቶም ነዓይ ዝመስሉን ፈለስቲ ነቶም ደቅና ኣብ ምትሕብባር ድልዋት ምህላዉና በዚ ኣጋጣሚ ተስፋን ሞራልን ክህበኩም እፈቱ።

ወድና ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእከል ሃገርና ኮይኑ መጽሓፍ ምስ ጸሓፈን ምስ ተዛረበን ነዓና ዓብይ ኣብነት እዩ ዝነበረ። ከም ህዝቢ ድማ ደቂስና ክንሓድር ኣይምተገበኣናን። እቶም መናንያን ንባሃል ዘይገበርናዩ ዓብይ ግብሪ ገይሩ ተኣሲሩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንሓቅን ፍትሕን ክንቃለስ ግቡእና እዩ። ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቦ ሓቂ ኮይኖም ነቶም ሰብ ጠበንጃ ኣምላኽ ትብዓት ሂብዎም ንበይኖም ን13 ዓመት መኪቶሞም ኣለዉ። ኣብዚ ሓቅን ፍትሕን ቅድስናን ዝጠፈኣሉ ዘመን፡ ነዓይ ይጥዓመኒ ህርፋን ስልጣን ዝበዛሓሉ፡ ኣባ እንጦንዮስ ንሓቂ ዋጋ ብምኽፋል ሰማእትነትን መገዲ ቅድስናን ብግብሪ ምሂሮምና እዮም፡ ጽባሕ መሬት ምስ ወገሐ፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ዘመና ወዲ ሃገርና ቅዱስ ኣቦ ክህልዉና እዮም ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

ኣብ ስደት ዘለኹም ደቅና ካህናት ስለ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ምቅላስ ናይ ኣቦታትኩም መገዲ እዩ። ነዓና ኤርትራዉያን ጋሻ ትምህርቲ ኣይኮነን፡ ብዕድመ ናኣሽቱ እንተ ነይርኩም እምበር ነጻነት ሃገርኩም ኣብ ምዉጻእ ዝተገበረ ቃልሲ ንሃገርናን ህዝብናን ክንብል፡ መልእኽቲ ኣቀቢልና፡ ተጋደልቲ ደቅና ኣዐንጊልና፡ ኣብ መቅደስና ኣዕቊብና ሓቢእና፡ ብዓቅምና ስለ ሃገርና ክንብል ሰሪሕና ኢና። ከምቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጠለመ ተጠሊምና፡ ደቅና ብበትሪ ኣፋራሪሖምና ተኣሲርና ኩሉ መከራ በጺሑና ደም ነቢዕና ኢና። ኣብ ዘመንኩም ትርእይዎን ትሰምዕዎን ከም ዘለኹም ኣባ እንጦንዮስ ንሃገርን ንቤተክርስቲያንን ዝኸፍልዎ ዘለዉ ዋጋ ረዚን መዳርግቲ ኣልቦ እዩ።

ነዚ ተገንዚብኩም ምስ ኣሕዋትኩም ኣብ ጎድኖም ኴንኩም ክትዓዩ ኣቦታትኩም ሓላፍነትኩም ነዛኻኽረኩም ኣሎና። ብምኽንያት ቅዱስ እንጦንዮስ ተፋላሊኹም ዘለኹም ደቅና ሕበሩ እዚ ኩሉ ተገይሩ ዘሎ ዋናታቱ እቶም ሰብ ጠበንጃ እምበር ጉዳይ ቤተክርስቲያን ኣይኮነን። ንሕና ደብረ ቢዘን ኣባ እንጦንዮስ ናብ መንበሮም ይመለሱ ኢልና ጸኒዕና ኣሎና ንስኻትኩም ድማ ሓቢርኩም ጽንዑ፡ ነቶም ኣቦኦም ኣእሲሮም ፈቆዶ ኣውሮጳ ኮለል ዝብሉ ዘለዉ ፈለስቲ ኣዉጊዝናዮም ኢና፡ እዚ ድማ ብወግዒ ብጽሑፍ ስለ ዝገበርናዮ በጺሕኩም እዩ። እቶም ኣብ ስደት ዘለኹም ደቅና ነቲ ከም ዘዉገዝናዮም ዝሰደድናልኩም መልእኽትና ነጺግኩም ምስ ተቀበልኩሞም፡ ከም ዘይነቅሕኩምሎም ክንግንዘብ ክኢልና ኢና። በቲ ዝገበርኩሞ ጉድለት ድማ ብተንዲኖን እኽልን ክዛረቡ ምስ ተሰምዑ ንቤተክርስቲያና ኣነዊሮማ እዮም::

እምበኣር ኩሉኻትኩም ደቅና ንዓድኹምን ንርስትኹምን ክትቃለሱ ግዴታ ኣለኩም። ክርስቲያንኩምን ኣስላምኩምን ተሳኒኹም ንዓድኹም ስርሑ፡ ሓድነትኩም ምስጢር ዓወትኩም እዩሞ፡ ተሳነዩ ተፋቀሩ ንሓድሕድኩም ተዳጋገፉ። እቲ ኹሉ ትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ ሳላ ኣማኑኤል ወድና ብመገዲ ኣሰና ክንካታተሎ ክኢልና ኣሎና። ሃገርና ካብቲ ዝነበረ መግዛእቲ ባዕዳዉያን ምንም እንተኾነ ለዉጢ ከምዘይብሉ ክትፈልጡ፡ ከምቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ተሓቢእና ራድዮ ድምጺ ሓፋሽ ንሰምዖ ዝነበርና ንተለቪዥን ኣሰና ተሓቢእና ማዕጾ ዓጺና፡ ሰብ ገይርና ከይንህሉ እናበልና፡ ክንሰምዓ ተገዲድና ኣሎና። ደቀይን ኣሕዋተይን ኤርትራዊ ብሃገሩ ዝመጾ ኣይፍቱን እዩ፡ ነቶም ዘይሓበርኹም ደቂ ሃገርና ከም ጸላእትኹም ኣይትቁጸርዎም ጸላኢኹም ሓደ እዩ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጸላኢኹም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ክህበኩም እዩ።

