Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደራ ኤርትራውያን፡ ኣብ ልጓም ዘይብላ ሰረገላ ኣይትሰቀሉ

ሓደራ ኤርትራውያን፡ ኣብ ልጓም ዘይብላ ሰረገላ ኣይትሰቀሉ   ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝምራሕ፡ ኣብ ተጋደልትን ኣብ ህዝብን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ብዛዕባ  ህሉው ኩነታት ሰውራን መግዛእቲ ኢትዮጵያን፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ኣሎ ክብሃል እንከሎ፡ ንኽንሳተፍ

ሓደራ ኤርትራውያን፡ ኣብ ልጓም ዘይብላ ሰረገላ ኣይትሰቀሉ

 

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝምራሕ፡ ኣብ ተጋደልትን ኣብ ህዝብን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ብዛዕባ  ህሉው ኩነታት ሰውራን መግዛእቲ ኢትዮጵያን፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ኣሎ ክብሃል እንከሎ፡ ንኽንሳተፍ ልዑል ሃንቀውታ ነሕድር ኔርና። ወዮ ድኣ ኣብቲ እዋን’ቲ ገንዘብን ሃብትን ኣይነበረን እምበር፡ ከምዚ ሎሚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ፍሉጥ ስፖርታዊ ግጥማትን ህቡባት ተለሃይትን ንምዕዛብ ኣማኢት ዶላር ከፊልካ ኣብ ሜዳታት ስፖርትን ኣብያተ ሲነማን ዝእቶ ዘሎ፡ ኤርትራዊ’ውን ሃገሩ ስለዘፍቅር ኣሽሓት ከንዘብ ከፊሉ ኣኼባ መራሕቱ ንምስታፍ ዓይኑ ኣይምሓሰየን። ከምዚ ሎሚ ብሰሪ ህግደፍ ደጋፊ ተቃዋሚ ከይተባህለ፡ ኤርትራውያን፡ ስፖርትን ፊልምታትን ንምዕዛብ ዘይኮነ፡ ህሉዉ ኩነታት ሃገሮም ንምፍላጥ፡ ኣሽሓት ገንዘብ ከፊሎም፡ ኣማኢት ኪሎ ሜተራት ማኪና ዘዊሮም፡ ወይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተጠቂሞም፡ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ሓቲቶም፡ ግዜኦም ሰዊኦም ብሓንቲ ልቢ፡ “ኤርትራ ኣለና ምሳኺ” ይብሉ ነይሮም።

 

ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ተጋደልቲ ከምኡ’ውን ኣብ ሓራ ዝወጸ ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ፡ ጸላኢ ዝቆጻጸሮ ቦታታት ከይተረፈ፡ ብኣጋጣሚ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና (ባሕቲ መስከረም)፡ ዓበይቲ ወራራት ጸላኢ ብጽንዓትን ከቢድ መስዋእትን  ምስተመከተን ካልእ ኣገደስቲ ጉዳያትን፡ ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ቃለ መጠይቅ ከካይድ፡ መግለጺ ክህብ’ዩ ክብሃል እንከሎ፡ ነታ ኣብ መስርዕ ወይ ጋንታ ትውነን ራድዮ ወረ ከቢብካ ኩሉ ስራሕካ ኣመንጊኻ ብጽሞና ኣብ ምስማዕን መጽሄት ኣብ ምንባብን ትጽመድ፡፡  በቲ መእመኒ መደረታት ኢሳያስ ብምግራም ድማ፡ “እዚ ሰብኣይ’ዚ ዝተፈልየ ሓንጎል’ዩ ተዓዲሉ፡ ንመጻኢ እንታይ ከምዝኸውን’ዩ ዝንበ” ዝብል ሰብ ውሑድ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን’ቲ ኢሳያስ ከም ብጹእ፡ ውፉይን ሃገራውን መራሒ ይሕሰብ ስለዝነበረ፡ ክቱር ኣምልኾን ኣድናቆትን ይወሃቦ ነይሩ። እቲ ሓቀኛ ምልካዊ ባህርያት ኢሳያስ ብህርፋን ናጽነትን ሃገራዊ እምነትን’ዩ ዝጉልበብ ነይሩ። ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት’ውን እቲ መደናገሪ መልክዕ ኢሳያስ ቀጺሉ። ከምዚ ሎሚ፡ ንኢሳያስ፡ “ውልቀመላኺ፡ ጠላምን ቀታልን” ዝብሉ ሓቀኛ ስም ከይተጠመቀ እንከሎ፡ ሽዑ፡ “ብጻይ ኢሳያስ፡ ዋና ጸሓፊ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ” እናተባህለ ንሱ ዝብሎ ቃላትን ጥቅስታትን ከም ቃል ኣምላኽ ይደጋገምን ይንኣድን ነይሩ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ይኣክል ስልጣንካ ኣረክብ፡ ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ” ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ህሞት፡ ስርዓት ህግደፍ ንሒደት እሙናቱ ኣዋፊሩን ብመራኸቢ ብዙሓኑን ኣቢሉ፡ ናይ ዓቅሊ ጽበትን ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ዝዓይነቱ መግለጺታትን መናውራታትን ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ይርከብ። እንተኾነ ሓያል ማዕበል ህዝቢ ኢሉ ተበጊሱ ስለዘሎን ስለዝመረሮን፡ ስርዓት ህግደፍ ዝተበለለን ዝተፈንፈነን መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ዝገበረ እንተገበረ፡ ብዘይካ ምስሓግ፡  ካብ ውድቀቱ ኮቶ ክድሕን ኣይክእልን’ዩ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ብቀንዱ ናብ ተጋደልቲ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዘተኮረ፡ በቶም ኣብ እዋን ሰውራ ቀንዲ ኣተግበርቲ እኩይ ዕላማታት ውልቀመላኺ ኢሳያስ  ዝነበሩን ንመቃልስቶም ዝጠለሙን ብጾቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናተሳቀዩ ነብሶም ፈትዮም ዘስቀጡን ዝጠለሙን፡ ነታ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጽዒና ብዘይ ልጓም(ፍሬኖ) ኣብ ቁልቁለት ትጸድፍ ዘላ ሰረጌላ ጠጠው ከብልዋ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ የካይዱ ኣለዉ። እንተኾነ ነታ ኣብ ቁልቁለት ብዘይ ልጓም ትዕዘር ዘላ ሰረገላ ኢሳያስ ዝደፍእ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምጽዳፍ ከተድሕን ምህቃን፡ ትርፉ ክትሕምተልን ክትመውትን ጥራሕ’ዩ።

 

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ክድዓትን ጥሒልዎ ዘሎ ዓዘቅትን ንምድሓን፡ ሚዛኑ ሚዛን ክንቲት ደርሆ ስለዝኾነን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን፡ ንሱ ኣብ ጉብጥሽ ተሓቢኡ መምርሒታት ክህብ እንከሎ፡ ብተብተብ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ዓይነት ኣርእስቲ፡ ኣብ ትሕቲ “መስርሕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያን መደባት ልምዓትን” ኣኼባታት ምክያዱ፡ ክልተ ኣገደስቲ ዕላማታት ኣለዎ።

ቀዳማይ፡ ነዚ “ብስም ይኣክል” ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንህዝቢ ኤርትራ ከረክብን ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ክነግስን ዘንጎድጉድ ዘሎ ማዕበል ህዝቢ ንምዕጋትን ነቲ እምነቱ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ኤርትራዊ ንምርግጋእን ንምሽሓጥን’ዩ። የግዳስ ኩሉ ፈተነታት ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ’ዩ።

ካልኣይ ድማ፡ ነቶም ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ ዝጥቀመሎም ውሑዳት ጃለታትን ልሙሳትን ላዕለዎት ሓለፍቱን ካድራቱን፡ ኣብዚ ጉሂሩ ዘሎ ሓዊ ኣእትዩ፡ ነቲ ክምልስዎ ዘይክእሉን ሓቂ ንምግላጽ ብፍርሒ ዝተዋሕጡን፡ ብህዝቢ ከምዝከዓቡን ከምዝጽልኡን ንምግባርን መርገጺኦም ንምግምጋምን ኢዩ። ድሕሪ’ዚ ብስርዓት ኢሳያስ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ሓሶትን ምስሉይነትን ሰሚናራት፡ ገለ ብዓውታ ሓቂ ስለዝተዛረበ ክእሰር ካልእ ድማ ዓስቡ ክድዓቱ ስልጣን ክውሰኽን እሙን ክኸውንን ኢዩ። ኣብዚ ካልኣይ ነጥቢ፡ ተጀሚሩ ዘሎ መኸተን ትብዓትን፡ መላኺ ኢሳያስ እሙናቱን ሰለይቱን ኣዋፊሩ ክኣስርን ክጨውን ከይጀመረ፡ ዕቱብ ተቃውሞን ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ስጉምቲ ምውሳድን’ዩ እንኮ ፍታሕ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ 15ን ንኻልኦትን፡ ተጸናትዩን ግዚ ሓልዩን ዝወሰዶ ፈላሊኻ ምብላዕን ምሕቃቅን ዕድል ክወሃቦ የብሉን። ኩሉ ኤርትራዊ ብኣጠቃላሊ ሰራዊት ኤርትራን ተጋደልትን ድማ ብፍላይ፡ በትሪ ኣብ ኢድኩም ተመን ኣብ እግርኹም’ዩ ዘሎ። ሕጂ’ውን ንመጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ዝውስን ወርቃዊ ዕድል ካብ ኢድኩም ከምልጥ የብሉን።

 

         እዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ  ኣኼባታት ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ፡ ብተሳተፍቲ በዳህቲ እዋናዊ ሕቶታትን ሓቅታትን ይቀርብ ስለዘሎ፡ ኣካየድቲ ሰሚናር ብዘይ ፍቃድ ጎይቶኦም ኢሳያስ ክምልሱ ስለዝፈርሑን ናጽነት ስለዘይብሎምን፡ ዘርባዕባዕን እንጽርጽሮትን የርእዩ ከምዘለዉ ከካብ ቦታኡ ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ የረጋግጾ ኣሎ። መሳኪን ትብዓት ድኣ ስኢኖም እምበር ዋላ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ዝብሃሉ’ውን መኣስ ጥዒምዎም ኣሎ። ኣይ ምስ ህዝቦም ወጊኖም ንመሰሎም ጠጠው ኢሎም፡ ኣይ ብስርዓት ህግደፍ ተኣሚኖም፡ ገጽ ክልተ ክሪኡ ተዋሪዶም። ሰብኣይ ክልተ ኔው ነጀው ክብል ሞተ ዝብሃል ድማ ከምዚ ምስተረኽበ ኢዩ። ክሳብ ሎሚ ምስ ህግደፍ ብረብሓ ወይ ብዕሽነት ከጣቅዑ ዝጸንሑ ዝተገርዙን ዜጋታት፡ “ተጋጊና መሲሉና ሕጂ ግን ይኣክል” ኢሎም እንተተናሲሖም ድማ ደላይ ፍትሒ ኢዱ ዘርጊሑ ክቅበሎም ድሉው’ዩ። ብሕሉፍ ጌጋታትካ ይቅሬታ ዘይምባልን ንዝበደልካዮ ወገንካ ዘይምኽሓስን’ዩ ሓጥያት እምበር፡ ጉድለት ምፍጻም ገበን ኣይኮነን።

 

ተጀሚሩ ዘሎ ኣኼባታት ስርዓት ህግደፍ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን ክካየድ’ዩ። እዞም ኣብ ዓዲ ሕግን ሓሳብካ ብናጻ ክትገልጸሉ ትኽእልን ሕብረተሰብ ስለዘለና፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ንልኡኳት ስርዓት ህግደፍ ብበዳህቲ ሕቶታት ምውጣር ጥራይ ዘይኮነ፡ “ኣይናትናን ኢኹም፡ ወከልትና ኣይኮንኩምን፡ ፍትሒ ይንገስ” ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ሰላማዊ ሰልፊ ከነካይድን ካባ ሕፍረት ከነጎልብቦምን ይግባእ። ኩልና ኤርትራውያን እንተኾይና ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ሕልናና ክንወቅስ ነብስና ክንፍትሽ ንሕተት ኣለና። ኣብታ

ትጸድፍ ጸላ ልጓም ዘይብላ ሰረገላ ህግድፍ ክንደፍኣ እምበር ምስኣ ክንስቀል የብልናን።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 5 ሚያዝያ፡ 2019

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT