Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓፈሻዊ ትንታነ ጽንብል ብዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ መበል 28 ዓመት

ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ናጽነት ካብ ካልእ እዋን ቁሩብ ዝፈልዮ እንተሎ ስርዓት ህግድፍ ኣብ ከቢድ ወጥርን ጸቕጥን ይብዕሎ ምህላዎ ካብ ማንም ሰብ ዝርሓቀ ወይ ዝተከወለ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምስቲ ዝሓለፈ ዓመታት ተማሳሳሊ ኮይኑ

ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ናጽነት ካብ ካልእ እዋን ቁሩብ ዝፈልዮ እንተሎ ስርዓት ህግድፍ ኣብ ከቢድ ወጥርን ጸቕጥን ይብዕሎ ምህላዎ ካብ ማንም ሰብ ዝርሓቀ ወይ ዝተከወለ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምስቲ ዝሓለፈ ዓመታት ተማሳሳሊ ኮይኑ ኩሉ እቲ ዝግበር ንስለ ዝክሪ ናይ’ቲ ዕለት ተባሂሉ ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ከመይ ይጥዕም ኢልካ ዝሕሰብ ስርሓትን ጥበባትን ዘማእዘኑ ኮይኖም፡ ከምቲ ልሙድ ክሉ እቲ ዝሰማዕናዮ ካብ ኢሰያስ እቶም ንፈልጦም ቃላት ዓመት መጸ ዝድገሙ ኣእዛና ዘጽመሙ ካብ ዓሰርተ ግዜ ምስምዕም እንታይ ከም ዝብል ቅድሚ መደርኡ (speech) ኩሉ ሰብ ካብ’ቲ ዝገመቶ ዝሓሰቦን ኣይወጸን። ቁሩብ ተማሓይሹ ተባሂሉ ሓደ ናይ ቃል ምውሳኽ ኣቲዎ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት እቶም ንፈልጦም የዕርኩትና ዝኾኑ ቃላት ናይ ኢሰያስ ብዓል ጽርግያ፡ ኤሌትሪ፡ ቀረብ ማይ፡ ህንጻዊ ስርሓት መንበሪ……….ወዘተ ነዞም ቃላት ሓደ ወዲ ማሕበር ዝተሓወሶም ድማ መሰመር መንገዲ ባቡር ክንሰርሕ ኣብ መርሓና ኣሎ ኢሉ ኢንጅነር። ወዮ ረሲዕዎ ወዕለት ናይቶም ኣባላት መንገዲ ባቡርን ሓይልታት ምኽልካል ኤርትራ ተማሃሮ ካልኣይ ድረጃ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ናይ ማእቶት ስራሕ ዝተሳተፍዎ ነቲ ዝዓነወ መስመር መንገዲ ባቡር ነቲ ስርዓት ደርግ ንድፍዓትን ካልእን ኢሉ ዝዕነዎ መስመር መንገዲ ባቡር ካብ ፈቆዶ ድፍዓት ኣኪባም ብግልቦቶም ን መሰመር ባጽዕ ኣስመራ ምስ ምኩራት ገዳይም ሰራሕተኛታ ኣባላት መንገዲ ባቡር ኢድን ጎንትን ኮይኖም ነቲ ፍጹም ዘይሕሰብ ዝነበር ብትብዓትን ተወፋይነት ካብ ባጽዕ (ካብ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ) ካሳብ ኣቁርደት ከእትውዎ ምስ ነቀሉ ምስ ተበገሱ እቲ ዕዮ ካብ ባጽዕ ክሳብ ክሳድ ኣስመራ ምስ በጽሐ ሹዑ እዩ ኢሰያስ ዝሰንበደ ነዚ ከመይ ጊረ ይቖጽዮ ኢሉ ድማ ሓሰበ ምኩራትን ሓደስቲ ኣባልት ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ነቲ ብማሽን ጥራይ ሓፍ ዝብል ብክሳዶም እንደ ተሸከሙ ነቲ ብተፈጥራዊ ድንቂ ዝኾነ ኣጻድፍ ምድረበዳ ሃሩር ዛሕሊ ሰንጢቆም ኣብ ኣፍደገ እታ ምጭውቲ ከተማ ምስ በጽሑ ሕልሚ ኮይኑ ተሰምዖ ነሱ ዝሓሰባ ካልእ ንሶም ዝሰርሕዎ ካልእ ኮይኑ ምስ ረከቦ ማራል ከይሃበ ካብ ዓውደ ኪናት ደሞም ርሃጾም ከይነቀጸ ድሕሪ ወራራት ወያነ ኣብ 2001 እዮም ጀሚሮሞ ክነዕርፍ ከይበሉ ብፍላይ ኣባላት መንገዲ ባቡር ዕድመ ዝደፍኡ ብዓል ኣቶ ነጋስ ወልደገርግሽ ኣብ’ቲ ግዜ ወዲ 90 ዓመት ነይሮም ኣብ’ቲ ሽዑ ዝበልዎ ክሳብ ወዲ 100 ዓመት ክሰርሕ እየ ኢሎም ነይሮም ከምኡውን ደበሳይ ዛሙ ወዲ 79 ዓመት ነይሮም መራሒ ናይታ ባቡር ማለት ኣውቲስታ እዚ ዕድመ ኣብ 2001  ዝነበረ እዩ ሕጂ ብሂወት ኣለውን የለውን እዝግሂር ዋንኦም ካልኡትውን ብተመሳሳሊ ኣብ’ዚ ክሊ ዕደመ ዘነበሩ እዮም። እዚኦም እዮም ክነዕርፍ ከይበሉ ነታ ዝሓስብዋ ዝምነይዋ ኤርትራ ብዘይ ተጎልባነት ፍልጠቶምን ዓቅሞምን ዝፍሰሱላ ምስቶም ደቆም ዲቂ ደቆም ኮይኖም ፍልጠት እንዳ ኣውረሱ ትንሳኤ መንገዲ ባቡር ኤርትራ ድማ ኣበሲሮም ዓለም ከይተርፈት ኣብ’ዚ ሽዑ ግዜ ናይ ደገ ጋዘጠኛታት ጽዕርን ተወፋይነት ናይ ኤርትራውያን ዘመስከሩ።  እዚ ኢልና እንታይ ንምባል እዩ ውዕሎቶም ኣብ’ዚ ናይ ይኣክል መደብ ክቃላሓሎም ነቲ ኣነ ጥራይ ከምዚ ጊረ ኢሉ ዝዛረብ ኢንጅነር ኢሰያስ ማሃንድሳት መንገዲ ባቡር ኣጥፊኡ ናይ’ዚ እውን መሃንድስ መንገዲ ባቡር ክኸውን ዝሕልን ዘሎ ወዳጀ ቅድሚ ንሳካ ምዝራብካ ሰሪሖሞ ካልእ መደባትን ሰሪዖ ነይሮም ኣቦታትና ክትሰርሕ ዝይኮንካስ መውዓሊ ምሕለፊ ግዜ’ካ መፋኮሲ ጭንቀትካ ክጥቀመሎ ነዚ ሓድሽ ሓሳብ መንገዲ ባቡር ኣንቂልካ ከም መታሊሊ ንኽትዕም እንበር ካልእ ኣይኮነን።  ዘራጊቶ እንተ ዝይትዘርጎ ሓሳብ ወይ ትንሳኤ መንገዲ ባቡር ባጽዕ፡ ኣስመራ፡ ኣቁርደ እዩ ነይሩ ዕላምኡ የግዳ ጽቡቕ ዘይትፈቱ ብኣግኡ ኮሊፍካዮም ፈቀድኡ ፋሕ ብትን ከም ዝብሉ ጊርካዮም ደቂ ኤረይ ጀጋኑ ሕጂ ድኣ እንታይ ተረኪቡ መንገዲ ባቡር ትብል ዘለካ ንመን ክተታልል ይኣኽል ሕጅስ ኩሉ ስራሕካ ሳላ ይኣኽል መደባት ተከሺሑ እዩ።

