Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፡ እሙናት መጋበርያ ክኾኑዎ ዝኽእሉ ጋዜጠኛታት ኣለልዩ፡ ንኻልኦት ሓለፍቲ ግዳይ ኣብ ምግባር ከገልግሉዎ ምእንቲ፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ጸዊዑ ዕጹው ምስጢራዊ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተሸጉጡ ዝርከብ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፡ መብዛሕትኦም እሙናት ደገፍቱን ኮራኹሩንን ኢሉ ንዝሓሰቦም፡ ብትእዛዙ ካብቲ ንስንኲላን ሓርበኛታት ተባሂሉ ዝተሰርሐ ገዛውቲ ዝሃቦም ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ጸዊዑ ዕጹው ምስጢራዊ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ተፈሊጡ። ንሱ፡ ካብ ህዝቢ

እቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተሸጉጡ ዝርከብ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፡ መብዛሕትኦም እሙናት ደገፍቱን ኮራኹሩንን ኢሉ ንዝሓሰቦም፡ ብትእዛዙ ካብቲ ንስንኲላን ሓርበኛታት ተባሂሉ ዝተሰርሐ ገዛውቲ ዝሃቦም ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ጸዊዑ ዕጹው ምስጢራዊ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ተፈሊጡ።

ንሱ፡ ካብ ህዝቢ ተነጺሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብሰንኪ ቄናን መምርሒኡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ንዘዕነዎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካልኦት ግዳያት ያኢ ከናድየሉ፡ “ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ማይ፡ ተለኮሙኒከሽንን ካልኦት ናይ መንግስቲ ትካላት ግቡእ ኣገልግሎት ዘይህቡ ምዃኖም ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ክንሱ፡ ከምዛ ሎሚ ዝተመርጸ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ `ስለምታይ እዮም ኣገልግሎት ዘቋርጹ ዘለዉ’ ክብል ነቶም ጋዜጠኛታት ብምዝራብ፡ ብተዘዋዋሪ ንቐፍዎም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣብቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓደሞ ዕጹው ርክብ፡ ሳሚ ቀጢን፡ ተስፍኣለም (ጫረ)፡ ገብረመስቀል ገብረእግዝኣቢሄር፡ ብሓፈሻ 7 ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ተረኺቦም ነይሮም።

ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ሎሚ-ጽባሕ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንገበናቱ ናብ ካልኦት ሓለፍትን ትካላትን ኣብ ምልጋብ ብምትሕብባር፡ ከም ሓላዪ ህዝቢ ዘቑጽርዎ ተግባራት ምምሃዝ ኣጸቢቑ ዝተመኮረሉ ስልቲ `ኳ እንተኾነ፡ እቲ ንተንኮላት ኢሳይያስ ነቒሑሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ `ውን `ኣረጊት ሽጣራኻ ተቓሊዑ `ዩ፡ ሽጣራኻ ደውር፡ ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ክብሎ ይግባእ።

 

ስምርትን ብልጽግትን ፍትሒ ዝሰፈና ሓራ ኤርትራ ነበስረሉ ግዜ ቀረባ እዩ

ሰማእታትና ብዓወትና ንደብሶም

ሚያዚያ 12/2019

ኣስመራ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Danilo April 17, 2019

    በዚ ይኹን በቲ ንውልቀ መላኺ ዘገልግል ፡ ጽባሕ ንጉሆ ምስ ዝሕተት ፡ መሲሉኒ ወይ ተጋግየ ምስዝብል ንፈራዲ ይጭነቆ።ግን፡እዚ ዕሉል ካሕዳይ እሰያስ ብተደጋጋሚ ክጥብር ፡ክሕሱ፡ከደናግር ዘኽእሎ ዘሎ ቀንዲ ጠንቂ ናትና ዑረትን ጸማምነትን እዩ።

  • Wedi Hagher April 17, 2019

    “ኣብቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓደሞ ዕጹው ርክብ፡ ሳሚ ቀጢን፡ ተስፍኣለም (ጫረ)፡ ገብረመስቀል ገብረእግዝኣቢሄር፡ ብሓፈሻ 7 ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ተረኺቦም ነይሮም።”

    –—————-

    ኣብዚ ዘለናሊ ጊዜ ፥ ካብ እሰያስ ገለ እንተ ተጠቀምኩ እሉ ፥ ሕሹኽ ዝብል ኣሎ ?
    ህዝቢ ኤሪትራ ፥ ብሓደ ድምጺ ፥ ፎእ !! ይብሎ ስለ ዘሎ ፥ ኣብ ከባቢ እሰያስ ዝርከቡ ፥ እንታይ ከም ዝጓነፎም ፉሉጥ ኣይኮነን።
    እንቱም ሰባት ፥ ኣብ ሓደገኛ መድረኽ በጺሕና ስለ ዘለና ፥ ምጥንቃቅ የድሊ ።

  • Zeregabir Teaghes April 17, 2019

    If you are in Eritrea you are obliged to do what the dictator says.
    Do you think everyone around the dictator is satisfied by the way Eritrea is moving?
    No.

POST A COMMENT