Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ኣብ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ቅልዉላዉ

ህግደፍ ኣብ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ቅልዉላዉ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገልግሎት ቴለቪጅን ኣልጅዚራ፡ ሓደ ብጽጹይ ኣሃዛት ዝተሰነየ ጸብጻብ ቅድድም ሃብታማት ሃገራት ኣብ ወደባት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ሶማልን ዝግበር ዘሎ ዕሹግ ኲናት ኣመልኪታ ሓደ ጸብጻብ ኣዳልያ ናብ ፈነወ ከምዘብቀዐት

ህግደፍ ኣብ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ቅልዉላዉ

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገልግሎት ቴለቪጅን ኣልጅዚራ፡ ሓደ ብጽጹይ ኣሃዛት ዝተሰነየ ጸብጻብ ቅድድም ሃብታማት ሃገራት ኣብ ወደባት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ሶማልን ዝግበር ዘሎ ዕሹግ ኲናት ኣመልኪታ ሓደ ጸብጻብ ኣዳልያ ናብ ፈነወ ከምዘብቀዐት ይዝከር። እቲ መደብ ብቀንዱ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብፍላይ ተካይዶ ዘላ ጠገለ ዘይብሉ ግበታ ንምቅላዕ ዝዓለመ ይኹን እምበር፡ ኤርትራ ዉን ካብ ህዝባ ብዝተሰወረን ዝተሓብአን እኳ ኣንተኾነ፡  ካብተን ተመዝመዝቲ ገንሸላት ምብራቅ ኣፍሪቃ ኮይና ከምዘላ ከየቃልዐት ኣይሓለፈትን።

ንኩሉ ሰማዒ ልሙድ ብዝኾነ ኣጋባብ፣ እታ ልሳን ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ቲቪ ኢሰያስ (ቲቪ ኤረ) ነቲ ጉዳይ ኣብ እዝኒ ዜጋታት ክበጽሕ ምዃኑ ብምርዳእ ብኣግኡ መልሲ ክትህበሉ ተሰሚዓ እያ። ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ሃገሩ ካብቲ የማሓድረካ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ መግለጺ ተዋሂብዊ ኣይፈልጥን እዩ፡ እንታይ ድኣ ብመንግስቲ ህግደፍ ዝተኻየደ ዝኾነ ምስጢራዊ ስምምዓት ብገለ ወገናት ክቃላዕ ምስ ዝጅምር ንዕኡ ንምዕፋን፡ ብምኽሓድን እተተኻኢሉ ድማ ሓቅታት ብምጥምዛዝን  ካብ ዝካየድ ሓተታታት ቲቪ ኤረ፡ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣመት ናይቲ ጉዳይ ክርዳእ ጸኒሑ። ሎሚ ግና ሳላ መራኸቢ ብዙሓን እነሆ ካብቲ መደብ ንኤርትራ ጥራይ ዝምልከት ትሕዝቶን ካልእ ምስኡ ዝተኣሰሰር ቶርጒምና ነቅርበልኩም።

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኲናት ከምቲ ልሙድ መልክዑ ብቶኽሲ ከቢድን ፈኲስን ብረት ጥራይ ኣይኮነን ዝካየድ ዘሎ፡ ካልእ መልክዕ ዝሓዘ ናይ ቁጠባን፡ መስመራት ንግድን፡ ሰራዉርካ ጽልዋኻን ምንዋሕን ዝዕላምኡ ጽዑቅ፡ ትኪ ኣልቦ ኲናት ይካየድ ኣሎ። ናይዚ ናይ ዘመና ሓድሽ ቅዲ ኲናት ድማ ኣብ ገማግም ባሕርታት ሰሜናዊ ምብራቅ ኣፍሪቃ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እተን ቀንዲ ጎባልል ዕንደራ እዚ ቁጠባዊ ኲናት ዞባና ድማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቻይና፡ ቐጠርን ቱርክን እየን። እቲ ሰፊሕ ጸብጻብ እዚ ቁጠባዊ ኲናት ብቀንዱ፡ ወደባት ምብሓትን መስመራት ንግዲ ምቑጽጻርን ዝዕላምኡ ግብግብ “ብናይ መን ዋጋን፡ ብምንታይ ዋጋን እዩ?“ ብዝብል ሕቶ እያ እታ፡ ጋዜጠኛ መደባ ትጅምር።

ካብ ሓደ ርብዒ ክሳብ ሓደ ሲሶ ናይ ንግዲ መራኽብ ዓለምና ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ እዩ ዝካየድ። ጅቡቲ ኣብ መሓንቆ ባብ ኤለመንደብ ስለትርከብ፡ ካብ ቀንዲ ኣገደስቲ ወደባት ዞባና ኮይና ትርከብ። ጅቡቲ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ነታ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝተረፈት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ባሕሪ ንምሻጥ ብኣህጉራዉያን ኣዉፈርቲ ተሰኒያ ዓበይቲ ወፍርታት ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብኣገልግሎት ወደብ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ራባዓይ ደረጃ ክብ ኢላ ከምትርከብ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ጅቡቲ ግን ብዋጋ መን እያ፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅጽበታዊ ዕብየት ከተምዝግብ ዝኻኣለት? እቲ መልሲ፡ ድማ ብሃሳሰ ለባም ዘይኮነ፡ ሰነዳት ብምግንጻል ብቀሊሉ ክንረኽቦ ንኽእል። እቲ ዛጊት ግቡእ መግለጺ ዘይተዋህቦ ፡ ብናይ ዶብ ሽፋን ዝተባርዐ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስተሳወረ፡ ወደባት ኤርትራ ካብ ኣገልግሎት ፈጺመን ድሕሪ ምብኳረን፡ ከምባዓል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ቁጠባዊ መኽሰባተን ንምኽዕባት፡ ወደብ ጂቡቲ ንኣገልግሎት ንግዲ ኢትዮጵያ እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ምዃኑ ብምዕዛብ፡ ንወደብ ዱራሌ (ጅቡቲ) ብኣስታት 34% ን30 ዓመታት ክትካረዮ ከላ፡ ካልእ ኣብ ክልተ 10 ዓመታት ክናዋሕ ዕድል ዝኸፍት ዉዕል ብመንገዲ ዲፒ ወርልድ ዝተባህለ ናይ ዱባይ ማሕበር ኣብ 2004 ዉዕል ተፈሪሙ።

እዚ ናይ ኢማራት ወፍሪ ዋላኳ 33.6% ብርኪ እንተነበሮ፡ ኩሉ ንጥፈታትን ቀንዲ ስራሕ እቲ ወደብ ኮነ፡ ሰራሕተኛታቱ በዚ ናይ ድባይ ማሕበር እዩ ዝካየድ ኔሩ። መሳለጥያታት እቲ ወደብን ኣገልግሎቱን ብዝተዓጻጸፈ ይዕበ እመበር፡ መንግስቲ ጅቡቲ በዚ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘጓኒ ስምምዕ ኣይዓገበን። ኣብ 2009 ለዉጥታት ከካይድ እኳ እንተፈተነ መንግስቲ ኢማራት ፍቃደኛ ኣይነበረን፡ በዚ መኽንያት ጂቡቲ ኣብ ርእሲ እዚ ዉዕል እዚ ካልእ በይናኣዊ ዉዕል ምስ ናይ ቻይናዊ ኩባንያ ኣብ 2012፡ 23% ካብ ብጽሒታ ዝኾነ ብርኪ ክትሸይጥ ከምተሳማምዐት ማዕከናት ዜና ይሕብራ። ብመሰረት ዲፒ ወርልድ ዘቅረቦ ክሲ፡ ኣብ 2017 ቻይናዉያን ኩባንያታት ካብ ዝተኸተመ ዉዕላት ወጻኢ ሓደሽቲ መዕረፍን መራገፍን መኻዚኖታትን ክሰርሓ ጀሚረን። እቲ ዘይምርድዳእ እንዳዓበየ ምስ ከደ፡ ኣብ ለካቲት 22፡ 2018 ድማ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ትሕቲ ዑቅባ ቻይና ኮይኑ ንኩባንያ ኢማራት ብምብራር ወደብ ዶራለ ባዕሉ ከካይዶ ሓለፍነቱ ከምዝተረከበ ካብ ማዕከናት ዜና ዓለም ተኻተቲልናዩ ኣለና።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብጀካዚ ኣገልግሎት ወደብ፡ ካብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝነበራ ወታጋደራዊ መዓስከር ዉን ተባሪራ እያ። ድሕሪ እዚ ኪዳን ጅቡትን ኢማራትን ምፍራሱ፡ ኣገልግሎት ወደብ ዶራለ ንምክራይ ከምባዓል ፈረንሳን ካናዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ፈተነታት ኣካይደን እኳ እንተኾና ሰበስልጣን ጅቡቲ ግን ንቻይና እዮም መሪጾም። ቻይና ካብ ሃገራ ወጻኢ ንመጀመርያ ግዜ ወታሃደራዊ ማዓስከር ኣብ ጂቡቲ ምትካላ ዉን ሃደበት ዝተረኽበ ክስተት ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ፡  ቻይና ናብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ነዊሕ ዕላማ ዘነጽር ስጉምቲ እዩ።

