Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ኢድ፡ ‘ከምዚ ዶ ዝኸውን መሲሉና!” እናበሉ ዝሓልፉ ድያ ትምለስ ዘላ’ዛ ሃገር!! 3ይ ክፋል

ሰላም ኣሕዋት። ስላም ብተኽሊትን ነዊሕ ጉዕዞን ትከላበት ዘለኻ ሰራዊት። እስከ ንተሓታተት። ህዝብና እንታይ ክሳብ ዝኸውን ኢና ንጽበ ዘለና? ኢሳያስ ንህዝብና የጥፍኦ ከም ዘሎ ዘይርዳእ ኤርትራዊ ኣሎ ድዩ ሎሚ? ሎሚኮ ኢሳያስ ህዝብና፡ ንስሙ ናጽነት ጨቢጠ እናበለ

ሰላም ኣሕዋት። ስላም ብተኽሊትን ነዊሕ ጉዕዞን ትከላበት ዘለኻ ሰራዊት። እስከ ንተሓታተት። ህዝብና እንታይ ክሳብ ዝኸውን ኢና ንጽበ ዘለና? ኢሳያስ ንህዝብና የጥፍኦ ከም ዘሎ ዘይርዳእ ኤርትራዊ ኣሎ ድዩ ሎሚ? ሎሚኮ ኢሳያስ ህዝብና፡ ንስሙ ናጽነት ጨቢጠ እናበለ ህይወትካ’ውን ኣብ ኢደይ ኢያ ዘላ!’ ኢዩ ዝብሎ ዘሎ! እዛ ሃገርና! እናበልና ንምክሓላ ኤርትራና! ርኢና ከይንስእና! ዘስግኣሉ ግዜ ኢና በጺሕና ዘለና! ኣለኺዶ! ንብሃሃል። ብናይቶም፣ ኣብ ናይ 1998 ኩናት ዝተቐዝፉ፡ ኣብ ብረኻታት ሰሃራን ዝጠፍኡ፡ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡን ንብዓቱ ይዛሪ’ዩ ዘሎ። ጥፍኣቱ ዘጋድድ እምበር ንብዓቱ ዝሕብስ ኣይረኸበን። ብዘይቋርጽ መርድእን ጓህን ልቡ ክትኮሰ ከሎ ዝቃረብ ብዙሕ ኢዩ። ነዚ እናረኣየን እናሰምዐን ዝድቅስ ኤርትራዊ፡ ብደዉ ዝመተ፡ ዝቐብሮ ዝሰኣነ’ዩ  ክብሃል ዝክኣል! ዕድል ህዝብና ከፊኡ ግን ዘይስማዕ ይሰምዕ ኣሎ ህዝብና። ካበይ ከም ዝነጠቦ እንድዒ!

ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል ጽሑፍ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ተስፋይ ተምነዎን፡ ንዓሰርተ ዓመት ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበረ የማነ ተኽለገርግስን፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝፈልጥዎ ሓበረታታት ይገልጹ ስለ ዘለዉ፡ ህዝብና ንቕሓቱ ክብ ክብልን፡ ጸላኢኡ ኣጽናቲ ኢሳይስ ክፈልጥን ስለ ዝኸኣለ ንምምስጋንን፡ ህዝብና ከኣ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበረታታት፡ ክዝክሮን ክጥቀመሉን ከም ዝግባእ ዝምሕጸንን ኢዩ።  ካልኦት’ውን ኣሰሮም ስዒቦም ዝፈልጥዎ ብምግላጽ ህዝቦም ንምድሓን ክጽዕሩ ዘተሓሳስብ’ዩ ክብሃል’ውን ይክኣል። ናዝጊ ክፍሉ፣ “ኣነን ኢሳያስን ዝፈጸምናዮ ህዝብና እንተዝፈልጥ ምተጸለለ!” እናበለ፡ ናይ ክልቲኦም ሚስጢራት ከይገለጸ፡ ምሕላፉ ንህዝቡ ዝኽሕሰሉ ዕድል ከም ዝሓለፎ’ዩ ክቑጸር ዝከኣል። ኢሳያስ ሬስኡ ኣብ ዓዱ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ምኽልካሉ ግን፡ ገለ ምስጢር ዶኾን ኣምሊቑ! ይኸውን? ዘይብል’ውን ኣይኮነን። ሳልሳይ ከኣ፣ ህዝብና፡ ዝሓለፈ ጌጋታት ካብ ምድጋም ንምድሓንን ዝሕግዙ ሓበረታታት ንህዝቢ ንምግላጽን ንምዝኽኻርን፡ ዓቕምን ክእለትን ዘለዎም ለባማትን ምሁራትን ከኣ፡ መጻኢ ዕድል ህዝብና ብሩህ ንምግባርን፡ መንእሰያትና ተቐበልቲ ሕድሪ ክኾኑ ንምህናጽን፡ ሓቢሮም፡ ጉጅለ 13 ዘቕረቡዎ ከም ኣብነትን መንቀልን ውጥን ወሲዶም፡ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ትሕዝቶ ዘለዎ መርሓ ግብር ብምሕንጻጽ ንህዝቦም ክምህሩን ክመርሑን ንምዕዳም ዝዓለመ ኢዩ።

ብግዜ ዓደየ ዓደየ! ዓደይ ንመንየ! ብዙሓት ኤርትራውያን ‘ኢትዮጵያ ወይ ሞት! ዝብሉ ዝነበሩ፡ ኢትዮጵያን ሞትን ምስ ረኸቡ፣ ከምዚዶ ዝኸውን መሲሉና?!’ እናበሉ ብጣዕሳ ተበሊዖም ከም ዝሕለፉ ክሳብ ሎሚ ንዝክሮ ሓቂ ኢዩ። ሎሚ’ውን ካብ ዝሓለፈ ክመሃሩ ዘይከኣሉ፣ ‘ህግደፍ ወይ ሞት!’ ዝብሉ፡ ንህዝቦም መጥፍኢ ዶላርን ዩሮን ዘቕብሉ፡ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ህግደፍ ውዒሎም ዝሓድሩ ምህላዎም ዘጉህን ዘደንጹን ዘሰምብድን ኢዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኢሳያስ ህዝብና ከጽንትን ሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ‘ህግደፋውያን’፡ ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተላዕሉ ምህላዎም ተስፋ ህዝብና ዘለምልም ኢዩ። ኢስያስ ብዘካይዶ መናውራታት፡ ስነ ልቦና ህዝብና ተሰሊቡ ከም ዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። ሓደ ካብ ሳዋ ንሱዳን ዝተሰደ መንእሰይ፣ ‘ሱዳን ምስ በጻሕኩየ ኣብ ዓለም ሕጊ ከም ዘሎ ዝፈለጥኩ!!!’ ክብል ዝተዛረቦምን፡ ናይ ካልኦት’ውን ዝመሳሰልን ዘሰምብድን ብናይ ብሕቲ ራድዮ ዘመሓላለፉዎ መርድእን ዝሰማዕኩም ትዝክሩዎ ትኾኑ። ዘሰምብድ’ዩ ከኣ። ዕድመ መንእሰያት ኤርትራ፣ ኣብ ‘መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት!’ ይበሊ ከም ዘሎ ዝክሓድ ኣይኮነን። ካብ ወለዶምን ሕብረተሰቦምን ክወርሱዎን ክረኽቡዎን ዝግብኦም ብባእዳውያን ገዛእትን ናይ ውሸጢ ሓንከርትን ስለ ዝተሰብረን ናይ ክልተ ወለዶታት ዕድል ከም ዘጥፍአን ዘባኸነን ዝከሓድ ኣይኮነን። መንእሰያትና ዘኩርዕ ናይ ጅግንነት ታሪኽ ምውራስ መሰሎም ስለ ዝተበትከን፡ ዘበናዊ ትምህርት ከይረኽቡ ስለ ዝተኸልከሉን፡ ሃገራዊነቶም ይሃስስ ከም ዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። ሃገር ናይ ምርካብ ሓላፍነት ክቕበል ዝኽእል ወለዶ ክሃንጽ ዘይከኣለ ሕብረተሰብ ከኣ ብሩህ መጻኢ ውሑስ ምግባር ከም ዘይክእል ርዱእ ኢዩ። ሎሚ ኢሳያስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ካብ ስልጣኑ ከም ዝእለ ዘበስር ነጋሪት ይስማዕ ኣሎ። ስብሓት ዝመጻካ ኣይትስሓት ከም ዝብሃል ግን፡ ኢሳያስ ምስ ተኣለ፡ ህዝብና ንካልኣይ ግዜ ብምሒር ታሕጓስ ተሳዒሩ ግዳይ ተበልጽቲ ከይኸውን ክጥንቀቕ፡ ምናልባት’ውን ዝዓበየ ግድል መጻኢ ዕድሉ ብሩህ ንኽከውንን፡ ቅኑዕን መገዲ ዝሕብር መርሓ ግብር ምሕንጻጽ ኣድላዪን ወሳንን ኢዩ። ብፍላይ’ውን፡ ንህዝብና ካብ ባእዳውያን ገዛእትን፡ ጠላማት ደቂ ሃገርን ዝተመሓላለፈ ክፉእ ጽልዋ ምድሓንን፡ ዝፈጠሩዎ ሃጓፍ ምምላእን፡ ጥጡሕ ባይታ ምንጻፍን፡ ንጽባሕ ዘይብሃል ዕማም ከም ዘሎ ምዝንጋዕ ሳዕቤኑ ከቢድ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ዘዋስን ተበሃጊ ዝኾነ ነዊሕ መሬት ስለ ዘለዎ፡ ካብ ወረራ ከም ዘየዕረፈ’ዩ ታሪኽ ዝምረና። ስለዚ’ዩ ከኣ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ በብዘለዎ ሓላዊ ወሰን ኮይኑ ተዳልዩ ክነብር ዝግደድ ዝነበረ። ሓደጋ ከጋጥም ከሎ ከኣ ብቑልጡፍ ንመሉእ ዓዲ ይነግር፣ ‘ጠፋእና! ጎሓላሉ ወሰዱና! ዝሓዝካ ሒዝካ ርዳእ! ተረዳዳእ! እናበለ የእዊ። ዝኣምኖም፣ ብደገዝማቲ፡ ራእሲ፡ ባሕሪ ነጋሽ፡ ደግለላትን ዝፍለጡን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ስለ ዝነበሩዎ ንኦኦም ተኸቲሉ፡ ኩናት ይገጥምን ይስዕርን ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። ብሓደ ወገን ንዘበናት ባሕሪ ተሳጊሮም ዝመጹ፡ ብካልእ ወገን ከኣ ወረራ መሳፍንቲ ትግራይን መኪቱ ዝጉሕፍ ስለ ዝነበረ፡ ባእዳውያ ጸላእቲ ከይተረፉ፡ “ኩናት ክገጥም ከሎ ወራድ መርዓ’ዩ ዝመስል ብማለት ዝመስከሩሉ ጅግና ህዝቢ’ዩ ኔሩ። ክሳብ ሎሚ ነዚ ሓቂዚ ዘዘኻኽር ብዝመሓላለፉዎ ቃላት  ዝምህሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድን ምሁራትን ኣለዉ ኣብ ኤርትራ። ሎሚ’ውን ጅግንነት ህዝብና፡ ኣብ ልቢ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ከም ዘሎን ፈታውን ጸላእን ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። ዘብራብሮ’ዩ ዝጸበ ዘሎ እንተተባህለ’ውን ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ግዜ መርዓን፡ ብዓላትን፣ ኩናትን ጭማራን ምሓዝ፡ ምድባል፡ ምፍካር ከኣ ናይ ጅግንነት ህዝብና መርኣያ’ዩ ክብሃል ዝከኣል። ህዝቢ ኤርትራ፡ ስብን መንግስትን ስለ ዝኣምን፡ መንግስቲ ዝተዛረቦ ሓቂ ስለ ዝመስሎ፡ በቀሊል ስለ ዝታለልን ዝደናገር፡ ንዝበናት ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ምዃኑ’ዝፍለጥ። ጸላኢኡ ምስ ፈለጠ ግን ኩናት ገጥሙ ከም ዘይስዓር ታሪኹ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ክፋል ብሓደ ኢትዮጵያ ወተሃደር ናብ ኢሳያስ ዝተላእከ ደብዳቤ’ውን ነዚ’ዩ ዘረጋግጽ። ታሪኽ ጅግነት ህዝብና ዘይፈልጡ ግን፡ ዝተዳኸመን ዝተበታተነን ክከላኸልን ክምክትን ዘይክእል መሲሉ ስለ ዝረኣዮም፡ ብሓይሊ ከምበርክኹዎን ከጥፍኡዎ’ዮም ዝህንደዱ። ሎሚ ከኣ፡ ሃንደስቲ ናይ ሓዲሽ ፖለቲካ ሊቃውንቲ! ይቀላቓቐሉ ምህላዎም ዘሕዝንን ዘሰምብድን ኢዩ። ንከባቢና ህዝብታት ዝለኻኽም፡ ናይ ህልቂት ታሪኽ ክደግሙ ዝደናደኑ’ዮም ዝመስሉ። ህዝብና ከኣ፡ ብዘይካ ከም ቀደሙ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ምምካት ካልእ ኣማራጺ የብሉን። ድሉው ንምዃን ናይ ኤርትራዊ ሓጎስ ከም ዘድልዮ ዝስሓት ኣይኮነን።

ጣልያን ንሃገርና ክኣቱ ዝኸኣለ ከኣ፡ ካብ ወረራ መሳፍንቲ ትግራይ ንምክልኻል ዕጥቂ ብምቕራብ ከትሓባበርን ክሕግዝን ከም ዝደሊን፡ ሓላዪ ብምምሳልን፡ ንገለ መራሕቲ ኤርትራ ከእምንን ከታልልን ስለ ዝኸኣለን፡ መሪሖም ስለ ዘእተዉዎ ምዃኑ’ዩ ዝንገር። ቀስ ብቐስ ስልጣኑ ምሰደልደለ’ዩ ንሃገርና ደፊሩ፡ ‘ኤርትራ!‘ ብዝብል ስም ግዝኣቱ ምዃና ብ1890 ዝኣወጀ። ህዝብና ታሪኹ ፈሊጡ፡ መራሕቱ መሪጹ፡ ከይጉሕፎ ስለ ዝሰግአ ከኣ፡ ንሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ታሪኹን መራሕቱን የጥፋእ ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። ብእንግሊዝ ተሳዒሩ ካብ ሃገርና ብ1941 ምስ ወጸ፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ እንግሊጽ ግዚያዊ ምምሕዳር ንዓሰርተ ዓመት ጥራይ ከም ዝጸንሐት’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ሓጺር ግዜ ህዝብና ክምሃርን ክነቕሐን ዝኸኣለ ሕብረተሰብ ክሃንጽ ስለ ዘይከኣለ ከኣ፡ መጻኢ ዕድል ህዝብና ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ሰብ ዕድመ ጸጋታት ዘርከቡ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ ከኣ፡ ጎስጓስ ዓደየ ዓደየ ምስ ክክመር ከሎ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ንቕሓት ስለ ዘይነበሮ ንመራሕቱ ምስለነታት ተኸቲሉ ዝመረጹዎ መሪጹ። ሃገርና ብስርዓት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ምስ ተወሰነ ከኣ፡ ብቀጥታ ኣባለት ባይቶ ዝመረጻ ኣስመራን ባጽዕን ዝነበረ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ። ካልእ ብቀጥታ ክመርጽ ዝኽእል ኣይኮነን ተባሂሉ ከካብ ዝነብረሉ ዓዲ ሰለስት ሽምግለ ብምውካል ክመርጽ’ዩ ተወሰኑ። ህዝብና ስሳን ሾመንተን (68) ኣባላት ዝርከቡዎ ባይቶ መንግስት ኤርትራ ምስ መስረተ ግን፡ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ስርዓት ፈደረሽን ንማለቱ ንዓሰርተ ዓመት ክስሓግ ጸኒሑ፡ ብ1961 ንጉስ ሃይለስላሴ ስለ ዘፍረሶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጋህሰ መሰሉ ንምኽባር ብዘይካ ብረት ዓጢቑ ምቅላስ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ንሳላሳ ዓመት ደማዊ ኩናት ኣካይዱ፡ ሰፍ ዘይብል ናይ ህይወት መስዋእትን ንዋትን ከፊሉ ብ1991 ናጽነቱ ከም ዝጨበጠን ባንዴርኡ’ውን ኣብ ኣደባባይ ዓለም ከም ዝተሰቕለትን’ዩ ዝፍለጥ። ህዝብና ብኸመይ ናብዚ ህልውናኡ ዝፈታተን ሓደጋ ወዲቑ? ብኸመይከ ክድሕን ይኽእል? ንዝብል ድቃስ ዝኸልእ ሕቶ ዘዕግብ መልስን ፍታሕን ንምርካብ ኤርትራዊ በብዘለዎ ይጽዕር ከም ዝነበረን ዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። ሓደ ደጋጊሙ ክልዓል ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ፣ ስለ ምንታይ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብእንግሊዝ ተሳዒራ ካብ ሃገርና ምስ ወጸት፡ ሃገርና ከምተን ካልኦት ግዝኣት ጣልያን ዝነበራ ሶማልን ሊብያን ናጻ ክትከውን ዘይከኣለት? ስለ ምንታይ ህዝቢ ሶማልን ሊብያን ድላይ ህዝቢ ከይተሓተ ናጻ ሃገራት ክኾና ከለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ስለ ምንታይ ቅድሚ መጻኢ ዕድሉ ምውሳን ድላይ ህዝቢ ክፍለጥ ኣለዎ! ተባሂሉን ተወሲኑን? ሳዕቤኑኸ? ንዝብሉ ሕቶታት ምልሲ ንምርካብ ዝጭነቕ ብዙሕ ኢዩ።

ኢሳያስ ቅዋም ከይትግበርን ንመንእሰይ ኤርትራ ንምጽናትን ኣንጻር ወያኔ ዝወልዖ ኩናት ብስምምዕ ደው ምስ በለን ኢዩ ህዝብና ብዛዕባ ዝሓለፈን ዘሎን ሃለዋት ዝብናን ሃገርናን ሓበረታ ክረክብ ዝጀመረ። ጉጅለ 15፣ ኣካይዳና ንመርምር፡ ነመሓይሽ፡ ስልጣን ንህዝቢ ነረክብ፡ ዝብል፡ ንኢሳያስ ዝብድህ ሕቶታት ከቕርቡ ምስ ጀመሩ’ዩ ከበራበር ዝኸኣለ። ናይ ብሕቲ ጋዜጣታታ ንሕቶ ጉጅለ 15 መሰረት ብምግባርን ሓበረታታት ብምውሳኽን ንኣዋርሕ ብምግላጽን፡ ንህዝቢ ከንቅሓ ስለ ዝጀመራ’’ዩ ህዝብና፡ ነቒሑ ክትሓታተት ዕድል ዝጀመረ። ጉጅለ 15፡ ኢሳያስ’ውን ከምኦም፣ ብዝተቐበሎ ናይ ሶሺያዝም (ሕብረሰባዊነት) ፍልስፍና ወይ ስነ ሓሳብ ዝጸንዕ፡ ብናይ ሓባር መሪሕነት፡ ኣብ ኣኼባ ፖሊት ቢሮ ብዝውሰን መሰረት ዝምራሕ፡ መንግስቲ ብሓይሊ ምልዋጥ ዘይፈቅድን ለውጢ ብዘተን ብሰላማውን መገዲ ጥራይ ንምፍታሕ ዝጽዕር ስለ ዝመሰሎምን ዝኣመኑዎን፡ ዝተጋገዩ ኢዮም ዝመስሉ። ኢሳያስ ስልጣኑ ንምሕላው ወላ ምስ ሰይጣን ከም ዝሰርሕ ከይፈለጡ ተጻዊቱሎም። ብሕብረሰባዊነት ዝምራሕ መንግስቲ’ዩ ይብል ከም ዘይነበረ፡ ውሑዳት ኣብ ሓላፍነት ስለ ዘይነበሩ ዝፈልጡዎ ዘይብሎም ሃሱታት ኣኪቡ ተራ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ፡ ንጉጅለ 15 ጨውዩ፡ ዝኸፍአ ዕሉል ኣጽናቲ ህዝቢ ኮይኑ። ንኣዳለውቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታታት ቀፊዱዎም። ህዝብና ብጉዳዩ ንምዝታይን ምንቃሕን ተኸፊቱ ዝነበረ ማዕጾ ረጊጡዎ። ናይ ሓበረታ ምርካብን ምንቃሕን ዕድል ህዝብና ክቆጺ ጽዒሩ። ጅግና ወዲ ዓሊ፡ ካብ ርሑቕ ተላዒሉ፡ ምስ ታንኩ ፎርቶ ደይቡ፣ እሱራት ይፈትሑ! ቅዋም ይተግበር! ክብል ንደቓይቕ ዘሕለፎ ህጹጽ ጸዋዒት ምሰመሓላልፈ ግን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ርእሱ ኣድኒኑ ዝነበረ ህዝቢ፡ ኣንጻር ኢሳያስን ስዓብቱን ምንቅስቓስ ጀሚሩ ብዝሓየለ ይቕጽሎ ከም ዝሎ ዝፍለጥ ኢዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ህዝብና ብኸመይ ናብዚ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ንምፍላጥን ከም ዝጽዕሩን በብግዜኡ ዝተፈላልዩ  ሕቶታት የቕርቡ ከም ዝነበሩን ዘለዉን ዝስሓት ኣይኮነን። ግን ብመረዳእታ ዝተደገፈ መልሲ ዝረኸበ ኣይመስልንን። ካብ ቀዳሞት ምሁራትን ብሱል ናይ ፖለቲካ ትምህርትን ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ናይ ሚኒስትርነት መዓርግን ልምድን ዝነበሮም፡ ብላታ ሎረንሶ ታእዛዝን ብላታ ኤፍረም ተወልደመድሕንን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘንጸላልዎ ዝነበረ ሓደጋ ንምድሓን ዝጠቅም ሰነዳት ሖዞም ከም ዝነበሩን ከም ዝነበሮም፡ ክቕበሉዎ ዝኽእሉ ኤርትራውይና ስለ ዘይረኸቡ ግን ከም ዝጠፍአ’ዩ ዝንገር። ሓደ ካብኡ ስዒቡ ዝቐርብ ኣብ ጉጉል (google.com) ዘሎን ዝደለ ክረኽቦን ከንብቦን ከመሳኽሮን ዝኽእል ብሕጽር ዝበል ዝቐረብ ቅዳሕ ደብዳቤ ንመልከት። ኣብ መርበብ ሓበረታ መስከረም ዶት ነት፡ ንቁሩብ መዓልታት ተለጢፉ ስለ ዝነበረን ብዘይተገልጸ ምኽንያት ብቑልጡፍ ዝተሳሕበን ዘንበብኩም ትዝክርዎ ትኾኑ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳዩ ብዝምልከት ዘይፈልጦ፡ ብድሕሪ መጋረጃ፡ (behind-the-scenes-berayals)  ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣመሪካን ንጉስ ሃይለስላሴን ዝተኻየደ ስምምዕ ዝገልጽ፡ ብስሙ ዘይተገልጸ ናይ ሲንክለር ካምፓኒ ሓላፊ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ጀምስ ባይርንስ James F. Byrnes ዝተጻሕፈ ደብዳቤን፡ ‘ናይ ኣመሪካ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ዝነበረ ዋና ኣማኻሪ ዝነበረ ጆን ፎስተር ደለስ፣ ‘ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ክኽበረላ ዝግባእ’ካ እንተነበረ ንረብሓ ኣመሪካ ክንብል ምስ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትቁረን ወሲና ኣለና!’ ብማለት ዝገጾን ንመልከት።

