Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ኣብ እምባትካላ ረኺቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዘለዉ ክልተ ስዉራት ምንቅስቓሳት ቀልጢፎም ኣብ ቁጽጽር ከውዕሉዎም ብጥብቂ ከምዝኣዘዞም ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብራዕዲ ተዋሒጡ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ስርዓቱ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ከምኡ `ውን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ እምባትካላ ረኺቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኣንጻሩ ዝተበገሱ ክልተ ስዉራት ክልተ

ብራዕዲ ተዋሒጡ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ስርዓቱ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ከምኡ `ውን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ እምባትካላ ረኺቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኣንጻሩ ዝተበገሱ ክልተ ስዉራት ክልተ ስዉራት ምንቅስቓሳት ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ረኺቦም ኣብ ቁጽጽር ከውዕሉዎም ብጥብቂ ከምዝኣዘዞም ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ንሱ ኣብቲ ርከብ ቀልጢፍኩም እንተዘይረኺብኩሞም ኣብ ርእስኹም ኣለኹ ብምባል ጭንቀትን ምፍርራሕን ሓዊሱ ነቲ መምርሒ ከምዘመሓላለፈሎም `ውን እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ንህዝቢ ኤርትራ ከም ቍርን ኣስሓይታን ክፈርሖ ካብ ዝጅምር ዓመታት ኣቝጺሩ ዘኦ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይግልጹ ርክባት ካብ ዝጅምር ዘለዓዓሎ ቁጥዐ ህዝቢ ንፍርሑ ጥርዚ ኣብጺሑዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ በዚ ምኽንያት፡ ኢሳይያስ ናብቲ መሕከሊኡ ገይሩዎ ዘሎ ዓዲሃሎ ክመላለስ ከሎ ብሽዱሽተ ላንድክሩዘራት ይብገስ። ክቐትሉዎ ንዝሓስቡ ሰባት ንምድንጋር ግን ሰለስተ መሳኹተን ጸልማት ዝኾነ ላንድክሩዘራት ብሰላዕ ዳዕሮ፡ ሰለስተ ካልኦት ድማ ብሽከቲ ናብ ዓዲሃሎ ይብገሳ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ልዕለኡ ክፍተን ንዝኽእል ናይ ቅትለት ስጉምቲ ክከላኸል ይፍትን ኣሎ።

እቲ ትማሊ “መን ከማይ” እናበለ ዘጕባዕብዕ ዝነበረ ውልቀመላኺ፡ ሎሚ ሎሚ ንኢትዮጵያ ክገይሽ ከሎ ሎተርያ ከም ዝተዓወተ ብሰላሳን ክልተን ኣስናኑ ክስሕቕን ከም ሓደ ሕጻን ኣፍልቡ ክሃርምን ከሎ፡ ናብ ኤርትራ ክመጽእ ከሎ ግን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ውርድ ክብል ኣትሒዙ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሕነ ክፈዲ ዝሓስብ ዘሎ ኣዝዩ ጭካን ሰብ ገጹ ኣሲሩ ዝሕንሕን ዘሎ መሲሉ ይርአ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ርኡይ ቅርሕንቲ ከም ዘሎዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ `ውን ጸላኢኡ ምዃኑ ፈሊጡዎ ምህላዉ ጭቡጥ ምስክር’ዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hagherawi March 29, 2019

    እሰያስ ንተቃወምቲ 7ግንቦት ኣብ ኣስመራ ተቀቢሉ ፥ ንሱ ማዕረ ክንደይ ንሓድነት እትዮጵያ ከም ዝግደስ፥ ከም ዝሓበሮም ፥ ሓለፍቲ ናይቲ ምንቅስቃስ ክሕብሩ ጸኒሖም።
    በንጻሩ ፥ ሓድነት ኤሪትራውያን ንምዝራግ ፥ ዘይገበሮ ፈተነ የልቦን።
    እቲ ብሓለዋ ሰውራ ዝፍለጥ ዝነበረ (ናይ ሎሚ ሃገራዊ ድሕነት) ፥ ኣሻሓት ንጹሃት ደቂ ሃገር ፥ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዘህለቀ ኣረመናዊ ትካል ፥ ሓደ ካብቶም ፥ ብቀጥታ ቡኡ ዝተመዘ ሰብ ዘማሓድሮ ፥ ኣብ ዓለም፣ ብዘይካ ናይ ናዚ ጋዝ ክፍሊታት ፥ መወዳድርቲ ዘይብሉ ናይ ምት ማዓስከራት እዪ ነይሩ።
    ብዘይ ኣፍልጦን ውሳነን ህዝቢ ኤሪትራ ፥ ንሱ ምስ ዉሑዳት ተሓባበርቱ ዝበገሱዎ ውግእ ምስ እትዮጵያ ፥ 10ታት ኣሻሓት መንእሰያት ኣህሊቁ። ኣብዚ ዉግእ እዚ ፥ እቲ ነታ ስዉኣት ዝተመነዩዋ ፥ ብልጽግትን ሓያልን ኤሪትራ ክሃንጽ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ሓድሽ ወለዶ ዳርጋ ብሙሉኡ ጠፊኡ። ብድሕሪኡ እቲ ዝተረፈ መንእሰይ ኣብ ዓዲ ቀሲኑ ከይነብር ፥ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፣ ስርዓት እስያስ ብሰንኪ ዝተኸተሉ ፥ ናይ ግብረ ሽበራ ፖሊሲ ፥ ኩሉ ናይ ምህዳም ዓቅሚ ዘሎዎ ፥ ብድሕሪኡ እንዳ ተተኮሶ ፣ ባህሪሩ ካብ ሃገር ተበቲኑ ።
    እዚ ጸብጺብካ ዘዉዳእ ገበናት እሰያስ ፥ ኣብ ምትግባር ዝርከቡ ኤሪትራውያን ፣ እምበርዶ ሰብ እዮም ?

POST A COMMENT