ደብተራ ዓዲ ሃሎ ከመየ’ሎ? ደብተራ ዓዲ ሃሎስ ግርም ኣሎ ዝደለዮ ‘እዝዝ እምቢ ዘለ ቐትሎ ዝስልዖ ደሊ ዝስርስሮ በርበረ ዝዓጥኖ ዝሽርጦ ከረዛን መዚዙ ዝሽውጦ ብገመድ ኣሲሩ ዝውጥጦ! ሻብዓይ ምልዮነር ናይ ኣፍሪቃ ህዝብኻ ዘይብሉ ግራት ናይ ፈረቓ ናቕፋ ተገፊፉ ባንኪ እንዳ ክሻ ተዃዒቱ ‘ሽየጥ ኣዋርቕ ናይ ብሻ ዕዳግኡ ዱባይ መሬትና በርሺሻ ስዊዝ ካብ ተኸዝነ ክኸውን ውርሻ ደጊም ኣይተርፍን ክሃድም ናብ ጣሻ ትዝ’ዶብለኩም