TESFANEWS September 4, 27,  1945. The Role of Sinclair Oil Corporation in the Eritrean Federation with Ethiopia. “For a better understanding of what caused the 30 years war between Eritrea and Ethiopia, it is suffice to revisit the semptember 27, 1945 letter that was written by U.S. Oil and Gas company to James F. Byrnes, the then Secretary of State.” The letter states; “If we are to procced with our development program in Ethiopia, it is of vital importance that Eritreas should be recognized as an integral part of Ethiopia, as we would have suitable seaport outlet.

Our entire development program will seriously be delayed and affected should Eritrea be under the domination of any other power except Ethiopia. I, therefore, urgently request that your good offices support the demand of Ethiopia with respect to Eritrea…”  The U.S point of view was expressed by its then chief of foreign policy adviser, John Foster Dulles who said: “From the point of view of justice, the opinions of the Eritrean people must receive consideration. Nevertheless, the strategic interests of the U.S in the Red Sea Basin and considerations of security and world peace make it neccessay the country (Eritrea) be linked with our ally Ethiopia. J.F.D 1952

ልዕል ኢሉ ዝቐረበ ጽሑፍ፣ ‘መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ኦጋደን በንዚን ንምውጻእ ምስ ኢትዮጵያ ስለ ዝተሰማዕናን በንዚን ብውሑስ መገዲ ንወጻኢ ምስዳድ ዝከኣል ከኣ ብወደባት ኤርትራ ክንጥቀም ስለ ዘድልየና፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲኣ ክትከውን ተቕርቦ ጠልብ መንግስቲ ኣመሪካ ክድግፍ ኣለዎ! ብማለት ምጽሓፉ’ዩ ዝገልጽ። ናይ ቃኘው ስተሽን ስምምዕ’ውን ምስኡ ዝተለከመ’ዩ ዝመስል። ህዝብና ኣብ ጉዳዩ ጓና ኮይኑ ከም ዝነበረን ከም ሳዕቤኑ ከኣ ዝቐረበ ዝመስል ዝነበረ ናጽነት ካብ ህዝብና ከም ዝረሓቐን፡ ሃገርና ከኣ፡ ህዝባ ንማለቱ ጥራይ ድምጹ ከም ዝስማዕ ብምግባር፡ ካብ ድላዩ ወጻኢ ብ1952 ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቑረን ከም ዝተወነን’ዩ ዘረድእ። እዚ ከኣ ውሳነ ዘይኮነስ፡ ኩዒትካ ቅበር! ኢዩ ክብሃል ዝከኣል። ጉዳይ ሃገርና ኣብ ኢድ ጥቕሞም ዘቐድሙ ብኣታታት፡ ውልቀ-ሰባትን መንግስታትን ከም ዝነበረ’ዩ ዝሕብር። ሕጂ’ውን ኢሳያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉ ምስ ኣዕራብን ምስ ዶ/ር ዓቢይ ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላይ ሚኒስቴር ዘካይዶ ዘሎ ሳዕቤኑ ዘይፍለጥ ስምምዕን ዝፍርሞ ዘሎ ውዑላትን ጉዳይ ሃገርና ኣብ ኢድ ካልኦት ከይወድቕ ዘስግእ ኢዩ። ነዚ ሚስጢራዊ መናውራታት ተኸታቲሎም፡ ምስ ኣርካናት ዓለም ተራኺቦም ከበርዕኑን፡ ንህዝቦም ከድሕኑን ክመርሑን ዝኽእሉን ለባማትን ምሁራትን ናይ ፖለቲካ ሊቃውንትን ክሳብ ዝውለዱዎ፡ ንሓደጋ ዝተጋለጸ ኮይኑ ከም ዝነብር ዝስሓት ኣይኮነን። ይቕጽል

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 4 ሚይዝያ 2019

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mirab April 11, 2019

    This is the right time for the Eritrean Armed Forces to act against the old dictator like their Sudanese counterparts.

POST A COMMENT