እዚ ካብ ቀንዲ ቁጠባዊ ማሓዉር ኢማራት ዝኾነ ኩባንያ ዲፒ ወርድ፡ ኣብ 42 ሃገራት ዝርከባ 78 ወደባት ይነጥፍ። ነዚ ኣብ ጂቡቱ ዝተነፍጎ ዕድል ንምኽሓስ ብሓደ ወገን፡ ንጂቡቲ ብተዛዋዋሪ ንምቅጻዕን ብዝሓለኖ ዉጥን መሰረት በቲ ኻልእ፡ ኣብ ከምባዓል ኤርትራን ሶማሊ ላንድን ዝኣመሰላ፡ ካብ መድረኽ ንግዲ ዓለም ተኸዊለን ዝጸንሓን፡ ካልእኦት ግዳያት ዕላማ ብምግባር ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ድማ ብፍላይ፡ ኢማራት ብፍቃድ ስርዓት ህግደፍ ሓድሽ መግዛእቲ ፈንያትልና ትርከብ።

በዚ ካብ መደበር ቴለቪጅን ኣይጀዚራ ዝተረኽበ ጸብጻብ መሰረት ኣብ 2015 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ ዓሰብን መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብን ን30 ዓመታት ከምዝትኻረየቶ ይግለጽ። ዓመታዊ ንሰበ ስልጣን ኤርትራ ክትከፍል፥ ብዘይካ እዚ እቲ ወደብ ኣገልግሎት ክህብ ምስ ጀመረ ድማ፡ 30% ንሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝኽፈል እዩ እቲ ጻብጻብ ዝገልጽ። እቲ ጸብጻብ ብምቅጻል፡ ` እዚ እቲ ስምምዕ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ካብ ሳትላይ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ግን፡ ዛጊት ዝኾነ ናይ ህንጸት ስራሓት ይኹን ናይ ንግዲ መራኽብ ንጥፈት የለን፡ በንጻሩ ኣብ ኲናት የመን ዝሳተፋ መራኽብን ነፈርቲ ኲናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጥራይ እየን ኣብቲ ከባቢ ተደኲነን ዝርከባ። ኣብዚ ብክራይ ተወሲዱ ዘሎ ከባቢታት ዓሰብ ካልእ ሓደ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከብ እቲ ጸብጻብ የብርህ።

እዚ ብመደበር ተሌቪጅን ዝቀረበ ጸብጻብ መጠን ናይቲ ንሰበስልጣን ኤርትራ ወይ ህግደፍ ዝተኸፍለን ዝኽፈልን ዉዕል ኣየነጸረን። እዚ ምስጢራት እዚ ነቲ ብድኽነት ዝሳቀ ዘሎ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ጓና ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ምብጽሑ ኣይተርፍን እዩ ብዝብል መረዳእታ እዩ፡ እምበኣር፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ንምድንጋር መግለጺ ከዉጽእ ዝተገደደ።

መደበር ቴለቪጅን ኣይጀዚራ፡ ናይ ንግስነት ቀጠር ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ኢማራት ብዘለዋ ምፍጣጥ ኩሉ ጸረ ኢማራት ዝቀንዐ መግለጺታት፡ ከምሓቂ ክትቅበሎ ዘጸግም እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዞባና ዘሎ ፖለቲካዊ ወሽለኽለኽን፡ ናይ ዕበጦ ሸፍኖ ኣካይዳ ስርዓታት ኢሰያስን ዶክተር ኣቢን፡ ሓዊ እኳ እንተዘይ ራኣና ትኪ ግን ኣይተሓብአን። እቲ ካልእ ዘይካሓድ ሓቂ፡ እዚ ኣብ ዓዲ ሃሎ ሓኪሉ ዝዉዕል ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ቅድሚ ምስ ቀጠር ምብታኹ፡ ቀንዲ ኩርኩር ንግስነት ቀጠር ኮይኑ እታ እንኮ ዝማላለሳ ዝነበረ ሃገር ቀጠር እያ ኔራ። ሎሚ ምስጢራ ስርዓት ህግደፍ ብቐጠር ምቅላዑ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይ ንሰራቂ መሳርቅቱ ጥራይ ስለዝፈልጦ።

ኣብ ዞባና ኣብዚ ኣዋን ጎባልል ዘመና፡ ቻይና፡ ኣሜሪካ፡ ቱርክ፡ ቀጠር፡ ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን፡ ኣብ ከም ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ሶማሊ ላንድ፡ ፒንቲ ላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ዕድላት ምልዮናት ዜጋታት ብዘይሓላፍነታዉያን መራሕቲ ተጠቂሞም ይምዝምዙን ይዘምቱን  ኣለዉ።

ኣብ ሃገርናን ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣተኲርና እንተተዓዚብና፡ እቲ ምስጢር ብቀሊሉ ዝፍታሕ ምኽሪ ህጻናት ኮይኑ ንረኽቦ። ኢማራት ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ጅቡቲ ተባሪራ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ዉዕል ሰላም ምፍርራመን፡ እሞ ድማ ብቀጥታ ናብ ኢማራትን ስዑድን ኬድካ ዉዕል ምፍርራም እንታይ መግለጺ ክዋሃቦ ይካኣል። ኤርትራ ወደባታ ህዝባ ብዝፈልጦ ወግዓዊ ኣሰራርሓ ንጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ወደብ እንተትህብ፡ እዚ ኣብ ፈቀዶ ዓለም ኮይኑ ብድኽነት ዝዋረድ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ብኽብሪ ምነበረ። ሃገራት ወደባተን ከካርያ ነዉሪ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ብህዝቢ ዝተወከለ ባይቶ ዝወሰኖ፡ ረብሓታት ዜጋታት ዕብየት ሃገር ዘራጋግጽ ምስ ዝኸዉን እዩ።

ኣብ ናይ ሃገርና ጎዳይ እንተ ኣተኮርና ግና፡ ህዝቢ ከበሳ ካብ ባዓል ዓዲ ግራት ዝመጸ ዝዓሰዉ ባኒ ይቅለብ፡ ፍርያም መሬቱ ድማ ብህግደፍ ይዝረፍ። ህዝቢ ዓፋር ኣብ ገዛእ ባሕሩ ተሓሪሙ ይርከብ፡ ህዝቢ ባርካ ማሓዉሩ ተኣሲሩ ካብ ሱዳንን ሑመራን ዝኣተወ ሃለኽቲ ይዕንገል። እዚ ግዝያዊ ወታሃደራዊ ማዓስከር ተባሂሉ ንኢማራት ተመጢዩ ዘሎ መሬትን ባሕርን ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ዘመና መዳርግቲ ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን ዝካየድ ዘሎ ኣረሚናዊ ቅዝፈት ዝዉዕል እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ናይ የመን ሂልቂት፡ ኢዳ ብምርሳሓ ታሪኻዊ ሕፍረት ንጉኒ ገዲፍካ፡ ኣብቲ ከባቢ እንታይ ባህርያዊ ብከላ ከስዕብ ይኽእል ዝብል ሕቶ ዉን ካልእ ዘየደቅስ ኣርእስቲ ኮይኑ ንረኽቦ።

ንስርዓት ህግደፍ ብዛዓባ ሓንቲ ምስጢራዊት ቤት ማእሰርቲ ኢማራት ብዜና ቀጠር ምቅልዑ፣ ኣቖጢዕዎስ መግለጺ ኣብ ምዉጻእ በጺሑ ኣሎ። ምናልባት መደበር ቴለቪጅ ኣል ጀዚራ ብዓለም ደረጃ ዝስማዕ ማዕከን ስለ ዝኾነ፡ የመናዉያን ዜጋታት ኣብ ኤርትራ ይሳቀዮ ከምዘለዉ ከይስማዕ ስለዝራዓደ እዩ ህግደፍ መግለጺታት ኣዉጺኡ ብዉሑዱ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓበሬታ ዝዉሕዶ ህዝቢ ኤርትራ ንጹህ ኮይኑ ክቀርብ ዝፍትን ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ካልእ ካብዚ ዝዓቢ ዝፈልጦ ሓቂ ኣለዎ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቁ ኣብ ኣስታት 350 ኣብያተ ማእሰርቲ ተሓይሮም እንዳ ተሳቀዮ ከለዉ ብዛዕባ ሓንቲ ቤት ማእሰርቲ ክማጻደቅ ምፍታኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዓቀኑ ዝሓለፈ ንዕቀት ዘመልክት`ዶ ኣይኮነን። ወይስ ኤርትራዊ ንማእሰርትን ወርደትን እዩ ተፈጢሩ?

ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ኮይኑ ካብ ዝባሃል ዳርጋ ዓመት ቀሪቡ ከብቅዕ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ምስጢራዊ ዉዕላት ክፋራረም እንከሎ፡ ኣብ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ባርነት ዝርከብ ዜጋ`ኸ ንቤቱ ዝተፋነወ ኣሎ`ዶ?  ኣብ ክንዲ ንዓሰርተታት ዓመታት ተወንዚፉ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ቁጠባ ዘዕቢ ከምንግድን፡ ምስራሕ ኣባይትን እኳ ዝፍቀድ፡ ህዝቢ ኣስመራ ካብ ኩርባ እምበይቶ ሑጻ ከየምጽእ፡ ዝዓነወ ኣባይቱ ከይሃንጽ እዩ ተኸልኪሉ ዝርከብ። በንጻር ትምኒት ኤርትራዊት ስድራ፡ ክንዲ ሰላም ኮይኑ ተባሂሉ ትማሙቕ፡ ድሕሪ ምኽፋት ዶባት ዝባኣሰ ስደትን ፍልሰትን ኣትይዋ መሊሳ ዘኽቲማ ትርከብ ኣላ። ኣጽቂጡ ዝጸንሐ ህግደፍ ኣብዚ እዋን፡ ንቅሓት ህዝብን ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ብዘስምዖ ዘሎ ተቃዉሞን ሰንቢዱ፡ ኮንቱ መግለጺታት ከዉጽእ ይስማዕ ኣሎ። እቲ ግዜ ግና፡ ኣኺሉ እዩ፡ ኤርትራዉያን መሰረታዊ ለዉጢ ነምጻኣሎ እዋን በጺሑ እዩ፡ እቲ ለዉጢ ድማ ብቀንዱ ካብ ሓድሽ መሪሕነት እዩኡ ዝጅምር።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ዉልቀ መላኺ፡ ንጸጋታት ኤርትራ ንዉልቓዊ ረብሕኡ ከዉዕሎ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ክሓልፈሉ ራኢ ይኹን መደብ የብሉን። ኤርትራ መጀመርያ ዓቅሚ ሰባ ጸንቂቑ፡ ድሒሩ ማዕድናት ሃገር ኣብ ዉልቓዊ ጅቡኡ ኣእትዩ፡ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዝበልዖን ዝሰርሖን ጠፊእዎ፡ ቢልዮናት ሃብቲ ሃገር ድማ፡ ኣብ ምስጢራዉያን ብንክታት ዓለም ተሰዊሩ ይርከብ። ኣብዚ እጂ እዋን ድማ ሓንሳብ ወደብ ሓንሳብ መሬት የካርን ይሸይጥን ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ንረብሓ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስን ዉሑዳት መላፍንቱን ጥራይ እዩ ክሰርሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ተገንዚብዎ ስለዘሎ ድሕሪ ሕጂ ናይ ምጽማም ዓቅሉ ተጸንቂቁ ከምዘሎ ብዝተፋላለየ መንገድታት ይገልጽ ኣሎ። ድሕሪ ሎሚ ብናይ ሓሶት መግለጺታት ዝዳናገር ኮነ፡ ብናይ ሓሶት ተስፋ ዘንባሁቕ ዜጋ የለን። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢሰያስ ኤርትራ ድሕሪ እተን ኣዝየድ ካባና ዝደኸያ ሃገራት ከምዝወደቀት ኩሉ ህዝቢ ተዓዚብዎ እዩ። ሕማሙ ዝተጋህደሉ ህዝቢ፡ መድሃኒቱ ከለሊ ስልዝበቅዐ፡ ንዚ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል ህዝቢ ኣብ ቅድሚኡ ደዉ ዝብል ሓይሊ ይኹን ዓቕሚ የለን።

ጉዳይ ኢትዮጵያ ክሓምሉ ዝግቦኦም ህዝቢ  ኢትዮጵያ እኳ እንተኾኑ፡ ዶክተር ኣቢ ዉን ኣብ ክንዲ ነቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ክኸዉን ተስፋ ዝተነብረሉ ዝነበረ፡ ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ ዝቀረበ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ካልእ ጸጋታት ሃገሩን ዘኻዕብት ፡ ንምስርን ኢማራትን ስዑድን ከገልግልን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ምብትታን እንከላ ዉሽጣዊ ጸገማቱ ከይፈትሕ ኮንቱ ኣብዝኾነ ዞባዊ ጉዳያት ክመላለስ ይዉዕል ኣሎ። ዓሰብን ካልእን ክጥምት ኣዲስ ኣበባን ባህሪዳርን ካልእ ዶብ ሰሪሐን ክጽንሖኦ ከምዝእላ ኣይተሰቆሮን ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፡ ህዝብታት ጎራባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ድማ ብሓፈሻ ሓላፍነታዉያን ስርዓታት ኣብ ምትካል ብዘይ ዋዓል ሕደር ክንሰርሕ መድረኽ ይሓተና ኣሎ። እንተዘይኮነ፡ ታሪኽ ዉርደትናን ድኽነትናን ናብ ዝነወሐን ዝተሓላለኸን ክሳጋገርን እዩ። ካርታ ሃገራትና ብፍላይ ድማ ኤርትራ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ዘይኮነ፡ ካልእ መልክዕ ዝሕዘሉ ርሑቕ ኣይክኸዉንን እዩ።

ሰላምን ራህዋን ንዉጹዑ ህዝቢ ኤርታራ!!!

ኣማን ጎይትኦም

Amang_777@yahoo.com

24/03/2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Hagherawi March 25, 2019

    እሰያስ ፥ ንኤሪትራ ባህ ከምዝበሎ ይጥቀመላ ከም ዘሎ ንኹልና ቡሩህ እዩ።
    ከባቢ ዓሰብ ኣካሪዩ ፥ በማእት ሚልዮናት ዶላራት ዝቁጸር ገንዘብ ኣብ ሕሳቡ ኣእትዩ።
    ንእትዮጵያ ብዘይ ገለ ቅድመኩነት ፥ ዓሰብ ሂቡዎም።
    ዓሰርተታት ኣሻሓት ደቅና ዝተሰወኡሉ ዶብ ክሕንጸጽ ድልየቱ ከምዘይሙዃኑ ገሊጹልና።
    ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብሃገርና እንዳ ተጻወተ ፥ እሰያስ ከምዚ ይገብር ኣሎ ካብ ምባል ሓሊፍና ፥ ንሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ገለ ክንገብር ኣይካኣልናን።
    ናይ ህዝቢ ሓይሊ ኣብ ሓድነቱ እዩ። ሓቢርና ፥ ንሃገርና ፥ ልኡልነታ ኣፍሪሱ ኣብ እትዮጵያ ከይደመራ ከሎ ፥ ሃየ ንድሕነታ ንቃልስ።
    እቶም ነዚ ኣረመናዊ ስርዓት ተገልጉሉ ዘለኹም ፥ ህዝቢ ኣለልዩኩም ኣሎ ። ነብሱኹም ካብ ናይ ህዝቢ ቁጠዐ ከተድሕኑ ፥ ንደመኛ እሰያስ ንምእላይ ተሓባበሩ ።
    ሃገርና ኤሪትራ ንዘልኣም ነጻ ትንበር።

  • Hagherawi March 26, 2019

    Deglel aka rootless Dikala

    What you said to respected Brother K. Tewelde, all applies to you .
    How much do you handlers from 03 department pay you ?
    You failed to stop people coming together to demote the fascist clique in Asmara.
    Sooner or later your true identity will be exposed, then while Eritreans celebrate freedom, it will be your turn to live as refugee. If we come to know, you also killed someone to please the Eritrean brutal dictator, you will have no place to hide. You will face justice.
    All those serving the regime should take care they don’t get implicated in crimes. There is no way such crimes can be forgiven. The victims or their families will seek justice and perpetrators will be punished.

POST A COMMENT