ኣብ መወዳእታ ክብለኩም ዝደሊ፡ ነቲ ኣነ ክገብሮ ዝመደብኩ ምኽሪ ኣቦታተይ ሰሚዐ እምበር ንስመይ ፈሪሐ ኣይኮንኩን ዘይገለጽክዎ፡ ድሕሪ ደጊም ንሰብ ጠበንጃ ይኹን ንሞት ዝፈርሓሉ ምኽንያት የብለይን። “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክአሎም ኣይትፍርህዎም” ወንጌል ማቴዎስ 10: 28። ደጊመ ከራጋግጸልኩም ዝደሊ ንሰለ ህዝበይን ሃገረይን ክብል ንሰማእትነት ድልዉ ምኻነይ እዩ። ከም ናይ ብርሃነ ወድና ብግልጺ መልእኽቲ ክሰደልኩም ክፍትን እየ። ኣምላኽ ዓወት እንተሂቡኒ ድማ ነታ ናይ መወዳእታ ሽግ ሓርነት ኣብ ማእከል ሃገርና እትዉላዕ ምስ ደቅና ኮይነ ክሳተፋ ተስፋ ኣሎኒ።

በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ለባማትን ፈተዉቲ ሃገሮምን ዝኾኑ ሰራዊት ኤርትራ ምኽሪ ኣሎኒ። ኣሕዋትኩም ነታ ነባሪት ሽግ ሓርነት ክዉልዕዋ ከለዉ ብረትኩም ናብ ጸላኢኹም እምበር ናብ ኣሕዋትኩም ከይተቅኑዑዎ ሎሚ ኣብ ብርኩኹም ወዲቀ ይልምነኩም ኣለኹ። ኣቱም ካብ ስደት እትጽንበሩና ድቅና ድማ ለበዋ ኣሎኒ፡ ዘይጸፈፈ ነገራት ሒዝኩም ከይትኣትዉ ነገራትኩም ኣጽፊፍኩም ድልዋት ኩኑ። ዘለኩም ግዜ ሓጺር እዩሞ ሃየ ተቃላጢፍኩም ሕበሩ። እታ ቃልሲ ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ሓንሳብ ምስ ተጀመረት፡ ህዝብና ከምቲ ደቂሱ ዝጸነሐ ኣንበሳ ክመስል ብሓያል ነድሪ ክትንስእ እዩ። ዓወት ድማ ናይ ህዝብና እዩ።
ከምቲ ኣብ 1ይ ሳሙኤል ተጺሒፉ ዘሎ ምዕራፍ 7፡ 12 ደቂ እስራኤል እታ ሓያል ቅልጽም እግዚኣብሄር ምስ ረድኣቶም ኤብን-ዔዘር በሉ፡ ትርጉሙ ድማ እግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣና ማለት እዩ። እዚ ዓመት እዚ ድማ ነዓና እግዚኣብሄር ክረድኣና እዩ።
እቲ ምኩር ፈላሲ
ናይ ብርዒ ስመይ ኣባ ጳዉሎስ
ደብረ ቢዘን ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Lula April 18, 2019

    May God bless ze ምኩር ፈላሲ ኣባ ጳዉሎስ
    of ze ደብረ ቢዘን ኤርትራ

  • Fanus April 18, 2019

    Politics and religion should never mix! If we had genuine and clean prayers then Eritrea would’ve been free by now.

  • Kampala April 18, 2019

    You wasting your time because EDF are more interested in today’s
    foreign money and materials than listening to their people or churches.

    • Asmarino menisei April 18, 2019

      with all due respect u i would like to say u have confused the EDF with troops other nations. we the members of EDF are not money or material oriented. No Nope to the contrary we r well known with the most unpaidly serving soldiers in history. For ur distorted information abt to which our ears r inclined to, let alone our ears even,our hearts goes to our people and religious leaders. learn EDF facts 101

  • Asmarino menisei April 18, 2019

    What a hard call for this hard times we r spending under the brutal dictator. This is a great sign that the nation is back to its best unity times to fight back its one and only one enemy isaias and his facist group. Viva eritrea march my mother land march to demise your oppressor . Its time, as our Monks have clearly and boldly expressed, to stand against the Beast.

  • Asmarino menisei April 18, 2019

    what a hard massage for the hard times that we are spending under the brutal ditator. This is a great sign that the nation is back to its best unity times to fight back its one and only one enemy isaias and his facist group. Viva eritrea march my beloved nation march to demise the oppressor once and for all. As our respected Monks have expressed clearly and boldly it time to stand with unity against the Beast.

  • Beleza April 19, 2019

    May God bless the Bizens for their courage, one of our oldest holy places for centuries.

  • Gebar April 19, 2019

    ኣሜን ኣቦና ፈጣሪ ይርደኣና

  • Genet -Original April 23, 2019

    Eritreans are back!!!!
    God bless our people and country. Death to traitors and infiltrators
    EDF. do your job!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!! Cut the snake off at the head.

    This is as close as it gets!
    God is not going to come down from haven to tell you what you should be doing.
    EDF do ;your job, protect your people and country.

POST A COMMENT