ናይ ለባማት ዘረባስ ካልእ እዩ ኽከውን ነይርዎ እንበር እዝስ ዲሒሩ ክስዕብ እዮ ዝግባእ ነቶም ከም ቁሪ ኣሳሒታ ትፈርሖም ቃላት ብዓል ቅዋም፡ ምጥያስ፡ ትምህርቲ (ስሚ ትምህርቲ ምካንካ ተፈሊጥካ ካብ ዘረባካ)፡ ሕክምና ገዲፍካስ ሃገር ክትኮኖ ሰብ ክኾኖ ገዲፍካስ ጎል መንገዲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ሕጅስ ይ ኣክለካ ዋላ ንዓካከማን ኣይስልቻወካን።  ብሓፈሻ ነዚ ይመስል ነይሩ።

 

ኣብ’ቲ ናይ ምርኢት ዝነበረ መደባት

 

ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ ድራማ ድርፊ ናይ ኤሮቤክስ ዝነበሩ ዝቀረቡ ንዑ ዝምጉሱ እዮም። ኩሎም እቶም ትሕዝቶታት እቶም መሻኪን ሚኒስተራት ይጸርፎም ከምዘሎ ኣይርድኦምን እዩ መስለኒ በርከ ኩሉ እቲ መደብ ምጎሳ ናብ ኢሰያስ ዝቀንዕ እዩ ብተዘዋዋሪ ንስኩም ሓንቲ የብልኩምን ማለት እዩ። ኣብቲ ትሕዝቶ ምስ እንምለስ፦- ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ ድራማ ዝነበረ ኣሽካዕላል ኣብ ህዝብን ስውኣትን  ዘርኢ እዩ ነይሩ። ዓወት ንሓፋሽ ኢልካ ዝምደር ዝነበረ ቃላት ስውኣትና ግንባሮም ብጥይት ዓረር እንዳ ተሃረሙ ደሞም እንዳ ዛረየ፡ ስግኦም እንዳ ተመትረ እስካ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ ኢሎም ትንፋሶም እንዳ ሓለፈ እዚ ረዚን ቃል ኣድሚጾም እዮም ሓሊፍም። መዳከርቲ ግና መላገጺ ጊርኩሞ ሓቅኩም ዝሓተኩም ኣይረከብኩም። ቁሩብ ስክፍ ኣይብለኩም ደክፍኣልኩም ዘጸብቀልኩም ኣይትፈልጡን እንበር ዓወት ንሓፋሽ !! ዋናታት ኣለዎ ንሱ እዩ ጭርሖና ነቶም ኣብ መትከል ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ።  ክብርን መጎስን ነቶም ነዚ ወርቃዊ ቃላ ኢሎም ዝሓለፉ ጀጋኑ ስውኣት ኤርትራውያን።

ናብ’ቲ ደርፊ ምስ እንርኢ ድማ

እቲ ዝበዝሐ ናይ ኢሰያስ ሞጎስ እዩ ዝስምዕ ነይሩ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣይ ምስህልዋት ኣይ ምስ …..

ብዓል ናጎ ብዓል ሻውሽ ብዓል ሰምሃር ……….ወዘት በዚሕኩም ኩልኩም ወዳሲ ደርፊ ንኢሰያስ እዩ ነይሩ ንኣብነት ሻውሽ ድዮም ዝብልዋ እቲ ዓቢ ሰብኣይ ዝደረፈ ጊና ኣየ ዘለኩ ሻባብ እየ ዘለኩ እንዳ በለ ክደርፍ ከሎ እንዳራኣካዮ ዕድሚኡን ግዜኡን  ዶስ ባዕሉ እዩ ገጢሙ ሂብኩም መቸስ እዝኒ ትሰምዕ ዓይኒ ትርኢ እያ ዘላ። ናብ ናጎ ምስ እንምለስ ፍትሕን ሓቅን ምሳካ እዩ ካብ ክትብሎ እንድዒ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዓይንካ እንዳ ረኣካ ከም ፍጹም ሰብ ጊርካ ነቲ ደርፊ ምቅራብካ ኣምላኽ ይቅረ ይበለልና ንሰባት ማዕረ ናብ ኣምላኽ ዝከይድ ሞጎስ ምሃብ። ቃንዛካ ትጽመም ዝብሉ ቃላት ነይሮሞ ንሱ ድኣ ይቑንዞዶ ዋላስ ይቁንዞ እቶም ኣብ ፈቆዶ ቤትማእሰርቲ ዘለው ድኣ ቃንዝኦም መን ቅጽመመሎም እዮ። ካልእ የለን ንስካ ኢካ ዝብል ቃላት ከም ወዲ ሰብ ኩሉ ዝመውት እዩ ድሕሪኡ ካበይ ክተምጽኡልና ኢኩም ዶስ ምጻት ዓልም ከርኽበና እዩ ድሕሪኡ ዶስ ኣይመውትን እየ ኢልኩም እዩ።

ኣብ’ቲ ናይ ደቂ የውሃንስ ሰምሃር ድያ እንድዒ ካብ ዝሓለፈ ቅድሚ ሕጂ ዝበለቶ ኣይተማህራን ዝተማህረት ወን ኣይትመስልን ተማሳሳሊ ካብዞም ዝጠቀስናዮም እዮም።

 

ብሓፈሻ ናይ ብዓል ናጽነት ድዮም ዝደርፉ ዘለዉ ዋላስ ናይ ብዓል ልደት (birth day) ናይ ኢሰያስ ኢዮም ክርድኣና ኣይክኣለን እሞ ልቢ የዕቡዩ መዛንኩም ስነጥበባውያን እንታይ ይገብሩ ኣለው እንተ ተስተውዕሉ እኩል ታሪፍ እዩ ነይሩ።

 

ሳሙኤል ካብ ማርካቶ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT