Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መእረምታ ምቕያር ምእከቢ ኣዳራሽ ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን

መእረምታ ምቕያር ምእከቢ ኣዳራሽ   ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን   ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 07 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 02:00 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።   ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ 

መእረምታ ምቕያር ምእከቢ ኣዳራሽ

 

ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 07 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 02:00 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ  ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ሃገናን ክንዛተን ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን ንሕና ከም ደቂ ሃገር ንህሉው ኩነትት ዝመጣጠን ስራሕ ንምስራሕ ክንላዘበሉ ኢና።

 

ኣብዚ ናይ ሓድነት ኣኼባ፥ ብዙሓት ኤርትራውያን፥ ካብ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብና፥ ንኽትሳተፉ ብትሕትና ንዕድም።

 

ኩላትና ከም እንፈልጦ፥ ህልውና ሃገርና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣዩ ዘሎ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን እቲ ኣብ ውሽጥና ንዓና መሲሉ ከጽንተና ዝጸንሔ ኣካል ጉልባቡ ቀሊዑ ዕላምኡ ኣነጺሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ንሕና ደቂ ሃገር ንህልውና ሃገናን ህዝብናን ንቐጻልነት ሕብረተሰብናን ብሓደ ድምጺ ክንስጉመሉ ዘሎና ናይ ህጹጽ እዋን እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ  ነዚ ተበጋጊሱ ዘሎ ጽቡቕ ተበግሶታት ኣብ ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ተጠርኒፉ ወናኒን ቀላሲን መጺኡ ክኸውን ስለዘሎዎ ኣብቲ እብ ከባቢኩም ዘሎ ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ተጸንቢርኩም ቃልስኹም ከተሳልጡ እንዳ ዕደምና እቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትርከቡ ድማ ብትኽእልዎ ነዚ ሕዝባዊ እካል ብምጽንባር ንስራሕ ክትብገሱን ኣብዚ ሕዝባዊ እኼባ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

 

ኩልኻትኩም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንእትፈልጡዎም ሰባት ክትዕድሙን፡ ክትሳተፉን፡ እጃምኩም ክተበርክቱን፥ ንኹሉ ኤርትራዊ ብኽብሪ ንዕድም። እዚ አኼባዚ ዕላምኡ ንኽወቅዕ ንእትገብሩዎ አበርክቶ ኣቐዲምና ነመስግነኩም።

 

ሕጊ ይግዝኣና፡ ለባም የመሓድረና፡ ምሁር ይምሃረና

 

ኣሕዋትኩም፥

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ -ዓባይ ብሪጣንያ

 

እኼባ ዝካየደሉ ኣዳራሽ፥

Bradfield Court

Hawley Road

London NW1 8RN

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT